Back to Front Page


Share This Article!
Share
ካበይ ተበጊስና ናብ ሎሚ ንሰግር፣ ንፅባሕ ንእምት?

ካበይ ተበጊስና ናብ ሎሚ ንሰግር፣ ንፅባሕ ንእምት?

ካብ ፍሰሃ ውብነህ 08-02-18

ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝኾነ ክፋል ሕብረተሰብ ዝመሰሎ ብሄራዊ (ዋላ ዓሌታዊ ይኹን) ወይ ሕብረ ብሄራዊ ውድብ መስሪቱ ዙርያ መለሽ ፀገም ሕብረተ ሰብ ክፈትሕ እየ ኢሉ ምንቅስቓሱ ዴሞክራሲያውን ሕገ መንግስታውን መሰሉ ስለዝኾነ፣ ነውርነት የብሉን፡፡ ይኹን እንበር እቲ ውድብ ኣብ ዝብገሰሉ ዘሎ ባይታን ደፋኢ ምኽንያትን ትኽክለኛነትን ዘይተኽክለኛነትን ተመስሪትካ ርኢቶ ምሃብ እውን ብተመሳሳሊ መልክዕ ነውርነት የብሉን፡፡ እምበኣርከስ ኣብዙይ ተመስሪተ እየ ርኢቶይ ዝህብ ዘለኹ፡፡

ኣብዚ ሎሚ እዋን ካብ ሰለስተ-ኣርባዕተ ዓመታት ጀሚሩ ብዙሕ ይበሃል ኣሎ፡፡ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ህዝባዊ ሕቶታት ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ምምላስ ኣብይዎ ናይ ምምራሕ ዓቕሙ እናማሰነ ምኻድ ምሰጀመረ፣ ብኣንፃሩ ድማ ኣብዚ ነዃል እዚ ኣትዮም ምግባል ዝጀመሩ ፀረ-ህዝቢ ሓይልታት ነቲ ህዝቢ ንስንሳቱ ከባልዕዎ ምስፈተኑን፣ ነዚ ኩነታት ንመቕያር ኢሎም እዮም እዞም ብዙሓትን ዝተፈላለዩን መማረፅታት ዝረአዩ ዘለዉ፡፡ ከምዙይ ዝበለ ኩነታት እንተጋጥም እዩ ኣግባብነትን ዝምድናን ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዝግባእ ከይተነተንካ ናብ ናይ ቐደምን ቀረባን ታሪኽ ምግልባጥ ዝእቶ፡፡

 ሕሉፍ ታሪኽ ኢትዮጵያ ወይ ትግራይ እንትለዓል፣ ወይ ድማ ታሪኽ ስልጣነን ንግስናን ኣኽሱም እንትለዓል፣ በቲ ዝነበረ ስልጣነ ኮሪዕናን ተሓቢንናን ንምንባር ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ናብ ሎሚ ክሰግር ዝኽእል ቁምነገርን ክብርን ቀዳሞት ዓቂብናን ኣሰጋጊርናን ነቲ ዝነበረ ብዝያዳ ክነማዕብሎ ምእንታን እዩ፡፡ እንተዘየለ፣ ግዝኣት ኣኽሱም ካብ ግብፂ ክሳብ የመን የጠቓልል ነይሩ እዩ’ሞ፣ ሕዚ እውን ነዙይ ዘጠቓልል ሃገር ወይ መንግስታዊ ምምሕዳር ክህልወና ንቃለስ ኢልካ ምህቃን ኣብቲ ጥንታዊ ታሪኽ ክትነብር ምምናይ ጥራሕ እዩ ክኽውን፡፡ እዙይ ድማ ኣብ መበል 21  ክፍለ ዘመን ኮይንካ ኣይካኣልን፡፡ እቲ ዝነበረ ስልጣነን ምዕባለን ግን ብዝለዓለ ኣገባብ ክንመልሶን ክንደግሞን ንኽእል ኢና፡፡

