24/10/2006
ሚስጢር ሕልፈተ ሂወት ዓሊ ሰይድ
ዓብደላ
ኢሳያስ
ብባህሪኡ ከሓድን
ጠላምን ምኻኑ ንህዝቢ
ኤርትራ ብፍላይ ኣብዚ
ዘለናዮ ህሞት ቅሉዕ
ኮይኑ ይርከብ፡፡
ንጥልመቱን ክድዓቱን
ጉልሕ ዝገብሮ ኣዝዩ
ብዙሕ እኳ እንተኾነ
ድሕሪ ጉጅለ-15 ብምባል
ኣብ መፋርቕ 2001 ቅንጸላን
ማእሰርትን ካብ
ዝጅምሮ ግን ናይቶም
ሓቅን ቅንዕናን ሒዞም
ዝመጎትዎን ክሙጉትኒ
ይኽእሉ እዮም ኢሉ
ዝጠርጠሮም ብጾቱን
ናይ ቀረባ መሳርሕቱን
ደም
ንምስታይ ንገሊኦም
ናይ ክድዓት ጸለመ
እንዳ ጠቀነ ንገሊኦም
ድማ ሓላፊ ፍሉይ ጉዳይ
ናይ ሂንቦልን
ዓራርብን ክመስል
ዘይፍልጥዎ ሕዱር
ሕማም እንዳ ዓደለ
ደርሆ ፋሕቲራ ትረኽቦ
ምኽንያታትን
ሓሶታትን
ብምዝርግሑ`ዩ:: እንሆ`ምበኣር
ሚኒስትሪ ወጻኢ
ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ
ዓሊ ሰይድ ዓብደላ`ውን
ብመሰረት ትእዛዝ
ፕረዝዳንት ኢሳያስ
ኣፈወርቅ ብሚስጢር
ከምዝተቐተለ
ኣፍልጦይ
ክሕብረኩም፡፡
ኣቶ ዓሊ
ሰይድ ዓብደላ
ሚኒስተር ወፃኢ ጉዳይ
ኤርትራ ብምኻን ድሕሪ
ምድስካልን ምሕያርን
ኣቶ ሃይለ
ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)
ካብ 2001 ክሳብ ዕለተ ሞቱ
(2005 ወርሒ 8) ከምዝሰርሐ
ይዝከር፡፡
ዓሊ ሰይድ
ዓብደላ ብፕረዝደንት
ኢሳያስ ንናይ ወጻኢ
ጉዳያት ተመዚዙ ስሩዕ
ስርሑ እንዳሰላሰለ
እንተሎ ብምኽንያት
ስርሑ ምስ
መሰትኡ፣ካብኡ
ንላዕልን ካብኡ
ንታሕትን ምስ ዝኾኑ
ናይ ዝተፈላለያ
ሃገራት ሰብ
ስልጣናትን
ዲፕሎማሰኛታትን
ይገብሮ ኣብ ዝነበረ
ርክባት ንሕልንኡ
ዝትንክፍ ሪኢቶታት
ይውሕዞ ኔሩ፡፡ ገለ ካብቶም
ዝውሕዝዎ ዝነበሩ
ሪኢቶታት ንምግላጽ “ቅዋምኩም
ግብራውነቱ
ዘይተልብስዎ?፣ኡስራትኩም
ብሕጊ ዘይትዳንዩ? ኣብ
ዓለም ተራእዩ
ብዘይፈልጥ ንሓያሎ
ዓመታት ስድራ ቤቶምን
ህዝብን ኣብ
ዘይፈልጥዎ ሱቱር ቦታ
ስለምንታይ
ሓይርኩምዎም ብሂወት
እንተደኣ
ሃሊዮም`ከ
ስለምንታይ ናይ ዓለም
ገበርቲ ሰናይን
ኣህጉራዊ
ቀይሕ-መስቀልን ክበጽሕዎም
ዘየፍቀድኩም?
ንመሰታኹምን
መቓልስትኹምስ
ክንዲዚ ከጨክነኩም
ዝኻኣለ ምኽንያት`ከ
እንታይ`ዩ?
