ብሄረተኝነት በርህ ሃጎስ 10-18-18 ጽንሰ ሓሳብ ናይ ብሄረተኛ ምስ ምዕባለ ካፒታሊዝም ዝመጸ እዩ ይብሉ ናይ ታሪክ ተመራመርቲ።ስለ ዝኾነ ድማ ዘመናዊ መንግስቲ ወይ ሓደ-ብሄር (ነሽን-ስተትስ) ዝተመስረተ ካብቲ ብ1789ዓ.ም.ፈ ነቲ ዝአረገ ናይ መሳፍንቲ ስርዓት ኣልጊሱ ብሄራዊ ብርጅዋን ሸቃሎን ኣተሓባቢሩ ኣብ ፈረንሳይ ዝተጀመረ ስርዓት እንትኸውን ኣብ ኩላ ዓለም ከአ ተቐጻጸለ (ይቕጽል) አሎ።ድሕሪ ናይ ፈረንሳይ ዓመጽ ኢዩ ወሰናት (ዶባት) አብ መንጎ ሃገራት ክሕንጸጽ ጀሚሩ። ቅድሚኡ ዕላዊ ወሰናት ኣይነበረን። ንአብነት ጀርመንን ጣልያንን ህዝቦም ፋሕ ኢሎም እዮም ይነብሩ ነይሮም።ደሓር እዮም ነናብ ዝዛረብሉ ቋንቋ ተአኪቦም። ጀርመናውያን ክሳብ ቢስማርክ ዝእክቦም ኣብ 300 ገዛእቲ ተኸፊሎም ይነብሩ ነይሮም። ጣልያን ‘ውን በዓል ማዚኒን ጋሪልዲን ክሳብ ብብሄር ዘወሃድዎም ብፍዩዳላት ብትንትን ኢሎም እዮም ይነብሩ ነይሮም። ሪሶጂሜንቶ ናሺናሊዝም (ምብርባር ወይ ትንፋስ-ምምላስ) ሃገራውነትብምባል ናይ ጣልያን ተዛረብቲ ምትእኽኻብ ጀሚሮም።ሪሶርጂሜንቶ ብ19 ክፍለ-ዘመን ኣብ ዛ'ሎሚ ጣልያን ኢትበሃል ኢዮም ተአኻኺቦም ።ካብኡ ንደሓር እዮም ከም ሓደ ሀገር ኮኖም ሓንቲ ኢጣልያ ንምቋም ብዙሕ ባህላውን ፖለቲካውን ጻዕሪ ገይሮም እዮም።
ብሄር, ብሄረሰብ, ዘርአኝነት, ጎጠኝነት ዝተወሳሰቡን ዝመሳሰሉን ስለዝኾኑ ብግቡእን ብጥንቃቀን ተዘይ ተፈቲሖም ብዙሕ ሳዕቤን ከኽትሉ ይኽእሉ እዮም። ብትሕዝትኡ ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ በአጻዋዕዑ አሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።ናብ ዘርኢ ከምርሕ ይክእል ኢዩ። ኣብ ከም በዓል ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ዘርኢ ጸገም ከየዓቢ ብእዋኑ ነቲ ናብ ሃግሮም ተሰደደ (ኢመግራንት) ዝነበረ ዘርኢ ከየዓቢ ተሎ ኢሎም ምስቲ ሃገር ከምዝመሳሰል ይገብሩዎ። ነቲ ካብ ስደተኛ (ኢመግራንት) ዝውለድ ካልአይ (ትውልዲ) ጀነረሽን ናይ ወለዱ ዝመጹዎ ገዲፉ ምስታ ሓዳስ ዝተወለደላ ወይ ዝዓበየላ ሃገር ተሎ ንኽመሳሰል ዓብዪ ጻዕሪ ይግበር። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ እስራኤል ካልኦት ዘርእን ሃይማኖትን ናበዝሑ ይኸዱ ስለ ዘለዉ ናይ አይሁድ ሃገር ምባል ይትረፍ ክሳብ ምባል ተበጺሑ አሎ። ወዲ-ሰብ ከመይ ብሰላም ኣብ ዛ’ዓለም ክነብር ከምዘለዎ ዝተፈላለየ ሓሳባት ኣሎ።
