Back to Front Page

ትግራዋይ ካብ ታሪኹ ክመሃር ይግባእ

ትግራዋይ ካብ ታሪኹ ክመሃር ይግባእ

 

ህዳሰ ኢትዮጵያ

ሚያዝያ 1፣ 2011 ዓ.ም.

ትግራዋይ ኩሉ ጊዜ ብሓይሉ እዩ ዝነብር፡፡ ናይ ትግራዋይ ኣይግዛእን ባሃላይነት፣ ናይ ትግራዋይ ሓይሊ ዘይፈልጥ የለን፡፡ ግን ድማ ሓይሊና ጥራሕ ዘይኮነስ እታ ድኽመትናውን ካባና ንላዕሊ ዝፈልጥዋ ኣለዉ፡፡

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ትምክሕቲ ሓይሊ ካብ ሃፀይ ዮውሃንስ /ብተንኮልን ሽርሕን/ ስልጣን እንትርከብ ኣብ ኢትዮጵያ ዓብዪ ፈተና ክኾነኒ እዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ትግራዋይ ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡ ሕሉፍ ታሪክና ከምዝሕብሮ ትምክሕቲ ሓይሊ ንኢትዮጵያ ሰጥ ለበጥ ኣቢልካ ንምግዛእ ቀሊል እዩ ኮይኑ ግና ንትግራዋይ ብብልሓት ሒዝካ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎ፡፡ ከም ኣተሓሳስባ ትምክሕቲ ሓይሊ ንትግራዋይ ብሓይሊ ክነምበርክኽ ኣይንኽእልን ትግራዋይ እንተተላዒሉ ማንም ኣይሕዞን እንተ እቲ ካሊእ ግን ገና ስለዘይሰልጠነ ከም እንስሳ ገሪፍካ ቀጥቂጥካ ኣሲርካ ናብ ዝደለኻዮ ክትዝውሮ ትኽእል ኢኻ ስለዚ ንትግራዋይ ግን ብብልሓት፣ ብተንኮልን ሽርሕን ጥራሕ ኢና ክንሕዞ ንኽእል ዝብል እዩ፡፡ በዚ መሰረት ንትግራዋይ ንምሓዝ ኣድኪኻን ሓድነት ከይህልዎ ከፋፊልካ ምግዛእን ከምኡውን ነኒባዕሉ ክተሓራፈፍን ክናቖርን ምግባር ጥራሕ እያ ንትግራዋይ ምቑፅፃር ዝከኣል ብዝብል ኣተሓሳስባ ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ሰሪሑ ትግራዋይ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ናይ ኣምሓራ ትምክሕቲ ወዲቑ ካብ ኢትዮጵያ ብሓፋታምነት ካብ ዝግለፃ ክልተ ክዝኣታት /ሸዋን ትግራይን/ ሓንቲ ዝነበረት፣ ኣብ ግብኣተ መሬት ትምክሕቲ ስርዓት ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ እታ ዝኸፍአ ድኽነት ዘለዋ ግዝኣት ንምዃን በቒዓ፡፡

ትግራይ ከፋፊልካ ንምግዛእ ኣብ 4 ቦታ ማለትውን፣ ንመግዛእቲ ጣልያን ዝተወሰነ ከባቢ ምሃብ /ሀዚ ኤርትራ ዝበሃል/፣ ናብ ጎንደር //ካብ ተከዘ ክሳብ ለማሊሞ ዘሎ/፣ ዝተወሰነ ክፋል እውን ናብ ወሎ እንትካለል እቲ ራብዓይ ድማ ኣብ ትግራይ ተነፂሉ ክካለል ተገይሩ እዩ፡፡ ትግራዋይ ኣብ 4 ቦታ ስለተኸፋፈለ፣ ሓድነቱ ክብተንን ኣበቢዘለዎ ከባቢ ብካሊእ ኣጀንዳ ክፅመድን ብምግባሮም፤ እቲ ትግራዋይ ንምድካይ ድማ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ ሰራዊት ቀለብ ኣብ እንግድዓ ትግራይ ክወድቕ ብምግባር ብድኽነት ሰንሰን ክብል ገይሮምዎ እዮም፡፡ ብምዃኑውን እቲ ሽርሒ ንልዕሊ 100 ዓመት ሰሪሑ ትምክሕቲ እናተፈራረቐ ክገዝእ ኪኢሉ እዩ፡፡

ካሊእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፍሓሰ ተንኮል-ትምክሕቲ ድማ ትግራይ ኣብ ውሽጡ ሓድነት ከይህልዎ ነንባዕሉ ክናኸስ ምግባር እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ክፋል ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ዝተፍሓሰ ተንኮል እዩ ነይሩ፡፡ ትግራዋይ ሓደ ኮይኑ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ኣብ ልዕሊ ትምክሕቲ ንከይዘምት ኣብ ውሽጡ ዝከፋፈለሉ ሜላ ክንፈጥር ኣለና ብዝብል ስልቲ ብዓሌት ብኸባቢ ብዘርኢ ክነባልዖን ነንባዕሉ ክነጣፍኦን እንተኺኢልና ንግስናና ዉሑስ እዩ እንተዘየለ ግን ኣብ ሓፂር ጊዜ ተወዲቡ ከጥፈአና እዩ ስለዚ ብኣውራጃ፣ ብወረዳ፣ ብዓሌትን ቁሸትን ሓዊ ክነእቱ ይግባእ ኢሎም ንዘመናት መርዚ እናነዝሑ ብምፅናሖም ትግራዋይ ክብተንን ሓድነቱ ክልሕልሕን ተገይሩ እዩ፡፡ እዚ ዝተነዝሐ መርዚ እዚ ንሚእቲ ዓመታት ዝሰርሐ እንትኾን ካልኣይ ወያነ ትግራይ ነዚ ተንኮል ትምክሕቲ ፈንጢሑ ዝወፀን ንዓዎት ዝበፅሐን እንተኾነውን እቲ መርዚ /ከባቢያዊነት/ ግን ገና መሊኡ ስለዘይለቐቐ ክሳብ ሀዚ ውጥም ቅልቅል እናበለ ንሓድነትና ይፈታተኖ ኣሎ፡፡

Videos From Around The World

እዚ መርዚ ክሳብ ክንደይናይ ጎዳኢን በታኒን ምዃኑ ዘርኢየና ኣብ 1960ታት ዝተለዓዓላ ናይ ሙሁርን መንእሰይን ትግራይ ናይ ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ዝተወደበ ዕሸል/ውልዶ ቃልሲ ህዝቢ ናብ ሓደጋ ኣእቲዩዎ ነይሩ፡፡ ክሳብ መፋርቕ 20 ክፍለዘመን ዝዘለቐ መግዛእቲ ትምክሕቲ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ጠጠው ንምባል ኣብ 1950ታት ጀሚሩ ህዝባዊ ሕቶታት ቁጥዐታት ምልዓል ምስጀመረ ኣብ 1967 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ዉሑዳት ተጋሩ /11 ሰባትን 5 ብረትን/ ኣንፃር ትምክሕታዊ ደርጊ ተላዒሎም በረኻ ምስ ኣተዉ እቲ ቃልሲ እናተጎሃሃረ ህዝቢ እናሰለፈ፣ ኣድማሱ እናስፈሐ እንትኸድ፤ እቲ ንዘመናት እናተነዝሐ ዝመፀ መርዚ /ከባቢያዊነትን ኣውራጃውነትን/ ኣብቲ ውድብ ክሰርሕ ምስጀመረ ንውድብ ከፍርስ ቁርብ ተሪፉዎ ነይሩ፣ ብምዃኑውን ኣብ 1969 ዓ.ም. ከቢድ ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ፡፡ እዚውን ምእንቲ ህዝቢ ምእንቲ ትግራዋይ ኢሉ ዝወፀ ሙሁር መንእሰይ ኣብ ፍትሓውነት ናይ ስልጣን ክፍፍል ሕቶታት ክለዓሉ ብምግባር ብኣውራጃውነት ብምክፍፋል ነኒባዕሉ ክጣፋእ ጀሚሩ ነይሩ፡፡ እዚ ብውሕሉል መንገዲ እንተዘይፍታሕ ነይሩ በቃ እዚ ሐዚ ዝኒሆ ኣይምረኣናዮን፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ንሕና ተጋሩ ተቓሊስና ብዘረጋገፅናዮ ስርዓት ከም መሳልል ተጠቒሞም ወየንቲ መሲሎም ንዓመታት ኢህወዴግ እናመርሑ ድሕሪ ምፅናሕ ትምክሕትን ፀቢብነትን ምስ ደሞም ተወሃሂድዎም ከም ኣያታቶም ተንኮልን ሽርሕን ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ህወሓትን ፊሒሶም፣ ካብ ኣሰራርሓ ኢህወዴግ ወፃእ ኦሮማራ ዝብል ሕቡጅ ጉጅለ ፈጢሮም ላዕሊላዕሉ ሕጋውነት ንምልባስ ኣብ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ገምጋምን መረፃን ተገይሩ፣ ነገርግን መን ንመን ይጥቁ ይመርፅ ኣብ ደገ ተወዲኡ ስለዝመፀ ኣብ ታሪኽ ኢህወዴግ ተገይሩ ዘይፈልጥ፣ ዝተገምገመ ካሊእ ዝተመረፀ ካሊእ ኮይኑ፤ “ብዘዕበኻዮ ከልቢ ትንከስ” ከምዝበሃል ህወሓት ብዘዕበዮም ውድባት ክሕደት ተፈፂሙዎ ንምእማን ብዘፀግም ስልጣን ኣብ ኢድ ትምክሕትን ፀበብትን ወደዲቑ ይርከብ፡፡

