ብ19 ጥቅምቲ 1999ዓ.ም ምሸት 'ዝኽሪ ንሓርበኛ ልምዓት ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን' ብዝብል ሽም ኣብ ሚላኖ ሆቴል መቐለ ብማሕበር ከየንቲ ትግራይ ዝተዳለወ መድረኽ ነይሩ፡፡

 

      ኣብቲ ጊዜ'ቲ ካብ ዝቐረቡ ምድላዋት ሓደ ብኣይተ በርሀ ሃይለ ኣቦመንበር ማሕበር ከየንቲ ትግራይ ዝቐረበ "ክንዲሽሕ" ዘርእስቱ ግጥሚ እዚ ዝስዕብ'ዩ፡፡

 

ክንዲሽሕ

 
                    

 

 

 

ሓደ እንተሎስ ክንዲሽሕ

ሰናይ ተግባሩ እንትበዝሕ

        በቲ ሽሙ ንግርቲ ዘንገረ

        ዘቕንእ ጉዕዞ ኣዐርዩ ዝሰመረ

ኣርኣያ ብብልሒ ቀላይ ልቢ ኣላይ

ኣርኣያ ብጠባይ ምቑልለይ ሕያዋይ

ሓወይ፣ ሓብተይ ቃሉ-መውፅኢ ኣፉ ሕራይ

ኣርኣያ ሃዋርያ - ኣብ ቀውጢ ምውፋይ

ሕቍፍ ድጉፍ ወዲ ዓደዬ በሃላይ

ኣርኣያ ንትግራይ ብተግባር መፍቀራይ፡፡

        ኢሂታ! ፍር ኢሉ ሓቛፋይ ከም ወዲእኖ

        ኤእ! ካብ ኮነማ ምኽኣል'ዩ ኖ!

ፈታዊ ታሕጓስ ዕልልታ

ልዋም ድቃስ ዘይመነወ ወትሩ ኣብ ሃይሃይታ

ህርኩት እምባ ኣፍራሲ

ሎሚ ግን ሃራሲ፡፡ 

        ከመይ ከምዝዝመር፣ ከመይ ከምዝሕረስ

        ከመይ ከምዝልማዕ፣ ከመይ ከምዝሕፈስ

        ኣምሂሩ ተግቢሩ

        ንፍቕሪ፣ ሓድነት ፅዒሩ፣ ጊዒሩ

        ሕልፊ ጎዩ - ሓሊፉ

        ዘለኣለማዊ ታሪኽ ኣፅሒፉ፡፡

ክንፀግብ 'ደኸ ኣይኮነን ምባሉ ላዕሊ ታሕቲ

ንለውጢ ምልፍዑ ሓጋይ ምስ ክረምቲ

ድማ'ኮ ኣብ ቀውዒ መሪፁልና ወቕቲ

በሊዕና ሰቲና ክንቀብሮ ምእንቲ፡፡

  

ጉዳም! ፀፅቡቝስ ሒዙዎ ጠቕሊሉ

       ክንዲሽሕ እቲ ሓይሉ

       ክንዲሽሕ ፅላሉ

       ኣብ ሕሊና ኩሉ - ሓወልቲ ተኺሉ፡፡

መላእ ምድረ ኣዳም! ወዳን ጓላን ኩላ! ፍቕሪ ምስ ሃበቶ

        ኣማን ብኣማን 'ሞዴል' ምስበለቶ

        ቀኒኣ ግዲ ንሳ - ሞት'ውን ፈትያቶ

                    ሞት'ውን ሓርያቶ፡፡

ዕላማ! ሕድሪ እቶም ሰማእታት ዝጨበጠ ዝተግበረ

        ኣብ መቓብሮም ብዝርአ ዘዝመረ

        ንድኽነት ዘርዓደ

        ክንዲሽሕ ሞይኡ - እንተሎ ሓደ

             እዚስ መዓዝ ሞይቱ እንተሞተ

             ልቢ ብዙሓት ዝብሓተ፡፡

ቅሰን በል ክንዲሽሕ ናዓኻ ይኹን ክብሪ

ቅብብል'ዶ ኣይኮነን ከይዲ ሂወት ባህሪ

ኣስተርሒ ኣይትሰከፍ - ተጠምጢምናዮ እንዲና.......

        ........ ነቲ በሪኽ ቦታ፣ ነቲ ርእሰ ምድሪ

ክንቅፅሎ ኢና! ኣለና ኣብቲ ራእይ ........

        ...... ሚልዮናት ሰብ ሕድሪ!!

 

            

             -    ክንዲሽሕ     -

 

 

                           በርሀ ሃይለ

                           መቐለ 19/02/99ዓ.ም