Back to Front Page

እዋናዊ ዛዕባኣብ ጉዳይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ

እዋናዊ ዛዕባ

ኣብ ጉዳይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ

ዋካ ብርሃነ

ሰነ 8,2011

 

ሕሉፍን ሕልውን ኩነታት ትግራይን ኢትዮጵያን

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ብሚኒሊክ ዝተሰነዐት ኢትዮጵያ ምንባር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ እንትርፊ ሓሰረ-መከራ፥ ህዝቢ ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ ክልተ መቒልካ ሓድነት ተጋሩ ምድኻም፥ ብሄራዊ መንነቱን ክብሩን ምግሃስ፥ ብኣድላዊ ፖሊሲ ኢኮኖሚ ትግራይ ምድቃቕን ሰንሰን ምባልን፥ ህዝቡን ልሙዕ መሬቱን ተሰሊዑ ናብ ግዛት ኣምሓራ ምውሳድ፥ ታሪኹን ጅግንነቱን ምስራቕን ምስናዕን እንታይ ዶ ረኺቡ እዩ ? ጥር ትብል ረብሓ ኣይረኸበን። እዃ ዳኣስ ነታ ዝበደለቶ ኢትዮጵያ ልዕላውነታ ክሕሉ ካብ ዝግቦኦ ንላዕሊ መስዋእቲ ከፈለን ዝነበሮ ስልጣኔን ምዕባለን ተኮለፈን`ምበር።

ህዝቢ ትግራይ እዚ ኩሉ ግፍዕን መከራን ኣብ እንግድዑ ምሽካም ምስ በዝሖ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ከርፋሕ ናብራን ብሄራዊ ወፅዓን ንሓንሳዕን ንመወዳእታን ንምቕያርን፥ መፃኢ ዕድለይ ባዕለይ ክውስን ኢሉ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) እንዳተመርሐ ንምእማኑ ዝኸብድ መሪር ብረታዊ ቓልሲ ኣኻይዱ። ምሩፃት ደቑ መስዋእቲ ከፊሉ። ንዋርድያ ትምክሕትን ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግን ደምሲሱ መሪር ብረታዊ ቓልሱ ብዓወት ዛዚሙ።

ህዝቢ ትግራይ እዚ ኹሉ ገይሩ ይኣኽለኒ ኣይበለን። ዘተኣማምን ወታደራዊ ሓይሊ ኣለኒ ኢሉ`ውን ሃገረ ትግራይ ንኽምስርት ኣይተጓየየን። ዛይዳ መስዋእቲ ከፊለ እየ እሞ ኣብ ተመስረተ መንግስቲ ስልጣን በይነይ ብሒተ ክሕዝ ኣይበለን። ብኣንፃሩ ምስ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ማዕረ ዜጋ ኮይኑ ዝነብረላ ፌዴራላዊት ዴሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ንምምስራት ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ዝመርሖ መንግስቲ ኮይኑ ካልዓይ ምዕራፍ ቃልሱ ሀ ኢሉ ጀመረ። መሰል ብሄር ብሄረሰባትን ዜጋታትን ዘረጋገፅ ሕገ-መንግስቲ ብናይ ህዝቢ ዙርያ መለሽ ተሳትፎ ክፀድቕ ገበረ፥ ብሄር ብሄረሰባት ባዕሎም ንባዕሎም ዘማሓድርሉ፥ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ክልሎም ዘማዕብልሉ፥ ናይ ክልሎም ፀጋታት ተጠቀምትን ወሰንትን ዝኾንሉ መሰል ኣራጋገፀ። ብሄር ብሄረሰባት ባህሎምን ቛንቑኦሙን ከማዕብሉ ህገ-መንግስታዊ መሰሎም ምዃኑ ኣረጋገፀ። ብሃገረ ደረጃ ኣብ ዝቖመ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ብወከልቶም ኣቢሎም ኣብ ጉዳይ ሃገር ክውስኑ ፖለቲካዊ መሰሎም ብህገ-መንግስቲ ውሑስ ገበረ። እታ ብሚኒሊክ ተሰነዐት ንብሄር ብሄረሰባት ናይ ምድሪ ገሃነም ዝነበረት ኣረጊት ኢትዮጵያ ኣፍሪሱ ናይ ኩሉ ቤት ዝኾነት ሓዳሽ ፌዴራላዊት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ መስረተ።

