Back to Front Page


Share This Article!
Share
ሕውነት ህዝብታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር

ሕውነት ህዝብታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር

ካብ ባሕረ-ነጋሽ

አዲስ አባባ

09-19-18

 

በመጀመርታ ዓይጋ ፎረም ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ ትግርኛ፣ ትግረ፣ ዓፋር፣ ሳሆን ኩናማን ቋንቋ ተናገርቲ ከምኡ ውን ናይ ካልኦት ህዝብታት ኤርትራ ሕውነት ኣመልኪታ ንዘበርከተቶ ዓብይ ስራሕ ዝለዓለ ምስጋናይ የቕርብ፡፡ እዞም ህዝብታት ብምርጫኦም ከይኮነስ ብፀላእቲ ሓይልታት ዶብ ተጠሪርሎም ኣብ ክልተ ሀገራት ንመግዛእቲ በዝጥዕም ክኽፈሉ ተገይሮም እዮም፡፡ እቶም ነዚ ዝፈፀሙ ፀላእቲ ሓይልታት መን ምዃኖም ብተደጋጋሚ ብናይ ታሪኽ ድርሳናት ስለዝተገለፁ ብዛዕባኦም ምዝርዛር ግዜ ምብኻን ስለዝኸውን ክሓልፎ መሪፀ ኣለኹ፡፡ ብፍላይ ድማ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ዓፋርኛ፣ ሳሆን ኩናማን ተናገርቲ ኣብ ክልተ ሀገራት ብምኽፋሎም ምኽንያት ናይዚ በደል ዋና ተጠቃዕቲ እዮም፡፡ ብምፍልላዮም ብገዛእቲ ሓይልታት ብዙሕ ሽግር ኣሕሊፎም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ቅድሚ ዒስራ(20) ዓመታት ብሽም ናይ ዶብ ጉዳይ ዒባራ ምኽንያት ኩናት ተወሊዑ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለጹ ህዝብታት ዓብይ ናይ ህይወት፣ ማሕበራዊን ስነ-ቁጠባዊን ኪሳራ ከፊሎም ካብኡ ቀፂሉ እውን ንልዕሊ ዒስራ(20) ዓመታት ርክባቶም ተዳኺሙ ፀኒሒ እዮ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ሕውነታዊ ርክባቶም ናብ ንቡር ክምልስ ዝኽእል ሃዋህው ተጀሚሩ አሎ፡፡ብመራሕቲ ዝተጀመረ ርክብ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ድማ ካብ ዕለት 01/01/2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ድምቕ ዝበሉ ፅምብላት ተኻይዶም እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ ዘላምበሳ-ሰርሓ ዝነበረ ፅምብል ዓብይ ትምህርቲ ዝሃበና ነይሩ፡፡

 