እዙይ ንምንታይ የልዕሎ ከምዘለኹ ከብርህ ክፍትን እየ፡፡ ቀዳማይ፣ ቐደምየ ቐደምየ ትግርኛ ተዛራባይ፣ሃይማኖቱ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ዝኾነ፣ ሕዚ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝነበር ዘሎ፣ ኣግኣዝያን ይበሃል ስለዝነበረ፣ ነዚ ዝተጠቐሰ ህዝቢ ኣብ ሓደ ጠርኒፍካ ሓደ ሃገር ኮይኑ ይመሓደር ዝብሉ ውዱባት ኣለዉ፡፡ እስቲ እዚ ኣበሃህላን ሓሳብን እዚ ምስ ጭቡጥ ወድዓዊ ሓቂ ኣዛሚድና ንርአዮ፡፡

ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ነፃ ሃገር ክውን ንምግባር ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርተራ ተዓዊቱ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ፣ ነፃ ሃገር (ዋላኳ ብወዲ ሃገሩ ዝብኢ ይብላዕ እንተሃለወ) መስሪቱ፣ ዓፅመ-ስግኡ ኤርትራውነት ገይሩ ዝሃነፀ ህዝቢ ናብ ዘበን እንእኒ መሊስካ ምስ ትግረዋይ ደሚርካ ኣግኣዝያን ትበሃል ነይርካ ኢኻሞ፣ ሕዚ ምስ ትግረዋይ ተሓዊስካ ኣግኣዝያዊ ሃገራውነት ህነፅ እነትበሃል እንታይ ይስመዖ? ዋላ ኣይሰማዓዮ ኣግኣዝያን ኢኻ ንበሎ ድዩ ዝበሃል ዘሎ? ኣብ ከውሒ ፀሚድካ እኽሊ ንምዝረእ ከም ምፍታን’ዶ ኣይቑፀርን? የግዳስ ኤርትራዊ መንነቱ ተሓልዩ ብፌደራል ወይ ብኮንፌደራል መልክዕ ምስ ኢትዮጵያ  ምሕዋስ ንክልቲኡ ህዝብታት ፍትሓዊ ተጠቃምነት ንምርግጋፅ ስለዘኽእል፣ በዚ ኣገባብ እዚ ምቅላስ ብዝዓበየ መዳዩ ናብ ሓቂ ዝተፀገዐ ይመስለኒ፡፡ እዙይ እውን ግን ኤርትራውያን ባዕልቶም ዝገብሩዎ እንበር ዋኒን ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ኣይኮነን፡፡

Videos From Around The World

ብተመሳሳሊ መንገዲ  ኩለመንኡ ኣካል ኢትዮጵያ ገይሩ እንትቕድም እንትቕድም (ካብ መፋርቕ 19 ክ/ዘመን ጀሚሩ)፣ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ደገ ወራራት ግብፅን ጣልያንን ንበይኑን ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ኮይኑ ብዓፅመ-ስግኡ  ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ዝነደቐ፣ እንትድሕር ድማ ምስ ኤርትራ  ንምሕዋስ ከይሓለመ፣ ምስ ካልኦት ብሄራት፣ብሄረሰባትን ኮይኑ ማዕርነታዊ ሓድነት ዘለዋ ኢትዮጵያ ክትጋሃድ ተቓሊሱ ንዝተዓወተ ህዝቢ ትግራይ፣ ኢትዮጵያውነት ራሕሪሕኻ ናብ ብዘበን እንእኒ ሕምባሻ እንተሎ እምኒ ወሲድካ ሃገረ ኣግኣዝያን ንመስርት ኢልካ ክተበራብር ምፍታን ናብ ነበረያ ነበረ ምእታው ገይረ እየ ዝወስዶ፡፡ ብዝኾነ ዙርያ መለሽ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ኣግኣዝያዊ መንነቱ እንተተመሊስሉ እዩ ዝብል መማረፂ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝሓዘ ውድብ ናብ ህዝቢ ትግራይ ይቕረብ’ዝነበረሞ ብውሳነ ህዝቢ ይጠርነፍ ኢልካ ምሕላፍ ዘረዳድእ እዩ ዝመስለኒ፡፡

