Back to Front Page


Share This Article!
Share
ትግራይን ማዕኸን መራኸቢ ብዙሓንን (Mass Media)

 

ትግራይን  ማዕኸን መራኸቢ ብዙሓንን (Mass Media)

                                                    ይዲድያ ብጹእ 08-27-18

ማስ-ሚዲያ መራኸቢ ህዝቢ ማለት እዩ። ማስ-ሚዲያ ኣብ ሕድሕድ ሰብ ሕይወት ዘጻወቶ ተራ ዝፍለጥ እዩ። መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሓደ ማሕበረ-ሰባዊ ምንቅስቃስ ሃናጺ እጃም ዘለዎ እንትኾን፤ ካብ ማሕበራዊ ንቕሓት ምዝርጋሕ እስካብ ምውህላል ሓበሬታን፤ መረዳእታን  በተወሳኺ’ውን ሕዝቢ ብዛዕባ  ነገራት ዝህልዎ ዝንባሌ ምሕባር ዝጽምብር እዩ።

ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ሚዲያ ብርቱዕ ናይ መራኸቢ መሳሩሕን መንገዲን እዩ።  ሎሚ ኣብ ምዕባይ ዘላዋ ዓዲታት’ውን ሚዲያ ኣዝየን በስፍሓት እናትጠቐማሉ ዝርከባሉ መዋእል እዩ። ወዲሰብ ሚድያ በኣገባቡ እንተ ተጠቒሙሉ ሃናጻይ ክኸውን ከምዝእኽል፤ በዘይ ኣግበብ እንተ ተጠቒሙሉ ድማ አፋራሳይ ክኮውን ዝኽእል እዩ።

ሚድያ በዓለም ዙሩያ ዝክሰቱን ዝራኣዩ ንጥፈታትን ክሰተታትን እንታይ ከምዝጎድእን ከምዝጠቕምን ነጺርካ ንምፍላጥ የኽእል እዩ። ሚዲያ ዙሪያና ኹሉ ኸቢቡ ዝርከብ ርባብ ወይ ከዓ ዲሪ (Net) እዩ። ሬድዩ ምስማዕ፤ ጋዜጣን መጽሓፍ ምንባብ፤ ቴለቭዥን ምርኣይ ካበቶም ተጠቀስቲ ናይ ሚዲያ ክፋላት ገሊኦም እዮም።

ናይ ዓለም ስልጣነ ብዝዓበየ ቑጹሪ ሚዲያ ምስኡ ዝዓቢ እንትኾን፤ ቴክኖሎጂ ንክዓቢን ፍልጠት ንክሸጋገርን ዝዓዘዘ ግደ ዘለዎ እዩ። ሰብ ኣብ ዘለዎ ናይ ዓለም ነጥቢ ይነበር፤ ብዘየገድስ ሚዲያ ምስ አዙዩ ካብኡ በመልክኣ- ምድር ዝርሓቐ ሰብ ብቐሊሉ ክራኸብ አኽኢልዎ እዩ። ካብዙይ ብተወሳኺ ሚዲያ ማዕኸን ወይከዓ መወህለሊ ጠቐምቲ ሓበሬታት እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ንዝውህልልዎ ፍልጠት ሚዲያ ዝልዓለ ግደ ዘለዎ እዩ።

Videos From Around The World

ማስ-ሚዲያ በብዙሓት ሸነኻት ንሕብረተሰብ ጠቓሚ እዩ። ብፈለማ ሓዳ ህዝቢ ካብኡ ብጣዕሚ ሪሒቖም ዝርከቡ ካልኦት ሕዝቢታት ከራኽቦምን ከፈልጦምን ዘኽእል ዓውዲ መራኸቢ እዩ። ካብዙይ ብተወሳኺ ኣብ ጓጎኦም ወይ ድሞ ቐረቦኦም ብዛዕባ ዘለው ኣናእሽተይ ነገራት  ሓበሬታ ነጺሩ ዝህቦም እዩ። እዙይ ብዜናን መዘናግዒን (entertainment) መልክዕ ክቐርብ ዝኽእል እዩ።