ንእሽቶን ድኻን
ሃገር ካብ ዓቕማ
ንላዕሊ ሰራዊት ጼራ
ናብ ዘይትወጾ
ኢኮኖሚያዊ ቀውሲ
ትኣቱ ኣላ ስለምንታይ
ሰራዊትኩም
ዘይትንክዩ? ምስ
ጎረባብትኹም ዘሎ
ህውከት ብሰላም ዘይትፈትሕዎ?
ምስ ኣህግራዊ ማሕበረ
ሰብ ብፍላይ ምስ
ሓያላን ምዕራባውያን መንግስታት
ዲፕሎማስያዊ
ዝምድናታትኩም
ዘይተማሓይሹ?
መንግስትኹም ክሳብ
መዓስ እዩ ጊዝያዊ
መንግስቲ ኮይኑ
ዝነብር ስለምንታይ
ህዝባዊ ምርጫ
ዘይተካይዱ?
ኢኮኖሚያዊ
ፖሊሲኹም መሰረቱ ናጻ
ዕዳጋ ዘይትገብርዎ?
ወደባትኩም ንናይ
ውሽጢ ሃገርን
ወጻእተኛታት
ሰብ-ሃፍቲ ክፉት
ዘይትገብርዎ ? ናይ
ሃይማኖታውያን
ምእመናን ነጻነት ዘይተፍቅዱ?
…ወዘተ” ዝብሉ
ሕቶታትን ንዕድመ
ገድሉ ንድሕሪት
ተመሊሱ ከስተንትኖ
ዝቕስብ ይሰምዕ
ስለዝነበረ`ሞ ከኣ
እዞም ሓሳባት ብማዕዶ
ዘይኮነስ ብግብሪ ኣብ
ውሽጥና ኣብ ውሽጢ
ኤርትራ ባዕሉ እውን
ኣንዳዕዲዑ ብዓይኑ
ዝርእዮምን ዝፈልጦምን
ስለዝኾኑ ንዚ ኩሉ
መምዩ ምስ ፕረዝዳንት
ኢሳያስ ይገብሮም ኣብ
ዝነበረ ነብሰወከፍ
ውልቃዊ ርክባት
የልዕለሉ ኔሩ`ዩ፡፡
ፕረዝዳንት ኢሳያስ
ድማ እዚ ብኣቶ ዓሊ
ሰይድ ዓብደላ ብደገ
ፈኸም እንዳበለ
ብተደጋጋሚ
ዘጎሳጉሰሉ ዝነበረ
እንዳ ኸበድዎ ምስ
ከዱ “ኣንታ
ኣብ`ዛ ጽፍሒ`ዚኣ
ትምደቡ ሰባት
ተመሳሳሊ ሕማም`ድዩ
ዘለኩም ቅድሚ ሐጂ ድሩዕ
ንናይ ደገ
ኣተሓሳስባታት ጅሆ
ኮይኑ መመጺኡ
ከጽምመኒ ጸኒሑ`ስ
ሐጂ ከኣ ንስኻ ኣሰሩ
ሲዕብካ`ምበኣር” ብምባል
ንዓሊ ሰይድ ገኒሕዎ ከምዝነበረ
ባዕሉ ካብ ዝገለጸሎም
ብጾቱ ንምርዳእ
ኪኢለ፡፡
ምስ`ዚ
ተኣሳሲሩ ፕረዝዳንት
ብባህሪኡ ካብ ቀደሙ ንሓሳባቱን
ሪኢቶታቱን ተጻባእቲ
ዝኾኑ ሪኢቶታት
ንዘቕርበ ሰብ ኣብ ክንዲ
ንቲ ዘቕርቦ
ኣተሓሳስባታቱ
ዝማጎትን ዝጻባእን
ምስ ንቲ ሓሳብ ኣመንጭዩ
ንዘቕርብ ሰብ
ከምዝበኣስ
ኣንዳዕዲዕና
እንፈልጦ ጉዳይ`ዩ፡፡
እዚ ዝበልናሉ
ምኽንያት ዓሊ ሰይድ
ዓብደላ ተረኛ ግዳይ
ፕረዝዳንት ዝኾነሉ
ካሊእ ተወሳኺ ነጥቢ