ካልኣይ፣ ካሊእ መስደመም እውን ይስማዕ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ዓፋር ኣብ ዙርያ ሕገ-መንግስቲ ምጥሓስ፣ ኣብ ማዕርነት በሄርን በሄረሰባትን ሃይማኖታትን ሕምብርቲ ዝገበረት ባንዴራ ኢትዮጵያ ምቕዳድን እዙይ ንምንታይ ከምኡ ከምዝኾነን  ኣመልኪቱ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስሓተተ፣ እቲ ቀዳማይ ሚ/ር እቲ ዝቐረበ ሕቶ ስለዝመረሮን ፀላዕላዕ ስለዘበሎን፣ እቲ እንክንዮ (beyond) ዓባይ ኦሮምያ ዝሃስቦ ዝነበርን በምሽጥር ሒዝዎን ዝነበረ ዓሌት ኩሽቲክ ዝሓዘት ሃገረ ኩሽቲክ ንምምስራት ናይ ርሑቕ ዕላምኡ፣ “ኣንቱም ሰባት ብዛዕባ ብሄር ብሄር ሰባት ይፅነሐልኩም፤ ኣግፊሕኹም ሕሰቡ ንሰኹም ኩሽቲክ’ኮ ኢኹም” ኢሉ ሕልሙ በጨቕ ኣቢሉ ምግላፁ ዘስደምም እዩ፡፡

እዚ ኣብ ሓንጎል እዚ ሰብኣይ ተሳኢሉ ዘሎ ብክውንነት ዘይግለፅ ስእሊ /ዝርግርግ ዝበለ ሕንፃፅ/ ንጋምቤላ፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን ደቡብ ህዝብታትን ዊሒጡ፣ ካብ ምዕራብ ኦሮምያን ናይ ቀደም ሽዋን ተበጊሱ ንዓፋር፣ ንኢትዮጵያ ሱማሌ፣ ሃገረ ሱማሊያን ጁብትን ጨፍሊቕካ ሓንቲ ሃገር ንምምስራት ዝዓለመ እዩ፡፡  እንግሊዛውያን ክትግበር ዘይኽእል ሃቅነት ዘየብሉ ሕልሚ ወይ ድማ ትምኒት እንተጋጥሞም፣ “እትምነዮ ኩሉ ናብ ፈረሳት ዝቕየር ከምኮነ፣ ለመንቲ’ኳ ነተን ፈረሳት መጋለብዎን ነይሮም” በቲ ኣንደቦቶም ድማ “If wishes were horses, beggars would ride” ይብሉ፡፡ ናይ ዓብዪ ካብ ጋምቤላ ጀሚሩ ክሳብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝዝርጋሕ ካርታ ሓንቲ ሃገርን ሕልሚ ናይቶም ለመንትን ሓደ እዩ ንምባል ይከኣል፡፡

ሳልሳይ፣ በዚ ልጋም ዘየብሉ ፈረስ እናጋለብና ንድሕሪት በምጉያይ፣ ተጋሩ ንኩናማን ኢሮብን ዊሒጦም፣ ኣምሓራ ድማ ንኣገው፣ ኣርጎባን ቅማንትን ክውሕጡ ገይርካ ንሃረሪን ውራጌን ደማ ብሪሞት ኮንትሮል ከመሓድርዎን ገይርካ ሓደ ሃገር ሴማውያን ክንምስርት ኢና ዘይበሃለሉ ጥንታዊ  ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ ብርግፅ ክሳብ ሎሚ ከምዙይ ዝበለ ውድብ ወይ ውድብ ኣይፈልጥን፡፡