ብኻልኣይ ብርኪ ሚድያ ናይ ህዝቢ ድሕንነት ዝሕሊ ከም ነባሒ ኸልቢ (Watching dog) ኾይኑ ዘገልግል እዩ። ህዝቢ ብዛዕባ ረብሕኡ ንክፈልጥ ዝረድእ መሳሩሕ ካብ ምኻኑ ንላዕሊ፤ ፖለቲካዊ ሻጥርን ንቕዘትን ዘጋልጽ ፉቱን መንገዲ እዩ። ኣብ ናይ ህዝቢ ዘተን ሙግትን (debate) መንግስቲ ተጠያቒ ኾይኑ ጠጠው ዝብለሉ ባይታ ዝፈጥር እዩ።

ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል (Access to information) ቁልፊ ካብ ዝኾኑ ናይ ዴሞክራሲ መሰላት እቲ ሓደ እዩ። ካብዙይ ብተወሳኺ ዜጋታት በሰለማዊ መንገዲ ክዛረቡ፤ ከውደቡ፤ ከጽሕፉ፤ ክእከቡ፤ ክስለፉን ዝመስሎም ሃሳብ በዝይ ስክፍታ ክገልጹን መሰሎም እዩ። በሐዳ መገዲ ኮነ ብኻሊእ እዚኦም ንምሕምሻሽ ወይም ንምግሃስ ዝግበር መንግስታዊ፤ ውድባዊን ውልቃውን ጻዕሪ ተቐባሊነት ዘይብሉ ጸረ- ዴሞክረሳያዊ አሰራርሓ እዩ።

ናይ ምዝራብ መሰል (Freedom of speech):- ብዘይ ገለ ሳንሱር፤ጽዕንቶን ህጋዊ ቕጽዓትን  ሓደ ሰብ ወይ ካዓ ውድብ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምቕራብ መሰል እዩ። ከም አምነሲቲ ኢንተርናሽናል ዩኬ (Amnesty International UK) አገላልጻ ናይ ምዝራብ መሰል ከምዝስዕብ ተገሊጹ አሎ፦

“Freedom of speech is the right to seek, receicve and impart information and ideas of all kinds, by any means”

   “መሰል ምዝራብ ማለት ዘድሊ ሓበሬታን ሓሳብን ኩሉ ብዝኾነ መንገዲ ናይ ምርካብ፤ ምድላይን ምትሕልላፍን መሰል እዩ” ትርጉም ናተይ።

ኣምነሲቲ ዩኬ  መሰል ምዝራብ (Freedom of speech) ከምዝስዕብ የብራህርሆ፦

“Freedom of speech and the right to freedom of expression applies to ideas of all kinds including those that may be deeply offensive. But it comes with responsibilities and we believe it can be legitmatly restricted.”

“ሓሳብ ናይ ምግላጽ ናጽነትን፤ ናይ ኣመላካክታ ምግላጽ ናጽነትን፤ጎዳእቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ኣተሓሳስባታት ተዘይተረፈ ኩሉ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝጥቅልል እዩ። ይኹን እምበር ጎዳእቲ ዝኮኑ ኣታሓሳስባት ሓላፊነት ምውሳድ ዝሓተት ትኾውን ግቡእ ህጋዊ እገዳ ምግባር ይከኣል እዩ ኢልና ንኣምን”

ቀጺሉ ኣምኒስቲ ዩኬ ከምዝይ ይብል፦

“You might not expect us to say this, but in certain circumstances free speech and  freedom of expression can be restricted”

“እዙይ ክንነግረኩም አይትሕልውን ትኾኑ፤ ይኹን ድኣምበር ኣብ ገለ ገላ ኩነታት ናጻ ዘረባን፤ ናጻነት ዝመስለካ ኣመላክክታን ምግላጽ እግዳ/ክልከላ ክግበረሉ ዝኽእል እዩ”

