Back to Front Page

ፈተናታትን ፀጋታትን ትግራይ

ፈተናታትን ፀጋታትን ትግራይ

ኣማኑኤል ኣለማየሁ

መስከረም 2012

 

ኣብዚ ሕዚ ዘለናዮ መዋእል ናይ መብዘሕታአን ሃገራት ፈተና ከመይ ሃፈራዊ ምዕባለ ነምፅእ ኣዮ፡፡ ከም ሀገርና ዝበላ ብታሪኽ ብርክት ዝበለ ዘበን ዘቑፀራ ነገር ግን ርጉዕን ኣብ ምዕባለ መሰረት ዝገበረ ህንፀት ሃገር እናጀመራ እንዳፈረሰን ዝተፀገማ ዓድታት ሓያሎ ታሪኻውን እዋናዊን ፈተናታት ክሓልፋ ዘገድድን ኣብ ቅድሚኤን ንምስጋሩ ዝዕንቕፅ ሽግራት በቢእዋኑ የጋጥመን እዮ፡፡

መዋእል ናይ ወዲሰብ እንትንርኢ እንተለና ብመሰረቱ ሃገራት ክምስርት ዘገድደ መሰረታዊ ምክንያት ስስዐ ዝወልዶ ምቁፅፃር ሰብኣዊን ተፈጥሮኣዊን ሃፍቲ ዝዓለመ እዮ፡፡ ኣብ ታሪክ ወድሰብ ብድሌት ኣህዛበን ዝተመሰረታ ወይን ዝተመሰረተት ወላ ሓንቲ ሃገር የላን፡፡

ኩለን ሃገራት ዓለምና ዝተመሰረታ ብድሌትን ጉልበትን ገዛእቲ (ውሽጣዊ ወይ ከዓ ባዕዳዊያን) እምበር ህዝበን ተሓቲቱን ከመይ ክምስረታ ከመዘለወን ተሰማሚዑን ዝተፈጠራ ኣይኮናን፡፡

ድሕሪ ሓያሎ ናይ መግዛእቲ መዋእላት ግን ሰባታ ካብ ዝበፅሖም ምርር ዝበለ በደል ዝብገስ ኣብ ልዕሊ መስረቲ እተን ሀገራት ወይን ከዓ ኣተሓሳስባ ምስረታ ናይ እተን ሃገራት ብምዕማፅን ሰፊሕ ተጋድሎ ብምግባርን ዓይነትን ኣፈጣጥራ ሃገርነቶምን ብወሳነ ህዝቢ ንምዕራይ ይፍትና እየን፡፡ እዚ ፈተነ ዋላ እኳ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዝተሳኽዕ እንተዘይኮነ ከም እኒ ሲንጋፓር፣ቼክ፣ኢስቶንያ ወዘተ ዝኣመሰላ ሃገራት ግን ዕግበት ሕብረተሰብን ብዘመላኽት መገዲ ህዝበ ውሳነ ብምግባርን ኣብ ተስፈአን ወሲነንን ሃገረን ኣብ ነበርተንን ዜግአንን ምዕባለን ዴሞክራሲን ኣምፂአን ይርከባ፡፡

ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮፓ ነቲ ዝተፈጠራሉ መገዲ ንድሕሪት ብምግዳፍን ወድዓዊ ናይ ዜጋታተን ፀገም ኣብ ዝፍትሕ ኣጀንዳ ብምስታፍን ናብ ህንፀት ሃገር እየን ታሰጋጊረን፡፡