ራብዓይ፣ ካሊእ ፅውፅዋይ እውን ሰሚዐ ኣለኹ፡፡ ገዛእቲ ደርብታት ኣምሓራ፣ እቲ ካብ መወዳእታ 19 ክ/ዘመን ክሳብ 1983 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ብኢሰብኣዊ መልክዑ ዝግለፅ ደርባውን ብሄራውን ጭቆና በቐጥታ ተኣሳሲሩ ዝበፅሐ ግፍዒ ተረሲዑ፣ ኣብዚ ወርሒ ሰነ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ  ጅማ  ኣብ ዝነበረ ናይ ኣመሓራን ኦሮሞን ሊሂቃን ኣኼባ፣ ሓደ ሙሁር ኦሮሞታይ፣ “ካብ 16 ክ/ዘመን ጀሚሩ ክሳብ 1987 ዓ/ም (ሕገ መንግስቲ ኢፌዴሪ ክሳብ ዘፀድቕ) ኩሉ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ብእንካ ሃባ /win-win/ መዓርን ጠስምን ኮይኑ ይነብር ነይሩ” እንትብል ሰሚዐ፡፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ክሳብ ስብእንኡ ንምምንጣል ዝፈተነ ገዛኢ ደርቢ ኣምሓራ ኣይነበረን እዩ ዝብል ዘሎ፡፡ ነዙይ ዝሰምዑ ማእኸላይ ዕድመ ዘለዎምን ሽማግለታትን ኦሮሞ እንታይ ኮን ምበሉ?  ዝብል ሕቶ  ኣልዒለ ካፍቲ ቐንዲ ውራየይ ንእሽተይ ኣግልስ ኣቢለ፣ ናብዚ ሓደ ዓመት ኮይንዎ ዘሎ ኣምሓሩን ኦሮሞቶትን ሓደ ዓይነት ኢና ካሊእ መንነት የብልናን ናብ ምባል ተበፂሑ ዝኒሀ ፋሽን ክኣቱ፡፡

ንምንታይ እዩ እዚ ሓዲሽ መውስቦ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ? ናይዙይ ምኽንያት ምስቲ ሓዲሽ ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ መራት ፅግዕተኛ ርእሰ ማላዊ ኣዛሚድካ ምርኣዩ ዝያዳ ተመራፃይ ይኸውን፡፡ እቲ ዝመረተ ፀቢብ ፅግዕተኛ ክፋል ኣመራርሓ ኦህዴድ፣ ዝዓበየ ሃንቀውትኡ ብዓብላለይ ኢድ ኦሮሞታይ ዝገዝኣ ኢትዮጵያ ክትህሉን ካብዚኣ ድማ ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ዘሐይለሉ ስርዓት ክሃንፅን እዩ፡፡ እዙይ ኣይሰኻዕን ኢሉ እንተገምጊሙ ድማ ንኦሮሞ ካብ ኢትዮጵያ ነፂሉ ንምግዛእ ከም ካልኣዊ መማረፂ ሒዙ እዩ  ዝንቀሳቐስ ዘሎ ከም ኦነግ፡፡ ንዙይ ንዘይምስኻዕ ከም ኣውራ ዓንቃፍን ፀላእን ገየሩ ዝወስዶ ንህወሓት እዩ፡፡  ብዋናነት ህወሓት ንልዕለ ትሕትነት ብሄራትን በሄረሰባትን ምሕዩ ዝደርበየ ፖለቲካዊ ውድብ ስለዝኾነ፡፡

እቲ ኣብ ውሽጢ ብኣዴን ስዒሩ ወፂኡ ዘሎ ዝበስበሰ ትምከሕተኛ ሓይሊ ድማ፣ እንተነኣሰ ነታ ናይ ሕዚ ክልል ኣምሓራ፣ብፅግዕተኛ መንገዲ ነታ ክልል ሓመድ ድፋጫኣ ከውፅኣ ዓሊሙ ይንቀሳቐስ አሎ፡፡ እቲ ዝዓበየ ዕላምኡ ግና ምስ ተረፍ መረፍ ኣባላት ደርግ፣ ምስ ተስፋ ዝቖረፁ ኣባላት ኢህአፓን መኢሶንን ግንባር ፈጢሩ፣ እታ ብዘበን ሃይለ ስላሰ ብጠቕላይ ግዝኣትነት ተሸንሺና ናብ  ኣምሓራ ተጠቓሊላ  ዝነበረት ክፋል ኢትዮጵያ ሒዙ ናይ ትማሊ ብሄራዊ ጭቆና ብዝኸፍአን ዝሰልጠነን ኣገባብ ንምቕፃል እዩ፡፡ ነዙይ ኣብ ምትግባር ሕማም ኩረምቲ ክኾነኒ እዩ ዝብሎ ድማ ሕወሓትን ህዝብ ትግራይን እዩ፡፡ ነቲ ንደርግ ሓዊስካ ብገዛእቲ ደርብታት ኣምሓራ ዝግናሕን ዝምራሕን ስርዓት ትምክሕተኛታት ብወሳናይነት ቐቲሉ ዝቐበሮ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ስለዝኾነ፡፡

