Back to Front Page


Share This Article!
Share
ኣያም በል

ኣያም በል

 

ኣያም በል ራያ ኣያም

ኽበኡካ ያምያም

ይጓየዩ ኣለው የማን ፀጋም

ተላኣል ተበራበር

ብድቁስካ ከይትውረር

ኣያም በል።

ተላኣል ዝለል ድግድግ

ፀላዐኢ ኽብርግድ፡

ውእል እንትፍርም

ብስም ኮሚሽን ማሕለኻ

መን ምኻንካ ንስኻ፡

ፈሽሎ ከይቀየድኻ

እድካ ምሰግርኻ።

የንዥብ ኣሎ ነፍጠኛ

ዝለምዶ ሲኢኑ ዳግምኛ።

 

ተላኣል ወልቀታይ

ድቃስ ኣብዚሓኻ

ንምንታይ?

ብስምካ ኽጣሐል ኽማሐል

ታይ ትገብር ኣቀይታይ

ተቐርቂርካ ኣብመንጎ ኣርቃይ፡

ድርጎኛ ኸቢቡ

ኽቀትለካ ደብዲቡ፡

እንትምሕል እንትጥሕል እናስማእኻ

ችላ ትብሎ እንታኾካ

ተባራበር የኣኽለካ

ግዜ ኸይወስድካ

ፈንታ ሕዝቢ ቕማት ኼይበፅሔካ።

 

ካሌብ ተላኣል ተባራበር

ያኣከል ድቃስ መቃብር፡

ኽልተ ሺሕ ዓመት ካብትወፍር

ኣበይ ነርካ ሓወልቲ ትስበር

እትኻልዓይ ባሕሪ እንትሻገር

ሓላዋቱ ሑሱር

ተስዲዱ ኽነብር።

 

ያሬድ ተላኣል

እልል በል ዘምር

ስብ ኸፊእዎ

ንሮ ኾኑ መሪር፡

የማን ፀጋም

በዚሁ ወራር

ካብ ኣፍ ስብ

ዝምንጥሉ ድራር፡፡

 

ኣብ ርእሲ በድል በደል

ኸደፍኡኻ ናብ ገድል

ንድሒት ዘይብሉ ፍንፅል

ኽንደሻእ ኣሎ ምትላል፡

ይኣክል ሕርሚ ይኣኽል

ትግራይ ተላኣል፡

ይኣክል።

 

Temsgen Kebede 

1-10-19

Videos From Around The World

Back to Front Page