እዞም ናይ ሎሚ ናይ 21 ክፍለዘመን ትምክሕቲ ሓይሊእውን ከም ኣያታቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዉሑስ ስልጣን ክህልወና እንተኾይኑ ብጀካ ትግራዋይ ካሊእ ዋጋ የብሉን ናብ ዝደለናዮ ክንዝውሮ ንኽእል ኢና ስለዚ ትግራይ ግን ክነምበርክኽ ኣለና ብዝብል ሰፊሕ ምንቅስቓስ የካይዱ ኣለዉ፡፡ ካብ ዘካየድዎም ምንቅስቓሳት ሓደ፣ ትግራዋይ ብበዝሒ ዘለዎም መሓውራት መንግስቲ ብምፍራስ ወይ ዳግም ብምውዳብ ትግራዋይ ካብ ዘለዎ ቁልፊ ዝበሃሉ ናይ ስልጣን ቦታታት ክገልስ ምግባርን፣ ንትግራይ ክልል ድማ ብሓይሊ ምንብርኻኽ ዝብል እዩ ነይሩ፡፡ በዚመሰረት ካብኩሉ ናይ መንግስቲ ስልጣን ትግራዋይ ዝበሃል ብጠቕላላ ክለግስ፣ ሜቴክን ናይ ሃገር ደሕንነትን ክፈርስ ወይ ከምብሓድሽ ክውደብ እንትገብሩ፣ ኣብ መከላኸሊ ሃገር ግን ዝሓሰብዎ ምፍፃም ማለት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፅግዕተኛ ሓይሊ ብዘይ መሳርሒ ሓይሊ /መከላኸሊ ሃገር/ ምትራፍ ኮይኑ ረኺቦምዎ፡፡

ትግራዋይ ካብ መከላኸሊ ሃገር ምግላስ ማለት ምናልባት ካብ ጎሮባብቲ ወይ ካልኦት ዘመናዊ ዕጥቅን ሰራዊትን ዘለዎ ተተናኾይቲ ክምክት ይትረፍ ንሸፋቱን ኣሸበርቲ ሓይሊታትን እውን ክከላኸል ከምዘይኽእሉ ናብ መደምደምታ ምስ በፅሑ መከላኸሊ ሃገር ክሳብ ብናታቶም ቅኒት ዝሃንፅዎ ንግዚኡ ካብ ምፍራስ ምብዋዝ ይሓይሽ ተባሂሉ ቦዊዞምዎ ይርከብ፡፡

ናይ ሃገር ደሕንነት ትካል ናይ ምፍራስ ስጉምቲ እንትውሰድ ኣብኡ ዝነበሩ ተጋሩ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነታት ክገልሱ፣ ከምኡውን ንቲ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ተኣመንቲ እዮም ዝተብሃሉ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት እውን ሰበባት ፈጢርካ ክገልሱ ብምግባር ኣብ ክንድኦም ድማ፣ ኣብዝሓለፈ እዋን ንቲ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝቃወሙ ዝነበሩን ብሄሮም እውን ከም ሓደ ሮቕሓ ተወሲዱ ተመልሚሎም ክትክኡ ብምግባር እነሆ ዓቕሚን ተኽእሎን ዘይብሉ ትካል ሃገር ደሕንነት ኮይኑ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ደሕንነት ንጠ/ሚን ካልኦት ዉሑዳት ሰበስልጣናት ካብ ምሕላው ሓሊፉ ናይ ሃገር ደሕንነት ከረጋግፅ ኣብዘይኽእለሉ ኩነታት ወዲቑ እነሆ ሃገር ትሕመስ ትፈርስ ኣላ፡፡