ስለዚ ክልቲኦም ፀበብትን ትምክሕተኛታትን ክፋላት ኣመራርሓ ናይዘን ውድባት፣ ነቲ ብወሳናይ መልክዑ ኣብዚ ሃገር ደርባውን ብሄራውን ጭቆና ኣወጊዱ ሓይሊ ትምክሕትን ፀቢብነትን  ካብ ስለጣኖም ምሕዩ ሓዳሽ ዴሞክራሲያዊት  ኢትዮጵያ ብደሙ መስሪቱ ዝሃነፀ  ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ከም ደመኛ ፀላኢኦም ገይሮም ክወስዱ ዝደፋፍኦም ዘሎካሊእ ምኽንት ዘይኮነስ ደርባዊ ባህርየኦም ይኸውን ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ክልቲኦም ግንባር ፈጢሮም ነቲ ካብ ህዝቢ ትግራይ ተፈጢሩ ምስ ህዝቡ መዓርን ጠስምን ኮይኑ ኣበ ምስጓም ዝርከብ ህወሓት ቆሪፆም ንምድርባይ ይረባረቡ ኣለዉ፡፡ ነዙይ እውን እዩ ገለ ሙሁራት ክልቲኡ ክልላት ደርባዊ ይኹን ብሄራዊ ጭቆና ኣይነበረን ንምባል ካብ 16 ክ/ዘመን ጀሚሩ ህዝቢ ኦሮሞ ናብ ኣምሓራ እንተስፋሕፍሕ እንተሎ፣ ምስቲ ኣብኡ ዝተቐበሎ ኣምሓራይ ተሳንዩ ሂቡ እናተቐበለ ዝነብር ዘሎ እዩ እንትብሉ ቐትሪ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ፃዕዳ ሓሶት እንትሕስዉ ዝሰማዕኽዎም፡፡

ብዝኾነ ክጥቀስ ዘይግበኦ ናይ ቀደም ታሪኸ እናጠቐሱ፣ ንህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ነሰኩን እንበር ፅባሕ እንገብሮ ንፈልጥ ኢና እናበሉ በቢጉርሖም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ፡፡ ድሮ ኳ ዶ/ር ኣብይ (ኦህዴድ)  ኣውራ ኣውራ ስልጣን  ብባዕሉ ሒዙ  ንገዱ (ብኣዴን) ድማ ቆፅላመፅሊ ስልጣን ሂቡ፣ ንፅባሕ ዓብዪ ቅልፅም ምእንታን ክኾኖ ሓይሊ ኦነግ ኣእትዩ ኣሎ፡፡ ክልቲኦም መብዛሕትኡ ሽዋን ወሎን፣ ወዘተ ናይ ኦሮሞ እዩ ምባል ጀሚሮም ኣለዉ፡፡ እቲ ዝበስበሰ ኣካል ብኣዴን ድማ ምስቶም ተረፍ መረፍ ትማሊ ዝሰዓርናዮም ኣባላት ደርግ፣ ኢህኣፓ፣ መኢሶንን ኮይኑ ዘይእዉጅ ግንባር ፈጢሩ፣ብሄር በሄረሰባትን ኣይንፈልጥን፤ ታሪኻዊ ብፅሒት መሬት ግዝኣት ኣምሓራ (መብዛሕትኡ መሬት ትግራይ፣ ዓፋርን ኦሮሞን) ይመለስ ምባል ጀሚሩ ኣሎ፡፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ትምክሕትን ፀቢብነትን ዘዋሰበ  ከይዲ ዕድሚኡ ከም ኣሳሒታ ጥቅምቲ የመና ሓፂር እዩ፡፡ ንዘስተባሀሎ ኮ እቲ ጉርሕን ተንኮልን ምቅላዕ ይጅምር ኣሎ፡፡  በዙይ ኣቢሉ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብሓዊ ክለባለብ እዩ፡፡