ሓደን ብሕታዊን ዝበሃል ናይ ምሰረታ ሃገር ኣተሓሳሰባ ከምዘየለ ኩሉ እንኮ ናይ ሃገር ህንፀት መገዲ ዝበሃል ሓደ ዓይነት ናይ ሃገር መህንፂ ኣተሓሳስባ (ስነ ሓሳብ) ንኹለን ሃገራት ዓለምና ምጥቃም ኣይከኣልን፡፡ ህንፀት ሓንቲ ሃገር ብቐንዱ ኣብ ብዙሕነት ህዝባ፣ ባህልታታ፣ ደረጃ ትህቲን ዓቕሚ እቶትን፤ ኣብ ጂኮግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ፣ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ፣ ኣብ ሰላምን ብቐንዲ ድማ እትኽተሎ ናይ ሃገር ህንፀት ኣተሓሳስባን ይንጥልጠል እዮ፡፡ ኩለን ዝማዕበላ ሃገራት አብ ሓደ እዋን ልምዓታውያን መንግስታት ይውንና ኔረን እየን፡፡ እቶም ዝነበርወን ልምዓታውያን መንግስታት ገሊኦም መንግስታት ዘይ ዴሞክራሲያውያን ካብምዃኖም ንላዕሊ ፍፁም ኣረመኔታትን ኣብ ልዕሊ ወዲሰብ እሞ ይትረፍ ኣብ ልዕሊ እንስሳ እኳ ክፍፀም ዘስካሕክሕ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ብወራር ዝሓዝዎም ነባር ህዝቢታት ኣሜሪካ፣ኣውስትራሊያ፣ኒውዚላነድን ካናዳን ብምፍፃምን ብምጥፋእን ዝማዕበላ እንትኾና፤

Videos From Around The World

መብዛሕታኣን ሃገራት ኤውሮፓ ዝሃፍተማሉ (ዝማዕበላሉ) መገዲ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ካብ ምፍፃም ሓሊፈን ንመብዛሕትኡ ክፍልታት ዓለምና ብመልክዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቖፃፂረን ማእለያ ዘይብሉ ሃፍቲ ጓሕጒሐንን ንአህዛባተን ድማ ካብ ጉልበት ብዝበዛ ሓሊፈን ከም ንብረት እንዳሸጣን እንዳለወጣን ብነፃ ጉልበት ናይዞም ግዙኣት እየን ተሃኒፀን፡፡

እተን ድሒረን ናብ ህንፀት ሃገር ዝኣተዋ ናይ ርሑቕ ምብራቕ ሃገራት እቲ ኣውሮፓውያን ዝኸዳሉ መገዲ ዘየኽይደንን ዘይካኣልን ስለዝነበር ዋላ እኳ ከም ቀደምተን ብዝኸፍአ ኢሰብኣዊነት እንተዘይኮነ ብዴሞክሲያዊ መገዲ ዝተሃነፃ ግን ኣይነበራን፡፡

ንኣብነት እንተወሲድና ከም እኒ ጃፓን፣ ኮርያ፣ ሲንጋፖርን ካልኦትን ሕዚ ድማ ቻይና ዝማዕበለሉ ወይን ድማ ዝምዕብላሉ ዘለዋ መንዲ ዴሞክራሲያዊ መሰላተ ህዝብን ብምግደብ ኣብ ልማዓት ጥራሕ ብምትኳርን ንዚ ዝምጥን መንግስታዊ መሓውር ብምዝርጋሕን ኣቢለን እየን ካብ ድኽነት ናብ ምዕባለ ዝደየባን ዝድይባን ዘለዋ፡፡

እዘን ኣብ ላዕላይ ብቐንዱ ኣብ ብክልተ ከፊለ ዝረኣኹውን ምዕቡላት ሃገራት ሓደ ዝገብረን ኣብ ልመዓት ዘተኮረ መንግስታዊ ኣስተሓሳሰባን ኣውደድባን ተኸቲለን ልምዓታዊ ነገር ግን ድማ ባርባሪያዊን ወይን ድማ ዘይ ዴሞክራሲዊን ብዝኾነ መገዲ ብዝሃነፅኦን ብዝተኸተልኦን ፖቲካዊ ኣተሓሳሰባታት ዝማዕበላ ምዃነን እዮ፡፡

ኣብዚ ሕዚ ዘለናዮ መዋእልን ንሃገርና ዝመስል በዙሕነትን ተደራራቢ ፀገማትን ዘለወን ሃገራት ብዘይዴሞክራሲያዊ መንገዲ ናብ ህንፀት ሃገር ክሰጋገራ ኣይኽእላን፡፡

ብልምዓታዊን ብዙይ ዲሞክራሲያዊን መገዲ እየን ማዕቢለን ፡፡

አብዚ ሕዚ እዋን ምምዕባል ዶ ይከአል?