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም እዞም ኣሕዋት ህዝብታት ዓብይ መስዋእቲ ከፊሎም ከም ዘምፅእዎ እሙን እዩ፡፡ እዚ ሰላም ንክመፅእ እዞም ኣሕዋት ህዝብታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ መንግስታቶም ዓብይ ፅዕንቶ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብፃዕሮምን ብናይ መራሕቶም ሰናይ ድሌት ሰላም ተረኺቡ አሎ፡፡ ይኹን እምበር እዞም ኣሕዋት ህብታት እቲ ዝተጀመረ ሰላም ናብ መሬት ወሪዱ ቀፃልነት ንዘለዎ ረብሓኦም ንክውዕል ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ዓብይ ኣድህቦ ንኽገብሩ ማዕዳይ የቕርብ፤ ህዝቢ ናይቲ ሳለም ዋናኒ ክኸውን አለዎ፡ እቲ ዝነበረ ቅርሕንቲ ናይ ክልቲኡ ኣሓት ህዝብታት ነይሩ ንምባል ይኸብድ እዩ፡፡ ኩላትና ብቐረባ ንከታተሎ ከም ዝነበርና ብዝዓዘዘ ድማ ኣሓት ህዝቢ የንፀባርቕዎ ካብ ዘሎ ስምዒት ከም እንርድኦ እቲ ቅርሕንቲ ብፍጹም ናይ ህዝቢ ኣይነረበን፡፡ እቲ ቅርሕንቲ ዝወልዑ ወገናት ግን ናብ ህዝቢ ብምውራድ ኣብ ሞንጎ ኣሓት ህዝብታት ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝኾነ ኩናት ብምውላዕ እቶም ህዝብታት ዋና ናይቲ ኩናት ተጎዳእቲ ኮይኖም ፀኒሖም እዮም፡፡ ሕጂ ውን  ክነስምረሉ ዝግባእ ቁሉዕ ሓቂ እንተሀልዩ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ምንም ዓይነት ቅርሕንቲ ኣይነበረን፡፡ እዞም ህዝብታት ግን ከይፈተው እንዳነብዑ ክፈላለዩ ተገይሮም እዮም፡፡ ዝኾነ ኮይኑ ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ ግን ድማ ክንመሃረሉ ይግባእ፡፡

Videos From Around The World

 

ሕጂ ሰላም መፂኡ ኣሎ፡፡ እቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ግን ብናይ መንግስታት ወይ ከዓ መራሕቲ ድልየት ጥራሕ ዝውሰን ክኸውን የብሉን፡፡ እዞም ህዝብታት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ እቲ መፂኡ ዘሎ ሰላም ኣብ ኢድ ቁፅፅሮም ንምእታው ኣበርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ናይቲ ሰላም በዓል ዋና ንምዃን ካብ ዘድልዩ ተግባራት፡

 

ተወሰኽቲ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ልዝብ መድረኻት፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ዝተገበሩ ፅብላት ጥራሕ ርክብ ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ እኹል ኣይኮኑነን፡፡ ብኽልቲኡ ወገን ዝርከቡ ዓበይቲ ዓዲ ሽማግለታት፣ ምሁራት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ወ.ዘ.ተ… ቀፃልነት ዘለዎ ርክብ ህዝብታት ንምጥንኻር ናይ ልዝብ መድረኻት ብምድላው ኣበርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ህዝቢ ብኤርትራ ካብ ዝርከብ ህዝቢ ዝሓሸ ኣንጻራዊ ነጻነት ስለ ዘለዎ ሕውነታዊ ርክብ ንምጥንኻር ኣድላይ ዝበሃል ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ፡፡ ንኣብነት ናይ ትግራይ ህዝቢን ከምኡ ውን ቴሌቭዥን ትግራይን ናይ መራሕቲ ዕርቂ ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ሕውነት ህዝብታት ንምሕዳስ ብጣዕሚ ዝገርም ተበግሶ ገይሮም እዮም፡፡ ኣሓትና ኤርትራውያን ዝገበርዎ ዝነበረ ፃዕሪ ግን ብቴሌቪዝን ኤርትራ ዝተውሃቦ ሽፋን እኹል ነይሩ ንምባል ኣይከኣልን፡፡ ቴሌቪዥን ኤርትራ ሕውነት ህዝብታት ኣመልኪቱ ናይ ህዝቢ ሓሳባትን ሰፋሕቲ ናይ ልዝብ መደረኻትን ኣብ ክንዲ ምዝጋብ ብመራሕቲ ደረጃ ዝካየዱ ዝነበሩ ዑደታት ጥራሕ ሽፋን ዘድሀበ እዩ ነይሩ፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት እኹል እዩ ተባሂሉ ዝግለፅ ስለዘይኮነ ንመፃኢ ህዝቢ ባዕሉ ተወሰኽቲ ናይ ልዝብ መድረኻት ንምፍጣር ኣበርቲዑ ከሰርሕ ኣለዎ፡፡ 

