Back to Front Page


Share This Article!
Share
ንኣይተ ኣሉላ ዮሃንስ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ

ንኣይተ ኣሉላ ዮሃንስ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ

ግልፂ ደብዳቤ ናብ ፕሮፌሰር ክንደያ ብዝብል ርእሲ ንዘቕረብካዮ ፅሑፍ መብርሂ ምሃብ ይምልከት

10-30-18

ዝኸበርካ ኣይተ ኣሉላ ዮሃንስ፣ ኣብ ዩንቨርሲቲ መቐለ ይኹን ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ሃገርና ዘለው ሕፅረታት ንክቕረፉ ሃናፃይ ሪኢቶ ንምሃብ ዝወሰድካዮ ተበግሶ ኣዚና ክነድንቕ ንፎቱ። ጉዳይ ፅሬት ትምህርትን ህንፀት ወለዶን ንኹሉ ዜጋ ዝምልከት ብምዃኑ ነፍስ ወከፍ ሰብ ክንዲዝኸኣሎ ብፅሒቱ ከወፊ ክተባባዕ ይግባእ ኢልና ንኣምን ።

ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ኣብ ማሕበራዊ ገፅ ዓይጋ ዝወፅአ ፅሑፍካ ኣንቢብናዮ፣ ብዙሓት ጠቐምቲ ቁም ነገራት ድማ ረኺብናሉ። ገለገሊኦም ዝሓበርካዮም ሽግራት ከም ፀገም ኣለሊና ክንፈትሖም እናሰራሕናሎም ዝርከቡ እዮም ። ገሊኦም ድማ ንዓኻ ነቲ ፅሑፍ ፀሓፊ ይኹን ንኻልኦት ኣብቲ ጉዳይ ተመሳሳሊ ርድኢት ዘለዎም ወገናት መብርሂ ምሃብ ዘድሊ ኮይኑ ስለዘረኸብናዮ ነዚ ሓፂር መብርሂዚ ምሃብ መሪፅና ኣለና።

Videos From Around The World

ከምቲ ዝፍለጥ ንዕብየት ሓንቲ ሃገር ትምህርቲ መተካእታ ዘይብሉ መሳርሒ ምዃኑ ብምእማን መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ንናይ ትምህርቲ መሰረተ ልምዓት በፍላይ ድማ ንናይ መንግስቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ (ዩኒቨርሲቲታት) ዘለዓለ ጠመተ በምሃብ ኣዝዩ ዝነኣድ ስራሕ ሰሪሑ እዩ። መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሓፂር እዋን ዓብይ ምዕባለ ካብ ዘመዝገቡ ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ኾይኑ ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሀገር ደረጃ ኣብ ቕድሚት ካብ ዝስርዑ ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ንሙዃን በቂዑ አሎ፡፡ ዩኒቨርሲቲና ዓለምለኸ መዛኒ ብቅዓት ትምህርቲ (URAP) ብዝወፅኦ ውፅኢት ካብ ኢትዮጵያ 2ይ ካብ አፍሪካ ድማ መበል 48 ደረጃ ሒዙ ይርከብ። ን2025 ዓ.ም.ፈ ድማ ኣብ ተርታ ቡሉፃት 25 ዩኒቨርሲቲታት ኣፍሪካ ንምብፃሕ ብዝቐመጥናዬ ራኢ መሰረት ኣብ ምስራሕ ንርከብ።ጠንካራ ጎኒታትና ከም ዘለዉ ኾይኖም ኣብ ፅርየት ትምህርቲ ዘሎ ሽግር ንህዝብን መንግስትን ዘተሓሳስብ ሽግር ኮይኑ ከም ዘሎ ንኩሉ ሰብ ንፁር ሓቂ እዩ፡፡ ነቲ ዝርአ ዘሎ ጉድለት ፅሬት ትምህርቲ ንምፍታሕ ብደረጃ መንግስቲ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ከምዘሎ ኮይኑ ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ መቐለውን ብርክት ዝበለ ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡ ካብቶም ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝስርሑ ዘለዉ ዓበይቲ ስራሕቲ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል፡

                i.      ዓቕሚ መምህራን ንምጥንኻር ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ምድላውን መምህራን ክስልጥኑ ምግባርን፣

               ii.      ናይ ተግባር ትምህርቲ ንዘድልዮም ዓይነታት ትምህርቲ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ሃገርና ክንዲዝፈቐደ ንቤተ-ፈተነ ዝኾኑ ኣቁሑት ክግዝኡ ምግባር፣

             iii.      መምህራን ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ደረጃ ትምህርቲ ቀልጢፎም ንክመሃሩ ኣድላይ ድጋፍ ምግባር፣ ይርከብዎም