እቲ መልሲ እወ ምምዕባል ይከኣል እዮ ዝብል እዮ፡፡ ሓንቲ ዓዲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክትምዕብል እንተኾይና ዝስዕቡ መሰረታዊ ክውንናታት ክትርደእ ይግባአ፡፡ እዚ ድማ መሰረታዊ ናይቲ ህዝቢ ናይ ዴሞክራሲ (ናይ ስልጣን) ጠለባት አብ ምንታይ ከሞዝምስረቱ ምፍላጥ ይግባእ፡፡ ብናህተይ አጠማምታ ከም ኢትዮጲያ ዝበላን ብርክት ዝበሉ ብሄርን ብሄርሰባትን ዘለወን ሃገራት ስርርዕ ጠለብ ዴሞክራሲአን ከምዝስዕብ እዮ ዝበል እምንቶ አለኒ፡፡

1.      ምኽባር መንነት፣

-መሰል ርእስ ውሳነን ዓርስኻ ምምሕድርን

-ምጥቃም ናይ ርእስኽ ቋንቋን ምምዕባል ባህሊን

2.      ጠለብ ካብድኽነት ናይ ምውፃእን ናይ ምምዕባልን

3.      ናብ ነፃ ዝማዕብለ ርእስማላዊ ፖለቲካዊ ስርዓት (civic democracy) ምስግጋርን እየን፡፡

ቀንድ ዕላማ ናይ ህንፀት ሃገር አብቁፅሪ ሰለስተ ዝጠቐስኩዎ ዓይነት ስርዓተ መንግስቲ (ዲሞክራሲ) ምህናፀ እዮ፡፡ አብኡ ንምብፃሕ ቀንዲቅድመ ኩነት ድማ እቲ አብ ቁፅሪ ክልተ ዝተገለፀ ጠለብ ምዕባለ ወይን ከዓ ምዕቡል እሴት ውሳኺ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ምህናፅ ቅድመ ኩነት እዮ፡፡

እዚ ዝማዕበለር እሰማላዊ ስርዓት ናይ ምህናፅ ከይዲ ድማ አብ ሀላዋት አብቀፅሪ ሓደ ዝተገለፀ ወድዓዊ ኩነታት (existence of language and culture diversity) ዝተንጠልጠለ እዮ፡፡

ብአብነት ንምድጋፍ እቲ ናይ ኢኮኖሚያዊ ህንፀትን ዝማዕበለ ርእስማልነትን ዝጠልብ ማሕበረሰብ ሓደ ዓይት ብሄርዊ ተዋፅኦ ዘለዎ እተኾይኑ ዝለዓሉ ናይ ምንነት መሰል ይከበረለይ ሕቶታት ቀንዲ ጠለብ ናየቲ ህዝቢ ኣይኮነን የግዳስ አድማሳዊ ሰብአዊን ፓለቲካዊን መሰላት ደቂ ሰብ (human and political rights) ይከበረለይ ኣብዝብል ዘተኮሩ እዮም፡፡ እዚ ማለት ድማ ልዕሊ ልምዓትን ህንፀት ስርዓትን ዝኾነ ፈታኒ ፓለቲካዊ መዋጥር ስለዘያጋጥሞ ህንፀት ዜጋ ተኮር ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ጎድኒ ንጎዲኒ ምህናፅ ምዕቡል ኢኮኖሚ ክሳለጥ ይኽእል እዮ፡፡