ኢሳያስ ኣብ 2005 ኣቢሉ ናብ ካብነ
ሚኒስተራት ዘቕረቦ
ናይ ምደባ ፕሮፖዛል
ኔሩ፡፡ እቲ ብኢሳያስ
ተወጢኑ ዝቐረበ ናይ
ምቅይያር ፕሮፖዛል
ኣቶ ዓሊ ሰይድ
ዓብደላ ካብ ሚኒስትሪ
ወጻኢ ጉዳያት ናብ
ሚኒስትሪ ምክልኻል፣
ወ/ሮ ኣስካሉ
መንቆረዮስ ካብ ሚስትሪ
ዕዮን ሰብኣዊ
ድሕነትን ናብ
ሚኒስትሪ ወጻኢ
ጉዳይ፣ ጀ/ል ስብሓት
ኢፍሬም ካብ ሚስትሪ
ምክልኻል ናብ ዞባዊ
ምምሕራት… ወዘተ
ዝብል ኔሩ፡፡
ይኹን`ምበር ነዚ
ፕሮፖዛል`ዚ ከቕርብ
ከሎ ኣብ እዋኑ መበገሲኡ
ብዘየግድስ ዳርጋ
ኩሎም እዞም ዝተጠቐሱ
ሰባት ብመትከል
ተቓዊሞሞ`ኳ
እንተነበሩ ብፍላይ
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ
ዓሊ ሰይድ
ዓብደላን ሓላፊ
ሚኒስትሪ ምክልኻል
ጀ/ል ስብሓት
ኢፍሬምን ድማ
ብመሰረቱ እዚ
ክትሓስብን
ክተቕርብን መን
ሓላፍነትን ስልጣንን
ሂቡካ ብምባል
ንፕረዝዳንት ተሪር
ተቓውሞ
ከምዘቕረብሉን
ብድሕሪኡ`ውን ዓሊ
ሰይድን ጀ/ል
ስብሓትን ዝምድንኦም
እንዳተረረ
ከምዝኸደን ጉሁድ ኔሩ፡፡
ብተወሳኺ
ዓሊ ሰይድ ኣብ
ህዝብን ሰራዊትን
ዝሓሸ ተቐባልነትን
ጽልዋን ኔርዎ
ምኽንያቱ ውልቃውን
ሓፈሻዊን ጥርዓናቶም ብፍሕሽው
ገጽ ሰሚዑን ተቐቢሉን
ፍታሓት ይህብ
ብምንባሩ፡፡
እንተኾነ ግን እዛ ተግባር`ዚኣ
ንፕረዝዳንት ኢሳያስ
ምስ ባህሪያቱን
ጠባዩን ትኸይድ ስለዘይኮነት
ቀታሊቱ እያ፡፡
ከመይ`ሲ ካባይ
ንላዕሊ ህቡብነት
ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ
ምንቅስቓስ`ዩ ካብ
ዝብል ኣብታ ናይ
ተንኮል ልቡ ካብ
ዝዐቖረን ነጥብታት
ሓንቲ ብምኻናን`ዩ፡፡
በዚ
ምኽንያት ከምቲ ኣብ
ፈለማ ህዝባዊ
ሓይልታት ኤርትራን
ደሓር`ውን ህዝባዊ
ግንባር ሓርነት
ኤርትራን ብሕቡእ
እንዳተፈጸመ ዝመጸ
ክሳብ ሐጂ ንህዝብ
ኤርትራ ዘይተጋሃደሉ
ንብሉጻት
ኤርትራውያን
ዘጽነተሉ ናይ “መንካዕ” ታሪኽ ኣብ ልዕሊ
ብጻይና ዓሊ ሰይድ
ዓብደላ`ውን መልክዑ
ቀይሩ ክፍጽሞ ዝወጠነ