እቲ ውድብ ኣስዒቡ ብዛዕባ ሓላፊነት መንግስቲ ኣመልኪቱ ከምዝስዕብ ይብል፦

“Governments have an obligation to prohibit hate speech and incitement. And restrictions can also be justified if they protect specific public interest or the rights and reputations of others”

“መንግስታት ጽልኢት ተንከፍ ትሕዝቶን ምልዕዓልን ዘለዎም ዘረባታት ናይ ምዕጋድ ግዴታ ኣለዎም እዩ። ካብዙይ ብተወሳኺ ዝተወሰነ ናይ ህዝቢ ረብሓ ወይ ከዓ ናይ ካልኦት መሰላትን ክብርን ዝጎድእ ወይ ድማ ዝትንክፍ እዩ ተባሂሉ እንተ ተኣሚንሉ እገዳ ክግበረሉ ይከኣል እዩ”

በምቕጻል አምኒስቴ ኢንተርናሽናል ብዝዕባ ኣብ ህጊ ምቕማጥ ኣመልኪቱ፦

“Any restrictions on freedom of speech and freedom expression must be set out in laws that must be clear and concise so everyone can understand them

“ዝኮነ ኣብ ልዕሊ ነጻነት ምዝራብን፤ አመለካክታ ምግላጽን ዝግበር ገደብ/እገዳ ንኩሉ ሰብ ግልጺን እኹል መረዳእታ ዝሓቆፈ  ሕጋዊ ሕንጻጽ ክህሊ ይግባእ እዩ”

“People imposing the restrictions (whether they are governments, employers or anyone else) must be able to demonstrate the need for them, and they must be proportionate”

“እገዳ/ክልከላ ዝገብሩ ኣካላት (መንግስታዊ ይኩኑ፤ ወነንቲን ሓለፍቲን ስራሕ ወይ ከዓ ዝኮነ ኣካል) ንኣድላይነቱ ብቑእን እኩልን መግለጺ/ መረዳእታ ክህቡ ዝግብኦም እንትኮን፤ ተመጣጠኒነቱ ዝሓለወ ክኾውን’ውን ዝትገበአ እዩ።

“Restrictions that do not comply with all these conditions violate freedom Of expression”

“ምስ’ዞም ገደባት እዚኦም ዝይጠዓዓም/ ዘይቀዳዶው ገደብ መሰል ምዝራብን ሓሳብካ በናጻ ምግላጽን ዝግህስ እዩ”

መሰል ምዝራብ ኣብ ዝተወሰነ ብርኪ አፍራሲ እንተኾይኑ ክክልኸል ይግባእ እዩ። ይኹን ድኣምበር ኩሎም አፍረሲቲ ተባሂሎም ዝምደቡ በሹም አፍራሲነት ከእገዱ አይብሎምን። እቲ ብርኪን መጠን መፈረሳይነቱ ተዓቂኒ እዩ ክእገድን ክፍቀድን ዘለዎ። እዙይ ንጹር ዝኾነ መዐቀኒ ስለዘይብሉ ኣብ ኣፈጻጽምኡ ከጸግም ይኽእል እዩ።

መሰል ምዝራብን መሰል አመለካክታ ብናጻ ምቕራብን ዝላዓለን ዝዓበየን መስል ዋላ’ካ እንተኮነ፤ ብዙሕ ጊዜ ዝገሃስን (ብመንግስቲ ወይ ወነንቲን ሓለፍቲን ስራሕ ብምእጋድ) ብዘይ አግባብ ንምጥቃም (ህጋዊ ፍቓድ ዘይተወሃቦን ሰለማዊ ዘይኮነን) ዝፍጸሞ ክፋል ነጻነት እዩ።

ናይ ምእካብ መሰል (freedom of assembly)፦ እዚ መሰል እዙይ ሰባት ኣብ ዝደልይዎ እዋን ተኣኻኺቦም ናይ ምምይያጥ፤ ምዝታይ፤ ምምኽኻር፤ ምሙጋት፤ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባር መሰል እዩ። ዝምለክቶ ናይ መንግስቲ ብዓል ስልጣን ክፍሊ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ምኽልኻል ስልጣን ክህልዎ እዩ። ሹሙ ከምዝሕብሮ እቲ ሰልፊ ሕጋዊን ሰላማዊን ክኾውን ኣለዎ’በር ብጽብጽን ሁከትን ዝተኸልኸለን ብህጊ ዘቕጽዕን እዩ።