አብ ታሪኽ ደቒ ሰብ እቲ ብቐሊሉ ፓለቲካዊ መጥቀሚ ክውዕል ዝኽእል ናይ ቋንቋ፣ ባህሊን ዝመሰረቱ ናይ መንነት ፓለቲካ እዮ፡፡

ካብቲ መወዳእታ 19 ክፍለዘመን ጀሚሩ ናይ ምፍራስን ብርክቲ ዝበላ ናይ አውሮፓ ሃገራት ናይ ምፍጠር ከይዲ ዘስዓበ ናይ አውስትሮ-ሃንጋሪ ኢምፓየር ምርኣይ ይከአል እዮ፡፡ ብተወሳኺ ናይ 1980 ታት ናይ ዮጎዝላቨያ ምብታታን ካሊእናይ ቐርባ ዘብና አብነት እዮ፡፡ ወላ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ዘየጋጠመን ከም ህንዲ፣ናይጀርያን ዝበላ ሃገራት አብ መንጎ ብዙሕነት ምትእንጋድን ምዕባን ተወጢረን ስለዝተትሓዛ ብፍጥነት ናብ ምዕባለ ክግስግሳ አይከኣላን፡፡

ካብቲ ዝገላፅኩዎ ብተፃራሪ ግን ስብጥር ህዝበን ብሐደ ብሄር ዝዕብለላ ሃገራት ከም ጃፓን፣ ከርያ፣ ቻይናን ዝአመሰለ ሃገራት ህንፀት ዝማዕበለ ኢኮኖሚአን ብዘይ ናይ ምብታን ስግኣት ተቢዐን ክቕፅላሉ ተራእየን ካብተን ቀደመን ዝማዕበላ ናይ አውሮፓ ሃገራት ናይ ምዕቡል ርእስማላዊ ስርዓት ተጠቀምቲ ክኾናን ይርአያ አለዋ፡፡

ድኽነትን ብዝሃነት ዘለወንን እቲ ብዝሓነት ድማ ዓብላላይ (significant majority) ብሄር ዘይብለን ሃገረት ህንፀት ርእስማላዊ ስርዓተን ናይ ብዙሕነት ሕቶ እንተይመለሳ ወይን ድማ ናብ ርእሰን ብዝኽእላ ምምሕድዳራዊ ክልላት (autonomous states) ዝመሰረቱ ኮንፌዴራላዊን ዴሞቸራሲያዊን ስርዓት ክሃንፃ እንተ ዘይክአለን ህንፀት ሓደ ሃገራዊ ኢኮኖሚን ዜጋ ዝመሰረቱ (civic democracy) ዴሞክራሲ ክበፅሓ አይኽእላን፡፡

ንህንፀት ሓንቲ ሃገር እቲ ቀዳማይ ፈተና ናይ መንነት፣ ቋንቋን ባህሊን ዝመሰረቱ ፓለቲካዊ ሕቶ ምምላስን ዘይምምላስን እዮ፡፡

ነዚ ናይ ብዙሕነት ሕቶ ብግቡእን ህዝቢ ብዘርክዕን መገዲ ምምላስ ህንፀት ጠንካራ ሃገራዊ ኢኮኖሚን ብሙሉእ ዓቕሚ ተኣትዮ ክህነፅ ዕድል ዝህብ እዮ፡፡

ህንፀት ርእሰዓላዊ ስርዓት ብዋናነት ህንፀት ጠንራን ምዕቡል ኢኮኖሚን መሰል ዜጋታቱ ዘኽብር ዴሞክራሲያዊ ስርዓተ መንግስቲ ምህናፅ ማለት እዮ፡፡ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ዝሃንፅ አተሓሳሰባ ቀንዲ ሙለልይኡ ልምዓታዊነትን ዲሞክራሲዊነትን እዮ፡፡ እዚ ማለት እውን ልምዓታዊ ዲሞክራሲ (ወያናይ ዴሞክራሲ) ርእዮት ዓለም (ideology) እዮ፡፡

