Back to Front Page

ራእይ ትግራይ 2020

ራእይ ትግራይ 2020

ምዕብልቲ ትግራይ ንምፍጣር እንታይ ንግበር?

መርስኤ ኪዳን  6-29-19

ካብ ሚኔሶታ: ሃገረ ኣሜሪካ

mersea.kidan@gmail.com

መእተዊ

መንግስቲ ትግራይ ኣብመላእ ዓለም ንነብር ተጋሩ ኣብዝተፈላለዩ መዳያት ዘለዉና ሓሳባት ክነቕርብ ፃውዒት ምግባሩ ይፍለጥ እዩ። ኣነውን ኣብፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን፣ ማሕበረሰባዊ መዳያት ዘለዉኒ ሓሳባት ከምዝስዕብ ኣሕፅር ኣቢለ ኣቕሪበ ኣለኹ። ኣብዚ ፅሑፍ ዘቕርበን ሓሳባት ጥቕሉል ኾይነን ኻልኦት በብመዳዩ ዓሙዊቅ ፍልጠትን ተሞክሮን ዘለዎም ተጋሩ ዝበለፀ ክትንትንወንን፣ ከማዕብልወንን ተስፋ ይገብር።

ሎሚ ትግራይ ትርከበሉ ብርኪ ስልጣነን ኣንሕና ትግራይ ክትበፅሐሉ ይግባእ ንብሎ ብርኪን ብጣዕሚ ዝተርሓሓቐ እዩ። ካብቲ ሎሚ ዘለናሉ ናብቲ ንምነዮ ብርኪ ንምብፃሕ ካብልሙድ ናይምምሕይያሽ ፃዕሪታት ብዝተፈለየ ተባዕ ራእይ፣ ተባዕ ትልሚታትን፣ ተባዕ ስዳረታትን የድልዩና እዮም።

ትግራይ ሃፍታም እያ ነቲ ሃፍቲ ከመይ ንጠቐመሉ ካብዝብል መበገሲ ክንብገስ ይግባእ። እምበር ድኻ ኢና ዝብል እምነት ሒዝና እንተጀሚርና ያው ድኻ ኾይንና ኢና ንተርፍ። ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝበሎ ሃፍታም እየ ኢሉ ንዝኣምን ሃፍቲ ክውሰኸሉ እዩ፡ ድኻ እየ ኢሉ ዝኣምን ግና ካብቲ ዘላቶ ንእሽተይ ሃፍቲውን ክውሰደሉ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ብሳይንስውን ዝተረጋገፀ እዩ። ኣብዚ ዘቕርበን ሓሳባት ብኸምዚ ዓይነት ሃፍታማት ኢና ብዝብል ኣታሕሳስባ እምበር ድኻ ኢና፣ ዓቕሚ የብልናን ብዝብል ኣተሓሳስባ ክትግበራ ኣይካኣላን።

Videos From Around The World

ራእይ ትግራይ 2020  

ቅድም ቀዳድም ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣብከመይ ኩነታት ክኸውን ይግባእ ዝብል ራእይ ክንህንፅፅ ይግባእ። እዚ ራእይ እዚ ናይ ዝተወሰነ ጉጅለ ወይ ፓርቲ ክኸውን የብሉን። ናይ ኩሉ ትግራዋይ ራእይ ክኸውን ይግብኦ። መንግስቲ ትግራይ ኩለን ኣካላት ናይቲህዝቢ ዝሳተፉሉ ራእይ 2020 ዝህንፅፅ ጉባኤ ከዳለው ይግባእ። ኣብቲ ጉባኤ ኩለን ናይትግራይ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ከም ሰብሕድሪ ዝኣመሰሉ ሲቪክ ማሕበራት፣ ምሁራትን ምሁራንን፣ ከምማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝኣመሰሉ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ናይ ኣንስትዮን ናይ መናእሰይ ማሕበራትን፣ ማሕበር ኣካለ ጉዱኣትን ካልኦትን ክሳተፉሉ ይግባእ።

ራእይ ትግራይ 2020፣ ትግራይ ብግእዝ ኣቆፃፅራ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ፖለቲካ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ሰብኣዊ ልምዓትን፣ ፋይናንሳዊ ዓቕሚን ኣበይ ትበፅሕ ዝብል ትልሚ ክሕዝ ኣለዎ። በብዘፈሩ ዕዉት ምዃንናን ዘይምዃንና ንዕቅነለን መዐቀኒታት ክነቕምጥ ይግባእ። ካብተን ኣብ ራእይ ትግራይ 2020 ክቕመጣ ይግባእ ኢለ ዝኣምነን ሓሳባት ዝተወሰኑ ኣብዚ ፅሑፍ እዚ ኣሕፅር ኣቢለ ክዝርዝር እየ።

ፖለቲካዊ

በዚ ሎሚ ግዜ ኣብዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ህዝቢ ትግራይ ሰለስተ መማረፂታት ኣለውዎ። ንሳተን እውን ኣካል ኢትዮጵያ ኾይንካ ምቕፃል፣ ናፃ ሃገር ምምስራትን፣ ምስ ኤሪትራ ተሓዊስካ ሓዳስ ሃገር ምምስራት እየን።

ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያ ትባሃል ሃገር ኣብምፍጣር ይኹን ኣብምህናፅ ካብ ማንም ህዝቢ ዝበለፀ ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ህዝቢ እዩ። ኢትዮጵያ ትባሃል ሃገር ከም ሃገር ስካብ ሎሚ ዝሃለወት ህዝቢ ትግራይ ብዝኸፈሎ መስዋእትነት እዩ። ብተወሳኺ ካብ ንእሽተይ ሃገር ምዃን ዓባይ ሃገር ምዃን ብዙሕ ጥቕሚታት ኣለውዎ። ስለዝኾነ ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓደ ከምኣካል ኢትዮጵያ ኾይንካ ምቕፃል ካብኩለን መማረፂታት ዝሓሸ እዩ። እዚ መማረፂ ካብተን ካልኦት መማረፂታት ዝነኣሰ ፃዕሪ ዝደልይን ብዙሕ ተቓውሞ ዘየጋጥሞ (least resistance) እዩ።

ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ረብሑኡ ተሓልዩ ክነብር ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣብተጋሩ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ። ዛጊድ መብዛሕትኡ ትግራዋይ ኣብ ማእኸላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ እምነት ተሓጢጡ ተወዲኡ እዩ። ስለዝኾነ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኾይና እንተቐፂላውን ናይተጋሩ ረብሓ ዝሕልው ጠንካራ ብሄራዊ መንግስቲ፣ ባዕሉ ዝኸኣለ ኢኮኖሚን፣ ድልዱል ፖለቲካዊ ስርዓትን ክህልዎ ናይግድን እዩ። እዚ ማለት ዋላኳ ትግራይ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ስርዓት ኮይና ምቕፅላ ዝሓሸ መማረፂ እንተኾነ ኣብቲ ውሽጢ ፌደሬሽን ናይ ባዕላ ጠንካራ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ናፅነት ክትረክብ ይግባኣ ማለት እዩ።

ናፃ ሃገር ናይ ምምስራት መማረፂ ወላ እኳ ህዝቢ ትግራይ ዝደልዮ እንተዘይኮነ ካብ ማእኸል ዓዲ ዝግበር ፀቕጢ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ እንተኸይዱ ተገዲዱ ዝኸደሉ መማረፂ እዩ። ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ከምንርእዮ ሓዳስ ሃገር ምምስራት ብዙሕ ተቓውሞ ዝገጥሞን ተግባራዊ ንምግባር ኣዝዩ ኣፀጋሚን እዩ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ኣይድለይ እምበር ናይ ማእኸል ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ኹነታት ነዚ መማረፂ ናይግድን ክገብርዎ ይኽእላ እየን። ንኣብነት ማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ተዳኺሙ ናብ ምፍራስ እንተበፂሑ ህዝቢ ትግራይ ምስካልኦት ኣሕዋት ህዝቢታት ይኹን ንበይኑ ሃገር ክምስርት ዝግደደሉ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ዓፋርን ህዝቢ ትግራይን ተፈላልዮም ዘይፈልጡ ንዘልኣለም ብሓደ ክነብሩ ተፈጥሮ ዘዋሰበቶም ህዝብታት ስለዝኾኑ ሃገር እንተመስሪቶምውን ብሓደ ከምዝኸውን ኣብግምት ምእታው ኣድላይ እዩ።

እቲ ሳልሳይ መማረፂ ምስ ኤርትራ ተሓዊስካ ዓባይ ሃገር ምምስራት እዩ። ኣብ ትግራይን ኤርትራን ዝነብሩ ኣሕዋት ህዝቢታት ብሸርሒ ገዛእቲ ተፈላልዮም ኣብክልተ ሃገራት ተመቒሎም ይነብሩ ኣለው። እቲ ግዜ ይርሕቕ ይኸውን እምበር ተጋሩ ናይኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ዓፋር ናይኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኩናማ ናይኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ሳሆ፣ ኢሮብ ከምኡውን ካልኦት ተሓዊሶም ብሓደ ዝነብሩላ ሃገር ምምስራታ ኣይተርፍን። ናይሎሚ ፖለቲካዊ ሃዋህው ነዚ ኹነታት ዝፈጥረሉ ዕድል ኣሎ። ኮይኑ ግና ንብዙሕ ግዜ ብገዛእቲ ዝተዘርአ ናይ ፅልኣት ዘርኢን ውፅኢት ናይ ባድመ ኲዊናት ዝኾኑ በሰላታት ነዚ ሓድነት ናይምፍጣር ዕድል የንእስዎ እየን። ካብኩሉ ንላዕሊ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ምዕቡልን ጠንካራን ዝኾነት ኣፍሪካዊት ሃገር ክትፍጠር ዘይደልዩ ዓለምለኸ ሓይልታት ነዚ ከይፍጠር ዕንቅፋት ክኾኑ እዮም።