ኣብ ክልተ ፈሊኻ ምርአይ ይከአል፡ 1 ኣብ ሓደ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ታይ ይዛረብ ታይ የአምን በዘይየግድስ ኣብታ ሃገር ሓቢሩ ብሰላም ተኸባቢሩ ክነብር ኣለዎ ዝብሉ፥ሓድነታውያን ንከተል ዝብሉ ኢዮም። 2 ብዘርኢ ዝተመስረተ (ኢትኖ-ሴንተር) ዋና ማእኸሉ ብሓደ ባህሊ፡ ሓደ ቛንቛ፡ከምኡውን ሓደ ዘርኢ ብዝተመስረተ ስርዓት ክነብር ይሕሽ ዝብሉ ከአ ብሄራውያን ኢዮም። ኣብ ኣሜርካውን ክሳብ 1965 ዓ ም ፈ መበቖል እንግሊዝ ዝኾኑ ብፍላይ ፕሮቲስታን ኣመንቲ ፡ ካብ ስሜናዊ ኢሮፓ መበቆልን ተመሳሳሊ መልኽዕ ዘለዎም ጸዓዱ ጥራይ ኢዮም ከም ሓቀኛ ኣሜሪካውያን ይፍለጡ ነይሮም።ክሳብ ሽዑ ብሕጊ ኣሜሪካ ጸለምቲ ንጸዓዱ ከይምርዐዉ ክልክል ነይሩ።(ጀሪ ሙለር ፎሪን ኣፌር መጽሄት ማርች 2008)። ብሄረተኛታት ዘቅርብዎ መርትዖ ብሄራት ኣለዋ፡ ስለ'ዚ ነንሕድሕደን ነናይባዕለን መንግስቲ መስሪተን መሰለን ተተከቢሩ ብሰላም ክነብራ ዝሕሸ ኢዩ ይብሉ። ምዕራብ ኢሮፕ ብዙሕ ዘርአኝነት (ብሄረተኝነት) ኣየጥቅዖምን፡ምክንያቱ ንብዙሕ ግዜ ሓቢሮም ብምጽንሖም ባህሎምን እምነቶምን ፡ ናተመሳሰለ ናተወራረሰን ስለዝኸደ እቲ ብሄረተኝነት ‘ውን ናዘሓለ ከይዱ ኢዩ።ኢትዮጵያውያን ‘ውን ዋላ ‘ኳ ጸላእትን ገዛእትን ንናይ ውልቖም ድልየት ከርውዩ ነቲ ንብዙሕ ዘመናት ሓቢሩን ተኣሳሲሩን ዝነበረ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ከዋድኡ እንተፈተኑ ክሳብ ሎሚ ኣይኮነሎምን። ከም አብነት ቅድም እለን ዘመናዊ-ሃገርነት (ነሽን-እስተትስ) ዝፈጠራ ከም በዓል አንግሊዝ፥ፈረንሳይ፥ፖትጊዝ፥እስፓኛ ከምኡውን ስዊድን ብሄራዊ ጎንጺ የብለንን እንተሃልዩ'ውን ዝሑል እዩ። ምብራቅ ኢሮብ ግና ዘረኝነት(ብሄራዊነት) ስለ ዘጥቅዖም ንብዙሕ ዘመናት ኣፋሊሱዎም ኢዩ። ክሳብ 1914 መብዛሕተን ማአከላይ ምብራቅ ከምኡውን ደቡባዊ ምብራቅ ኢሮፕ ሃጸያዊ (ኢምፓየር) ወይ ግዝአት እየን ነይረን። ኣውስትርያ፥ቸች ሪፖብሊክ፥ ሃንጋሪ ፥ስሎባክያ፥ክፋል ቦዝንያ፥ክሮትያ፥ፖላንድ፥ሮማንያ፥ዩክረይን ዝአመሰላ ኣብ ትሕቲ ሃንስበርግ ዝበሃል ግዝአት እየን ነይረን። ከምኡ ድማ ራሽያ ፥ ክፋል ናይ ፖላንድ፥ክፋል ናይ ይኩረይን፥ወዘተ ካብ ኢሮፕ ክሳብ እስያ ዝተመጠጠ መሬት ዝነበሩ ኣህዛብ ኣብ ትሕቲ ግዝአት ሮማኖቭ ይነብሩ ነይሮም። ቱርኪ፥ክፋል ናይ ቡልጋርያ፤ግሪክ፤ክፋል ሮማንያ ፤ሰርብያ ከመኡውን ማእኸላይ ምብራቅን ሰሜናዊ ኣፍሪቃን ኣብትህቲ ኦቶማን ግዝአት እየን ነይረን። እዚ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ንብዙሓት ቛንቛ ፤ሃይማኖት፤ዘርኢ አጠቃሊሉ ይገዝእ ነይሩ። ዘመናዊ ብሄራዊነት ክሳብ ዝጅምር ጸገም ይመጽእ ኢሎም ኣየሓስቡን ነይሮም። ኣብ ድላዮም ይነብሩ ነይሮም።ነኣብነት ናይ ቱሩኪ እስላም ኣብ ግሪክ ዝነብሩ ነይሮም። ከምኡውን ግሪካውያን ኣብ ቱሩኪ ነይሮም።ኣብ መሬት ጀርመን ዝነብሩ ጀርመናውያን ነይሮም። ከምኡውን ኣብ ግዘአት ሃንስብርግ ዝነብሩ ጀርመናውያን ነይሮም። ገለ ግሪካውያን ኣብ ዓዶም ግሪክ ዝነብሩ ነይሮም ከምኡውን አብ ግዝአት ኦቶማን ዝቅመጡ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።አይሁዳውያንውን ፈቆድኡ ተበቲኖም ይነብሩ ነይሮም።ብፍላይ ኣይሁዳውያን ናይባዕሎም ነጻ ሃገር ስለዘይነበሮም ኣብ ፈቆድኡ ፋሕ ኢሎም ኢዮም ይነብሩ ነይሮም። ሃገራት ከምቲዝነበርኦ ንዘለአለም ሓቢረን ናይግድን ክነብራ ተፈጥራዊ ሕጊ ገይሮም ዝወስዱ ኣለው(ነይሮም)።ታሪክ ከምዘምሃረና ግና ካብዝተሓባበራ ዝተበተና ኢየን በዚሐን።ንምንታይ ከምኡ ኮነ? ብሄረተኝነት(ናሽናልዝም) ብአጋጣሚ ዝተላዕለ ዘይኮነስ ካብ ዘብናዊነት ዝዓንበበ እዩ ይብል ናይ ሕብረተሰብ (ሰሶሎጊስት ) እርነስት ገለነር ዝተባህለ ሙሁር። ሃገራት ብወታደራዊ ፍክክር ክወዳደራ ከለዋ ,ጠለባት ንምምላእ ናይሃገር ሃፍቲ ብሰፊሑ ምጥቃም ይጅምራ።ስዕቡ ሃገር የዓቢ።ናይ ሃገር ዕብየት ከአ ዝተማህረ ጉልበት,ቅልጡፍ መራከቢ (ኮምኒከሽን) ቀጺሉ ኣብያተ ትምህርት ቤታት ይስፋሕፋሕ።ናይ ሓባር ቛንቛ የድሊ።ቀጺሉ ብቋንቋን ብካሊ ጥቅምታትን ምስሓሓብ ይጅመር። ዘመናዊ ሕብረተ-ሰብ ኩሉ ወዲ ሰብ ብማዕረ ሰሪሑ ክምዕብል ይክእል አዩ ዝበሃል አፍአዊ ጥራይ ኢዩ ኮይኑ ተሪፉ። ግና ወድሰብ ምስጥቕሙ ብዝተአሳሰረ ዝተፈላለየ ዓቅምን አሻጥርን ብልሓትካ ክእለትካን ናዕበየ ስለዝመጸ ናብ ጎንጽን ውድድርን ኣምሪሑ።ቀዲሙ ዝተማህረን ርሾ ዘለዎን ብንግድ ኮነ ብካልእ ጥቅምታት ነቲ ዘይተማህረ ራሕሪሆሞ አዮም ማዕቢሎም ። አብ ዝሓለፈ 19ኛ መወዳእታን 20ኛ መጀመርያን ክፍለ ዘመን ወዲ ሰብ ናብ ከተማ በቢዝአተዎ ትምህርቲ ምቅሳም ጀሚሩ።ዘመናዊ ናብራ ምስጠዓሙ ብዙሓት ገባራት ከም በዓል ቸች,ፖልስ,በሎቫክስ,ከምኡውን ዩክረን ዘአመሰሉ ናብ ከተማ ምስአተዉ እቲ ዝነበረ ዕድላት ከም ናይ መንግስቲ ስራሓቲ ነቶም ድሒሮም ዝመጹ ተታሒዙ ኢዩ ጸኒሑዎም።