ትካላዊ መስርሕ ምጥያሽ፡ ህዝቢ ብቕፃልነት ርክባቱ ብዝምልከት ወሳኒ ንክኸውን ትካላዊ መስርሕ  ክፈጥር አለዎ፡፡ እዞም ትካላዊ መስርሓት ህዝቢ ኣብ ሕውነታዊ ርክባቱ ወሳኒ ዝኾነሉ ደረጃ ንክበፅሕ ዓብይ ኣበርክቶ ስለ ዘለዎም ማንም ሓይሊ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ይኹን መጻኢ ሕውነታዊ ርክባት ናይ ህዝቢ ድልየት ብዝፃረር መልክዑ ክውስን ኣይኽእልን፡፡ ከምቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ህዝቢ ድልየት ሰላም፣ ሕውነት፣ ማሕበራዊን ስነ-ቁጠባዊን ዝምድናን እዩ፡፡ እዛ ድልዩቱ እዚኣ ግን ማንም ዝመፀ ሓይሊ ንከኽብረሉ መጀመርታ ናይቲ ርክብ በዓል ዋና ክኸውን አለዎ፡፡ ንኣብነት መቐለ ዩኒቨርስቲን ኣኽሱም ዩኒቨርስቲን ምስ ናይ ወፃኢ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ተሓባቢሮም ናይዞም ኣሕዋት ህዝብታት መፃኢ ርክብ ከጎልበት ዝኽእል ኣበ ጥቓ ሩባ መረብ ኣብ ዶብ ክልቲኡ ህዝብታት ንኽምስርቶ ዝሃቀኖ Mereb Institute of Peace and Transformation ዓብይ ትካላዊ መስርሕ እዩ፡፡ ከምዚ ዓይነት ትካላት ናይ ህዝቢ ርክባት ብትካላዊ መስርሕ ክድገፍ ብምግባር ህዝቢ ሰላሙ ከምኡ ውን መፃኢ ዕድላቱ ኣብ ምውሳን በዓል ዋና ንክኸውን ዘኽእሉ እዮም፡፡ 

ካብ ሕሉፍ ታሪኾም ትምህርቲ ምውሳድ፡ እዞም ህዝብታት ንመግዛእቲ ብዝጥዕም ብፀላእቲ ሓይልታት ዋላ ኳ ኣብ ክልተ ሀገራት እንተተኸፈሉ፤ ዝሓለፈ ታሪኽ ካብ ምምራር ወይ ከዓ ብዛዕባኡ ንምዝንታው ግዜኻ ካብ ምብኻን ወፂኦም ዝሓለፈ ዝተሓላለኸ ርክባቶም ንምስትኽኻል ባዕላቶም ክፅዕሩ አለዎም፡፡ ጥልያን ይኹን ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ ዝፈፀምዎ ሽርሒ ብዙሕ መስዋእቲ ኣኽፊሊዎም እዩ፡፡ እቲ ሕጂ ኣብ ኢድና ዘሎ ግዜ ግን ነቲ ዝሓለፈ ሽርሒ፣ በደል፣ ቅርሕንቲን ካልኦት ብድሆታትን ንምዝካር ካብ ምብኻን ወፂእና መፃኢ ዕድላትና ንምቅናዕ ኣብ ዝጠቕሙ ክንገብሮም ዝግበኣና ክነድህብ ይግባእ፡፡ እዚ እቲ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ሽግር ባዕሉ ንምፍታሕ ዓቕሚ ዝፈጥረሉ መስርሕ እንተኸውን ውፅኢቱ ድማ ህዝቢ ናይቲ ሰላም በዓል ዋና ንክኸውን ርኡይ አበርክቶ ኣለዎ፡፡ 

                     