ናብቲ ቐንዲ ዘበገሰኒ ድማ ክምለስ፡፡ ኣብ ውሽጣ ብዙሓት ዝተፈላለያ ብሄራትን በሄረሰባትን ዘለዋ ግን ድማ ብቐጢን ይኹን ረጒድ ማሕበረ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ገመዳት ዝተኣሳሰረት፣ ይስጠም ወይ ይላሕልሕ ብዘየገደሽ ብሓደ ማእኸላይ መንግስቲ  እትምራሕ፣ ምስ ጎረባብታ ሃገራት ኣነፃፂርካ መፍለዪ ዶብ ዘለዋ ሃገር ኣላትና እንበሎ መኣዝ ድዩ? ብዘመን ሴማውያን? ብዘመን ኣኽሱማውያን? ብዘመን ኩሽካውያን?  ብዘመን ኣግኣዝያን? ብዘመነ መሳፍንቲ? እዚኣቶም ውህሉልን ሃብታምን ክብርታት እናሰጋጉሩ ናብዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵ ክንበፅሕ ዝገበሩና ድሕረ ባይታና ታሪኽናን እንበር ነተን ዝተሓተታ ሕቶታት ብእወንታዊ ዝምልሱ ኣይኮኑን፡፡

ኣነ ንኹን መብዛሕተኦም ተንተንቲ ማሕበራዊ ሳይንስ ንዘበናዊ ኣመሰራርታ ሃገራውነት መሰረት ዝገብረዎ ንድሐሪት ተመጢጡ ናብ እኒ ዘመነ ኣኽሱም፣ ወዘተ ዘይኮነስ፣ ምስ ዓለማዊ ምዕባለ ርእሰ ማልነት ዝተዛመደ ሓፁር (REFERENCE) መወዳእታ 19 ክ/ዘመን እዩ፡፡ ኣብዚ ዘመን እዚ እዩ ምዕራባውያን ንኣፍሪካ ብምቅርማት ተኸፋፊሎም ባዕዳዊ ግዝኣቶም ንምስፍሕፋሕ ኢኮኖሚያዊ ምዝመዘኦም ውሕስና ብዘረጋግፀሎም ኣገባብ ኣብ ኣፍሪካ ብሓዲሽ ዶብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመስረቱ፡፡ ካብዚ ጊዜ ጀሚሩ እዩ ዘመናዊ መንግስታዊ መሓውርን ቢሮክራሲን ዘለወን ምእኹላት ሃገራት ዝተፈጠራ፡፡ ምዕራባውያን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣፍሪካ ንምምዝመዝን ርካሽ ሸቐጦም ንምርጋፍን ዓሊሞም ዝሓንፀፅዎ ዶብ፣ ህዝብታት ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ሓደሽቲ ሃገራት  ይከፋፈል ኣይከፋፈል፣ ገሊኡ ሃገራት ወደባት ዘለዎ ገሊኡ ድማ ኣይሃልዎ ዝግደሽሉ ኣይነበሩን፡፡ በዙይ መሰረት ዶባት ኣፍሪካ ኣብ ገሊኡ ኣብ መሬት ዘይምጥራሩ ሕማም ደሓር ዝገደፈ ይኹን እንበር፣ ብወሳናይ መልክዑ እንተስ ዕረ ይጥዓመና  ወይ ድማ “ኣርቲፊሻል ዶብ እዩ ክንሓዋውሶ ኢና”ሠ ኢልና ንጀሃር ብዘየገድሽ፣ መግለፂ ዘበናውን ሕጋውን ላዕላዊ ሃገር (እንተሓይልካ ዝገፍሕ፣ እንተደኺምካ ድማ ዝሽምረር ዘይኮነ) ምዃኑ  ብማሕበረ ሰብ ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ ዝሓደረ እዩ፡፡