ካብዚ ንላዕሊ ዝዘርዘርክወን መማረፂታት ኩለን ኣብቅድሜና ኣለዋ እየን። በየናይ መንገዲ ንኸይድ ዝብል መፃኢ ኩነታት ኢትዮጵያን ቐርኒ ኣፍሪቃን ዝውስንዎ እዩ። ኮይኑ ግና ኣብሰለስቲአን መማረፂታት ሓደ ነገር ግልፂ እዩ። ድሕሪ ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ብዘይባዕሉ ካሊእ ዝተኣማመነሉ ሓይሊ ከምዘየለን ናይባዕሉ ጠንካራ ኣመሓድራ ከምዘድልዮን እዩ። ኣብትሕቲ ኢትዮጵያ ይኹን ናፃ ሃገር ኮይኑ ወይ ኻዓ ምስ ኤርትራ ተሓዊሱ ኣብኩሉ ኩነታት ናይባዕሉ ጠንካራ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምሕደራ የድልዮ እዩ። ፖለቲካ ሃገርና ኣብዝኾነ እዋን ሓዲኡ መማሪፂ ክንመርፅ ዘግድድ ክኸውን ስልዝኽእል ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ሓይሉ ኣጠናኺሩ ንዝኾነ ክስተት ክዳለው ኣለዎ። ትግራይ ብፖለቲካዊ ይኹን ኢኮኖሚያዊ ኣመሓድራ ባዕላ ዝኸኣለት (Autonomous) ክትኸውንን ኣብፌደራል መንግስቲ ይኹን ኣብኻሊእ ሓይሊ ካብዘለዋ ተሞርክዞ(dependence) ክትናገፍን ይግባኣ። ስለዝኾነ ካብዚ ትሕቲ ዝዝርዝረን ሓሳባት ተፀኒዐን ናብ ተግባር ክንኣትው ይግባእ።

ኣብቲ ፌደሬሽን ናይ መንግስቲ ትግራይ ግቡእ ስልጣን ምርግጋፅ

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ትምህርቲ ክንወስደሉ ንኽእል ፅቡቕ ኣብነት ኣለና። ንሱውን ኣብ ማእኸል መንግስቲ ስፔይንን ኣካል ስፔይን ዝኾነት ካታሎንያን ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣካይዳ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ልምዲ ህዝቢ ካታሎንያ ዝወስዶ ብዙሕ ትምህርቲ ኣሎ። ህዝቢ ካታሎንያ ካብ ኩለን ግዝኣታት ስፔይን ዝበለፅ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዓቕሚ ፈጢሩ እዩ። ሎሚ ህዝቢ ካታሎንያ ናይ ባዕሉ ሕገመንግስቲን ድልዱል ኢኮኖሚን ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ካታሎን ብኣውሮፓውያን ኣቆፃፅራ 2006 ዝሃንፀፆ (Statute of Autonomy of Catalonia) ዝባሃል ሕገ መንግስቲ ኣለዎ። እዚ ሕገመንግስቲ ትሕቲ ሕገመንግስቲ ስፔይን ኮይኑ ናይ ካታሎን መሰረታዊ ሕግጋት ዝሓዘ እዩ። ናይካታሎናውያን መሰላትን ግዴታትን፣ ናይ ብሄራዊ መንግስቲ ካታሎንን ማእኸላይ መንግስቲ ስፔንን ወሰን ስልጣናትን ዝድንግግ እዩ።

እዚ ሕገመንግስቲ ናይ ካታሎናውያን ዝተደንገገ ብ2006 ከም ኣውሮፓውያን ኣቆፃፅራ ይኹን እምበር ብ2010 ዓ.ም. ማእኸላይ መንግስቲ ስፔይን ነቲ ህገመንግስቲ ከፍርሶ ፈቲኑ እዩ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ካታሎን “ኣንሕና ብሄረ ካታሎንያ ኢና፣ ወሰንቲውን ኣንሕና ኢና” (Catalan Som una naciσ. Nosaltres decidim) ብእንግሊዝኛ ("We are a nation. We decide") ብዝብል ቴማ ስካብ ሓደ ሚሊዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣብጎደናታት ባርሴሎና ብዝገበሮ ሰልፊ ነቲ ናይ ማእከላይ መንግስቲ ስፔን ውሳኔ ነፂጉ ነቲ ሕገመንግስቲ ፅኑዕ ክኸውን ገይርዎ እዩ። 

ኣብትግራይውን ሽም መንግስትና ካብ “ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ” ናብ “ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ” ብምቕያር ኣብቲ ሕገመንግስቲ ንብሄራት ዝተውሃበ ሉኣላዊነት ከምዘይንደራደረሉ መልእኽቲ ምሕላፍ የድልይ እዩ። ትግራይ ምሕደራዊ ክልል ከይኾነት ሉኣላዊት ብሄራዊ መንግስቲ ምዃና ምእዋጅ የድልይ እዩ። (Tigray is not a regional government; It is rather the state of the Tigray Nation).

ከምኩነታቱ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ንፌደራላዊ መንግስቲ ብውክልና ዝተውሃቡ ስልጣናት ናይ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ መሊስካ ምውሳድ። ብፌደራል መንግስቲ ዝመሓዳደሩ ከም ማዕድናት፣ ቤተ መንግስቲ፣ ፓርክታትን ካልኦት ፀጋታት ናብ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ክዛወሩ ይግባእ።

ነዚኤን ሓሳባት ተግባራዊ ምግባር ቀሊል ከምዘይኾነን ካብ ፌደራል መንግስቲ ፅዕንቶ ክህልው ከምዝኽእልን ይፍለጥ እዩ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ዓርሰ እምነት ሒዙ ብባዕሉ ክቀውም ዝኽእል ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ስርዓት ንምህናፅ ድልው ምዃኑን ድሕሪ ሎሚ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ከምዝውስንን ዘርእዩ መልእኽታዊ ስጉምቲታት ምውሳድ ኣድላይ እዩ።  

ፌደራል መንግስቲ ንትግራይ ንምምብርካኽ ንዝወስደን ስጉምቲታት ተመጣጣኒ ምላሻዊ ስጉምቲታት ኣቀዲምና ኣፅኒዕና ክንዳለው ናይግድን እዩ። ፌደራል መንግስቲ ፀቕጢታቱ እናጠንከረ ብዝኸደ መጠን ህዝቢ ትግራይውን ፌደራል መንግስቲ ኣብትግራይ ካብዘለውዎ ስልጣናት እናመንጠለ ክኸይድ ኣለዎ።

ኮይኑ ግና ስካብ ኣብቲ ፌደሬሽን ኣባል ዝኾንና ህዝቢ ትግራይ ኣብፌደራል ኣብዘለው ናይ መንግስቲ ስልጣናት ተመጣጣኒ ውክልና ክህልዎ ናይግድን እዩ። ህወሓት ስለዝኾረየት ህዝቢ ትግራይ ኣብፌደራል መንግስቲ ውክልና ዝስእነሉ ምኽኒያት የለን። ኾሪኻ ፀግዕኻ ሒዝካ ኮፍ ምባል ነቶም ንትግራይ ከጥቕዑ ዝደልዩ ዕድል ምሃብ እዩ። ስለዝኾነ እዚ ናይ ህወሓት ናይ ምኹራይን ባዕልኻ ምግላልን ፖሊሲ ብዘይ ወዓል ሕደር ክቕየር ኣለዎ። ኣብቲ ናይፌደራል መንግስቲ ካቢኔ ይኹን ካልኦት ውዳበታት ተመጣጣኒ ዝኾነ ናይ ተጋሩ ተዋፅኦ ዝህልወሉ መንገዲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብህፁፅ ድርድር ክካየድ ይግባእ።

ናይ ምክልኻልን ሓለዋን ዓቕሚ ምጥንኻር

ብሄራዊ ሓይልታት ሓለዋ ትግራይ (National Guard of Tigray) ይጣየሽ። እዚ ሓይሊ ብርእሰ ብሄር ትግራይ ዝእዘዝ ናይ ህዝቢ ትግራይ ድሕንነትን ሉኣላዊነትን ዝሕልው ሓይሊ እዩ ክኸውን። ርእሰ ብሄር ኢትዮጵያ ክፅውዕ እንከሎ ዶብ ናይ ሃገር ኣብምህላው ይኹን ንኻሊእ ተልእኾታት ናብዝኾነ ክፋል እታሃገር (ኢትዮጵያ) ብትእዛዝ ርእሰ ብሄር ትግራይ ክዋፈር ይኽእል እዩ። ባይቶ ትግራይ ነዚ ክገብር እንተወሲኑ ብምሽጢር ክኸውን ይግብኦ። እቲ ሓይሊ ክጣይሽ ከሎ ካልኦት ክልላዊ/ብሄራዊ መንግስታት ኢትዮጵያውን ናይባዕሎም ናብምጥያሽ ክጓየያ እየን። ስለዝኾነ እቲ ስራሕ ብምሽጢር ተወሲኑ ብምሽጢር ተሰሪሑ ክውዳእ ኣለዎ።

እዚ ኣባላት ናይ ፌደራላዊት ሃገር ናይባዕለን ምክልኻል ሓይሊ ይሃልወን ዝብል ሓሳብ ሓዱሽ ኣይኮነን። ንኣብነት ግዝኣታዊ መንግስታት (States) ኣሜሪካ ካብቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝመርሖ ሓይሊ ምክልኻል ብተወሳኺ ሕድሕድ ግዝኣታዊ መንግስቲ (state) ኣሜሪካ ናይባዕሉ ምክልኻል ሓይሊ ኣለዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ናይኣቦታትና ኣሰራርሓውን ከምኡ እዩ። ሕድሕድ ንጉስ ናይባዕሉ ሓይሊ ሒዙ እቲ ንጉሰ ነገስት ክፅውዕ እንከሎ ብሓባር ይዘምቱ ነይሮም።

ምስ እዚ ብዝተተሓሓዘ ብዘይ ኲናት ካራማራ (ሶማል) ዳርጋ ኩሉ ካሊእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ኲናት ብትግራይ ገይሮም ዝመፁ እዮም። ዳርጋ ኩሉ ኲናት ዝተኻየደውን ኣብትግራይ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ናይሰላም ስምምዕነትውን ኣይተወድአን ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ትውንኖም ከበድቲ ኣፅዋራት ኣብትግራይ ክትከሉ ይግባእ። መብዛሕትኦም ነፈርቲ ሓይሊ ኣየርውን ኣብ ትግራይ ክኾኑ ይግባእ። ነዚ ዝቕይር ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ካሊእ ዕላማ ስለዝህልዎ መንግስቲ ትግራይ መትከል ክሕዘሉ ይግባእ።

ውሽጣዊ ናፅነት

ከምቲ ኣብላዕሊ ዝተገለፀ ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ጥንካሬ እንተዘይብሉ ከሰኩንዎ ዝደልዩ ሓይልታት ብዙሓት እዮም። ሓደ ውሽጣዊ ጥንካረ ንፈጥረሉ መንገዲ ነቲ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ኩሉ ትግራዋይ ናተይ ዝብሎ መንግስቲ ክኸውን ምግባር እዩ። ነዚ ንገብረሉ ሓደ መንገዲ ኩለን ኣታሓሳስባታት ዝተኣናገዱሉ ፖለቲካዊ ምሕደራ ምፍጣር እዩ።  ኣብዚ ከም ኣብነት ክንወስዶ ንኽእል ናይ እስራኤል ተሞክሮ እዩ።

ከምቲ ዝፍለጥ እስራኤል ከም ሃገር ካብዝተመስረተትሉ ግዜ ጀሚሩ አስካብ ሎሚ ንመፃኢውን ካብ ጎንፂን ናይ ኩዊናት ስግኣትን ተፈልያ ኣይትፈልጥን። ኣብኸምኡ ዝመሰለ ኣይሰላም ኣይኩዊናት ኹነታት ኾይናውን ኣብቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ዘፈራት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ዘላ ሃገር እያ። እቲ ሓደ ጥንካሬ መንግስቲ እስራኤል ኩሉ ዜጋ ናይታሃገር ውክልና ዝረኸበሉ ፖለቲካዊ ኣመሓዳድራ ስለዘሎ እዩ። ሚዲያታት፣ መንግስታዊ ትካላት፣ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ካልኦትን ብዘይ ፖለቲካዊ ተፅዕኖ ብናፅነት ስለዝሰርሑ እዩ።

ትግራይውን ብተመሳሳሊ ካብኩዊናት ተፈልያ ኣይትፈልጥን። ንመፃኢውን ንህዝቢ ትግራይ ከሰኩኑ ዝደልዩ ሓይልታት ስለዘይሳኣና ሰላማ ክትሕልው ትኽእል ከምእስራኤል በቲ ትፈጥሮ ውሽጣዊ ዓቅሚ እዩ ክኸውን። ኣብትግራይውን ብተመሳሳሊ ዝተፈላልያ ኣታሓሳስባታት ዝውከሉሉ ፖለቲካዊ ምሕደራ ክፍጠር ኣለዎ።

ሓደ መርኣያ ናይ ውሽጣዊ ናፅነት ስብጥር ኣባላት ባይቶ እዩ። ሎሚ ሚኢቲ ብሚኢቲ ባይቶ ትግራይ ብኣባላት ህወሓት ዝተትሓዘ እዩ። ናይእስራኤል ባይቶ እንተርኢና 120 ወንበራት ናይቲ ባይቶ ብዓሰርተ ሓደ ፓርቲታት ዝተትሓዛ እየን። ናይ እስራኤል ፖለቲካ ኣብ ዓሰርተሓደ ፓርቲታት ምምቕቓሉ ግና ብዛዕባ ድሕንነት ህዝቢ እስራኤል ኣብዘለዎም ሓድነት ዘምፅኦ ፀገም የለን።

ብተመሳሳሊ ህዝቢ ደቡብ ኮሪያ እንተርኢና ካብተን ኣዝየን ድኻ ዝነበራ ህዝብታት ሓደ ዝነበረ ክኸውን ብሓፂር ግዜ ካብድኽነት ናብ ምዕቡል ህዝቢነት ዝሰጎመ እዩ። ከምኡ ድማ እቲ መንግስቲ ከም ህወሓት/ኢህወዴግ ዓይነት ናይሓደ ውድብ ምልካዊነት ሒዙ ዝፀንሐ ቀስ ብቀስውን ናብ ህዝባዊ ምልካዊነት (Democracy) ይኸይድ ዘሎ መንግስቲ እዩ።  ናይ ደቡብ ኮሪያ ፓርሊያመንት እንተርኢና ሓሙሽተ ዓበይቲ ፓርቲታት ዘለዉዎ ኾይኑ እቲ ባይቶ ኩሉ ኣመለኻኽታ ዝተወከለሉን ዓብይ ክትዕ ዝካየደሉን እዩ።

ኣብላዕሊ ከም ኣብነት ዝረኣናያ ናይ ካታሎንያ ፓርሊያመንት ንመልከት። ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ሓደ ኣካል ከምምዃና፣ ካታሎንውን ናይስፔይን ሓንቲ ኣካል እያ። ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ባይቶ ትግራይ (ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ትግራይ) ከምዘለዋ፣ ካታሎንያውን ናይባዕላ ፓርሊያመንት ኣለዋ። ካታሎንያ ድልዱል ኢኮኖምያዊን ፖለቲካዊን ኣመሓድራ ክትሃንፅ ዝኸኣለት ኩሉ ኣመለኻኽታ ዝተወከላሉ ፓርሊያመንት ስለዘለዋን እቲ ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ናተይ ኢሉ ስለዝኣምነሉን እዩ።

ኣብፓርሊያመንት ካታሎንያ ዘለዉ ፓርቲታት ኣዝዩ ዝተርሓሓቐ ርእዮተዓለም ዘለዎም እዮም። እቶም ክልተ ዓበይቲ ፓርቲታት ኣብቲ መካትዒ ዝኾነ ምስ ስፔይን ብሓድነት ምፅናሕን ካብ ስፔይን ምፍላይን ዝብል ተቓራኒ ኣመለኻኽታ ዘለዎም እዮም። ኮይኑ ግና ኩሉ ኣመለኻኽታ ኣብ ፓርሊያመንት ምንፅብራቑ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ስርዓት እምነት ክህልዎ ዝገብር እዩ።

ድሕሪ ቀፃሊ ምርጫ ባይቶ ትግራይ ተንኣሰ ካብ ሲሶ ዝበለፀ መንበር ብኻልኦት ውድባት ክተሓዝ ይግብኦ። መንግስቲ ትግራይ ነዚ ከምሽቶ ሒዙ ክሰርሕ ይግባእ። ነዚ ንምግባርውን ክልተ ውሳኔታት ብህፁፅ ክውሰዱ ይግባእ።

እቲ ሓደ ኣብ መንግስታዊ መሓውራት ትግራይ ዶብ ውድብን መንግስቲን ምፍላይ እዩ። ህወሓት ንባዕላ ከም ሓደ ንመንግስቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ከመሓዳድር ውዕል ዝኣተወ ፖለቲካዊ ፓርቲ እምበር ከምባዕሉ ከምቲ መንግስቲ ክትርእይ ኣይግባእን። እቲ ካልኣይ ኻዓ ንኣማረፂ ፖለቲካዊ ውድባት ምጥንኻር እዩ። መንግስቲ ትግራይ ናይብሓቂ ኣማራፂ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ክጠናኸሩ እንተደልዩ ኣብትግራይ ንዝተመዝገቡ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብሕድሕድ ወረዳ ቤት ፅሕፈት ከፊቶም ክሰርሑሉ ዝኽእልሉ ባጀት ክምድበሎም ይግባእ። ብተወሳኺ ብስልጠናታትን፣ ሴሚናራት ክሕግዞም ይግባእ። ኩሉ ኣብትግራይ ዝዋሳእ ፖለቲካዊ ፓርቲ ማዕረ ህወሓት ናይ ሜዲያ ኣገልግሎት ክረክብ ይግባእ።

እቶም ካልኦት ፓርቲታትውን ካብቲልሙድ ፀርፊን ፀለመን ወፂኦም መማረፂ ሓሳባት ሒዞም ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ክሰርሑ ይግባእ። ኩሎም ፓርቲታት ከምፀላኢ ካብምርእኣይ ወፂኦም ዝሰልጠነ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክኸዱ ይግባእ።