ኩሉ ጥቅምታት ተቀዲሙ መሕለፊ ኣይረከቡን። ዘመናውን ሓድሽን ዝኮነ ስርዓት, መንግስትን ህዝብን ቀጥታዊ ረኽቢ ገይሩ ነቲ ዝነበረ ናይ ውልቀ ምትእስሳር ወይ ልማዳዊ ረኽቢ(ቦንድ),ከም ቤተ ሰብ,እንዳ(ክላን) ቤተክርስትያን,ቤተመስግድ,ውዘተ ዝአመሰለ መራኸቢ ወይ መቀራረቢ ህዝቢ ዝነበረ ናደኸመ ከደ።ከምኡውን ህዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቃስ ብፍላይ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ምውሓዝ ጀመረ።ነናብ ጥቅምካ ምጉያ ኮነ።ቁጠባ ካብ ሕርሻ ናብ ሸቀት መቅት ከምኡውን ዝተፈላለየ ስራሕ ተጀመረ።ወድሰብ ቤተ ሰቡ ዘመድ ኣዝማዱ ናገደፈ ምስዳድ ብዝቀጸለ ጊዜ ምንፋቅን ባዶነትን ክስመዖ ጀመረ ማለት ክበሃል ይክአል። ቀጺሉ ነቲ ዝጎደለ ክፍተት( ባዶነት) ክመልኦ ናይግድን እዩ። ስለዚህ ወዲ-ሰብ ቛንቑኡ ዝዛረብ ባህሉ ዝመሳሰል ቀዲሙ ዝፈልጦ ወዘተ ናደለየ ምቅርራብ ይጅምር ማለት አዩ።ጥቅሙ ንምሕላው ናብ ሓባራዊ ጥቅሙ ንምክልካል ናብ ዘርኡ ይምለስ ይተአካከብ። ከምዚ ኢሉ ብሄረ-ሰብ ስዒቡ ብሄር ይጅመር። ኣብ 19ኛ ክፍለ ዘመን ገለ ናይ ምዕራውያን ሙሁራን ዓለም ዓቀፋዊ ንግዳት ተ'ተስፋሕፊሑ ኩሉ ህዝቢ ብሓባር ክጥቀም ስለዝክእል ብሰላም ናይ ንግድታት ጥቅሚ ነቲ ዘሎ ጎንጽታት ብኩሉ መልክዕ ከዳኽሞ ይክእል እዩ ዝብሉ ነይሮም።ክሳብ ሎሚውን ከምኡ ዝአምኑ እዮም ዞም ግሎባላይዘሽን ዝብሉ ሙሁራት። ገለ ሙሁራን ንብሄር ግሎባላይዘሽን ክውሕጦ እዩ ዝብሉ አለዉ። ገለ ድማ ሰላም ክመጽእ ዝክእል ዓለም ብኮምኒስት ስርዓተ ማሕበር እንተተመሪሓ ጥራይ አያ ኢሎም ዝአምኑ ነይሮም(ሎሚው'ን ከምኡ ዝብሉ አለዉ)።አብ መጀመርያ 20 ኛክፍለ ዘመን ግና ብዙሓት አህዛብ ተገፊዖምን ሃሊቆምን እዮም።መብዛሕቶም አቅሚ ዘይነበሮም ውሑዳት ብሄራት(ማይኖርቲ) ኢዮም ብዙሕ ተጎዲኦም።እዚ ተርእዮ ‘ዚ ኣብ ቀረባ ኣብ ሃገርና ኣብ ኣደሬ (ሃረር) ጋምቤላ ወዘተ ይረአ ስለ ዘሎ ጥንቃቄ የድሊ። ብሓይሊ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተጓሒፎም ዝጠፍኡ አህዛብ ብዙሓት እዮም።ብዙሕ ዘርኢ ከምዝሃለቀ ኣብ ቡዙሓት መጻሕፍቲ ተጻሕፉ ይርከብ።ብዘመናዊ ቛንቛ ዘርኢ ምንጻት(እትኒክ ክሊንዚ) ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ ኣሎ። አብዝሓለፈ ክፍለዘመን ብዙሕ ግፍዕን ጸበባን ከምዝነበረ ብዙሕ መርዳእታ ኣይድልዮን።