Back to Front Page

መፃኢት ትግራይን ዕቤት ከተማታትናን

መፃኢት ትግራይን ዕቤት ከተማታትናን

 

ገብረእግዚኣብሄር ሃይሉ

ካብ ኣዲስ ኣበባ

3-30-19

ትግራይ መዋልዲ ቀዳሞት መተዓብይቲ ዳሕረወት ዝኾነትሉ ምኽንያት ብዝበፅሕዋ ማእለያ ዘይብሎም ፀቕጢታት ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ መበቆል ስልጣነ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዘረጋግፁ ብርክት ዝበሉ ፈጠራታት ሀዚ እውን ቀወምቲ ምስክራትና እዮም፡፡ ጥንታዊያን ከተማታት የሓን አኹሱምን እኳ እንተወሲድና ኣብ ዓለም ከብ ዝተፈጠሩ ጥንታዊ ከተማታት ዝተፈለያ እየን፡፡ ምኽንያቱ ስልጣነ ከተማታት ዓለም እንትንዕዘብ ምስ ወሓይዝን አፍላጋትን ዝተኣሳሰራ እንትኾና ኣኹሱምን የሓን ግን ካብዙይ ዝተፈለያ ኮይነን ንረኽበን፡፡ ዝፍለያሉ ምኽንያታት ብዙሕ እኳ እንተኾኑ ወለዲና መፃኢ ዕቤት ወዲሰብ ኣብ ግምት አእትዮም ዝነደፍዎ ንድፊ ምዃኑ ግን እኹል መረጋገፂ እዩ፡፡

Videos From Around The World

ንልዕሊ 3000 ዓመታት ወነንቲ ጥበብ እናሃለና ንድሕሪት ዝመለሱና ምኽንያታት ፈሊና እንተዘይፈሊጥናዮም ንቀፃሊ እውን መንቀርሳታትና ካብ ምዃን ዓዲ ኣይውዕሉን፡፡ ንውድቀት አኹሱም ቀንዲ ምኸንያት ኣብ ደቡብ የመን ዝተልዓለ ግዝኣት ይግበአኒን ንዙይ ስዒቡ ዝመፀ ውድመት ወደብ አዱሊስን ድማ እቲ ኩነታት ኣብ ምግዳድ ዓብይ እጃም ኔርዎም፡፡ ናይዙይ ዋና ምንጪ ግን ቅርሕንቲ ስልጣን ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ፡፡ ስልጣነና ናብ ሮሃ ዝተሰጋገረሉ እውን ኣብ ኣቦን ጓልን ቤተ መንግስቲ ኣኹሱም ብዝተፈጠረ ህልኽ ንምዃኑ ብዙሓት መዛግብቲ ታሪኽ ይምስክሩ፡፡

ተጋሩ ወለድና ሓድነቶም ሓሊዮም ኣብ ዝኸድሉ እዋን ዘመናዊ ዝኾነ መነባብሮ ክመርሑ ምፅነሖም ብብኸባቢኡ ዘለዎ ህያው ቅርሲታት ምዕዛብ እኹል እዩ፡፡ ይሓ፣ ምዓም አንበሳ፣ አኹሱም፣ ዓድዋ፣ ማይአድራሻ(ሽረ) ዓዲ አመተ ክርስቶስ (ዓዲግራት) ጨለቖት፣ ጉሎመኻዳ፣ ነጋሽ፣ ዓዲሽሁ፣ ሳምረ፣ ወዘተ ካፍቶም ጥንታዊ ምልክት ከተማታትና እዮም፡፡ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነበሩ ኢትዮጵያን ነገስታት ብዜካ ውሱናት ኣብ ሃርላን ሃረርን ምስ መፃኢ ዕብየት ወዲ ሰብ ዝተኣሳሰሩ ከተማታት ኣይረኣዩን፡፡ ንልዕሊ 300 ዓመታት ማእኸል መንግስታዊ ሽዋ ኾይና ዝፀንሐት እንኮበር እኳ እንትንርኢ ብዜካ 6 ቤተክርስቲያናትን ጥንታዊ ተባሂለን ዝተዓቀባ ጎጆታትን ካሊእ የለን፡፡ እቲ ዋና ፀገምና ግና ንእሽቶይ ዕብይ ብዝበልና ቁፅሪ ኣብ ውሽጥና ንፋስ እናእተና ከተማታትና ክዓንዋ፣ ምዕባለታትና ክኹለፍ እናገበርና ምስሓቕ ሸራፋት እናኾንና ፀኒሕና፡፡

ሎሚ ከተማታትና ከመይ ይምረሓ ኣለዋ?