ብህዝቢ ዝተመረፁ ኣመሓደርቲ

ከምቲዝፍለጥ ኣመሓደርቲ ወረዳታትን ጣብያታትን ትግራይ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝሽየሙ እዮም። እቲ ህዝቢ ካብኩሉ ብዝበለፀ የንፀርፅር ዘሎ ኣብ ወረዳታትን ጣብያታትን ኣብዘሎ ብልሽው ኣመሓዳድራ እዩ። እቲ መሰረታዊ መቦቆል ናይቲ ብልሽው ኣመሓዳድራ ተፀዋዒነት ናይ ኣመሓደርቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት እምበር ናብቲ ህዝቢ ዘይምዃኑ እዩ። እቶም ብቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝሽየሙ ኣማሓዳርቲ ንሓለፍቲ እታ ውድብ ዘሕጉሱ ናይ ሓሶት ፀብፃባት ብምቕራብ ካብቲ ህዝቢ ንዝመፅእ ሕቶታት ግን ወላ ሓንቲ እዝኒ ዘይህቡ እዮም ኾይኖም።

ነዚ ንምቕያር ኣመራርሓ ዝኾነ ይኹን ወረዳ ካብ ተመረፅቲ ኣባላት ባይቶ ናይቲ ወረዳ ጥራሕ ክኸውን ዝውስን ሕጋዊ ኣዋጅ ክእወጅ ኣለዎ። እቲ ኣመሓዳሪ ዝምረፅውን በቲ ባይቶ ወረዳ እምበር ካብዝኾነ ይኹን ካሊእ ሓይሊ ክኸውን ኣይብሉን።

ናፅነት ዘይመንግስታዊ ትካላት

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ኩለን ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብትሕቲ ቑፅፅር ህወሓት ምእታወን እዩ። ንኣብነት ኣብትግራይ ይኹን ኣብ ካሊእ ፍሊ ኢትዮጵያ ወይ ዓዲ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ኩሎም ብዓብዪ ስምዒትን ድልየትን ይሳተፉላ ዝነበረት ሓንቲ ዘይመንግስታዊ ትካልና ማሕበር ልምዓት ትግራይ (TDA) ነይራ። ኮይኑ ግና ህወሓት ነዛ ናይልምዓት ማሕበርና ውን ናፃ ይና ክትሰርሕ ስለዘይፈቐደትላ ብዝሒ ኣባላታ ነኪዩ ሎሚ ዳርጋ ናይውልቀሰብ አባላት ዘይብላ ይና ኣላ። ህወሓት ኢዳ ካብ ማ.ል.ት. ክተልዕል ይግባእ። ቁፅሪ ኣባላት ህወሓት ዝኾኑ ኣባላት ኣመራርሓ ቦርድ ናይ ማ.ል.ት. ውን ካብ ሲሶ ክበልፅ ኣይግባእን።

ብተመሳሳሊ ማሕበረ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ካብ ዓለም ለኸ ግብረሰናይ መንግስታትን ውድባትን እናኣከበት ነቲ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝተኣከበ ሃፍቲ ሓረስታይ ትግራይ ትቆፃፀረሉ መሳርሒ ገይራቶ ፀኒሓ እያ። ማረት ብቕልጡፍ ናብ ትሕቲ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዝጣየሽ ኮሚሽን ክትማሓላለፍ ይግባእ። መራሕቲ እቲ ኮሚሽንውን ክኢላታት ኾይኖም ካብዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውግንና ናፃ ክኾኑ ይግባእ። እቲ ማረት ትፃወቶ ግደውን ብክኢላታት ተፀኒዑ መፃኢ ዕድላ ብቤት ምኽሪ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ክውሰን ኣለዎ። ብሓፈሽኡ ብዝሒ ኣባላት ኣመራርሓን ቦርድን ዝኾነ ይኹን ዘይመንግስታዊ ትካል ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሓይሊ ካብ ሲሶ ከይበልፅ ዝድንግግ ፖሊሲ ብቅልጡፍ ክእወጅን ተግባራዊ ክኸውንን ይግብኦ።

ቁጠባዊ

ካሊእ ትግራይ ውሽጣዊ ጥንካሬኣ ክትሃንፀሉ ዝግባእ መዳይ ቁጠባዊ እዩ። ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ቁጠባዊ ዓቕሚ ንምድንፋዕ ሰለስተ ነገራት ኣፀቢቀን ክህነፃ ይግባእ። ንሳተን እውን መሰረተ ልምዓት፣ መሓውራት ሰብኣዊ ልምዓትን፣ መሓውራት ናይ ፋይናንስ እየን። መንግስቲ ኢህወዴግ ኣብ ምህናፅ መሰረተ ልምዓትን ኣብ መሓውራት ሰብኣዊ ልምዓትን ብዙሕ ሰሪሑ እዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ልምዓት መሓውራት ፋይናንስ ኣዚና ኣብድሕሪት ተሪፍና ንርከብ። ከምቲ ዝፍለጥ ገንዘብ ናይ ኢኮኖሚ ደም እዩ። ልክዕ ወድሰብ ደሙ ብናይደም ሰራውሩ ኣፀቢቑ ክዛወር እንድሕር ዘይካኣለ ዝሓምም፣ ገንዘብ ኣፀቢቑ ዘይዘዋወረሉ ኢኮኖሚውን ሕሙም ኢኮኖሚ እዩ ክኸውን። እቲ ሓደ ኣትኩሮት ዘይተገበረሉ ሕማም ናይ ኢኮኖሚናውን መሓውራት ናይ ፋይናንስ ክነጠናኽር ዘይምኽኣልና እዩ። ካብቶም መሓውራት ፋይናንስ ሓደ ዝኾነ ዕዳጋ ኣክስዮን ብዘይ ወዓል ሕደር ብህፁፅ ክጣየሽ ከምዘድልይ ክንርእይ ኢና።

ዕዳጋ ኣክስዮን መቐለ ይጣየሽ (Mekelle Stock Exchange (MSX))

ኣብ ትሕቲ ከምዘብርሆ ናይ ኮርፖሬሽናት ምምስራት ኣብ ዘፈር ሕርሻ፣ ኣብ ዘፈር ምህርቲ ኣቑሑት (manufacturing)፣ ይኹን ኣብዝኾነ ኢንዱስትሪ ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ። እተን ኮርፖሬሽናት ኻዓ ኣብትሕቲ ዝተወሰኑ ሃፋትም ጥራሕ ከይኾና ኩሉ ሰብ ዝሳተፈለን ክኾና ይግባእ። ነዚ ንምግባር ግና ናይ ፋይናንሺያል ማርኬት ስርዓትና ኣዝዩ ድሑር እዩ። እንድሕር ትግራይ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ክትቅድም ዝድለይ ኮይኑ ዕዳጋ ኣክስዮንን (stock market) ፣ ዕዳጋ ሰልዲ (Financial market) ዝግበረሉ መሓውራት ቀዲማ ክትዝርግሕ ኣድላዪ እዩ።

እቲ ሓደ ብህፁፅ ከይተቀደምና ክንገብሮ ዝግባእ ንመቐለ ማእኸል ናይ ፋይናንስ ምግባር እዩ። ስለዝኾነ ዕዳጋ ኣክስዮን መቐለ (Mekelle Stock Exchange (MSX)) ብሓፂር ግዜ ዝጣየሸሉ መንገዲ መፅናዕቲ ክግበርን ናብተግባር ክእተውን ይግባእ። ምስቲ ዕዳጋ ኣክስዮን ተተሓሒዙ ባንኪ ኢንቨስትመንት ትግራይ እውን ብህፁፅ ክጣየሽ ይግባእ።

እቲ ግዜ ዝፈጠሮ ዕድል ክራኣይ ከሎ መቐለ ማእኸል ናይ ኢኮኖሚ ንምዃን ትኸእለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ነገር ግን እዚ ብቐሊል ዝመፅእ ኣይኮነን። ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ኣስመራ/ምፅዋዕ፣ ካብባህርዳርን ካብ ሃዋሳን ተሪር ዝኾነ ንሕንሕ ከጋጥማ እዩ። 

ማእኸል ናይኢኮኖሚ ስሕበት ኣበይ ይኸውን ዝብል ዝውሰን ብናይ ተፈጥሮ ፀጋታት ምህላው ጥራሕ ከይኾነ ጠንካራ ዝኾነ ናይ ፋይናንስ ዕዳጋን ስርዓትን ምህላው እዩ። ነዚ መረዳእታ ዝኸውን ከም ዱባይ፣ ሆንግኮንግ፣ ሲንጋፖር፣ ሲኦል ዝኣመሰላ ከተማታት ብዘይ ሓንቲ ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ኣዝየን ዝማዕበላ ከተማታት ምዃነን እዩ። ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ማእኸል ስሕበት ኢኮኖሚ ትኸውን ከተማ ዝውስን ኣይና ከተማ ጠንካራ ዝኾነ ናይ ፋይናንስ ዕዳጋን ስርዓትን ኣለዋ ዝብል ሕቶ እዩ። ስለዝኾነ ነቲ ናይ ኣክስዮን ዕዳጋን ኢንቨስትመንት ባንኪን ብቅልጡፍ ኣፅኒዕኻ ናብተግባር ምእታው ኣድላይ እዩ። ነዚ ዝኸውን ፖለቲካዊ ውሳኔታት፣ ኣዋጃት፣ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታት ብቕልጡፍ ተፀኒዐን ክትግበራ ይግባእ።

ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣብተመሳሳሊ ኩነታት ዘላ ሃገር ከም ኣብነት ንመልከት። ህዝቢ ቪየትናም ከምህዝቢ ትግራይ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ዘለዎ ብኢኮኖሚውን ገና ናብ ዕብየት ይኸይድ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ናይ ቪየትናምውን ከም ህወሓት ኣብ ማርክሳዊ ሌኒናዊ ኣታሓሳስባ ተደሪኹ ይኸይድ ዝነበረ ናይሓደ ፓርቲ ምልካዊነት ዘለዎ እዩ። ስለዝኾነ ቪየትናም ምስ ትግራይ ይኹን ምስ ኢትዮጵያ ከምሃገር ብጣዕሚ ዝመሳሰል ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ዘለዋ ሃገር እያ። ቬትናም ሆቼሚንህ ስቶክ ኤክስቼንጅ (HOSE or HSX) ዝባሃል ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ኣለዋ። ቬትናምን ኢትዮጵያን ብተመሳሳሊ ካብ ቴስዓታት ኣትሒዘን ኢኮኖሚያዊ ዕብየት የርእያ ዘለዋ ሃገራት ኾይነን ቪኤትናም ብ2000 ከም ኤሮፓውያን ኣቆፃፅራ ኣትሒዛ ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ክትጅምር ኣብ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ሓሳብ እናተፀንዐ እዩ ዝብል መልሲ እናተውሃበ ስካብ ሎሚ ከይተጀመረ ፀኒሑ እዩ። እቲ መፅናዕቲውን ብግቡእ ኣይተገበረን።

እተን ኩለን ብቁጠባዊ ዕብየተን ከም ኣብነት ንርእየን ሃገራት ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ኣለወን እየን። ጃፓን Tokyo Stock Exchange (TSE), ደቡብ ኮሪያ Korea Exchange (KRX), እስራኤል Tel Aviv Stock Exchange (TASE), ቱርክ Borsa İstanbul (BIST), ኬንያ Nairobi Securities Exchange (NSE)። ኣብላዕሊ ከም ኣብነት ዝረኣናያ ኣካል ስፔይን ዝኾነት ካታሎንያውን ኣብ ዋና ከተማኣ ኣብ ባርሴሎና Bolsa de Barcelona (The Stock Exchange of Barcelona (BCN)) ዝባሃል ዕዳጋ ኣክስዮን ኣለዋ። እዚ ካብ ናይ ስፔይን ዋና ዕዳጋ ኣክስዮን ዝኾነ ማድሪድ ዕዳጋ ኣክስዮን (Bolsa de Madrid) ብተወሳኺ እዩ።

ኢትዮጵያውን ናይባዕላ ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ምግባራ ኣይተርፍን። እንድሕር ከተማ መቐለ ቀዲማ መፅናዕቲ ገይራ ናብተግባር ኣትያ ማእኸል ፋይናንስ ናይምዃን ዕድላ ሰፊሕ እዩ። ዳሕራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካሊእ ዕዳጋ ኣክስዮን እንተ ተጣይሹውን መቐለ ከም ካልአይቲ ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ክትቅፅል ትኽእል እያ።

ንማእኸል ዕዳጋ ኣክስዮን መቐለ ንምጥያሽ ዝኸውን ሕጋዊ ኣዋጃትን ፖሊሲቲታትን ብፌደራል መንግስቲ ከምዘይተደንገገ ይፍለጥ እዩ። ፌደራል መንግስቲ ኣይገበረን ኢልና ኮፍ እንተኢልና ኣብዝነበርናዮ ክንፀንሕ ኢና። ብስሩውን ፌደራል መንግስቲ ድልው ዘይምዃኑ ከም ዕድል ክንጥቀመሉ ይግባእ። መንግስቲ ትግራይ ባዕሉ መፅናዕቲ ገይሩ፣ ፖሊሲታትን ኣዋጃትን ኣውፂኡ ብህፁፅ ናብተግባር ክኣትው ኣለዎ።

ትእምት ናብ ህዝቢ ትግራይ

መንግስቲ ትግራይ ናይ ህዝቢ ሕቶ ሰሚዑ ናይ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ተፀዋዒነት ናብ ባይቶ ትግራይ ክኸውን ምውሳኑ ብጣዕሚ ዘሕጉስ ዜና እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ውሳኔ እዚ እቲ ኣብ ትእምት ክግበር ካብዘድልይ ለውጢ ናይመጀመሪያ እምበር ብባዕሉ እኹል ኣይኮነን። እንድሕር ትእምት ትሕቲ ባይቶ ትግራይ ኮይና እቲ ሎሚ ላዕለዋይ ስልጣን ናይትእምት ኮይኑ ዘሎ ቤት ምኽሪ ትእምት ኣየድልይን ማለት እዩ። ርእሰ ብሄር ትግራይ ብዝሓርዮን ባይቶ ትግራይ ዝሰይሞ ቦርድ ክምራሕ ይካኣል እዩ። ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ትእምት ዝበሃል ክፈርስ ይግባእ። ኣባላት እቲ ላዕለዋይ ቦርድ ናይትእምት እውን ትምህርታዊ ብቕዓትን ናይ ኣመራርሓ ተሞክሮን ዘለዎም ክኢላታት ክኾኑ ይግባእ። እንተተኻኢሉ ኩሎም ኣባላት ቦርድ ካብ ፖለቲካዊ ፓርቲ ናፃ ክኾኑ ይግባእ። እንድሕር ዘይኮነ ግና ካብቶም ኣባላት ቦርድ ብዝሒ ኣባላት ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፓርቲ ካብ ሲሶ ክበልፅ ኣይግባእን። እዚ ፖሊሲ እዚ ብሕጊ ክድንገግ ይግባእ።

ቐፂሉ እቲ ሓዱሽ ቦርድ ብዝገብሮ መፅናዕቲ መሰረት መብዛሕትአን ትሕቲ ትእምት ዘለዋ ትካላት ናብ ኮርፖሬሽን ተቐይረን ኣክሲዮናት ተሸይጠን ናብ ህዝቢ ክዛወራ ክግበር ይግባእ። ካብቲ መሸጣ ኣክሲዮናት ዝርከብ እትወት ናብ ካዝና መንግስቲ ትግራይ ብቐጥታ ክኣትው ይግባእ። ካብ መሸጣ ኣክሲዮናት ዝርከብ እትወት መንግስቲ ትግራይ ከም ኩነታቱ ንልምዓት ይኹን ወይ ሓደሽቲ ነጋዶ ኣብ ዘይደፍርወን ኢንቨስትመንታት ከውዕሎ ይኽእል እዩ።

ሱር በተኽ ለውጢ ኣብ ሕርሻ

ናብራ ሓረስታይ ትግራይ ንኣሸሓት ዓመታት ከይተመሓየሸ ኣብዘለዎ እናረገፀ ይርከብ። ስካብ ምውዳቅ ሃፄያዊ ስርዓት ሓረስታይ ትግራይ ስልቲ ኣታሓራርሳ ከማሓይሸሉ ዝኽእለሉ ብዙሕ ዕድል ኣይነበሮን። መሬት ብመሳፍንቲ ዝተትሓዘ ስለዝነበረ እቶም መሳፍንቲውን ድሑራት ስለዝነበሩ ሕርሻ ንምምሕያሽ ዝተገብረ ፃዕሪ ብዙሕ ካብቁፅሪ ዝኣትው ኣይኮነን። ነገር ግን መንግስቲ ኃይለስላሤ ሽርክናታት ክፍጠሩ ብዝገበሮ ፃዕሪ ከም ናይ ኣዋሽ ተፋሰስ ልምዓት ዕዉት ዝኾኑ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። ምህርቲ ሽኮርን ፍራፍረን ብፅቡቕ ክዓብይ ክኢሉ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ፖሊሲ ምህርቲ ክውስኽን ወነንቲ ትካላት ክህፍትሙ ከምቲዝገበሮ ናብራ ናይቲ ሓረስታይ ክመሓየሽን ሃፍቲ ከጥርይን ዝሕግዞን ኣይነበረን።

ድሕሪ ኃይለስላሴ ደርጊ መሬት ንሓረስታይ ዝብል ኣዋጅ ኣዊጁ ነቲ መሬት ካብ መሳፍንቲ መንጢሉ ትሕቲ መንግስቲ ክኸውን ገይርዎ። መሬት ትሕቲ መንግስቲ ብምዃኑ ናብራ እቲ ሓረስታይ ክልወጥ ኣይካኣለን። እቲ ስርዓት ሕርሻ ወላ ሓንቲ ኣይተቀየረን። ብደርጊውን ብጣዕሚ ንእሽተይ ይኹና እምበር ማሕበራት ሓረስቶት ብምውዳብ ናብ ሜካናይዝድ ሕርሻ ክኽየድ ከምዝካኣልን ምህርቲውን ብዓብይኡ ክብ ክብል ክግበር ከምዝካኣል ዘርአዩ ከም ማሕበር ሓረስቶት ኣጋርፋ ዝኣመሰሉ ስራሓት ተሰሪሐን እየን።

መንግስቲ ኢህወዴግ ከምደርጊ ንመሬት ትሕቲ መንግስቲ ሒዙ ቀፂሉሉ እዩ። እቲ ፖሊሲ ሕርሻውን ኣብ ንኡስ ሕርሻ (small scale farm) ዝተደረኸ ኮይኑ ዝተፈላለያ ከም ማይ ምዕቋር፣ ድሪፕ ቴክኖሎጂን ካልኦትን ሜላታት ክፍተና ፀኒሐን እየን። ኮይኑ ግና ከምቲ ዝድለይ ምህርቲ ክብ ክብል ስለዘይካኣለ ናብቲ ብዘመነ ኃይለስላሴ ዝተፈተነ ሃፍታማት ኣብ ዓበይቲ ሜካናይዝድ ሕርሻ ዝነጥፉሉ ፖሊሲ ወፂኡ ይፍተን ኣሎ።