ስግግር ናብ ጥቕሚ መሰረት ናብ ዝገብር ዴሞክራሲያዊ ስርዓት አብ መንጎ ብዙሕነት ዝወልዶም ካብ ናይ መንነት (identity politics) ክሳብ መሰል ናይ ምልማዕ ዝመሰረቶም ዝተሓላለኹ ዲሞክራሲያዊ ሕቶታትን ክሳብ ካብ ድኽነት ወፂእኽ መፍረያይን አብ ዘየቋርፅ እሲት ምውሳኽ ዝመሰረቱ ኢኮኖሚ ንምህናፅ እቲ ዝሓሽ ዝብሃል ስነሓሳብ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ (ወያናይ ዴሞክራሲ) እዮ፡፡

ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ስነሓሳብ ካብ አብ ዝተሓላለኽ ናይ መንነት ፖለቲካዊ ባህርያት ብዓብይኡ ካብ ዝንፀባረቐሉ ማሕበረሰብ ብዝሓሸን ውፅኢታዊን አድማዒ ካብ ድኽነት ከውፅእ ብዝኽእልን መንገዲ ክትግበር ዝኽእል አብ ሓደ ዓይት ቋንቋ ዝዛረብን ባህላዊ ምውርራሱ ዝተገመደን ተመሳሳሊ ስነ ልቦና አብዘለዎ ማሕበረሰብ ንምትግባሩ ዝቐለለ እዮ፡፡ ስለዝኾነ ድማ አብ ኢትዮጲያ ብሃገር ደረጃ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ንተግባር ካብ ዘጋጥምዎ ፈተናታት አብ ትግራይ ዘጋጥሞዎ ፈተናታት አዕርዮም ዝነአሱ እዮም፡፡

አብ ላዕላይ ክገልፆ ከምዝፈተንኩ ናይ ህዝብታት ቀዳማይ ፓለቲካዊ መሰላት ጠለብ ዝጀምር አብ ናይ መንንነት ሕቶን ነዚ ሰዒቡ ዝፍጠር ናይ ልዕልና ምርግጋፅ ንሕንሕ እዮ፡፡ አብዚ መንጎ ንሕንሕ ኮም ኢትዮጲያ አብ ዝበለት ብውህዳን (minority) ብሄራት ዝተመሰረታ ሃገር ዓብላላይነት ናይ ምስፋንን ሃገር ናይ ምቑፅፃርን ድሌት ዘለዎም ፖለቲካዊ ልሂቓን ካብ ኩለን ብሄራት ምፍጣሮምን ብቐሊሉ ንህዝቢ ብመንነቱ አላዓዒሎምን ነቲ ከይዲ ህንፀት ዝማዕበለ ኢኮኖሚ ፈታኒ ምግባሮም አይተርፍን፡፡

ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መስመር አብ ተግባር ክውዕልን ርኡይ ናይ ማህበረሰብ ስግግር ከካይድን እንተኾይኑ ካበዘን ዝስዕባ ስለስት ኩነታት ብውሕድ ሓዲኤን ክትግበራ ይባባእ፡፡

1.      ነፃነት ብሄራት ዝሕሉ ብተግባር ዝሸረፍ ፌዲራላዊ ስርዓት፤-

እዚ ክምዚ ዝበለ ፌደራላዊ ስርዓት አብ ተግባር ንምውዓል አዝዮ ፈታኒን ዘየቋርፅ ናይ ምዕብላል ፈተና ካብ ካልኦት ብሄራት ተወለድቲ ፖለቲካዊ ልሂቃን ዘጋጥም እንትኽውን ብንእሸተይ ጌጋ እቲ ስርዓተ መንግሰቲ አብ ኢዲ ዘይ ዴሞክራሲያውያንን ዘይ ፌዴራላውያንን ሓይልታት እንተወደቑ ናይ ዘይ ምስኻዕ ዕድሉ ዓብይ እዮ፡፡ ስለዝኾነ እዚ ከምዚ ዝበለ ፌዴራላዊ ስርዓት አብ ቐፃሊን ዘየቋርፅን ተፃብኦታት ዝተንጠልጠለ ስለዝኾነ ብሄራት ኣብ ቀፃሊ ተስፈአን ቆሚረን ዝኣትዎኦ ዓይነት ህንፀት ሃገር እዩ፡፡

 