እቲ ካሊእ ክወስድዎ ሓሲቦም ዝፈሸሎም ስጉምቲ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማል ዝወሰድዎ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ እዩ ነይሩ፡፡ መጀመሪያ ኣብ ሶማል ዕዉት ኦፐሬሽን ምስ ፈፀሙ ብቐጥታ ገፆም ናብ ትግራይ ኣቕኒዖም፡፡ ብምዃኑውን ናይ ኣምሓራ ትምክሕቲ ምስ ሻዕብያ ብምሽራኽ ሰፊሕ ናይ ስነሉቦናዊ መጥቃዕቲ ምክያድን ፉሉይ ኮማንዶ ኣሽሊኳ ናብ ትግራይ ምስዳድ ዝብል ሕቡእ ምርድዳእ በፂሖም፡፡ ናብ ትግራይ ዝሰደድዎ ሓይሊ ብሓድነት ህዝብን ናይ ፀጥታ መሓውርን ክመክን ምስተገበረ ጠጠው ኢሎም ኩነታቶም ናብ ምግምጋም እዮም ኣትዮም፡፡

ኩነታት ትግራይ እንትግምግሙ፤

“ቀደሙውን ተጋጊና ኢና፣ ካብ ታሪክን ካብ ኣቦታትና ክንመሃር ኣይከኣልናን፣ ተጋሩ ብሓይሊ ክነምበርክኽ ምፍታና ጌጋ እዩ፡፡ ብምዃኑውን ቅሬታን ቂምን ምሓዝን ምክፍፋል ጀሚሩ ዝነበረ ትግራዋይ ናብ ሓደ ኣምፂእናዮ፣ ትግራዋይ ዘለዎ ኣፈላላይ ገዲፉ ሓድነቱ ከጠናኽርን ክውደብን ገይርናዮ” ዝብል ጣዕሳ ወይ ዓርሰ ነቐፌታ ገይሮም፡፡

ኣብ መወዳእታ ከም ስልቲ ዝሓዝዎ ናብታ ናይ ኣቦታቶም ቶንኮልን ሽርሕም ምምላስ እዩ፡፡ እሱውን ትግራዋይ ንትውልዲ፣ ዘርኢ፣ ከባቢ፣ ተኳሳሓይ ስለዝኾነ በዚኣ ጥራሕ ኢና ክንኣትዎ ዝግባእ፣ እታ ቀንዲ ድኽመት ትግራዋይ “የትግሬ ስስ ብልት በኣውራጃ መከፋፈል ነው” ብኣውራጃ፣ ብወረዳን ከባቢን ምልዕዓል እያ ብዝብል ሰፊሕ ወፈራ ኣትዮምና ኣለዉ፡፡

ስለዚ ከምታ ኣብ 1969 ዓ.ም. ገጢሙና ብውሕሉል መንገዲ ዝኣለናያ ሐዚውን ነዚ ጉዳይ ኩሉ ትግራይ ክርደኦን ክግንዘቦን ብምግባር ኣብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድነትና ነቓዕ ከይፍጠር ዘድሊ ኩሉ ክንገብር ይግባእ፡፡ ድጅታል ወያነ ነዚ ጉዳይ ብውነ ብምርኣይ ነዚ ውዲት ትምክሕቲ ከም ኣያታትና ክነምክኖ ይግባእ፡፡

እዚ ናይ ሓደን ክልተን ፓርቲ ጉዳይ ናይ ዴሞክራሲያዊ ውድድር መረፃ ወይ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ውድድር ኣይኮነን፤ እዚ ሓደ ትግራዋይ ሓይሊ ስዒሩ ካሊእ ትግራዋይ ሓይሊ ዝሰዓረሉ ኩነታት እውን ኣይኮነን፤ ወይድማ እዚ ሓደ ዴሞክራያዊ ሓይሊ ከይዱ ካሊእ ዴሞክራያዊ ሓይሊ ዝትከአሉ ጉዳይ እውን ኣይኮነን፡፡ ነዚ ብዝግባእ ክንግንዘቦን ክንርደኦን ይግባእ፡፡ እዚ ኩነታት ንምግንዛብ ድማ ካብቲ ዝለመድናዮ ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ሃዋሁው ወፂና ታሪካዊ ፍፃመታት ፀረ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊታት ክንዝክርን ክንግምግምን ምስ ጭቡጥ ኩነታትና ብምትእስሳር ክንርኢን ይግባእ፡፡ እዚ ኩነታት ከምቲ ብሃፀይ ሚሊሊኽን ብሃፀይ ሃ/ስላሴን ተፋሒሱ ዝፍፀም ዝነበረ ዉዲት ኣንፃር ተጋሩ እዩ ዝፍፀም ዘሎ፡፡ ንትግራዋይ ብትግራዋይ፣ ንትግራዋይ፤ ናይ ትግራዋይ ሓይሊን ሓድነትን ንምብታን ብኣውራጃ፣ ብዓሌት ብኸባቢ ንሓምሶ ዝብል እዩ፡፡ ነዚውን መሳርሒ ባዕሉ ትግራዋይ ክንገብር ኣለና ዝብል እዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጠንካራ መንግስቲ ኣበይ ኣሎ እንተተብሃለ ኣብ ትግራዋይን ትግራዋይን ጥራሕን ጥራሕ እዩ፡፡ ጠንካራ መንግስቲ ማለት ጠንካራ ሰራዊትን ዘመናዊ ዕጥቅን ኣይኮነን፤ ጠንካራ መንግስቲ ዝበሃል መንግስትን ህዝብን ዘለዎም ምትእስሳርን ሓድነትን እዩ፡፡ ኣብዛ ሐዚ ሰዓት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ይኹን ኣብ ጎረባብትና ከምዚ ዝበለ ምትእስሳርን ሓድነትን ዘለዎ ብጀካ ትግራዋይ ካሊእ የለን፡፡ እዚ ስለዝፈለጡ እዮም ነዚ ከፍርሱና ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራዋይ ምክፍፋል ማለት ምእንተ ትግራዋይ ኢሎም ደሞም ዘፍሰሱ ኣዕፅምቶም ዝኸስከሱ ናይ 60 ሽሕ ሰማእታት፣ ናይ 100 ሽሕ ኣካለጉድኣትና ደም ደመ-ከልብ ምግባር ማለት እዩ፡፡