እዙይ ድሕሪ ምርኣይ ሕዚ ገጽና ናብ ትግራይ ምልስ ኣቢልና መሰል ሚድያ  ኣብ ትግራይ ታይ ክመስል ከምዝግብኦ ንምድህሳስ እንፈትን። ኣብ ጉዳያት ትግራይ፤ኩሉ ትግራዋይ ንክዝቲ፤ ንክማጎት፤ ንክድግፍ፤ ንክቃወም፤ ንክውደብ፤ ስለማዊ ሰልፊ ንኽገብር፤ ዝመስሎ ንክጽሕፍ፤ ንክዛረብ መሉእ ዘይጉድል መሰል አለዎ። ዝኾነ ትግራዋይ ኣብ ዝኾነ እዋን ብህጋዊ ኣግባብ ዝመስሎ ከዛረብን ክጽሕፍን ኣይኽልኸልን እዩ።በዚ መንጽር እዙይ በጥንቃቐ እንተደኣ ተራእዩ ግደ ማዕኸን መራኸቢ ብዙሃን (ማስ ሚዲያ) ክብ ዝበለን ዝለዓለን እዩ።

ማስ ሚዲያ ዝተኸልኸላ ሃገር ወይከዓ ክልል ዳርጋ ምትንፋስ ዘይትኽእል ነብሲ እያ። ሎሚ ሎሚ ምሁራት “ዝውውር ወይ ከዓ ልውውጥ ሓበሬታ (information) ካብ ዝውውር ደም ዘይንእስ እዩ” እንትብሉ ይስምዑ።

ካበዚ ነጥቢ እዙይ ተበጊስካ ግደ ማስ ሚድያ ኣብ ትግራይ ክንደየናይ ኣገዳሲ ከምዝኮነ ንምርዳእ ከቢድ ኣይኮነን። ናይ ዓፈንትን ውልቀመለኽትን መንግስታትን ውለቀ ሰባትን ዋና መግለጺ ባህሪያቶም መሓውር ማስ ሚዲያ ምዕፋንን ምትዕንቅቃፍን እዩ።

ጉዶምን ዝትሓብአ ገበናኦም ስለ ዘቃልዖም ተማይቶም ኽሳዱ ሓኒቖም ዝጨውይዎ ማዕኸን መራኸቢ ብዙሃን እዩ። ህዝቢ ምእንታን ጥዑይ ኣየር ከይትንፈስ ዓፈንቲ መሰል ዴሞክራሲ ሓበሬታ ኣብ ኢዶም ዓትዒቶም ንምትሓዝ ዝህብዎ ስንኩል፤ ማይ ዘይቓጽርን ዘይዕቅብን ምኽንያት፤ “ዘይድሊ ሓበሬታ ናብ ዘየድሊ ኣካል ከይበጽሕ እዩ” ዝብል ልሙድ ምኽንያት እዩ። ብርግጽ ሓሓሊፉ ብሚስጢር ክተሓዝ ዝግብኦ ሃገራዊን ክልላዊን ሓበሬታ ክህሊ ይኽእል እዩ። ከምዙይ ዓይነት ሓቤሬታ ሓለፍቲ ምዲያ ምሰቲ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት በምርእኣይን በምጥዕዓምን ምስ ፖለቲከኛታትን ዝመልከቶም ናይ መንግሥቲ መሓውራት ሓበራዊ ምርድዳእ በምግባር ዝውሰን እዩ።