ኣይተ ኣሉላ ኣብ ፅሑፍካ ብሰፊሑ ካብ ዘተኮርካሎም ጉዳያት ሓደ ጉዳይ ምልመላን ምቑፃርን ደቂ ኣንእስትዮ መምህራንን ዘለወን ዓቕሚን ዝምልከት እዩ። እዚ ጉዳይዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝርአ ንደቂ ኣንስትዮ በጠቓላሊ ድኹማት ገይርካ ናይምርኣይ ዝንባለ ዘመንጨዎ ከምዘይከውን ተስፋ ንገብር።

ኮይኑውን ነቲ ጉዳይ መምህራን አብ ክልተ መቒልካ ምርኣይ ጠቓሚ እዩ። እቲ ቀዳማይ ሕፅረት ዓቅሚ መምህራን ዝምልከት እንትኸውን፣ እቲ ሽግር ብደረጃ ሃገር ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከይፈለየ ብማዕረ ዝርአ ሃገራዊ ሽግር ምዃኑ ምርዳእ ኣድላይ እዩ። ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሽግር ኣይኮነን። ልክዕ ከምቶም ደቂ ተባዕትዮ ብዘለወን ዓቕሚ ምምሃርን ምስትምሃርን ኮነ ዓቕሚ መፅናዕትን ምርምርን በደረጃ ዩኒቨርሲቲና ኮነ ብደረጃ ሃገር ንኡድ ኣበርክቶ ዝገበራ ጥራይ ከይኮናስ ብደረጃ ኣህጉርውን ነቲ ዩኒቨርሲቲ ዘፀውዓ ብቑዓት ደቂኣንስትዮ መምህራን ኣለዋና። ብኣንፃሩ ኸዓ ከምቲ በብደረጅኡ ሕፅረት ዓቕሚ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ መምህራን ክህልዉ ዝኽእሉ ሕፅረት ዓቕሚ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ መምህራንውን ክህልዋ ከምዝኽእላ ምግንዛብ ግቡእ እዩ። ስለዝኾነውን ዓቕሚ ናይቶም ሕፅረት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ መምህራን ሕፅረታት ንምፍታሕ ዩኒቨርሲቲና ዓብይ ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ። ዓቕሚ ተነፃፃሪ እንተኾነኳ ዓቕሚ ዝፍጠርን ዝምዕብልን ኣብከይዲ ተግባር ምዃኑ ንዝኾነ ሰብ ርዱእ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ተግባርና ዘረጋግፆ ዘሎ ድማ እዚ እዩ።

በአጠቃለሊ ዩኒቨርሲቲና ንምዕባይ ዓቕሚ መምህራን ዓብይ ትኩረት ሂቡ እናሰርሐ ዝርከብ ብምዃኑ ካብ ዘለውና ጠቅላላ 1761 መምህራን እቶም 883 ኣብ ተወሳኺ ትምህርቲ ይርከብ። ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ካብ ዝርከቡ መማህራና ድማ እቶም 196 3ይ ዲግሪ ዝርኸቡ፣ 883 ድማ 2ይ ዲግሪ ዝርኸቡ እዩም።

ምስ ምልመላን ምቑፃርን መምህራን ተተሓሒዙ ዘልዓልካዩ ነጥቢ ግን ኣዝዩ ሚዛን ክሕዝ ዝግብኦ ይመስለና። ብመሰረቱ ነፍስ ወከፍ ናይ ምልመላን ምቑፃርን ምንቅስቓስ ዝፍፀም ብመሰረት መምርሒ ሚንስቴር ትምህርቲ እዩ። እቲ መምርሒ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ መምህራን ዝምልመሉን ዝቑፀርሉን ኣገባብ ብንፁር አቐሚጥዎ ኣሎ። ዩኒቨርስቲናውን ነዚ መምርሒዚዝፃረር ተግባር ኣይፈፀመን። ብኣንፃሩ እቲ መምርሒ ካብ ዘቐመጦ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልመላሉ ናይ 2.75 ነጥቢ ንላዕሊ ኸይድና ልዕሊ 3.25 ነጥቢ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ክወዳደራ ብምግባር ዝሐሸ ፍልጠትን ክእለትን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ንመምህርነት ኣብምምልማልን ኣብ ምቑፃርን ንርከብ ።