Videos From Around The World

ኣብ ከይዲ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ግዕዝይና እንዳጠጠዐ መፀ፥ ህዝቢ ፍትሓውን ስልጡን ግልጋሎት ሲኢኑ ክንገላታዕ ጀመረ፥ ብእዋኑ ናይ ህዝቢ ሕቶ ዝምልስ ጠፍዐ፥ ከም መስቀል ዒፍ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ወይ መረፃ መፀ-መፀ እንትባሓል ኣብ 5 ዓመት ሓደ ግዘ ጥራሕ ምስ ህዝቢ ዝራኸብ ባዓል ስልጣን በዝሐ። ንፌዴራላዊ ስርዓት ናይታ ሃገር መንግስቲ ኢህወዴግ ዴሞክራስያዊ ምግባር ተሳኣኖ፥ ናይ ክልላት መሰል ምኽባር ዓቐብ ኾይኑ ተረኣዮ፥ በዙይን ክንድዙይን ኣብ ከይዲ ምፍጣር ምዕሩግ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ ተኾለፈ፥ እዚ ዝፈጠሮ ህዝብን መንግስትን ከብድን ዝባንን እንዳኾኑ መፁ። ህዝቢ ፍትሒ ደልዩ ብዝተፈላለየ ኣግባብን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ዓመፅ ኣኻየደ። ውድቐት ኢህወዴግ ድማ ተቐላጠፈ። ጎኒ ጎኒ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ሓይሊ ትምክሕትን ፀቢብነትን፥ ደርግ፥ ኢሕኣፓ፥ ሻዕብያን ምስ ናይ ደገ ሓይሊ ተሓባቢሮም ዘይደማዊ ዕልዋ መንግስቲ ገይሮም ስልጣን ተቖፃፀሩ።

ብውልቀ መላኺ ኣብይ ኣህመድ ዝምራሕ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኣብታ ሃገር ዝኽተሎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያውን ዲፕሎማስያውን ፖሊስታት ልዕላውነትን ብሄራዊ ጥቕምን ኢትዮጵያ ንትምክሕትን ንናይ ደገ ሓይልን እሕሊፉ ዝሓበን፥ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ጀሚሮሞ ዝነበሩ ልምዓትን ናይ ዴሞክራሲ ጅማሮን ንድሕሪት ዝመልስን ዝኾልፍን ኣካይዳ ኣብ ምፍፃም ይርከቡ። ቕድሚ 28 ዓመት ንኢትዮጵያ ካብ ደገ ኣፈቤት ምብትታን ዘድሓነ ፌደራላዊ ስርዓት ፀረ ኢትዮጵያ እዩ እንዳበሉ ኣብ ኣደባባይ መስከሩ፥ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቒ ትግራይ ድኸቱ ዝኣተወ ስርዓት ደርግ`ውን ኣይተሰዓረን በሉ። ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣውንታ ዝገለፆም ናይ ልምዓታዊ መንግስቲ ውፅዒት ዝኾኑ ናይ ኢኮኖሚ ልምዓት ምንሻው ጀመሩ፥ ኣብታ ሃገር ዝተረኣየ ግዕዝይና ሕመቕን ጥፍኣትን ኩሉ ናይ ህወሓት እዩ በሉ፥ ህዝቢ ዝመስከረሉ ልምዓትን ናይ ዴሞክራሲ ጅማሮን ዝመርሑን ዝሰርሑን መንነቶም መሰረት ዝገበረ ክሕደኑን ብዘይፍርዲ ክእሰሩን ብወፍሪ ቐፀልሉ። ሕሉፍ ሓሊፉ ን20 ን30 ዓመት መራሕተን ዘይመረፃ ሃገራት ኣለዋ ኢሎም ህገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይኽብሩ ከም ብዋዛ ንህዝቢ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ብተግባር ዝፍፅሞም ዘለዉ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያውን ዲፖሎማስያውን ፖሊሲ ብረብሓ ሃገርን ህዝብን እንትረአ መንገዲ ጥፍዓት እምበር መንገዲ ራሕዋን ናይ ህጊ ልዕልነትን ዘረጋግፅ ኣይኾነን። ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ መላፍንቲ ኮይኖሞ ዝንሔዉ ኣብ ዝሓለፉ 45 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ከምበርክኹ፥ እቲ ዝነኣሰ ብፕሮፖጋንዳ እቲ ዝዓበየ ድማ ብብረት ገጢሞም ተሰዓሩ እዮም። ኩሎም ድማ እሉኽ ቒም ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘለዎም እዮም። እቲ ዝረዐ ዘሎ ከይዲ ጉድለት ምእራምን ህጊ ምኽባርን ዘይኾነስ ሕነ ናይ ምፍዳይ (political vendetta) ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ እዮም ስራሕና ኢሎም ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ዘለዉ። ብኣውርዑ ድማ ብናይ ህዝቢ ዙርያ መለሽ ተሳትፎ ዝፀደቐ ህገ-መንግስትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ኣፍሪስካ ዳግም ንብሄር ብሄረሰባት ሲዖል ዝኾነት ብኣሃዳዊ ስርዓት ትምራሕ ኢትዮጵያ ንምምስራት እንትኾን ተግባራዊ ንምግባር ድማ ዛጊድ ነዊህ ርሕቐት ከይዶም ይርከቡ።