እዚኣ ድማ ማንም ትግራዋይ ኣይፈቕዳን፤ ኣይፈቕዳን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ማንም ንላዕሊ ነዚኣ ብትኹረት ብምርኣይ ክኣልያ ይግባእ፡፡ ካብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፀረ ተጋሩ፣ ካብ ትምክሕቲን ፅግዕተኛ ሓይሊን ንላዕሊ ንሪኦ ፀላኢ የለን፤ ነገርግን ሓድነት ተጋሩ ክሽርሽር ዝመፅእ ካብዞም ሓይሊታት ገዛ ዕዮ ሒዙ ዝመፅእ ትግራይ ግን ወየልኡ፡፡

ኣብዚ እቲ ሐዚ ዘሎ ጥምረት ወይከዓ መውስቦ ትምክሕትን ፀቢብነትን ዘላቒነት ከምዘይብሉ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፤ ክሳብ ሐዚ ምፅንሑውን ሓያል ጥንቓቐ ብምግባር እኳ እንተኾነ፤ ግን ድማ ብዙሕ ሰንከልከል እናገጠሞ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝሓሰብዎ ውዲት ዕንቅፋት እናኾኖም መፂኡ እዩ፡፡ ብሓደወገን ንትግራይ ንምድኻም ብኻሊእ ወገን ድማ ነንባዕሎም ከይቕድመኒ ዝዓይነቱ ውዲት ብካሊእ መዳዩ ድማ ነናይ ክልሎም ውሽጣዊ ዕግርግር ድቃስ ኣስኢኑዎም ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ስኢኖም ዓዲ ምምራሕ ኣብዩዎም ይርከቡ፡፡ ምናልባት ዝሕዝዎ ዝጭብጥዎ ጠፊኡዎም ናብታ ናይ ኣያታቶም ተግባር ፋሽዝም ምእታዎም ኣይተርፍን፡፡ ነዚ ፋሽዝም ድማ ክንምክታ ንኽእል ድማ ከም ተጋሩ ሓድነትናን ውዳበናን ኣጠናኺርና ብፅንዓት ጠጠው ምባል ጥራሕ እያ፡፡ ኣብዛ ፈታኒት እዋን እዚኣ ድማ ልዕሊ ኩሉ ነገር ሓድነት ተጋሩ ምጥንኻር ወሳኒ ጉዳይ እዩ፡፡ እዚ ድማ ብዘለና ዓቕሚ ብገንዘብ፣ ብሞያ፣ ብሓሳብ ኮታስ ንትግራይና ከጠናኽር እንብሎ ብኹሉ መዳይ ንመንግስቲ ትግራይ ክንልግስ ይግባእ፡፡ ብኢኮኖሚያዊ መዳይ፣

 

ህዳሰ ኢትዮጵያ

ሚያዝያ 1፣ 2011 ዓ.ም.

ርኢቶ ዘለዎ ብዝስዕብ ኣድራሻ ምብፃሕ ይከኣል

hidaseethiopia@yahoo.com and/or hidaseethiopiaa@gmail.com

 

Back to Front Page