“ሪጋ ንባኒ  ሪጋ ንምርጫ ንህዝባዊ መንግስቲ ተዝኾን…!

 

ኣብ ኣስመራ ካብ ንቡር ተርእዮ ወጻኢ ባኒ ንምግዛእ ሪጋ፣ላምባ ንምግዛእ ሪጋ፣ፊኖን ምሸላን ንምግዛእ ሪጋ እቲ ዝገርም ሺጋራ ንምግዛእ`ውን ሪጋ፡፡

 

 ህዝቢ ብሪጋ ኣብ ርእሲ ሪጋ ተሸጊሩ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ምስ መዓልታዊ ንጥፈታት ህዝቢ ተዛሚዱ ዝረአ ናይ ባኒ ነገር ኣብዚ ሐጂ እዋን ዳርጋ ኩለን ስድራ ቤታት ናይ ስርናይ ፊኖ ክገዝኣ ዓቕሚ ስለዘይብለን እቶም ብዙሓት ስድራን ቆሎውዕን ዘለዎም ስድራ ቤታት ኣብ ባኒ እዮም ዝምርኮሱ፡፡

 

ሪጋ ባኒ  ድማ ንጉሆ ካብ ሰዓት 5፡00 ክሳብ ሰዓት 7፡00 ንክልተው ሰዓት ዝኣክል ድሕሪ ምጽባይ ዕደላ ባኒ ይጅመር፡፡ መንግስቲ ንባኒ ስለዝድጉም ድኳናት ብትሙን ናይ መንግስቲ ዋጋ`የን ዝሸጣ ዋጋ ሓንቲ ባኒ 0.29 ሳንቲም ካብ እንዳፈርኖ ኣምጺኦም ብ0.30 ሳንቲም ኣብ ድኳን ይሸጥዎ ብምኽንያት እቶም ነጋዶ መኽሰብ ዘይምርካቦምን ብኻሊእ ንግዲ እውን ሕጉሳት ብዘይምኻኖምን ልቸንሰኦም ንመንግስቲ ዝመለሱ ብዙሓት እዮም፡፡

 

በዚ ምኽንያት ከዓ ዋሕዲ ድኳናት ስለዘጋጠመ ህዝቢ ብሪጋ ተሸጊሩ ይርከብ፡፡ `ያኢ መፍትሒ ተባሂሉ እንዳፎርኖታት ብቐጥታ ንተገልጋሊ ምሻጥ ዋላ እንተጀመራ ሐጂ`ውን ኣብ እንዳፎርኖ ንሪጋ ከቃልል ኣይተረኣየን፡፡

 

 ነ`ዚ መረጋገጺ ኣስመራ ኣብ ፊት ፋርማሲ ቁጽሪ 1 ከባቢ ኣብ ትርከብ እንዳፈርኖ ብዕለት 02.11.2006 ዝነበረ ሪጋ እቲ ኣንጎሎ ከረን ሆቴል ተጠውዩ ከምዝነበረ ካብ`ዚ ፎቶ ግራፍ ንምርይ ይካኣል፡፡