 

መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክገልፆ ዝፈተንኩ መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ብናይ ውሽጥን ናይ ደገን ጫፍ ዝረገፁ ዘምዕሩይ ድሌታት ኢትዮጵያ ኣብ ቐራን መንገዲ ክትቕርቀር ገይርዋ ኣሎ። እቲ ኣብ ስልጣን ዝነሐ ሓይሊ ሃገራዊ ሓይሊ ኣይኮነን። ናይ ሃገርን ህዝብን ረብሓን ምርግጋእን ኣይእንታዩን። ልዕላዊነት ህዝብን ሃገርን ንናቱ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ክሳብ ዘገልገለ እዩ። ንኢህወዴግ ናብ ስልጣን መምፅኢ ዳኣ ተጠቒምሉ እምበር ዕላማ ኢህወዴግ ኣይንታዩን። እዃ ዳኣስ ናይቶም ናብ ስልጣን ዘምፅእዎ ሓይሊ ድልየት ክፍፅም ነቲ ሽም ጥራሕ ሒዙ ዝተረፈ ኢህወዴግ ከፍርሶ ሓደይ መደይ ኢሉ ይሰርሓሉ ኣሎ። ዛጊድ እዃ መንግስት ካብ ዝመርሑ ዘለዉ ዘይ ኢህወዴግ ጥራሕ ዘይኾኑስ ናይ ኢትዮጵያ ዜግነት ዘየብሎም`ውን ኣካል እቲ ኣመራርሓ ኾይኖም ኣለው።

ኣብ ከምዙይ ዝበለ ፖለቲካዊ ኹነታት ኢትዮጵያ ናበይ እያ ተምርሕ ዘላ እንት ኢልና ብናተይ እምነት ኢትዮጵያ ሕማቕ መማረፂ ከጋጥማ ይኽእል እዩ። ኣብ ዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ፖለቲካዊ ምርጫ ካብ ፅቡቕን ሕማቕን ኣይኾነን፥ እንተነይሩ ንሱ ቀደም ተሪፉ። ሐዚ ዘሎ መርጫ ካብ ሕማቕን የዕርዩ ሕማቕን እዩ እት ዘሎ ምርጫ።

ኣብ ስልጣን ዝነሐ ሓይሊ ይፍቶ ይፅላዕ፥ ውፅዒቱ`ውን ዕረ-ዕረ ይጥዓሞ ህገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣኽቢሩ መረፃ 2012 ግዚዑ ሓልዩ ክኻየድ ካብ ምግባር ወፃዒ ካልዕ መዋፅዕን ሕጋውነትን የብሉን። ኩሉ ነገር ካብ ዝመርሓካ መንግስቲ ምምራፅ እዩ ዝጅምር። ቕድሚ ሃገራዊ መረፃ ዝስራዕ ነገር የለን። ደቒ ሰባት ዝቓለሱ ዝስውኡ ፖለቲካዊ ነፃነቶም ተጠቒሞም ይኾነና እዩ ዝብልዎ መራሒ ንኽመርፁ እዩ። ንብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዝመርሖም መንግስቲ ምምራፅ ጌፅን ውሕብቶን ኣይኾነን ደም ከፊሎም ዘረጋገፅዎ ናይ መስዋእቶም ካሕሳ እዩ። እዙይ ተግባራዊ ዘይምግባር ኢትዮጵያ ንክትበታትን ምእዋጅ ማለት እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ምብትታን ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ሓላፊነት ይወስድ።