2.      ኮንፌዴራላዊ ስርዓተ መንግስቲ ብዝመሰረቱ ሽርክና፡-

እዚ ስርዓት ብዋናነት ርእስን ብዝኸኣላን ሙሉእ መንግስትነት ብዝውንናን አብ ውስን ሓበራዊ ጉዳያተን ብፍላይ ድማ ናይ ሓባር ገንዘብ (ባጤራ) ናይ ሓባባ ስርዓት ምክልኻልን አብ ካልኦ ብጣዕሚ ውሱናት ዘራኽብወን ጉዳያት ብዝተንጠልጠለ ሽርክና ክምስረት ዘለዎ እንትኽውን አብ ዲፕሎማሲያዊ ዓለም ከከም ኩነታቱ ናይ ባዕለን ወይ ድማ ናይ ሓባር ውክልና ክሰማዕማዓ ይኽእላ እየን፡፡ አብዚ ዝዓይነቱ መንግስታዊ ልፍነቲ እቲ ሓደ ዝራኣየኒ ሓደጋ ኣብቲ ስርዓተ ምክልኻል ዓብላላይ ሓይሊ ሰቲኹ እንተኣትዩ እዩ፡፡ ስለዙይ ክዕብልልን አብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራት ፀቕጢ ከዕርፍን ዝፍትን ሓይሊ እንተመፀውን አብ መንጎ ሉአላዊነተን ዘኽበራ ምምህዳራት ዝተመሰረተ ሽርክና ስለዝኾነ ጎድኒ ንጎድኒ መንግስታዊ ነፃነተን አብቲ ህንፀት ናይ ሓባር ምክልኻል ዓብላሊ ብዘይፍጠረሉ መንገዲ ክህነፅ ይግባእ፡፡ ነዚ ጥሒሱ ክዕብልል ዝፍትን እንተልዩ ድማ ሉኣላዊነተን ተጠቒመን ናፃ ውሳኔአን ከኽብራ ይኽእላ እየን፡፡ ነዘን ነፃን ሉአላዊነት ዘለወን መንግስታት ኣነ እየ ክገዝኣክን ዝበለ ዓብላሊ ክዕንድረለን አይኽእል፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብናፅነት ክለምዓን ብስሉጥ ካብ ድኽነት ናይ ምውፃእ መሰለን ክጥቀማን የኽእለን እዮ ጥራሕ እንተይኮነስ አብቲ ዝፍጠር ሃገራዊ ጥምረት እንተዘይተመችይወን ብዘይ ምንም ሕልኽላኽ ካብቲ ሕብረት ስለዝወፃ ተኽባቢረን ናይ ምንባር ዕድለን እዝዮ ሰፊሕ እዮ፡፡

ከም ትግራይ እዚ ዓይነት ልፍንታዊ ስርዓት ጠቓሚ እዮ ዝበል እምነት አለኒ፡፡ እቲ ብትግራይ ደረጃ ዝፍጠር መንግስቲ ሕብረ ብሄራዊ መንግስቲ ክኸውንን መሰል ንኡሳት ብሄራት ቀዳምነት ሂቡ አብ ምኽባርን ዘየላጢ ቅዋም ዘለዎ ክኾን ኣለዎ፡፡ እቲ ምስ ህንፀት ዝማዕበለ ርእስማላዊ ስርዓት ምህናፅ አተሓሒዘ ዝገለፅኩዎ ቐዳማይ ናይ ብዝሑነትን ናይ መንነትን ዝመሰረቱ ፖለቲካዊ ጠለብ ፈታኒ ስለዘይኮነ ግቡእ ቦትኡ ተዋሂብዎ ብቐጥታ ናብ ልምዓት ክስጋገር ዘኽእል ባይታ ይፈጥረሉ እዮ፡፡

ልምዓታዊ ዲሞክራሲ አብ ከምዚ ዝበለ መንግስታዊ አወቓቕራ ንምትግባሩ ካብ ኣብ ብዙሕነት ዝዓብለሎ ፌዴራላዊ መንግስቲ አወቓቕራ ዝሓሽ እዮ፡፡ ስለዚ ምስረታ ኮንፌዴራላዊ ብሄረ መንግስታት ንልምዓት ሞቹእነት አለዎም፡፡