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዕቤት ከተማታት ሽቶ 2030 ብዝብል ኣብ ዘቐመጦ መመዘኒ 17 ዋና ዋና ጉዳያት ኣስፊሩ ይርከብ፡፡ ካብዚኣተን ድማ ምውጋድ ድኽነት፣ ባዶ ጥሜት ሙሉእ ጥዕና ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ማዕርነት ፆታ፣ ኢኮኖሚያዊን ከባቢያን ፅሬት ብዝብል ቀደም ሰዓብ ብዝርዝር ኣስፊርዎም ይርከብ፡፡ ከተማታት ትግራይ ኣብ ስግግር ኢንዱስትሪ ክፃወተኦ ዝግባእ ግደ እውን እዙይ መሰረት ብምግባር ጥራሕ ዝረጋገፅ ይኸውን፡፡ ምኽንያቱ ከተማታት ንኸባቢአን ፀለውቲ ክኾና ዝኽእላ ደረጀአን ዝሓለዋን ንመነባብሮ ነበርተን ምችዋት ምስ ዝኾናን እዩ፡፡

ከተማታት ተግራይ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት ከምሃገረን ተወዳደርቲ እናኾና እኳ እንተመፃ ብማእኸል ዓዲ ዓይኒ ጠባን በዚሕወን ምንባሩ እውን ይዝከር፡፡ ንሕና ከምቲ ዝድለ ኣይዓበያን፣ መሰረተ ልምዓተን ኣይተስፋሕፈሐን፣ ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ምሕደራ ማእኸል ስሕበት ኢንቨስትመንት ምዃን ኣይከኣላን እንትንብል፤ ዓይኒ ጠባን ድማ ከተማታት ትግራይ ብበዝሒ ሃፍቲ ብብዓመቱ 2 ሴንቲ ሜትር ይወርዳ ኣለዋ ክብሉ ዓይኖም ብጨው ሓፂቦም ይዛረቡ ፀኒሐሖም፡፡

ሎሚ ከተማታት ትግራይ ካብ ምድቃሰን ዝበራበራሉ ሳዓት ዝኣኸለ ይመስል፡፡ ብስም ፌደራሊዝም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ተበቲኑ ዝፀንሐ ቁልፊ መሪሕነትን ስትራቴያዊ ዓቕሚ ትግራዋይን ናብታ ዝተወለደላ ክልል ተሰባሲቡ ኣሎ፡፡ በዓል ሃፍቲ እውን እንተኾነ ኩሉ ዓድና እናበለ ፈቐዶ ክልላት ዘፍስሶ ዝነበረ ሃፍቱ ብኣሻጥረኛታትን ሓይሊ ትምክሕቲን ፃዕሩ ማይ ንማይ ክተርፍ ምስ ጀመረን ኣብልዕሊኡ ብሄር ተኮር ዘመቻ ምስተኸፈተሉን ንዓዳይ ገፀይ እናበለ ኣብ ክልሉ ኩለን መማረፂታት ክጥቀም ጀሚሩ ኣሎ፡፡ እዙይ ንትግራይ ኣብ ዘበና ገጢሙዋ ዘይፈልጥ ብሩህ ዘመን እዩ፡፡ ዋላ እኳ ዝተፈላለዩ ግዳማዊ ፅዕንቶታት ይሃልዉ ስንኻ ነኺስካ ብምሕላፍ ከተማታትና ናብታ ነበርተን ዝምነይወን ደረጃ ምብፃሕ ከምዝከኣል ግልፂ እዩ፡፡

ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ዋላ እኳ ኣብዝተፈላለየ ክፍሊ ኢትዮጵያ ንበረቶም ከሲሮም እንተኾነ ናብ ትግራይ ብምኻዶም ከም ኪሳራ ክውሰድ የብሉን፡፡ ምኽንያቱ ሃፍቲ ኣፍሪየምሉ ስለ ዝኾኑ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ትግራይ ክምለሱ ከለዉ እውን ዓለም ለኻዊ ስራሕቲ ቢዝነስ ካብ ሓንጎሎም መንጢሉ ዝወሰዶ ሰብ የለን፡፡ የግዳስ ክንደይናይ ሪሂፀ በላዓት ከም ዝኾኑ ይምስከረሎም፡፡ ኣብዚ ሰዓት ኣብ ማእከል ዓዲ ሓዱሽ ነገር ጠፊኡ፣ ስራሕ ኣልቦነት ናብቲ

ዝኸፍአ ደረጃ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ከተማታት ማእኸል ዓዲ እንትርፊ ዝውዳእ ህንፃ ዝውጠን ኣይረአን፡፡ ንግዲታት ፀምሊዩ ይርከብ፡፡ ብኣንፃሩ ኣብ ከተማታት ተግራይ ሃይሃይታ ስራሕቲ ይረኣዩ ኣለዉ፡፡ እዙይ ውፂኢት ሰብ ብሩህ ኣእሙሮ ሳብ ሃፍቲ ትግራይ ብምዃኑ ክምስገኑ ይግበኦም፡፡

ከተማታት ትግራይ ንምዝማን መሪሕነት ቁልፊ ብፅሒት ኣለዎ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ከተማታት ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ ኮንስትራክሽን ብርክት ዝበለ ሸቃላይ ናብ ከተማታት ምውሓዝ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ገና እተን ብብከተምኡ ተወጢነን ዘለዋ ፕሮጀክትታት መንበሪ ኣባይቲ ተግባራዊ ምዃን ምስ ዝጅምራ እቲ ዋሕዚ ብዕፅፊ ምዕባዩ ኣይተርፍን፡፡ ጠንካራ መሪሕነት ከተማታት እንተዘይተሃኒፁ ማሕበራ ቁጠባዊ ፅልዋ እናሓደረን ምኻዱ ግሁድ እዩ፡፡ እዙይ ስዒቡ ድማ ናህሪ ዋጋን ሽቕለት ኣልቦነትን ኣብተን ከተማታት ምፍጣሩ ኣይተርፍን፡፡ ካብዙይ ብተወሳኺ ናብ ከተማ ተኸሊሎም ዝኣትዉ ከባቢያዊ ምምሕዳራትን ነበርቲ ገፀራትን ተገዲዶም ናብ ሓዱሽ ዓለም መነባብሮ ምቕያሮም ግድን ይኸውን ኣሎ፡፡ ንዙይ እውን ዓርሱ ዝኸኣለ ስትራቴጂ የድልዮ፡፡

ኣብዙይ ምጥዕዓም እንተዘይተፈጢሩ ንቲ ኣብ ከተማታት ዝፍጠር ፀገም ተወሳኺ ሸኽሚ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ስለ ዙይ ዕብየት ከተማታት ክልልና እንትንሓስብ ዙርያ መለሽ ስትራቴጂ ምሕንፃፁ መማረፂ ዘይብሉ ጉዳይ ይኸውን፡፡ ከተማ መቐለ ከም ኣብነት እንተወሲድና ደድሕሪ ኣዲስ ኣበባ ልዑል ጠለብ ኢንቨስትመንት ዝቐርበላ ከተማ ኾይና ኣላ፡፡ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ደቂ ወፃኢን ኣንፈቶም እናዞሩ ናብ መቐለ ዝውሕዝሉ ምኽንያት ጉዳይ ሰላምን ምርግጋእን ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ እዙይ ከም ዓብይ ዕድል ተወሲዱ ክስረሐሉ ይግባእ፡፡