 ኢትዮጵያውን ነዚ ናይ ቀደም ውህሉል ክብርታት ምዕባለ ታሪኽ እናዋህለለትን እናሸጋገረትን ናብ መወዳእታ 19 ክ/ዘመን፣ ዘመነ ምንሊክ ምስ በፅሐት፣ ብዙሓት ብሄራትን በሄረ ሰባትን ዝሓቖፈት ጥርንፍቲ ዘበናዊት ሃገር ኮይና መሰስ ኢላ እያ፡፡ እቲ ዝርካቡ ኢኮኖሚ እውን ጨና ርእሰማልነት እናሓናፈፀ እዩ ሰጒሙ፡፡ ገሊኡ ክፋል ሕብረተሰብ መሬት ዘለዎ፣ ገሊኡ ዘየብሉ ወይ ድማ እንተሃለዎ እውን ተጠቃሚ ፍርያቱ ዘይኮነ ደርባዊ ፍልልይ እናማዕበለ  ከይዱ ናይዚ ፍልልይ ቀንዲ ገላፂ ውሽጠ ቁምነገር  ዝኾነ ብሄራዊ ጭቆነ እውን ኣዝዩ እናመረረ ከይዱ፡፡ ብዘበን ሃይለ ስላሰን ደርግን እንተኾነ እውን  እዚ ደርባዊ ጭቆናን ብሄራዊ ኣድለዎን ኣዝዩ እናገፍሐ እዩ ከይዱ፡፡ እምበኣር ንሓዲሽ ስ ርዓት እዙይ እዩ መበገሲ ባይታና፡፡

 ብናተይ እምነት እዚ ካብ መወዳእታ 19 ክ/ዘመን ክሳብ ደርግ ዝነበረ ደርባዊ ጭቆናን ብሄራዊ ኣድልዎን ከም ስርዓት በኢህወዴግ ካብ ሱሩ ተነቒሉ ተደርብዩ እዩ፡፡  ኣብ ልዕሊ መቓብር እዞም ስርዓታት፣ ሃገርና ብማዕርነታዊ ሓድነት ብሄር ብሄረሰባትን ዝተገመደ ፌዴራላዊ ስርዓት ምስ ጎደለታቱ ኣብ ምህናፅ ትርከብ ኣላ፡፡ እዙይ ኣይኮነን እቲ መፍትሒ፤ ኢህወዴግ ተወጊዱ በኻሊእ ነታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ብራኸ ምዕባለ ዘሰጋገር ውድብ ይፈጠር ኢልካ ምንቅስቓስ ሕገ መንግስታዊ መሰል ስለዝኾነ፣ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ምቅላስ ይከኣል እዩ፡፡ እቲ ብጣዕሚ ዘነውርን ፀረ ሕገ መንግስትን ኩሎም ሕግታትን ሃገርና ዝኾነ፣ ንህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ዝግበር ዘሎ ዘርኣዊ ወፍሪ  እዩ፡፡

 ሓሳበይ ንምጥማር፣  ብናተይ መርገፂ ኢትዮጵያ ካብቲ ሕዚ ዘላቶ ደረጃ ምዕባለ ሃገራውነትን ዝርካቡ ብሄራዊ ህንፀትን ንድሕሪት ኣሸሓት ዓማውቲ ተጓዒዝካ ናይ ኣግኣዝያን “ሃገር” ክመልስ እየ፤  ናይ ኩሽቲክ “ሃገር” ክምስርት እየ፤ ሴማውያን ናብ ሓደ ዝጥርነፉላ “ሃገር” ከጣይሽ  እየ፤ ትማሊ ብሄርን ብሄረሰባትን ተኣሲሮም ዝጭቆኑላን ዝሳቐዩላን ዝነበሩ ኣሃዳዊት ኢትዮጵያ ክምልስ እየ፤ ኢልካ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ድሑር እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገር በታቲኹ ዝብትን እንበር ከም ሃገር ኣይጠምረናን በሃላይ እየ፡፡ ብመሰረቱ ካበይ ተበጊሰካ እዩ ናብ ሎሚ ዝስገር? ንፅባሕ ኸ ዝእመት? ዝብል ሕቶ ብብስለትን ብንቕሓትን ክምለስ ዝግበኦ እዩ፡፡

Back to Front Page