እዚ ዓይነት ስርዓት አወቓቕራ መንግስት ሰፊሕ ዕዳጋን ጠንካራ ናይ ምክልኻል ዐቕሚን ብሓባር ምሳ እተን ካልአን ኮንፋደሬት (confederated) መንግስታት ነምፍጣር ስለዘኽእልን ሙሉእ ነፃነት ብዘለውን ብሄረ መንግስታት ስለዝዋቐርን አብ ትሕቲ ሓደ ዓማፂ ሓይሊ ናይ ምውዳቕ ዕድል ውላ እንተጋጠመ ከብፅሖ ዝኸእል ጉድለት አዝዩ ትሑት እዮ፡

 

3.      ትግራይ ካብ ኢትዮጲያ ተገንፂላ ርእሳ ዝኽአለት ሃገር ምምስራትን ልምዓትን፡-

እዚ አይነት ስርዓት መንግስቲ ካብ አብ ቑፅሪ ክልተ ዝገለፅኩም ዓይነት ብሄረ መንግስቲ ዝፍለ ምስ ካልአት ከባቢያዊ ሃገራት ብልፍንቲ እንተይኮነ ብጉርብትና ዝነብርን ናፃ መንግስቲ ምኳኑ እዮ፡፡ ዝማቐሎ ናይ ሓባር ዕዳጋን ገንዘብን ሓይሊ ምክልኻልን ስለዘይህሉ ርእሳ ክኢላ ኩሉ ዓቕምታት ክተጥሪ ይግባአ ማለት እዮ፡፡ ህልዊ ኩነታት ዞባና አብ ግምት ብምእታው ምስረታ ናፃ ሃገር ትግራይ ክገጥማ ዝኽእል ተፃብኦ ክፅናዕ ዝግብኦ እንኽውን ካብታ ሕዚ ዘላ ኢትዮጲያ ውፂኻ ናፃ ሃገር ምምስራት ግን አዝዮ ፈታኒ ከምዝኽውን ክካሓድ የብሉን፡፡ አብ ኢትዮጲያ ዝፍጠር ልፍንታዊ መንግስቲ መሰል ርእስ ውሳነ ህዝብታት እስካብ ምግንፃል ዝኣምን ናይ ምግንፃል መስርሕ ምስተዛዘመ እውን አፍልጦ ዝህብ እንድሕር ዘይኮይኑ ከም ሃገር ሶማሌላንድ አብ መንቀርቕር ምእታውና ዘይተርፍ እዮ፡፡ እዚ ፈተና እንተተሓሊፋ ግን ሃገር ብሄር ትግራይ ብሙሉእ ሓይላ ናብ ልምዓት ከትኣትው ዘኽእል ልምዓታዎ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ እንተመሰሪታ ናብ ቕልጡፍ ልምዓትን ዝማዕበለ ርእሰማላዊ ስርዓትን ምብፃሓ ከም አብ ቑፅሪ ክልተ ዝገለፅኩዎ ብተዛምዲ ዝቐለለ እዮ፡፡