ናይቶም ኣሕዋት ህዝብታት ቀዳማይ ዕላማኦም ሕውነት ክኸውን ኣለዎ፡ ሓዳ ሓደ ሳባት ብስሕተት ይኹን ብፈላጥ እቲ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ነዞም ኣሕዋት ህዝብታት ስነ-ቁጠባዊ ረብሓ ዘምጽእ እዩ እንዳበሉ ናይቶም ህዝብታት ሕውነት ብናይ ዕዳጋ ዋጋ ጥራሕ ዝልክዑ አለው፡፡ ብርግጽ ሓቂ እዩ፡፡ ሰላማዊ ርክባቶም ስነ-ቁጠባዊ ረብሓ ዘምጽእ እዩ፡፡ ርክባቱ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ብምድኻሙ ምኽንያት ኣብ ዓብይ ስነ-ቁጣባዊ ቕልውላው ዝፀንሐ ህዝቢ ዛዕባ ስነ-ቁጠባ ኣድህቦ ምሃቡ እትፅበዮ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ነዞም ኣሕዋት ህዝብታት ክቕድም ዘለዎ ጉዳይ ሕውነት እዩ፡፡ ስነ-ቁጣበዊ ረብሓ ቀፂሉ ዝምጽእ እዩ፡፡ ካብቲ ህዝቢ ንህዝቢ ርክብ ኣመልኪቶም ዝተኻየደ ፅምብላት እትዕዞቦ ቁምነገር እንተሃልዩ ብስጋ ዝዛመዱ

ሰባት ምሒር ልቢ ዝሰብር ንብዓት እንዳፍሰሱ ክራኸቡ ንዕዘብ አለና፡፡ ናይዚ ህዝቢ ሕውነት  ብሓቂ ከም ስጋን ዓፅምን ዘለዎም ርክብ ክምሰል ዝኽል እዩ፡፡ ርክባቱ በቲኹ ተፈላልዩ ክነብር ዘይኽእል ህዝቢ ምዃኑ ብዓይንና ርኢና፡፡ ብናይ ፀላእቲ ሽርሒ እዞም ኣሕዋት ህዝብታት ንመግዛእቲ ብዝጥዕም ሕውነቶም ተበቲኹ ኣብ ትሕቲ ክልተ ሀገራት ክነብሩ ተገዲዶም እዮም፡፡ እቲ ዝገርም ግን እዞም ኣሓት ህዝብታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፀላእቲ ሓይሊታት ሕውነቶም ንምብታኽ ዋላ እኳ ተደጋጋሚ ፃዕርታት እንተገበሩ ክሰምረሎም ግን ኣይከኣለን፡፡ ንነዊሕ ዓመታት ሕውነታዊ ርክባቶም ከይተበተኸ ፀኒሑ እዩ፡፡ ፀላእቶም ዘሸንፍሉ ዓብይ መሳርሒ ሕውነቶም ብምዕቃብ እዩ፡፡ ንመፃኢ ውን ሕውነቶም ኣስጢሞም ናይ ሓባር መግለጺ ክብርታቶም ኣብ ምጉልባት ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ስነ-ቁጠባዊ ረብሓታተቶም ኣመልኪቶም ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም፡፡   

    