ጉዳይ ከተማ መቐለ እንትንርኢ ጥብቂ ክትትል ዘድልዮ ምዃኑ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልምድ ምውሳድ ይግበኣ፡፡ ምኽንያቱ ምስ ፈጣን ዕቤት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘይኸዱ ዕንቅፋታት ንዚ ሀዚ ገጢምዋ ዘሎ ደውታ ዳሪገምዋ እዮም፡፡ መንግስታዊን ዘይ ምንግስታዊን ደላላታት ብዝፈጠርዎ ግንባር ህዝቢ ከንፀርፅር፣ ገባር ብዘይፈልጦ መሬቱ ተሸንሺኑ ንኽሽየጥ፣ ድለላታት ዘይነዓቕ ግደ ተፃዊቶም፡፡ መንግስታዊ ድለላታት እውን ንተን ብዘይ ኣግባብ ዝተሸጣ መሬት ገባር ሕጋዊ ብምምሳልን ዝተወሰኑ ሳብ ሃብቲ ብምጥቃምን መረረት ህዝቢ ክበራኸት፣ ኩሉ በደላት ድማ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ህወሓት ጥራሕ ክድፍደፍ ዓብይ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ፡፡

ምስ ከተማ መቐለ ተታሓሒዙ እውን እዞም ዓይነት ሌብነታት ከይረኣዩ ብዕቱብ ክስረሐሉ ይግባእ፡፡ ንኣብነት ኣብዛ ዝሓለፈት ምዝገባ ተፈናቐል፣ ነበርቲ ከተማታትን እኳ እንተተዓዚብና ክንደይ ዘይሕጋዊ (forged) ሰነዳት ከም ዝተሰርሑ ይፍለጥ እዩ፡፡ ኣብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ብዝተጣየሻ ናይ ድለላ ኔትወርክታት ዘይተፈናቐለ ተፈናቓላይን ነባራይ ዘይኮነ ነባራይን ኣብ ምፍጣር ብዕቱብ ተሰሪሕሉ እዩ፡፡

መንግስቲ ክልልን ብብደረጅኡ ዝርከቡ ኣመራርሓ ከተማታትን ኣብዙይ ኢዶም ኣፅሪዮም እንተዘይሒዘምዎ ከምታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመት ፀገም ክተጋጥም ትኽእለ እያ፡፡ እቲ መጭበርበሪ ገዛ ኣብ ልዕሊ ገዛ እንትሕዝ እቲ ናይ ምጭብርባር ድሌትን ባህልን ዘለዎ ድማ ዋላ ሓንቲ መንበሪት ዘይብሉ ይተርፍ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ እዙይ ማለት ፍትሓዊነት ዝጎደሎ ክፍፍል ሃፍቲ ተፈጢሩ ማለት እዩ፡፡ ኣብዚ እዩ እንበኣር ከስ እቲ ፀገም ዝፍጠር፡፡ ብፅሒተይ ዝብል ሓይሊ ብዝተፈጠረ ቑፅሪ መንግስቲ ካብ ስትራቴጂያዊ ስራሕቱ እናወፀ ናብ ቅሬታ ምስትእንጋድ ይኣቱ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ሓንቲ ኣብነት ክጠቅስ ይደሊ፡፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዝተገበረ ግምታዊ ቁፅሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ 310,436 እንትኾን ምስታ ከተማ ዘለዎ ንፅፅር ድማ 2,725 ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ኪሎሜትር ስኬር ከምዝነብሩ ናይ ብሄራዊ ስታትስቲክስ መረዳእታ የማላኽት፡፡ እዙይ ምስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እኳ እንትነፃፀር መቐለ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኪሎሜትር ዝነብር ህዝባ ዝወሓደ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓንቲ ኪሎሜትር ጥራሕ 5165 ሰብ ይነብር፡፡ እዙይ ማለት መሪሕነት ዝሓትት እካ እንተኾነ ብሩህ መፃኢን ንነበርታ ምችውቲን ከተማ ምፍጣር ከም እንኽእል እኹል ምልክት እዩ፡፡ እታ ኸተማ ናብ ጎኒ ምንም ከይወሰኸ ልዕሊ 6 ዕፅፊ ከዕቢያ ይኽእል እዩ፡፡ እዙይ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ኣብ ከተማታት ትግራይ ክንሪኦ እንፅበዮ ዓይነት ምዕባለ ንምርግጋፅ ዕንቅፋት ከይወቕዖ ካብ በሀዚኡ ስራሕ የድሊዮ በሃላይ እየ፡፡


ካብ ጥንታዊ ምዕባለታትና ልምድ ምውሳድ ከድልየና እዩ፡፡ ቤተ መንግስቲ ንግስተ ሳባ ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል፡፡

Back to Front Page