ፕረዝዳንት ኢሳያስ
ንዚ ሸርሒ ኣብ
ምፍጻም ዝተኸተሎ ሜላ
ከምዝስዕብ ምኻኑ
ንምርግጋጽ በቒዐ
ኣለኹ፡፡ መብዛሕትና
ከምንፈልጦ ዓሊ ሰይድ
ብመስተን ሲጋራን
ግዙእ ሰብ ኔሩ፡፡
በዘን ድኹማት ጎኑ
ብምእታው ድማ ከምቲ
ልሙድ ገይርዎ፡፡
ንኣፈጻጽምኡ
ብዝምልከት ድማ “እያሱ” ብዝብል ናይ
ሓሶት ስም ካብ እንዳ
ጸጥታ (ስለያ) ሓደ
ኡሙን ሰብ መዚዙ ኣዳሊዩ፡፡
እዚ ሰብ ዓርቢ ሚሸት 26.08.2005 ንሓደ
ኣብ ከባቢ ኤክስፖ ሲጋራ
እንዳ ዘረ ዝሸይጥ
ጸዊዑ “እያሱ” እበሃል
ብምባል ተላልይዎ
ናይቲ ቆልዓ ስምን
ኩነታት ስድራን ሓቲቱ
ድሕሪ ምርዳእ ድማ
በል ጽባሕ ሚሸት
ካብዚ ከባቢ
ኣይትጥፋእ ናብዚ
ዌስት ኢንድ
ስለዝመጽእ ክረኽበካ
እየ ሺጋራ ክገዝኣካ
እየ ብምባል ተፋንይዎ
ከይዱ፡፡ ሸያጢ ሺጋራ
ከም ቆጸርኡ ዕለት 27.08.2005
ምሸት ናብ ኣብ ቀጽሪ
ኤክስፖ ዝርከብ ዌስት
ኢንድ ከባቢ ሺጋርኡ
ሒዙ እንዳዘረ እንተሎ
“እያሱ”
ናብቲ ሸያጢ ሺጋራ
ብምኻድ ሓደ ባኮ
ሮዝማን ሺጋራ ጠሊቡ
ምስ ሃቦ ንታ ባኮ
ከፊቱ 2 ሓባ
ሺጋራ ኣውጺኡ ናብ
ሓንቲ ጅብኡ ብኣንጻሩ
ድማ ኣብ ካሊእ ጅቡኡ
ዝጸንሓ 2 ሓባ ሺጋራ ብምውጻእ
ናብታ 2 ሓባ ሺጋራ
ዘጉደለላ ባኮ
ተኪእወን
(ኣእትይወን)፡፡
ብድሕሪኡ ንቲ ሸያጢ
ሺጋራ ቆልዓ እታ ባኮ
ሺጋራ ንበይና
ከቕምጣ ከምዘለዎን
ካብኣ ክሸይጥ
ከምዘይብሉን
ብምጥንቓቕ
ኣምጸኣለይ ክብለካ
ከለኹ ክትህበኒ ኢኻ
ካብዚ ከባቢ
ከይትርሕቕ ኢሉ ተዛሪብዎ
ናብ ውሽጢ ዌስት
ኢንድ ይኣቱ፡፡ ኣብዚ
ዕለት`ዚ ኣብ ዌስት ኢንድ
ዓሊ ሰይድ ዓብደላ
ዝተዓደመሉ ናይ ወዲ
ጎይተኦም ዝበሃል ሰብ
መርዓ ስለዝነበረ ምስ
ካብ ኢማራት ዓረብ
ዝመጹ ኣጋይሽ ውዒሉ
ደንጊዩ ናይ ምሸት
ሰዓት 9፡00 ኣቢሉ`ዩ
ኣትዩ፡፡ ንዝተወሰነ
ሰዓታት ኣብ ውሽጢ
ጸኒሖም ሰዓት 11፡30 ናይ
ለይቲ ይኾውን ዓሊሰይድ ዓብደላን
እቲ ”እያሱ” ዝተብሃለ
ሰብን ዘሎውዎም
ጠቕላላ 7 ሰባት
ብሓባር ማለት ሜጀር
ጀነራል ውጩ (ኣብቲ