ዶብ ናይ ምጥራር ጉዳይ ዝቕድም አጀንዳ ክኸውን ኣይብሉን፡ ብጣዕሚ ዘሕዝነኒ ጉዳይ ሓደ ሓደ ዘይተረደኦም ሳበት ዶብና ከይፈለጥና ዕርቀ-ሰላም ክወርድ ኣይኽእልን ዝብል ሙግት የቕርቡ እዮም፡፡ ሓዳ ሓደ ሚድያታት ውን ነቲ ሓሰብ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ነቲ ሓሳብ ሽፋን ክህቡ ይዕዘብ እየ፡፡ ግን ብኣይ ዓይኒ ዓብይ ስሕተት እዩ፡፡ እቶም ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ዘለው ኣሕዋት ህዝብታት እቲ ዶብ ባዕልቶም ተስማዕሚዖም ኣይኮኑን ጠሪረሙዎ፡፡ ጣልያንን ሚኒልክን እዮም ጠሪሮምዎ፡፡ እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ድማ ነቲ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ዘሎ ህዝቢ ዘይግደሱ ጥራሕ ዘይኮኑስ ታሪኻዊ ፀላእቱ እዮም፡፡ እቲ ዶብ ነዞም ኣሓት ህዝብታት ረብሓ ከይኮነስ ንረብሓ ጥልያንን ሚኒልክን እዩ ነይሩ፡፡ ሐዚ እውን እንተኾነ ናይ እዞም ህዝብታት ፀላእቲ እቲ ናይ ዶብ ቅርሕንቲ ይድግፉ ጥራሕ ከይኮነስ ዶብ መሰረት ዝገበረ ቅርሕንቲ ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ፈተነታት ይገብሩ እዮም፡፡ እቲ ዶብ ነዞም ኣሓት ህዝብታት ዘስዓበሎም ውፅኢት እንተሃልዩ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያንን ሚኒሊክን ምእታው፣ ሕውነቶም ምሽርሻር፣ ቀፂሉ ድማ ኣዕናዊ ዝኾነ ኩናት እዩ፡፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ምኒሊክ ትምክሕቲ ሓይሊ ተኸታሊ እውን እንተኾነ እዞም ህዝብታ እዚኦም በታ ዶብ እንዳተናቖሩ ንክነብሩ ዝሽርሕ እዩ፡፡ ስለዚ እታ ዶብ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ፀላኢ ዝቐበራ ኣብ ዝኾነ እዋን ንኽትፍንጀር ዝተቐበረት ፈንጂ እያ፡፡ ኣሽንኳንዶ ፀላኢ ዝጠረሮ ዶብ፤ ዶብ ብባህሪኡ ጭቕጭቕ ዘይዛርየሉ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት እውን መራሕቲ ንዝተፈላለየ ዓላማ ክጥቀምሉ ምርአይ ልሙድ እዩ፡፡ እዚ ማለት ግን እቶ ዶብ ኣፍርስዎ ማለተይ ኣይኮነን፡፡ ብታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብ ማእኸልና ዶብ ተጠሪሩ ኣሎ፡፡ ነዞም ኣሕዋት ህዝብታት መዕነዊ ተባሂሉ ብፀላእቶም ብዝተጠረረ ዶብ ምኽንያት ክፈሓፍሑ እንተጀሚሮም ግን ብጣዕሚ ዕሽነት እዩ፡፡    

 

ሓደ ክንርድኦ ዝግበአና ጉዳይ እንተሃልዩ ነዞም ኣሕዋት ህዝብታት ዶብ ሕቶ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡፡ እዞም ኣሕዋት ህዝብታት ዋላ እቲ ዶብ ኣብ ማእኸሎም ክህሉ ድልየት ኣይሃልዎም እምበር ሕጊ ናይ ምክባር ልምዲ ስለ ዘለዎም እቲ ዶብ የኽብርዎ እዮም ከምኡ ውን ብተደጋጋሚ ባዕላቶም ከም ዝምስክርዎ ድንበሮም ኣይኮነን ኣእማኖም እውን  ብደንቢ ይፈልጡ እዮም፡፡ ሐዚ ውን ዶብ ሕቶ ክኸውን ዝደልዩ ነቲ ህዝቢ ዘይውክሉ ግዳማዊን ውሽጣዊን ፀላእቲ ሓይልታት ከም ዘለው ምንቃሕ የድሊ፡፡ ፅባሕ እውን እንተኾነ ህዝቢ ክነቕሓሎም እንተዘይክኢሉ እዞም ፀላእቲ ሓይልታት እዚኦም ናይ ዶብ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ሕቶ ብምምሳል ነዞም ኣሕዋት ህዝብታት ናብ ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝኾነ ኩናት ክመርሕዎም ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብፍላይ ናይ ትግርኛ ቋንቋ ተናገርቲ ህዝቢ ፀላእቲ ዝኾኑ ሓይልታት እቲ ናይ ዶብ ኩናት ብኢትዮጵያን ኤርትራን ሸነኽ ዝርከቡ ትግርኛ ተናገርቲ ህዝብታት ንምፅናትን ንምድኻምን ከም ሓዳ ዓብይ ቀዳማይ ስትራቴጂ ክሰርዕዎ ምስማዕ ልሙድ እዩ፡፡

