Back to Front Page


Share This Article!
Share
ስርቅን ክትረትን ኣብ ከተማታት ትግራይ

ስርቅን ክትረትን ኣብ ከተማታት ትግራይ

ዳኒኤል ግርማይ ካብ አዉሮፓ  10 Feb 2019

 

እዚ ሽግር ብዙሕ ተዘሪብሉን ሓደሓደ ናይ ምዕራይ  ምንቅስቓሳት ተጌሩ ክኸውንይኽእል። ይኹን ደኣ’ምበር ነገራት ኣብነብስኻ በጺሑ ከተዘንትዎን  ብወረ ሰሚዕኻ ክትደግሞን ዓብዪ ኣፈላላይ ስልዘልዎ ኣብ ነፍሰይ ዝበጽሐ ሓደጋ ንካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ትምህርት ክኸውን፣ ብዓብኡ  ድማ እዚ ዝፍጠር ዘሎ ሓደጋ ከቢድ ምኹዋኑ ዝምልከቶ ኣካል ተገንዚቡ ህጹጽ ስጉምቲ ንኽወስድ ብጽሑፍ ከካፍል ወሲነ ።

 

Videos From Around The World

እቲ ኩነታት ዝተፈጥረ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግራይ ንዕረፍቲ ዝኸድክሉ አዋን እዩ። ገና ናብ ከተማ ምቐለ ምስ ኣተኹ ብናይ ቐረባ በትሰበይን የእርኹተይን ብተደጋጋሚ ኣብ ከተማታት ትግራይ ቅድሚ ሐዚ ብዘይተልመደ መልክዑ ስርቅን ክትረትን ተስፋፊሑ ከምዘሎ ክንገር ይሰምዕ። ስዒቡ’ውን ናይ ከባቢ መናእሰይ ብምዉፋር አት ምምሕዳር ነቲ ጸገም የምሓይሾ ከምዘሎ’ውን ይሕበረኒ ነበረ:።

 

ሓደ ምሸት ምስ ንነዊሕ ግዜ ዝፈልጦም የዑርኽተይ ክጻወት የምሲ’ሞ ከይመሰየ ናብ ገዛይ ክኽይድ ብምባል ይፍለዮም። እዋኑ ቁሩብ ይምሰ’ምበር ሰብ ዝንቀሳቐሰሉ አዋን ስለዝነበረ አቶም የእሩኽተይ ከይተጨነቑ እዮም ዘፋነዉኒ ። በይነይ ተበጊሰ መኪና ናብ ደው ዘበልኩሉ (ከባቢ 100ሜትሮ ዝኸዉን) ቦታ ክኸድ ይጅምር። ሓደ መንእሰይ ብድሕረይ ከምዝመጽእ ዘሎ ይርደኣኒ ዜረ ይርዮሞ “ከሕልፎዶ?” ኢለ ንነብሰይ ይሓትት። ምልስ ብምባል አዚ ኩሉ ሰብ አንዳሓለዎዶ’ሞ ሓደጋ ከብጽሕ፣ ኣይገብሮን ኢለ መንገደይ ይቕጽል። ቁሩብ ምስገስገኩ ድንገት ናይ ሰብ ኢድ ኣብ ክሳደይ ክጥምጠም ይርድኣኒ’ሞ ክቃለስ ይፍትን። ነጋራት ከጋድዶ ለካ በይኑ ኣይነበረን። ሰባት ከገላግሉ ክመጹ ምስፈተኑ አቶም ዘረፍቲ ዓሪዶም ጸኒሖም ለካ ነቶም  ከገላግሉ ዝፈተኑ ሰባት ብእምኒ አናፈራርሑ ምብራራር ሓዙ። ገሊኦም’ውን ናባይ ዓሰሉ። አዚ ምስተረዳእኩ አቲ ድልየቶም ከምዝህቦም ይሕብረሎም። አዛ ዘረባ ከይደገምክዋ ግን ክሳደይ ኣጽኒቶም ስለዝሓነቑኒ  ሓለዋተይ ይስሕት።

 

ከምቲ ቅድም ኢለ ዝጠቐስክዎ ዘረፋ ከምዘሎ ይንገረኒ ስለዝነበረ ምሳይ ንግዚኡ ዝኸዉን ገንዘብ አንተዘይኮይኑ ተንቀሳቓሲ ስልኪ’ውን ምሸት ሒዘ ኣይወጽእን ኔረ። ነዚ አዩውን ዝደለይዎ ክወስዱ ክሕብሮም ዝፈተንኩ። አቶም ዘረፍቲ ግን ኣባይ ጉድኣት ከብጽሑ አዮም ዝመረጹ። ድሕሪ ክንደይ ግዜ ሙኹዋኑ ኣይፈልጥን ምስ ነቓሕኩ ኣብ መሬት ተዘርግሔ፣ ሕዜየን ዝነበርኩ ቁሩብ ገንዘብ ተዘሪፈ ንባዕለይ ረኸብክዋ። ብድሕሪኡ ዝኾነ ነገር ታሪኽ  አዩ። ሂወተይ ተሪፋ አዚ ከዘንትወልኩም’ዉን በቕዔ።

 

ኣብ ካልኦት ዝበጽሑ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ካብ ዝተፈላለይ ወገናት ሰምዔ። ክሳብ ሞት ዝበጽሑ ወገናት ከምዘለዉ ምስተረዳእኩ ማዕረ ክንደይ ዕድለኛ ሙኹዋነይ ብሓቂ ኣሚነ። ስርቂ ዘሎ እዩ ይኹን’ምበር ኣብ ሰለማውያን ሰባት ሓደጋ ኣብስሕካ ስርቂ ግን ናይ ሓደ ሃገር/ክልል ናይ ድሕንነት ጉዳይ አዩ። አዚ ዘዓይነቱ ዉንብድና ብቐንዱ አቲ ነባራይ ቀሲኑ ንኽይነብር ካብምግባር ሓሊፉ በጻሓይ/ቱሪስት የህድም፣ ነዋይ ዘለዎ መጺኡ ትካል ከይገብር ፍርሒ የንግስ፣ ብሓፈሻ ቁጠባ ናይታ ሃገር/ክልል ናይ ምድኻም ሓይሉ ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ አዩ’ውን ተራ ስርቂ ዘይኮነስ ናይ ድሕንነት ጉዳይ ክምዝኾነ ክፍለጥ ዘለዎ።

 

ንናይ ትግራይ መንግስቲ ብውልቀይ ክላበዎ ዝደሊ፣ አዞም ዘረፍቲ ተራ ዘረፍቲ ከምዘይኮኑ ተገንዚቡ አቲ ሽግር ብከተማ ፖሊስን መናእሰያትን ጥራሕ ንክፍታሕ ምግዳፍ ዘይኮነስ ናይ ድሕንነት ኣባላት ኣዋፍርካ ነገራት ምስተፈጸመ ዘይኮነስ አዞም ናይ ሰብ ሂወት ከጥፍኡን ክዘርፉን ተወዲቦም ዘለዉ ብገንኡ (ብ inteligence) ምቁጽጻር ሓደን ክልተን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ገንዘብን ንብረትን ጥራሕ ኣይኮነን ዝበርስ ዘሎ፣ ክቡር ናይ ትግራዋይ ሂወት’ውን አዩ ዝጠፍእ ዘሎ።

 

ሰላም ንትግራይና!!              

 

Back to Front Page