እዋን ኣዛዚ ስርሒት
ዞባ 05 ሐጂ ኣዛዚ
ስርሒት ዞባ 02)
፣ብርጋዴር ጀነራል
ሚከኤለ ሓንስ (ኣዛዚ
ክ/ሰራዊት 32) ፣ፍስሃየ
ገብረትንሳኤ (ፍሽ)
(ናይ እዮቬሊ ዋና ባር
)፣ካይሮ
ሰይቲ ብ/ጀ/ል
ሚከኤለ ሓንስን ስማ
ንጊዚኡ ዘይዘከርኩዋ
ሰይቲ ሜ/ጀ/ል ሮሞዳን
ኣውልያይን ብሓባር
ንፋስ ክወስዱ ካብ
ውሽጢ ዌስት ኢንድ
ይወጹ፡፡ ኣብ`ዛ
ሰዓት`ዚኣ እቲ “እያሱ”
ዝተበሃለ ሰብ ነቲ
ሸያጢ ሺጋራ ቆልዓ
ከምዘይፈልጦ ኮይኑ
በዓል ሺጋራ ብምባል
ጸዊዑ ቀስ ኢሉ እታ
ዘቐመጥካያ ባኮ ሺጋራ
ሃባ ኢሉ ጥቕሉል 50
ናቕፋ ሂቡ እታ ከቕምጠሉ
ዝኣዘዞ ባኮ ምስ ሃቦ
ብቐጥታ ወሲዱ ንዓሊ
ሰይድ ሃቦ፡፡ ኣብ`ቲ
እዋን ዋጋ እታ ባኮ
ሮዝማን ሺጋራ 25
ናቕፋ`ዩ ኔሩ፡ ነቲ
ሸያጢ ሺጋራ ቆልዓ
ግን ጥቑሉል 50 ናቕፋ
ምስ ሃቦ ቆልዓ
ኣሽሪፉ ክህቦ ምስ
ሰዓቦ ዓው ኢሉ “ካብዚ ረሓቕ”
ብምባል መልሲ
ከይተቐበለ ገዲፍሉ
ከይዱ፡፡ ድሕሪ`ዚ
ዓሊ ሰይድ ኣብደላ
ናብ 28.08.2005
ዘውግሕ ሞይቱ
ሓዲሩ፡፡
ድሕሪ
ሞት ዓሊ ሰይድ
ዓብደላ ላዕለዋይ
ሓላፊ ውሽጣዊ ሃገራዊ
ድሕነት ኤርትራ ኮ/ል
ስምኦን ገብረድንግል
ዝርከበና ሕደት ሰባት
ተወጻጺእና ናብ
መንበሪ ገዛውቲ
ሰራሕተኛታት ዌስት
ኢንድ ተመቓቒልና
ብምዛር ዓሊ
ሰይድ እንታይ በሊዑ?
እንታይ ሰትዩ? ምስ
መን ኣምሽዩ? ክንደይ
ሰዓት ወጺኡ? ኩነታት
ጥዕንኡ ከመይ
ኣምሽዩ?…ወዘተ
ንምሕታት ኣብ ኣጋ
ወጋሕታ ላዕልን ታሕትን
ክንብል እኳ
እንተርፈድና ውጺኢት
ኣልቦ`ዩ ኔሩ፡፡
ምኽንያቱ ከዓ ንምምሳል ስለ
ዝተዋፈርና እዩ ኔሩ፡፡
ኣይገበርዎን
ከይበሃል ኣስካሬን
ናብ ሆስፒታል
ብምውሳድ ተመርሚሩ ከምዝተሰመመ
ምልክታት እኳ
እንተተረኸበ
ብርጋዴር ጀነራል
ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን
ግን ንዚ ውጺኢት
ምርመራ ብምሕባእ
ሃንደበታዊ ሕማም ልቢ
(Heart attack) እዩ
ተባሂሉ ብመዓኽናት
ዜና ክግለጽ
ተጌሩ፡፡