ምስቲ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ንምትእስሳር፣ ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት ኮነ ካልኦት ተናሓናሕቲ ውድባት ብኢትዮጵያ ደረጃ ስትራተጂያዊ ማሓዝአን ኣብ ምምራፅ ልዑል ኣቓልቦ የድልየን እዩ፡፡ ዝለዓለ ስግኣት ዝቕንስ ዓይነት ሽርክና/ምሕዝና ውድባት ኢትዮጵያ የድሊ እዮ፡፡ አብዚ ሕዚ እዋን ቅድሚ ኩሉ ክስርዑ ዝኽእሉ መሓዙት ትግራይ ናይ ምግንፃል ድሌት ዘለዎም ፖለቲካዊ ውዱባት እዮም፡፡ እዞም ውዱባት ብፍላይ ናይ ኦሮሞን ውድባት እንተክኢሎም ልዕልንኦም/ምልኮም ዘረጋግፁሉ መንገዲ ክናድዩ እዮም ኣብዛ ሕዚ ትረአ ዘላ ኢትዮጵያ ዝኽእሉ ኣይመስለኒን፡፡ ነቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ጎንፂ ጃላነት ዓብላላይ ኮይንካ ንምውፀእ ሓይልታት ኦሮሞ ምስ ካልኦት ብሄራትን ብሄረሰባትን ብፍላይ ግን ምስ ሓይልታት ትግራይ ምትሕብባሮም ዎይን ድማ ድጋፍ ምድላዮም ዘይተርፍ እዩ፡፡ እዚ ንኢትዮጵያ ምዕብላል ናይዘለዎም ድሌት ንምምላእ ክብሉ ምስ ሓይልታት ትግራይ ክገብርዎ ዝፍትኑ ድርድር ብጥበብን ሰትራተጂያዊ ጥቕሚ ትግራይ ብዘኽብርን መንገዲ እነድሕር ዘይታሓዝ ኮይኑ ቀፃሊ ተስፋ ትግራይ ጠቕሊሉ ከፀልምት ዝኽእለሉ ኩነታት ምፍጣሩ ኣይተርፍን፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝግበር ድርድር አብ መንጎ ጥሙሕ ድሌት ዕብለላ ናይ ኦሮሞ ሓይልታትን ሓይልታት ትግራይን መሰል ርእሰውሳነ ትግራይ ተጠቒምካ ርእሳ ዝኻኣለት ኮንፈድራላዊት ትግራይ ምስ ምርካብ ዝዓለመ ክኸውን አለዎ፡፡ ትግራይ ርእሳ ዝኻኣለት ዓርሰ ምሕድርቲ ክትግንፀል እንተደልያውን ናብ ተወሳኺ ናይ ህዝቢ ዓርሰውሳነ ክይዲን ምስርሑን ብናይ ባዕላ መሓውር ጥራሕ ናይምግባር መሰላ ዝሓለወ ክኸውን ይግባእ፡፡

እቲ ኣብ ላዕላይ ዝገለፅኩዋ ዓብላላይ ድሌቶም እንድሕር ዘይተሳኺዑ ግን ተገንፂሎም ናይ ባዕሎም መንግስቲ ምምስራት ምድላዮም ዘይተርፍ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ናይ ኣህጉራዊ አፍልጦ ፀገም ከየጋጥሞም ምእነቲ ናብቲ ሕዚ ዘሎ ሕገመንግስቲ ተመሊሶም ብመሰረት ዓንቀፅ 39 ንምግንፃል ምሕታቶም ኣይተርፍን፡፡ ሰለዙይ እቲ ንሶም ብዝሓትዎ ሕቶ ተመሳሳሊ ትግራይ ናይ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ፀገም ከየጋጠማ ናፃ ሃገር ክህልዋ ዕድል ክትረክብ እያ፡፡

ናብቲ ዋና ዛዕባይ ንምምላስ፣ ልምዓታዊ ስነሓሳብ ዝምስርቶ ስርዓት መንግስቲ ዋላ ዴሞክራሲያዊ ኢይኹን እምበር ብዝሓሸ አሳልጦን ውፅአታዊነትን ክትግበር አብ ተሪኽ ደቂ ሰብ ዝረአናዮ አብ ሓደ ብሄር ብቐፅሪ ልዕልና አብዘላወን ወይ ድማ ሓደ ዓይነት ቋንቋን ባህሊን አብዘለዎን ማሕበረሰብ እዮ፡፡ እንተ ቅድም ዝበላ ናይ አውሮፓ መንግስታት ገዲፍና ናይ ቐረባ ልምዓታዊ መንግስታት ከም እኒ ጃፓን፣ ኮርያ፣ ቻይና፣ ወዘተ ከም አብነት ምፅራሕ ይከአል እዮ፡፡

 

 


Back to Front Page