ኮይኑ ግና እዚ ፖሊሲውን ዕውት ከይኸውን ዝገብርዎ መስተጋብራዊ ማሕለኻታት ኣለዉ። እቲ ሓደ ማሕለኻ ናይ መሬት እዩ። መንግስቲ ነቲ መሬት ካብ ደኻ ሓረስታይ መንጢሉ እዩ ነቲ ሃፍታም ብኽባር ብሊዝ ዘካርዮ። እዚ ኣንፃር ሰብኣዊ መሰል ናይቲ ሓረስታይ ብምዃኑ ሓረስቶት ክድግፍዎ ኣይኽእሉን። ስለዝኾነ እቲ ሃፍታም መሬቶም ብዝተመንጠሉ ሓረስቶት ተኸቢቡ ንሓዋሩ ዝኸውን ልምዓት ክሰርሕ ኣይኽእልን።

እቲ ኻሊእ ማሕለኻ ምትእትታው ቴክኖሎጂ እዩ። እቲ ሃፍታም ዝባሃል ዘሎ ባዕሉ ናይ ሕርሻ ፍልጠት ዘይብሉ ፋይናንስውን ካብ ባንኪ ተለቂሑ ነታ መሬት ክሕዝ ዝጓየይ እዩ። ነቲ መሬት ምስሓዘ ግና ቴክኖሎጂ ከተኣታትው ኣይረኣይን።

ስለዝኾነ ኣብሕርሻ እቲ ሓረስታይ ባዕሉ ሃፍቲ ከጥርይ ዘኽእሎ ስትራቴጂ የድልይ እዩ። ንኡስ ሕርሻ (small scale farming) ሒዝካ ናብ ሜካናይዝድ ምኻድ ወይ ኻዓ ምህርቲ ብዓብይኡ ክብ ምባል ኣይካኣልን። ሃፋትም ናይ ሓረስታይ መሬት ወሲዶም የልምዑ ዝብል ስትራቴጂ ግጉይ ከምዝኾነውን ብተግባር ይረኣይ ኣሎ። ስለዝኾነ እቲ ሓረስታይ መሬቱ ከይተመንጠለ ባዕሉ ሃፍቲ ዘጥርየሉ ስትራተጂ ምትላም የድልይ እዩ።

መንግስቲ ትግራይ መሬት ሓረስታይ ከምሃፍቲ ተገሚቱ ብዙሓት ሓረስቶት ሽርክና (ኣክስዮን) ሒዞም እቲ መጠን ድርሽኦምውን ግምት ዝውንንዎ መሬት ኮይኑ ማእኸላይን ዓበይቲን ናይሕርሻ ኮርፖሬሽናት ዝፍጠራሉ ስትራቴጂ ክህንፅፅ ይግባእ። ዘን ኮርፖሬሽናት ብክኢላታት ዝምርሓ ኮይነን ሜካናይዝድ ሕርሻ ዘካይዳ ይኾና ማለት እዩ። እቲ ሓረስታይ ዝነበረ ወናኒ ኣክስዮን ናይቲ ኮርፖሬሽን ካብ ምዃን ብተወሳኺ ኣብቲ ሕርሻ ሰራሕተኛ ኮይኑ ክቑፀር ይኽእል። 

ብዘፈር ሕርሻ ንእስራኤል ከም ኣብነት ምውሳድ ይካኣል እዩ። ኣብ እስራኤል ክልተ ዓይነት ሕርሻ ኣሎ። እቲ ሓደ ኪቡትዝ (Kibbutz) ዝባሃል ብዙሓት ሓረስቶት ዝውንንዎ ናይ ሕርሻ ቁሸት/ጣብያ እዩ። እስራኤል ሰለስተ ሚኢቲ ዝኾና ናይ ኪቡትዝ ጣብያታት ኣለዋኣ።  ዘን ጣብያታት ብሕርሻ ይጀምራ እምበር ሎሚ ምህርቲ ኣቑሑትን ፋብሪካታትን እናሓወሳ ይርከባ እየን። እቲ ካልኣይ ናይ ሕርሻ ጣብያ ዓይነት ሞሻቭ (Moshav) ዝባሃል ከም ኪቡትዝ ብዙሓት ሓረስቶት ብሓደ ዝእከቡሉ ጣብያ ኮይኑ፣ ካብ ኪቡትዝ ዝፈልዮ ግና ሕድ ሓረስታይ ናይ ባዕሉ መሬት ምውናኑ እዩ። ሓረስቶት ካብቲ ናይሞሻቭ ኣመሓዳድራ ዘለዎም ጥቕሚ እትወታት ብሓባር ብምግዛእን ምህርቲ ብሓባር ብምሻጥን ዝርከብ ብዝሓዊ ዓቕሚ/ቁጠባ እዩ።

ብተመሳሳሊ ንደቡብ ኮርያ ከም ኣብነት እንተወሲድና ሓረስቶት ብማሕበራት (cooperatives) ዝተወደቡ እዮም። ናይ ደቡብ ኮርያ ናይ ሕርሻ ማሕበራት ዝውነና ብሓረስቶት ጥራሕ ከይኾነ ብኢንቨስተራትውን እዩ። ኮይኑ ግና ናይ ሓረስቶት ዘይኮኑ ወነንቲ ኣክስዮን ድርሻ ካብዝተወሰነ መጠን ከይበልፅ ይግበር እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያውን ኣብ ኦሮምያ ሓረስቶት ብማሕበር ተወዲቦም ምህርቶም ዘዕብዩሉን ናይ ምግዛእ ይኹን ናይ ምሻጥ ዓቕሞም ዘደልደሉሉ ኩነታት ኣብ ኦሮምያ ማሕበር ሓረስቶት ክራኣይ ይካኣል እዩ። ኣብኩሉ ምሳሌታት ዝራኣይ ሓረስቶት ክሓብሩ ከለዉ ናይ ምግዛእን ናይምሻጥን ዓቕሞም (bargaining power) ይድልድል ምዃኑ እዩ። ብፍላይ ኻዓ እቲ ሕብረት ናብ ኮርፖሬሽንነት እንተዓብዩ እቲ ሓረስታይ ካብ ሃፍቲ ምክፍፋል ናብ ሃፍቲ ምጥራይ ክሻጋገር ይኽእል እዩ።

ስለዝኾነ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ብትራክተራት ዝሕረስ መሬት ዘለዉ ሓረስቶት ብሓባር ኮርፖርሽን ኣጣይሾም ናብ ሜካናይዝድ ሕርሻ ዝሻጋገሩሉ መንገዲ ተፀኒዑ ክትግበር ኣለዎ። ኣብ ጎቦታትን ዝሰፈሩን ብትራክተር ክሕረስ ዘይኽእል መሬት ሰፊሮም ዘለዉ ሓረስቶት ከም ናይእስራኤል ሞሻብ ዘለዉ ማሕበራት ኣጣይሾም ብመፅናዕቲ ዝተመስረተ ሕርሻ ምግባርን ንሕርሻ ዝኾን እቶት ኣብምግዛእ ይኹን ምህርቲ ኣብምሻጥ ብሓባር ናይ ምድርዳር ዓቕሚ (bargaining power) ከጥርዩ ዝኽእሉሉ መንገዲ ተፀኒዑ ናብተግባር ምእታው የድልይ እዩ። ኣብሰፋሕቲ ጎላጉል ትግራይ ኻዓ ነቲ ሓረስታይ ከየፈናቐልካ ምስ ኢንቨስተራት ብሓባር ዓበይቲ ኮርፖሬሽናት ብምጥያሽ ዝማዕበለ ቴክኖሎጂ ዝጥቀም ሜካናይዝድ ሕርሻታት ክግበራ ይካኣላ እየን።

እዚ ኣብላዕሊ ዝተገለፀ ሕርሻ ናብ ሜካናይዜሽን ምውሳድ ዘምፅኦ ካሊእ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ኣሎ። ንሱውን እቲ ሕርሻ ካብ ብዕራይ ናብ ትራክተራት ክልወጥ ከሎ ብዝሒ ናይ ኣብ ሕርሻ ክሰርሕ ዝድለይ ሰብ እናነከየ ክኸይድ እዩ። መብዛሕትኡ ሓረስታይ ዝነበረ ሰብ ናብርኡ ናብ ከተማ ክገብር እዩ። ስለዝኾነ ብዝሒ ነባሪ ከተማታት ብዓብይኡ ክውስኽ እዩ። ብዝሒ ነባራይ ገጠራት ኻዓ እናነከየ ክኸይድ እዩ።

ህወሓት ይኹን ካልኦት ናይፀጋም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሓይሊታት ነዚ ከም ሓደጋ ስለዝርእይዎ ከይኽሰት ክፅእሩ ፀኒሖም እዮም። እቲ ዓብዪ ጌጋዊ ኣታሕሳስባ ፀጋማውያን ፖለቲከኛታትውን እዚ እዩ። ብዝሑ ንእሽተይ ዝኾነ ሃፍታም ሓረስታይን ብዝሓት ዘለዎ ናይከተማ ህዝቢ ከይፍጠር እዩ ፃዕሮም። እንድሕር ኢኮኖሚ ክዓብይ ኮይኑ ግና ብዝሒ ሓረስታይ እናነኣሰ ክኸይድን ብዝሒ ናይ ከተማ ህዝቢ እናዓበየ ክኸይድን ናይግድን እዩ። ንኣብነት ብዝሒ ነባሪ ገጠር ኣብደቡብኮሪያ ብሱልሳታት ልዕሊ65% ነይሩ ሎሚ ግና ትሕቲ 15% እዩ። 