ይኩን’በር ፖለቲከኛታት ናይ ባዕሎም ፓርቲ ወይከዓ ውድብ ምእናታን ገበነኦም ከይሳጣሕ ህዝቢ ክፍልጦ ዝግብኦ ሓበሬታ ንከይበጽሕ ዝገበሩዎ አግባብነት ዘይብሉ ጉልባብ ክኸውን አይግባእን። ብካሊእ ገጽ ድማ ሓለፍትን ወነንትን ሚዲያ ተባራራዒን ተኳሳሒን ዝኮነ ናብ ህዝቢ በእዋኑ ክቐርብ ዘይግብኦ ሓበሬታ ግድን ክቐርብ ኣለዎ ክብሉ ኣይብሎምን። እዛ ምግርጫው ክትፈጥር ዝትኽእል ግራጫ ዝኾነት ስፍራ፤ ፖለተኪኛታትን ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ማሕውራት ምስ ሰብ ሚዲያ በምርድዳእ ብጥበብ፤ብብልሓትን ብውሕልልናን ክውስንዋን ክኣልያውን ዝግብኣ ፍሉይ ጠመተ ዘድልያ(Sensitive or delicate area) ነቑጣ እያ።

ስለዝኾነ ሚዲያ ኣብ ትግራይ ናጻ ኮይኑ ክስርሕ ካብ ግድን ንላዕሊ ግድን እዩ። ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ክልል ዴሞክራሲ ኩነታት ንምዕቃን አጠቓቕማ ሚዲያኣ ምርኣይን ምድህሳስን እኹል እዩ። ካብዙይ ተበግስካ ቅድሚ ሕዚ ትግራይ ናጻ ሚዲያ ነይርዋ’ዶ? ሕዚ’ኸ ኣለዋ’ዶ? ንመጻኢ’ኸ የድሊያ’ዶ? እቲ ቑንዕ ፍርዲ ንኹበራትን ኹበራንን መንበብቲ ገዲፈ፤ ድሕሪ’ቲ ግብረ- መልስኹም ኩነታትን ሃዋህው ሚዲያ ትግራይ ኣበይ ከምዘሎ ንምፍላጥ ይጽግመኩም እዩ ኢለ ኣያኣምንን።

ዴስነት (ሶሻሻልዝም) ናይ ሪሂጸ-በላዕ ኣምባገነንት ዝእውጅን ዝትግብርን ስርዓት እዩ። በምኻኑ እዚ ስርዓት በትሕዝትኡ መላኺ ስለዝኾነ ናይ ኩሎም  ደቂ ሰባት ዴሞክራስያዊ መስል ፈጺሙ ከኽብር ዘይኽእል እዩ። ዕጻ ሶሻሊዝም ካብ ምድሪ ካብ ዝጠፍአ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዋላ’ካ ይቆጸሩ እምበር ሕዚ’ውን ኣብ ገለ ገለ ክፋላት ዓለም ብዝተፈላለዩ መልኪዓት ይከሰቱ ከምዘለው ይፍለጥ እዩ።

ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ግደን ሓላፊነትን ሚዲያ በገፊሑን ብግልጽን በሰንድ ተሰኒዱ ከዳለው ዝግብኦ እንትኮን፤ ዋኒኑ፤ ናይ ስራሕ ብጽሒቱ፤ ተሓታቲነቱ፤ ተኣማኒነት ዝፍንዎ ሓቤሬታ በግልጽን ብዝርዝርን ክግለጽ ይግባእ።

ፖለቲከኛታትን ሰብ ስልጣን መንግስትን፤ብዛዕባ መሰልን ግዴታን ሚዲያ ግቡእን ዓሚቕን ፍልጠት ክህልዎም ይግባእ እዩ። እዙይ እስካብ ቑሽት ዘለው ሰብ ስልጣናትን ካድሬታትን ወሪዱ ተኸታታሊ ስልጠና ምሃብ ዝሓትት እዩ። እዙይ ኣብ ትግራይ ብትግሃትን ብዕምቆትን ከስራሕ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ። እንተዘይኮይኑ ሚዲያ ኣብ ትግራይ ብጢዕና ክህቦ ዝግብኦ ግልጋሎት ክህብ ኣይክእልን። ብዘይ ጥዑይ ሚዲያ ድማ ዴሞክራሲ ፈጺምካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን

 

Back to Front Page