ንደቂ ኣንስትዮ ክውሃብ ዝግበኦ እወንታዊ ድጋፍ ብዝምልከት እንተኾይኑውን ዩኒቨርስቲና በቲ ዝፈፀሞ ተግባር ክነኣድምበር ክውቀስ ዝግብኦ ኣይኮነን ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ዩኒቨርስቲታት ሃገርና ዝነበረ በዝሒ ደቂ ኣንስትዮ መምህራን ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ። ዩኒቨርስቲና ካብ ዝጣየሽ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ዝነበረኦ ደቂ ኣንስትዮ መምህራን በዝሐን 157 ጥራሕ እንትኸውን በዝሒ ደቂ ተባዕትዮ መምህራን ግን 1421 እዩ ነይሩ። ዩኒቨርስቲና ነዚ ሰፊሕ ኣፈላላይዚ ከም ፀገም ተረዲኡን ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣሚኑን መፅናዕቲ ኣካይዱ። ምስ ናይቲ ዩንቨርስቲ ማህበረሰብ ብምዝታይ ኸዓ ነቲ ብመፅናዕቲ ዝተነፀረ መፍትሒ ኣካል መመሓዳደሪ ሕጊ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ክኸውን ገይሩ ። በዚ ድማ ንመላእ ሃገር መርኣያ ኣብነት ዝኸውን ተግባር ኣብ ምፍፃም ይርከብ።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ሃገርና ናይዚ ዩኒቨርሲቲና ዘተኣታተዎ ተግባራዊ መፍትሒ ረብሓ ተረዲኡን ናይ ሃገርና ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ይኹን ምዕዋት ሸቶታት ልምዓት ሚለንየም ኣብግምት ብምእታውን፣ ከምኡውን ብዘይካ ሙሉእ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ልምዓት ክሕሰብ ከምዘይከኣል ብምርዳእን ንዩኒቨርሲቲና ኣፍልጦ ሂቡ። ኩለን ዩኒቨርስቲታት ሃገርና ኸዓ ነዚ ተሞክሮዚ ተግባራዊ ክገብራ መምርሒ ኣውሪዱ ክፍፀም ኣብምክትታል ይርከብ። ስለዝኾነውን ካብ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ሃገርና ዝርከባ ኹለን ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ነፍስ ወከፍ ክፍሊ ትምህርቲ ዝበለፀ ውፅኢት ንዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣወዳዲረን መምህራን ኣብምምልማልን ኣብ ምቑፃርን ይርከባ። በዚ መስርሕዚ ብምኻድ ድማ ዩኒቨርሲቲና ሓደሽቲ 394 ደቂ ኣንስትዮ መምህራን ክምልመላን ክቑፀራን ብምግባር ንዝነበረ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ መምህራን ናብ 551 ሓፍ ክብል ገይሩ እዩ። እዚ ተግባርዚ ዩኒቨርስትና ካብ ዘመዝገቦም ዓበይቲ ዓወታት ከም ሓደ ዓወት ዝርእዮን ብቐፃልነት ኣጠናኺሩ ክሰርሓሉ ዝደልን እዩ ።

ቅድም ክብል ዓቕሚ ብዝምልከት ዝተውሃበ መብርሂ ከምዘሎ ኮይኑ ካብተን ዝተመልመላ ሓደሽቲ ማምህራን ነተን ልዕሊ 80% ዝኾና ብቐጥታ ናብ ትምህርቲ ክኣትዋ ብምግባር ተወሳኺ ፍልጠትን ኽእለትን ክረኽባ ይግበር አሎ።።ዝተረፋ ድማ ብምኽንያት እቲ ብደረጃ ሃገር ዘሎ ሕፅረት በዝሒ መምህራን ናብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክኣትዋ ተገይሩ አሎ።