   

ካብዚ ክንርድኦ ዝግባእ ጉዳይ እንተሃልዩ ዶብ ሕቶ ጌርና ክንዋጠጥ እንተጀሚርና እቲ ጉዳይ ናብ ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝኾነ ኩናት ክወስዶ ዝደሊ ኣብ ጥቓና ዝርከብ ፀላኢ ሓይሊ ከም ዘሎ ምንቃሕ ኣድላይ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እዞም ፀላእቲ ሓይልታት ስልጣን ክትሕዙ እንተኽኢሎም እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽአሉ ኣቐዲምካ ምንቃሕ ኣድላይ እዩ፡፡

 

ስለዝኾነ እዞም ኣሕዋት ህዝብታት ዘይፀረየ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣለና ዝብል ስግኣት ኣወጊዶም ናይ ሓባር መንነቶምን ጥቕምታቶምን ኣብ ምህናፅ ኣድህቦ ክገብሩ ኣለዎም፡፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፅቡቕ ሃዋህው ሕቶ ዶብ ንምምላስ ከይኮነስ ብቐዳምነት ሕውነቶም ኣብ ምህናጽ ከውዕልዎ ይግባእ፡፡ ኣብ ቀፃሊ ግን እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣብ ምምላስ ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብርግፅ እቲ ሕጂ ብመንግስታት ወይ ከዓ መራሕቲ ደረጃ ዝግበር ዘሎ ርክብ ኣብ ናይ ዶብ ጉዳይ ኮይኮነስ ኣብ ካልኦት ነገራት ዘድሃበ ምዃኑ ዓብይ ዕድልእ እዩ፡፡ እዞም ህዝብታት ዶብ ብዝምልከት ግዳማዊ ሓይልታት ጣልቃ በዘይእቱ ንምምላስ ዘኽእል ዓቕሚ ክሃንፁ ይግባእ፡፡ በተለይ እዞም ኣሕዋት ህዝብታት ሕውነቶም ብዘይ ምጥንኻሮም ከምኡ ውን ናይ ባዕላቶም ሽግር ብውሽጣዊ ዓቅሞም ንምፍታሕ ዘኽእል ዓቕሚ ክፈጥሩ እንተዘይኪኢሎም፤ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ግዳማዊ ሓይልታት ወይ ከዓ ውሽጣዊ ፀላእቲ ሓይልታት ዝውስንሉ ኩነታት እንተተፈጢሩ ውፅኢቱ ፍታሕ ከይኮነስ ዕንወት ምዃኑ ፈሊጦም ካብ ሕጂ ጀሚሮም ዓቕምታትና ምህናጽ ኣድላይ እዩ፡፡ ቅድሚ ናይ ዶብ ሕቶ ንሕውነታዊ፣ ስነ-ቁጠባዊን ማሕበራዊን ርክባት ኣድህቦ ብምሃብ ክሰርሑ ይግባእ፡፡

  