ንአብነት አብ ሕውስዋስ ዘርኢ ዘለዋ ባልካን ተባሂላ ትጽዋዕ ቦታ እቲ ምፍንቃል ክሳብ ዚ’ዘለናዮ ጊዜ ይቅጽል ስለዝነበረ ይጎዝላቪያ ክትበታተን ኩላትና ንሪናዮ ኢና። ብፍላይ 1900 ዓ. ም.ኢ ቲ'ዝወድቅ ዝነበረ ናይ ኦቶማን ኢንፓየር(ግዝአት) ብሕብረ ብሄራዊ ሃገራት ንምትካእ ክንደይ ጸገማትን ሕድሕድ ውግእን አስዒቡ።ሓደ ዘርኢ ነቲ ሓደ ዘርኢ ንምጥፋእ ህልኸኛ ዝኾነ ኩይናት አካይዱ እዩ። ከምኡው'ን ቡልጋርያ ግሪክን ሰርብያውያን ክንደይ ብደም ተቛሚሮም እዮም። ካብ 1912-13 ኣብቲ ቦልካን ጦርነት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውግእ ፍርቂ ሚልዮን ዝኾኑ ህዝቢ ፈተዉ ጸልኡ ናተፈናቀሉ ፈሊሶም እዮም።ናይ እስልምና ሃይማኖት ተኸተልቲ ካብቲ ቡልጋርያን ግሪካውያንን ከምኡውን ሰርብያውያንን ዝቛጻጸርዎ ቦታ ናገደፉ ናብ መቅዶንያ ዝበሃል ቦታ ፈሊሶም ከይዶም።ከምኡ ድማ ብአንጻሩ ኣብ ምቅዶንያ ዝነብሩ ዝነበሩ ግሪካውያን ሰርብያውያን ከምኡውን ቡልጋርያውያን ካብቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ብግዲኦም ነናብ ዘርእናን ሃይማኖትናን ዝብሉዎ ፈሊሶም። ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም አስዒቡውን ሚልዮናት አህዛብ ተጸሪጎም ክበሃል ይከአል።ኣብ ግዝአት ኦቶማን ይነብሩ ዝነበሩ አርመናውያን ከምዝተጨፍጨፉ ብዙሕ ተነጊሩ ኢዩ።አርመናውያን ዝበጽሖም ናይ ዘርኢ ምጥፋእ (ጀኖሳይድ) ክሳብ ሎሚ ጣጥኡ ዕልባት እይረኸበን። ብ1919 .ዓ.ም.ፈ.ግሪክ ነቲ ሎሚ ቱርክ ዝበሃል ዘሎ ወሪሩ ክሳብ ኮንስታንትኖብል ከስፋሕፍሕ ምስ ጀመረ ነቲ ቱርክ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ቦታታት ብሓዊ አቃጺሎምዎ እዮም።ክንደይ ሰብ ሃልቁ እዩ።እንደገና ብወገኖም ቱርካውያን ተጠናኽሮም ነቶም ዘርኢ ግሪክ መሊሶም ጨፍጭፎምዎም።ክልቲኦም ወገናት ዘርኢ ንምጥፋእ ሓመድ ተሳትዮም።ትሓደ ዘርኢ ነቲሓደ ዘርኢ ንምጥፋእ ክንደይ ተሃላሊቆም እዮም። ላውሳነ ውዕል ብ1923 ናይ ላውሳነ ውዕል ህዝብታት ነናብ ዘርኦም ብአግባብ ንምምሕልላፍ ስምምዕተገይሩ።በዚ ውዕል መሰረት ቱርኪ 1.5 ምልዮን ህዝቢ ኣባሪራ።ግሪክ ብወገና 400 000 ህዝቢ ኣባሪራ።ሓደ ካብቲ ዘግርም ግሪካውያን ኣስላምውን ካብ ዓዶም ተባሪሮም ኢዮም። Back to Front Page |