ስለዝኾነ፣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ናይ ደቂ ተባዕትዮ መምህራን ዓቅሚ ናይ ምህናፅ ስራሕ ኣብ ዩኒቨርሲቲና ዓብይ ትኹረት ተዋሂቡዎ ይስራሕ ከምዘሎ፣ ንደቂ ኣንስትዮ መምህራን ፈሊኻ ዓቅሚ ከምዘይብለን ገይርካ ምቕራብ ዘይግቡእን ኣካል ናይቲ ኣብ ብርክት ዝበሉ ወገናት ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ወይ ኸዓ ሕፅረት ሓበሬታ ዘበገሶ ሽግር ኮይኑ ረኺብናዮ አለና። መፍትሒ ናይቲ ሽግር ድማ ነቲ ጉጉይ ኣተሓሳሰባ ምስትኽኻል ወይ ድማ ኣብ ሓደ ጉዳይ ደምዳሚ ሪኢቶ ቅድሚ ምሃብ ካብቲ ዝምልከቶ ኣካል እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ምፅዓር እዩ።

እቲ ካልኣይ ዘቕረብካዮ ሪኢቶ ብዛዕባ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቴክኖሎጂ ዘሎ ከይዲ ኣመሃህራ ዝምልከት እዩ ። ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ - መቐለ (ኢ.ቴ.ኢ-መ) ሃገርና ንተመዝግቦ ዘላ ስሉጥ ዕቤት ዝምጥን ሓይሊ ሰብ (በዓል ሞያ) ኣብ ምፍራይ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ርኡይ ተራ እናተፃወተ ይርከብ፡፡ ኣብ ትሕቲ ኢ.ቴ.ኢ-መ ካብ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ትምህርትን ክፍልታት ትምህርቲን እቲ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኬሚካላዊ ምህንድስና እዩ፡፡ ካብዚ ቤት ትምህርቲዚ ዝምረቑ ኬሚካል መሃንዲሳት ብቐጥታ ኣብ ዝተፈላለዩ ፋብሪካታት ክሰርሑ ዝዋፈሩ ብምዃኖም ፅሬት ናይቲ ዝውሃቦም ትምህርቲ ብኣግባቡ እንተዘይተረጋጊፁ ዝኸፍአ ኽሳራ/ሓደጋ ከምዘስዕብ ብምርዳእ ኣድላይ ፍልጠትን ክእለትን ክቐስሙ ንምግባር በዘይምንም ቅድመ ኹነት ይስራሕ አሎ። ፡፡ ኣብ ዩኒቨርስቲና ብኣጠቃላሊ፣ ፅሬት ትምህርቲ ንምክትታል ብደረጃ ቤት ትምህርትን ብደረጃ ነፍስ ወከፍ ክፍሊ ትምህርትን ብሉፅነትን ፅሬትን ትምህርቲ ዘረጋግፁ አብያተ ፅሕፈት ተኸፊቶም ናይ ቁፅፅርን ክትትልን ስርሖም እንዳሰርሑ ይርከቡ፡፡

ተምሃሮ ነቲ ብኽልሰ-ሓሳብ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ንምጥንኻር በተግባር ዝመሃሩሎም ብዙሓት ናይ ቤተ-ፈተነ ኣቁሑ ስለዘለዉ ናይ ተግባር ልምምድ የካይዱ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ናይ ኬሚካል ምህንድስና ትምህርቲ በተፈጥርኡ ምስ ፋብሪካታት ዝተተሓሓዘ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ዩኒቭርሲትና ንዘለው ኣብያተ -ፈተነ ካብ ምጥቃም ሓሊፎም ኣብ ከተማና፣ ክልልናን ሃገርናን ናብ ዘለው ፋብሪካታት ከይዶም ናይ ተግባር ትምህርቲ ንክመሃሩ መምህራንን እኹል በጀትን (ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረት) ይምደብ እዩ፡፡ እዚ ማለት ግን ክንጥቀመሉ ንኽእል ዓቕሚ ንምጥቃም ዝግበር ፃዕሪ ንምርኣይበር ኣብ ናይ ዪኒቨርስቲና ኣብያተ-ፈተነ ይኹን ኣብ ደገ ዘለዉ ፋብሪካታት ናይ መሳሪሒታት ሕፅረት የለን ማለት ኣይኮነን ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ናይቲ ፅሑፍ ኣቕራቢ ንመምህራን ክፍሊ ትምህርቲ ኬሚካል ምህንድስና ብዝምልከት ዘቕረብካዮ ሓሳብ መምህራንና ተምሃሮኦም ንምብቃዕ ንዝገብርዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣብ ግምት ዘየእተወን ኣብ እኹል መረዳእታ ዘይተመስረተን ምዃኑ እናገለፅና ተወሳኺ መረዳእታ እንተደሊኻ ኣብ ዝኾነ ግዜ ካብቲ ክፍሊ ትምህርቲ ክትረክብ ከምትኽእል ክንገልፅ ንፈቱ፡፡