ተኸታተልቲ ርክባት ምፍጣር፡ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት ንምጉልባት ናይ መዓልትታት፣ ሰሙናት ወይ ከዓ ኣዋርሕ ፃዕሪ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን፡፡ ዓንቀፍቀፍ በዚሕዎ ንዝፀንሐ ርክባቶም ናብ ንቡር ንምምላስ ከይረብረቡ ተኸታታሊ ፃዕሪ ምግባር ዝሓትት እዩ፡፡ ንኣብነት ብዕለት 01/01/2011 ዓ.ም ኣብ ሰርሓን-ዘላምበሳን ከምኡ ውን ኣብ ራማን ካልኦት ከባቢታትን ዝተገበሩ ፅምብላት እኹል ኣይኮኑን፡፡ ብዝፍጠሩ ግዝያዊ ነገራት እንዳተመሰጥካ ምዝንጋዕ ክህሉ የብሉን፡፡ ሕውነታዊ ርክቦም ንምጉልባት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ዝርከቡ ናይቶም ህዝብታት አካል ዝኾኑ ምሁራት፣ ስነ-ጥበባውያን፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ትካላትን ውልቀ-ሳባትን ነዚ ርክብ ዓብይ ኣድህቦ ብምሃብ ክሰርሑ ይግባእ፡፡ እዚ ሰላም ናይዞም ህዝብታት መፃኢ ዕድል ኣብ ምውሳን ተወዳዳሪ ዘይብሉ እዩ፡፡ ብፍላይ ናይ ዞባና ቀርኒ ኣፍሪካ ኩነታት ብጣዕሚ ተኣፋፊ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ናይዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ቀፃልነት ብናይ መንግስታት ወይ ከዓ መራሕቲ ተበግሶ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝዓበየ ብፅሒት ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ ፈሊጥና ሰላምና ናብ እንደልዮ ምዕራፍ ንምብጻሕ ከም ህዝቢ ሓላፍነት ምውሳድ ኣድላይ እዩ፡፡

ኣብ ሓበራዊ መግለፂ ክብርታቶም ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ፡ ኣብ መንጎ እዞም ኣሕዋት ህዝብታት ኣፈላላይ ንምፍጣር መግለፂ ክብርታተቶም ንምጥፋእ ብዙሕ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ፡፡ እቲ ብጣዕሚ ዝገርም መግለፂ ክብርታቶም ከይተረፈ ብፀላእቶም ክዝረፍ ተገይሩ ናይ ባዕሎም ታሪኽ ተመሊሶም ብውህብቶ መልክዕ ክብርከተሎም ተፈቲኑ እዩ፡፡ ናይ ቀረባ ኣብነት ንምርኣይ ብወገን ኢትዮጵያ ካብ ኣምሓራ ክልል በቲ ናይቲ ክልል ቤት ምኽሪ ኣፈኛ ናብ ሀገረ ኤርትራ ዝተልኣኹ ልኡኻት ንፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ ናይ ኣኽሱም ሓውልቲ፣ ላሊበላ ውቕር ቤተ ክርስተያንን ፊደል ግእዝን ዝተስኣለሉ ህያብ ኣበርኪቶም እዮም፡፡ ንፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ ዝተውሃበ ህያብ ማለት ንህዘቢ ኤርትራ ምዃኑ ቁሉዕ ሓቂ እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ እኮ ናይዚ ህያብ ታሪኻዊ በዓል ዋና እዩ፡፡ ብጣዕሚ ዘሕፍር እዩ፡፡ ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ውርደት እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እዞም ህዝብታት ታሪኻዊ መግለፂ ክብርታቶም ንምዕቃብ ሓበራዊ ምንቅስቓስ ክጅምሩ ኣለዎም፡፡ 

 