መሰረተ ልምዓት

መሰረተልምዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ናይ ኣየር ይኹን ናይ ምድሪ መጓዕዝያታት፣ ቴለኮምዩኒኬሽን፣ ሕርሻ፣ ኣቅርቦት ማይን፣ ቴክኖሎጂን ይሓውስ። መንግስቲ ትግራይ ኣብ ምስፍሕፋሕ መንገዲ ፅቡቕ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ። ኮይኑ ግና ብተወሳኺ ናይ ባቡርን፣ መንገዲ ኣየርን ስትራቴጂ ወፂኡ ክስራሓሉ ይግባእ። ኣናእሽተይ ናይ ኣየር ትራንስፖርት ዝህባ ትካላት ብሰብ ሃፍቲ ዝጣይሻለንን ናብ ኮርፖሬሽን ክዓብያ ዝኽእላለን መንገዲ ክፅናዕ ኣለዎ። ከተማታት ትግራይ ንመፃኢ ዒስራ ዓመታት ብባቡር ዝራኸባለን ኩለመዳያዊ ናይ መጓዓዝያ ስትራቴጂ ምህንፃፅ የድልይ እዩ።

ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዘይ ወዓል ሕደር ተግባራዊ ስራሕቲ ክስራሕ ይግባእ። እቲ ሓደ ንኡስን ማእኸላይን መፈልፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ (Micro and medium scale power generation) ብውልቀሰባትን ብኮርፖሬሽናትን ዝጣይሻሉ መንገዲ ብህፁፅ ክፅናዕ ኣለዎ። እተን መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ባዕለን ዝኻኣላ (Off-grid) ኮይነን ነቲ ዝተጣየሻሉ ኸባቢ ዝነብር ህዝቢ ሓይሊ ዝሸጣ እንድሕር ካብቲ ህዝቢ ናይቲኸባቢ ዝደልዮ ንላዕሊ ሓይሊ ፈልፊለን ናብቲ ዋና መስመር (main grid) ዝሸጣ ኮይነን እየን ክስርሓ ዘለወን። በዚ ኸባቢያዊን ዋና መስመርን ዝሓወሰ (Hybrid) ናይ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ልምዲ ዘለወን ብዙሓት ሃገራት ስለዘለዋ ካብኣተን ልምዲ ክውሰድ ይካኣል እዩ።

ምናልባት ኣብዚ ዝመፅእ ሕቶ ብዘይ ተከዘ ኻሊእ ሓይሊ ክንፍልፍለሉ ንኽእል ፀጋ ኣሎና ድዩ ዝብል እዩ። መልሱ ኻዓ መሊኡና እዩ። ንመፈልፈሊ ሓይሊ ኩሉ መማረፂታት ክንርእይ ይግባኣና። እምኒ ኸሰል (coal)፣ ኣናእሽተይ ሩባታት፣ ንፋስን፣ ፀሓይን ኣብ ኢድና ዘለዉ ናይ ሓይሊ መፈልፈሊ ፀጋታት እየን። እቲ ኻሊእ ኒዩክሌር ሓይሊ እዩ። መብዛሕትና ኒዩክሌር ክባሃል ከሎ ምስ ኣፅዋራት ስለነተሓሕዞ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ መሲሉ ይራኣየና እዩ። ኾይኑ ግና ኒዩክሌር ሓይሊ ከም መፈልፈሊ ሓይሊን ናይ ሕክምና መሳርሒን ኣብብዙሕ ሃገራት ይስራሕሉ ኣሎ። መንግስቲ ትግራይ እውን ንናይ መፃኢ ዓቕሚ መፈልፈሊና ካብሎሚ ክዳለወሉ ስለዝግባእ ነዚ ዘፅንዕ ናይ ሳይንቲስትታት ሓይሊ ከጣይሽ ይግባእ።

ኣብቴሌኮሚዩኒኬሽንውን ብተመሳሳሊ ኣብትግራይ ብኣክስዮናት ገይሩ ብህዝቢ ዝውነን ናይቴሌኮሚዩኒኬሽን ኮርፖሬሽን ብህፁፅ ክጣይሽ ኣለዎ። ነቲ ቴሌኮሚዩኒኬሽን ይኹን ነተን ናይ ኤሌክትሪክ ሓይሊ መፈልፈሊ ትካላት ዝኸውን ፋይናንስ ካበይ ይመፅእ ዝብልውን ካሊእ ሕቶ እዩ። ናይ ዕዳጋ ኣክሲዮን (stock market) ብህፁፅ ምጥያሽ ኣድላይነትውን ኣብዚ እዩ። እንድሕር እተን ኮርፖሬሽናት ብመፅናዕቲ ተጣይሸንን ብክኢላታት ዝምርሓ ኮይነን ኣክሲዮን ብምሻጥ ነቲ መስርሒ ዝኸውን መበገሲ ፋይናንስ ክረኽባ ይኽእላ እየን። ንኸምዚ ዝበላ ኮርፖሬሽናት ዝሕግዝ ናይ ኢንቨስትመንት ባንኪ ምጥያሽውን የድልይ ማለት እዩ። ብፍላይ ዳያስፖራ ናይትግራይ ንዓዱ ከማዕብል ዘለዎ ድልየት መዘና የብሉን። ኮይኑ ግና ንባዕሉ ጠቒሙ ንዓዱውን ከልምዐሉ ዝኽእል መንገዲ ስካብ ሎሚ ዳርጋ የለን ክባሃል ይኽእል እዩ። እንድሕር ዕዳጋ ናይ ኣክስዮን ተኸፊቱ ግና እቲ ዳያስፖራ ገንዘቡ ኢንቨስት ብምግባሩ ንባዕሉ ወናኒ ኮርፖሬሽናት ይኸውን እተን ኮርፖሬሽናትውን ንመስርሒ ዝኸውን ፋይናንስን መሽረፍን(currency) ይረኽባ ማለት እዩ።

ኣብጉዳይ መሰረተ ልምዓት ከየልዐልና ክንሓልፎ ዘይንኽእል ጉዳይ ዝስተይ ማይ እዩ። ሎሚ ብስእነት ማይ ዘይሳቐይ ከተማ ናይ ትግራይ ኣሎ ክባሃል ኣይካኣልን። ስካብ ሎሚ መንግስቲ ነዚ ፀገም ዝህቦ መልሲ ነቲ ህዝቢ ዝዕግቦ ኣይኮነን። ንፀገም ማይ ንምቕራፍ ካብ ግብረመልሳዊ (reactive) ተግባራት ወፂእና ናብ ንቕድሚት ጠማቲ(proactive) ስትራቴጂ ክንኣትው ይግባኣና። እቲ ሓደ ክግበር ዝግብኦ ናይትግራይ ከርሰምድራዊ ማይ ካርታ (Aquifer map) ምስራሕ እዩ። ከርሰ ማይ ኣብዘለዎ ዝፀንሕ (Static) ከይኾነ ተንቀሳቕሲ (dynamic) ምዃኑ ኣብግምት ብምእታው ነቲ ካርታ ብዝተወሰነ ግዜ እናተኸታተለ ካርታ ዘዳልው ክፍሊ ክህልው ይግባእ። ነቲ ካርታ ተደሪኽካውን ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ከተማታትዕብየት ኣብግምት ዘእተወ ናይ ማይ ስትራቴጂ ክህንፀፅ ይግባእ።

ኣብላዕሊ ከምተገለፀ ኢኮኖሚና እናዓበየ እንተኸይዱ ብዝሒ ነባራይ ከተማ እናዓበየን ብዝሒ ነባራይ ገጠር እናነከየ ምኻዱ ዘይተርፍ እዩ። እቲ ናይ ከተማ ነባራይ ኸዓ ናይ መንበሪ ገዛ፣ ማይ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኻልኦት ቀረባት ክደልይ እዩ። ብፍላይ መንበሪ ገዛ ንምስራሕ ኣብዙሪያ ከተማታት ይራኣይ ዘሎ ናብጎድኒ ምስፍሕፋሕ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ከተማታትና ናብ ጎድኒ ከይኾነ ንላዕሊ እየን ክዓብያ ዝግባእ። ስለዝኾነ ኣብመላእ ኢትዮጵያ ዘለው ኣብ ኮንስትራክሽንን ህንፅት ኣባይቲን ዝነጠፉ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ኣኪብካ ልዕሊ ዓሰርተ ፎቓት ዘለወን መንበሪ ገዛውቲ ክሃንፁ ዘኽእሎም ነገራት ኩሉ ምምችቻው የድልይ እዩ። ብፍላይ ናይ ባዕለን ናይ ጉድጓድ ማይ ዘለወን ናይ መንበሪ ገዛውቲ ብዘይ ወዓል ሕደር ምህናፅ የድልይ እዩ። ብዝሒ ህዝቢ ከተማታት ዓብዪ እንተኾይኑ ዓበይቲ ናይ ትራንስፖርት፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኻልኦት ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ፋይናንስ ክርከብ ይካኣልእዩ። ምኽኒያቱ ኻዓ እቲ ብዙሕ ዝኾነ ህዝቢ ከም ዓብይ ሸማታይ ሓይሊ ስለዝረኣይ እዩ።

ማ.ል.ት. (TDA) ትምህርቲ ናይምስፋሕን ምፅራይን ሽቶኣ ክሳኻዕ ንሓግዛ

ናብ ሰብኣዊ ልምዓት ክንመፅእ ከለና ሰብኣዊ ልምዓት መሓውራት ትምህርቲ፣ ባህሊ፣ ስፖርትን፣ ስነጥበብን ዝኣመሰሉ መዳያት ዝምልከት እዩ። ኢህወዴግ ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ ብዙሕ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ። ካብመንግስቲ ብዝበለፀ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ ብዙሕ ዝሰርሐት ክትኸውን ሎሚ ኻዓ ካብቲ ስካብ ሎሚ ዝበለፀ ብዝሒን ፅርየትን ትምህርቲ ብዓብይኡ ንምምዕባል ዘኽእል ስትራቴጂ ኣውፂኣ ክንድግፋ ትፅበየና ኣላ።  ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስፍሕፋሕን ምፅራይን ትምህርቲ ቀንዲ ዕላማኣ ገይራ ምብጋሳ ኣብሰብኣዊ ልምዓት ዝህልዎ ኣወንታዊ ፅልዋ ዓብይ እዩ። ብፍላይ ምምስራት ትግራይ ዩኒቨርስቲ (Tigray State University (TSU)) ከምኡውን በብከተምኡ ናይ ልሂቃን ተምሃሮ ቤት ትምህርቲታት ንምኽፋት ዝሓዘቶ ዕላማ ብጣዕሚ ክድገፍ ዘለዎን ኩላህና ተጋሩ ተረባሪብና ዕዉት ክንገብሮ ዝግባእ እዩ።