ብዛዕባ ኣብያተ ትምህርቲ ሜካኒካልን ኢንዳስትሪያልን ምህንድስና ዝቐረቡን ቅድም ክብል ኣብ ገምጋምና ዝረኣናዮምን ዝተወሰኑ ብደረጃ ሃገር ኣብ ኩለን ዩኒቨርስታት ዝረኣዩ ሕፅረታት ብፍላይ ናይ ኣብያተ ፈተነ (ላባራቶሪ) መስርሒ ኣቕሑትን መምህራንን ሽግራት ንምፍታሕ እናተሰርሐ ይርከብ ፡፡ ኾይኑ ግና ኣብቲ ፅሑፍ ካብ ዘቕረብካዮም ነጥቢታት ዝተወሰነ ናይ ሓበሬታ ሕፅረት ከምዘለካ ስለ ዝተገንዘብና መብርሂ ምሃብ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

 

ኣብ መምሃሪ ክፍሊታትና ዘሎ ናይ ተመሃራይን መምህርን ጥምረት ብማእኸላይ 1፤20 ኾይኑ እተን ዘለዋና ማሽን ኣብቲ ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪከለም) ኣብ ዘለዉ ናይ ተግባር ትምህርቲ ዝጠልቡ ኮርስታት በተን ዘለዋና መሳርሒታት (ማሽናት) ንተማሃሮና ብኣግባቡ ነምህሮም ኢና፡፡ ነዚ ንምርግጋፅ ኸዓ ኣብ ነፍስ ወከፍ ናይ ተግባር ትምህርቲ መውሃቢ ክፍልታት በቢመንፈቕ ዓመቱ (ሰሚስተሩ) ዝልጠፉ ናይ ተግባር ትምህርቲ ሰሌዳታት ክፍለ ግዜ ምርኣይ ዝከኣል እንትኸውን ቁፅፅር ኸዓ ይግበር እዩ፡፡

 

ዩኒቨርስቲ መቐለ ከምመጠን ነባር ዩኒቨርስቲን ኣብ ስሜናዊ ክፋል ሃገርና ኣብ ዘሎ ክላስተር ካብ ዝርከቡ ዩኒቭርስታት ዝሓሸ ዩኒቨርስቲ ስለ ዝኾነን ንሓደሽቲ ዩኒቨርስታት ንተምሃሮና ብዘይጎድእ መንገዲ ሓገዝ ይገብር እዩ፡፡ ቤት ትምህርትና ኸዓ ንዩቨርሲቲታት ዓዲግራት፣ ኣኽሱም፣ ወልድያ፣ ራያ፣ ሰመራን ኮምቦልቻን ናይ ላባራቶሪ ትምህርቲ ኣገልግሎት ብናትና ማሽናት፣ መምህራንን ቴክኒካዊ ተሓጋገዝትን ይህብ እዩ፡፡ ንተማሃሮና ይኹን ካብ ካልኦት ሓደሽቲ ዩኒቨርስቲታት ንዝመፁ ተማሃሮ ናይ ተግባር ትምህርቲ ዘምህሩ ቡቑዓት መምህራን ኣለውና፡፡ እዚ ማለትና ግን እቶም ዘለዉ ናይ ተግባር መምሃሪ መሳርሕታት ምስቲ ናይ ተማሃሪ በዝሒ እንትነፃፀሩ እኹላት እዮም ማለትና ከምዘይኮነ ክትርደኣና ንደሊ።

 

ነቶም ኣብ ጠቕላላ ናይ ቴክኖሎጂ ቤት ትምህርቲታት ዘርአዩ ሕፅረት ብዘላቕነት ንምቕራፍ እኹል ቤተፈተነታት፣ መምሃሪ ክፍሊታት ዘለዎ ሓዱሽ ቑፅሪ (መለስ ግቢ) ኣብ ኲሓ ሃኒፅና ንምድማር ኣብ ምኽብኻብ ንብከብ።