ኣብ ክልተ ሀገራት ተኸፊሎም መገልፂ ክብርታቶም ንምህሳስ ብዙሕ ፈተነታት ክበፅሕ ፀኒሑ እዩ፡፡ ሕጂ ግን እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ተጠቒሞም መግለፂ ክብርታቶም ንምጉልባት ግዜ የለን ብዝብል መንፈስ ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ሓበራዊ ታሪኾም፣ ባህላዊ ፀጋታቶም፣ ቋንቋኦም ከምኡ ውን ካልኦት መግለጺ ክብርታቶም ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ንምብራኽ ብሓባር እንዳተላዘቡ ክሰርሑ አለዎም፡፡ ብፍላይ ብኢትዮጵያ ሸነኽ ዝርከቡ ህዝብታት ትግርኛ፣ ዓፋርኛ፣ ሳሆን ኩናማ ተናገርቲ እቲ ኣብ ማእኸል ሀገር መዘውሩ ዝኾነ ፖለቲካ መግለጺ ክብርታቶም ንምህሳስ ኣብ መወዳእታ ድማ ንምጥፋእ ዓብይ ዓቕሚ ዘለዎ እዩ፡፡ ብሽም ናይ ግዛኣት ሓድነት ብዝብል ሽፋን ውሽጡ ግን ኣሓራይ መንነት ንምልባስ ዓላማ ዘለዎ ፖለቲካ ናይዞም ህዝብታት መግለፂ ክብርታቶም ንምጥፋእ ብዙሓት ፈተነታት እንዳገበረ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እዞም ኣሕዋት ህዝብታት ዶብ ከይዓገቶም ሓበራዊ ክብርታቶም ንምብራኽ ፃዕሪ ዘድልየሉ ግዜ ይርከቡ፡፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ጥንኩር እዋን ናይዞም ኣሕዋት ህዝብታት ርክብ መሊኡ ከይብተኽ ናይ ሓባር ክብርታቶም ዓብይ ኣበርክቶ ነይርዎም እዩ፡፡ ብተመሳሰሊ ድማ ናይ መፃኢ ርክባቶም ንምጥንኻር ሓባራዊ ክብርታቶም ዋና መሰረት እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ ናይ ሓባር ክብርታቶም ኣድህቦ ክገብሩ ይግባእ፡፡

 

እቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ናብ ረብሓኦም ንክውዕል ግዜ የለን ብዝብል መንፈስ ምጥቃም፡ እዚ ህዝቢ ድሕሪ ብዙሕ ናይ ርክብ ምቁራፅ ዓመታት ኣብዚ ሕጂ ግዜ ፅቡቕ ሃዋህው ሰላም ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ነዚ ሰላም ዘምፅኡ ወገናት እግረ መንገደይ ዝለዓለ ምስጋናይ ከቕርብ ይድሊ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ መቐለ-አስመራን አዲስ አባባ-አስመራን ዝግበሩ ካብን-ናብን ናይ ህዝቢ ዑደት ተበራኺቶም ኣለው፡፡ ብፍላይ መቐለ-አስመራ ዘሎ ውሕዘት ሰባት ብጣዕሚ ዝድነቕ እዩ፡፡ ብጣዕሚ ክግመት በዘይኽእል መልክዕ ናብ ዘርፈ-ብዙሕ ረብሓታት ተቐይሩ እዩ፡፡ እዚ ሰላም ኣሕዋት ህዝብታት ድሕሪ ብዙሕ ናይ ምንፍፋቕ ዓመታት ዝተረኸበ ዕድል ምስቲ ምዃኑ ብጣዕሚ ዝጥዕም ኣጋጣሚ እዩ፡፡ ስለዚ እዞም ኣሓት ህዝብታት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ነቂሖም እቲ ሕጂ ዘሎሃዋህው ሳለም ናብ ረብሓኦም ንምቕያር ግዜ የለን ብዝብል መንፈስ ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ናይ መፃኢ ዕድላቶም ሕጂ ብዝገበርዎ ፃዕሪ ዝውሰን ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላይ እዩ፡፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ግዜ ኣብ መፃኢ ርክባቶም ምጥዕዓም ኣድሂቦም ክሰርሕሉ እንተዘይኪኢሎም ዓብይ ድኽመት እዩ፡፡ ብፍላይ መረበብ ሓቤሬታ ዝፈጠሮም ማሕበራዊ ሚድያታት ግዜ ከየባኸኑ ንሓበራዊ ረብሓኦም ከውዕልዎም ይግባእ፡፡

Back to Front Page