ማእኸል ፊልም ትግራይ ይጣየሽ

ስነጥበብን ሜዲያን ሓደ ናይ ሰብዓዊ ልምዓት መለክዒ እዩ። ሓደ ሓይሊ ናይ ኣሜሪካ ናይ ፊልም ኢንዱስትሪ እዩ። ኣብዚ ኢንዱስትሪ ትግራይ ስትራቴጂ ኣውፂኣ ክትሰርሕ ይግባእ። ሓደ ኣብ ሴኒማ ምህርቲ ዝነጥፍ ዓብይ ኮርፖሬሽን ተጣይሹ ከም ኣብዪ ዓዲ ወይ ዓድዋ ኣብዝመሰለ ከተማ ማእኸል ናይ ፊልም ምህርቲ (film production center) ክጣየሽ ኣለዎ። እዚ ማእኸል መስርሒ ፊልምታት ብባዕሉ ናይ እቶት መፈልፈሊ ልዕሊ ምዃኑ እቲ ብዙሕ ክስርሐሉ እናተኽኣለ ዘይሰራሕናሉ ታሪኽና ኣብምፍላጥን ንዝሓለፉ ዓመታት ተጣሚሞም ክንገሩን፣ ክፀሓፉን ዝነበሩ ታሪኻት ኣብምእራም ዓብዪ ግደ ክፃወት እዩ።ንመፃኢ ወለዶ ብዛዕባ ታሪኽናን ባህልናን ንምምሃርውን የኽእለና እዩ። በዚ ዘፈር እዚ ኣሜሪካ፣ ህንዲ፣ ብሪታንያን፣ ቱርክ ብዙሕ ተጠቐምቲ እየን። ወላኳ ከም ኣሜሪካን ቱርክን ዓብዪ ኣይኹን እምበር ካብ ናይ ቀረባ መወዳድርትና ዝሓሸ ናይ ፊልም ኢንዱስትሪ እንድሕር ሃኒፅና ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊ ዓቕምና ዓብይ ሓይሊ ወሲኽና ማለት እዩ።

ናፅነት ሜዲያታት ይረጋገፅ

ኣብዝሓለፉ ዓመታት ህወሓት ኢህወዴግ ማዕኸናት ሜዲያ ዓፊኑ ብሞኖፖል ሒዝወን ስለዝነበረ ሓሳባት ኣይሸራሸራን ነይረን። ስለዝኾነ ድማ ንህዝቢ ዝጠቅም ኣጀንዳ ዘይብለን ፓርቲታትን ውልቀሰባትን ከምዝተዓፈነ ናይህዝቢ ድምፂ ዝረኣያሉ ኹነታት ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብዘን ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ከምዝተርኣየ ካብቶም ተቃወምቲ ናይ ህዝቢ ሕቶ ዘልዕሉ ከምዘለው መጠን ኣንፃር ጥቕሚን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝብሉ ፓርቲታትን ውልቀሰባትን ምህላዎም ሳላ ኣንፃራዊ ናፅነት ሜዲያ ምህላዉ ንርእይ ኣለና። ሜዲያ ናፃ ምዃኑ ህዝቢ ኣየናይ ንህዝቢ ይውግን ኣየናይ ናይባዕሉ ጥቕሚ የቕድም ዝብል ንምልላይ ይሕግዞ እዩ።

ካብ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝመፅእ ሓሳብ ገዛኢ መንግስቲ ስለዝኾንኩ ናይመንግስቲ ሜዲያታት ናተይ ዕላማን ሓሳብን እየን ከንፅባርቓ ዝግባእ ዝብል እዩ። እዚ ዘየከራኽር ኾይኑ መንግስታዊ ሜዲያታት ናይ መንግስቲ መትከል ከምቲ ዝገልፅኦ ንኹለን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብቲ መትከል ዝተገለፅሉ ጉዳይ ዘለዎም ርኢቶ ክህቡ ዕድል ክህቡዎም ይግባእ። እዚኣ ብዘይ ወዓል ሕደር ተግባራዊ ክትግበር ይግባእ። 

ስፖርት

እቲ ኻሊእ ንሰብኣዊ ልምዓት ወሳኒ ዝኾነ ስፖርት እዩ። ስፖርት ናይ ሰብ ኣካላዊን ስነልቦናዊን ጥንካሬ መህነፂ ዋና መሳርሒ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ፅቡቕ ናይ ስፖርት መካየዲ ስርዓት እንተተዘርጊሑሉ ዕዉት ከምዝኸውን ናይ ሰብዓ እንደርታን ወልዋሎን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኣካይዳ ዘርእዮ እዩ። ኣብኩዕሶ እግሪ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ በጣዕሚ ብፅቡቕ ኹነታት ይኸይድ ኣሎ። ነዚ ቐፃላይ ንምግባርን ዝበለፀ ክማሓየሽን ኣመሰረርታን ኣመራርሓ እተን ጋንታታት ክማሓየሽ ይግባእ። እተን ጋንታት ከም ኮርፖሬሽን ተጣይሸን ኣክስዮን ብንኡስ ዋጋ ንኹሉ ደጋፋይ ብምሻጥ ኩሉ ደጋፋይ ወናኒ ናይታ ጋንታ ዝኾነሉ ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ የድልይ እዩ። ናይ ስፖርት ጋንታታት ከምኮርፖሬሽን ዝጣየሻሉ፣ ምስ ስፖንሰራት ዝሰርሑሉን ካሊእ ናይ ፋይናንስ እትወት ዝረኽቡሉ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክድንገግ ኣለዎ።

ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ሳይክልን ኣብ ናይ ነዊሕን ማእኸላይን ጉያ ዘለና ዓሙዊቕ ዓቕሚ ናብ ጥቕሚ ክነውዕሎን ክነጠናኽሮን ይግብአና እዩ። ነተን መስሕብ ዘለወን መልክዓ ምድሪታት ናይትግራይ ዝዘውር ትግራይ ሳይክል ቻሌንጅ (Tigray Cycle Challenge) ምስ ዓበይቲ ስፖንሰራትን፣ ሜዲያታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ተዝዳለው ዓብዪ ጥቕሚ ክህልዎ እዩ። ብተመሳሳሊ ዓበይቲ ናይነዊሕን ማእኸላይን ርሕቐት ናይ ጉያ ውድድራት ብምድላው መናእሰይ ካብ ዘየድልይ ሱስን ሕመቅን ተዓቂቦም ናብስፖርት ክሰሓቡ ምግባር የድልይ እዩ። 

መጠቓለሊ

ብሓፈሽኡ ኣብሃገርና ኣብዝሓልፈ ዓመት ዝመፀ ለውጢ ንትግራይ ስግኣትን ዕድልን ብሓደ ሒዙ መፂኡ እዩ። እቲ ካብዝተፈላለዩ ሓይሊታት ንትግራይ ንምስኳን ዝግበር ፃዕሪ ንተጋሩ ዓብዪ ስግኣት ከምምዃኑ መጠን መኸተና ንምጥንኻር ክንሓብርን ሓድነትና ከነጠናኽርን ዘግድድ ኩነታት ፈጢሩ እዩ። መንግስቲ ትግራይን ነቲ መንግስቲ ትመርሕ ውድብ ህወሓትን ወላኳ ነቲ ህዝቢ ኣዝዩ ዘማረረ በደላት እንተፈፀሙ ሎሚ ጌግኦም ኣሚኖም ንምህዳስ ድልየቶም ስለገለፁ እቲ ህዝቢ ደጊሙ ዕድል ሂቡዎም ኣሎ። መሪሕነት ህወሓት ነዚ ዕድል እዚ ክጥቀመሉ ይግባእ። ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ናፅነት ብምርግጋፅን ኣብላዕሊ ዝተዘርዘሩ ቁጠባዊን ማሕበረሰባዊ ሓሳባት ብዝርዝር ብምፅናዕ ናብተግባር ምእታው የድልይ እዩ። ንኹሉ ኣካላት ህዝቢ ትግራይ ብምእካብ ትግራይ ብ 2020 ዓ.ም. ብግእዝ ኣቆፃፅራ እንታይ ከምትመስልን ናብኡ ንምብፃሕ ዘድልዩ ስትራቴጂታት ዝህንፅፅ ጉባኤ ከዳለው ይግባእ። ኣብላዕሊ ዝዘርዘርኩወን ሓሳባት ተግባራዊ እንድሕር ተገይረን ነዚ ፃዕራም ህዝቢ ሒዝና ደሕንነታ ዝሓለወት፣ ዝተፈርሐት፣ ምዕብልቲን ንኻልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ይኹን ቀርኒ ኣፍሪካ መድሕን ዝኾነት ትግራይ ክንሃንፅ ንኽእል ኢና።

ኹልኹም ተጋሩ ኣሓትን ኣሕዋትን ኣብዘለኹም ሃሊኹም፣ ኣዮኹም ናይና!

Back to Front Page