ኣብ ቤት ትምህርትና ሰሚስተር እንትጅመር ንነፍስ ወከፍ ኮርስ ነፍስ ወከፍ መምህር ናይ ኮርስ ትልሚ የውፅእ፣ እቲ ትልሚ ብነፍስ ወከፍ ሓላፊ ክፍሊ ይግምገም፣ ብናይ ብሉፅነትን ፅሬትን መረጋገፂ ቤት ፅሕፈት ይረጋገፅን ንተማሃሮ ኸዓ እቲ ኮርስ ክጅመር ከሎ ከም ኮርስ ኣውትላይን ይወሃቦም፡፡ በዚ ናይ ኮርስ ትልሚ መሰረት ተማሃሮ ይመሃሩ ምህላዎም በቢወርሑ ናይ ኮርስ ኦዲት ተማሃሮ ክመልኡ ይግበር፡፡ በዚ መንገዲዚ ተገምጊሙ እቲ ኣገባብ ኣዋህባ ትምህርቲ ካብቲ ትልሚ ወፃእ እንተኾይኑ ናይ ምስትኽኻል ስጉምቲ በቲ ክፍሊ ይውሰድ፡፡ በዚ መስርሕ እዚ እንትስራሕ ሓላፍ ዘላፍ ኣይህሉን ማለትኳ እንተዘይኮነ ዝረኣዩ ሕፅረታት በቢግዚኡ እናተኣረሙን እናተስተኻኸሉን ክኸዱ ይግበር። ካብዚ ብዝተፈለየ ከምቲ ኣብቲ ፅሑፍ ዝተገለፀ ይትረፍዶ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሓደ ወርሒ ወይ ኣብ ክልተ ወርሒውን ኮርስ ዝውድእ መምህር ክህሉ ኣይኽእልን፡፡

 

ዩኒቨርስቲ መቐለ ተማሃሮ ዝምዝገቡሉን ውፅኢቶም ዝርከቡሉን ኢ-ስቱደንት ዝበሃል ናይ ኦንላይን ፓኬጅ ኣሎ፡፡ ኣብ ገለ እዋን ብምኽንያት ቴክኒካዊ ስሕተት ውፅኢት ተማሃሮ ኣብቲ ኢ-ስቱደንት ዘይርከበሉ ኩነታት ዝፍጠርኳ እንተኾነ ምስቶም ናይ ኢ-ስቱደንት ኣመሓደርቲ ብምዃን ይፍታሕ እዩ፡፡ መብዛሕትኦም መምህራን ግቡኦም ኣብ ግዜኦም ዝፍፅሙ እንተኾኑውን ካብ ዘይምፍላጥን ብዝተፈላለዩ መኽንያታትን ናይ ተማሃሮ ውፅኢት ብእዋኑ ዘየረክቡ ውሑዳት መምህራን ኣለዉ። ነዚ ተግባርዚ ዘይምፍፃም ኣብ መመሓዳደሪ ሕጊ ዩኒቨርሲቲና ንዝተቐመጠ ግቡእ መምህራን ዘይምፍፃም ብምዃኑ ግቡኡ ዘይፈፀመ መምህር ብመሰረት ሕጊ እቲ ዩኒቨርሲቲ መምሃራይ ዝኾነ ስጉምቲ ዝውሰዶ ምዃኑ ክንሕብር ንደሊ።፡፡

 

ኣብ መወዳእታ ምስ ፅሬት መደቀሲ ክፍሊታት ተምሃሮ ተተሓሒዙ ኣይተ ኣሉላ ዘልዓልካዮ ጉዳይ፣ ዩኒቨርስቲና ዓብይ ትኹረት ሂቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኾይኑ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት እቲ ሽግር ተፈቲሑ ይርከብ። እዚ እንትበሃል ግን እቲ ፀገም ሐደ ግዜ ፈቲሕካዮ ዝጠፍእ ነገር ብዘይምዃኑ ብቀፃልነት ክንሰርሓሉ ምዃና እናገለፅና ኣቕራቢ እቲ ፅሑፍ ኣይተ ኣሉላ ይኹን ካሊእ ግዱስ ውልቀሰብ ብዛዕባ ኣጠቓላሊ ምንቅስቃስ ዩኒቨርስቲና ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ንምርካብ እንተመፂኡ በሪና ኽፉት ምዃኑን በዘይኻ ናይ ማሕበረሰብ ድጋፍ ዩኒቨርሲቲ ናብቲ ዘድሊ ደረጃ ከምዘይበፅሕ ብምእማን ንዝቐርቡልና ሃነፅቲ ሓሳባት ተቐቢልና ዩኒቨርስቲና ዘቐመጦ ራእይ ንምዕዋት ከምእንሰርሕን ክንገልፅ ንፈቱ።

 

Back to Front Page