ሃገራዊ መረፃ 2012 ግዚኡ ሓሊዩ ብሰላማዊ መንገዲ እንድሕር ዘይተዛዚሙ፥ ሐዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ (ሕጋዊያ እንትኾይኑስ) ዋላ እት ሐዚ ዘለዎ ሕጋውነት ክብቕዕ እዩ። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ሕጋውነት ኣይሕልዎን። ብቤት ምኽሪ ዝቖመ መራሒ ሃገርን ንሱ ዘጣየሾ ካቢኔን ዘቕፅሎም ሕጋውነት ባይታ ፍፁም ኣይክሕሉን። ኣብ ስልጣን ንኽትፀንሕ ሕገ-መንግስቲ ሃገር ጢሒስካ ሕጋዊ መንግስቲ እየ ክትብል ኣይትኽእልን። ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ናብ ሓደ ዝጠመሮሙን ብሰናይ ድልየቶም ዘፅደቕዎ ህገ-መንግስቲ እንድሕር ዘይተኸቢሩ ጠሚርዎም ዝነበረ ገመድ ክብጠሰ ግድን እዩ። ብውፅዒቱ ድማ ሃገር ንኽትበታተን ዕድል ይኸፍት።

መረፃ 2012 ብዝተሓዘሉ ግዘ እንድሕር ዘይተኻይዱ፥ ህገ-መንግስቲ ፈሪሱ ኣሎ ማለት ኣዩ። ኣብ ዝ ፈረሰ ህገ-መንግስቲ ድማ ሕጋዊ መንግስቲ የለን። ብሄር ብሄረሰባት በብመንገደን ክኸዳ ግድን ይኸውን። ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ሕጋውነት ስለዘይሕልዎ ናይ ስግግር መንግስቲ ክምስርት እንተደለየን እንተመስረተን፥ ንብሄር ብሄረሰባት ካብ ድልየቶም ወፃዒ ብወታደራዊ ሓይሊ ክገዝዕን መሰሎም ክጭፍልቕን ምስ ዝፍትን ቕድሚ 28 ዓመት ብምኽባር ህገ-መንግስትን ምትካል ፌዴራላዊ ስርዓትን ጠጠው ኢሉ ዝነበረ ናይ ብሄር ብሄረሰባት ውግዕ ንክጅምር መንገዲ ምኽፋት ይኸውን። ውግዕ ድማ ሰብን ናይ ሃገር ሓፍትን ይበልዕ።

መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ ካብ ብጓሓቱ መሰል ዓርሰ ውሳነኡ ንምኽባር መስተንክራዊ ጅግንነት ዝመለኦ ብረታዊ ቓልሲ ኣካይዱ ብዓወት መሰስ ኢሉ። ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ፅኑዕ እምነት ስለዝነበሮ ድማ ምስ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ኮይኑ ዲሞክራሲያዊት ፌዴራላዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምምስራት`ዉን ርኡይ ተራ ተፃዊቱ። ኮይኑ ግን ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ንዓመታት ተቓሊሱን ኽባር መስዋኣቲ ከፊሉን ዘረጋገፆ መሰረታዊ እምነት ዝሽርሽርን፥ ትምክሕትን ናይ ደገ ሓይልን ብልፍንቲ ስልጣን ኣብ ዝሓዝሉ፥ ህገ-መንግስቲን ፌዴራላዊ ስርዓትን ብናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሓይልታት ኣብ ፈተና ኣብ ዝኣተወሉ፥ ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣሃዳዊ ስርዓት ንክምስርቱ ኣብ ዝሸባሸብሉ፥ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክኸውን ዘለዎ?

ደጊም ፌዴራሊዝም ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ኣትዩ እዩ። ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከምዘይዕረ ኾይኑ ተዓይኑ እዩ። ትግራዋይ ናይ ኢትዮጵያ ፌዴራሊዝም ናብ ንቡር ክመልስ ኢሉ ተወሳኺ መስዋእቲ ክኸፍል የብሉን። እንታይ ክደግም? ዘዝቐደመ እዃ ጥሪትና ኣጥፊዑልና ከምዝባሓል . ይኣክል። ይኾኖ። ትግራዋይ ድሕሪ ዝኹሉ መስዋእቲ ናይ ዒዱ ኣይረኸበን። ናይ ህወሓት ኣድማሳውነት ኣተሓሳስባ ንትግራዋይ ኽባር ዋጋ ኣኽፊልዎ እዩ። ማእርነታዊ ሓድነት መሪፁ ከም ኩሉ ዜጋ መሰለይ ተኽብር ሃገር ኣላ ኢሉ እምነት ኣብ ዝሕደረሉ ወቕቲ ብመንነቱ ተሓዲኑ ተኣሲሩ፥ ክማሓር ከይዱ ተቐቲሉ፥ ርሒፁ ዘጥረዮ ሓፍትን ንብረትን ተዘሪፉ፥ ናይ ኢኮኖሚ ፅዕንቶ ንምፍጣር ክሳድ መንገዲ ተዓፅይዎ፥ ብትምክሕቲ ሓይሊ ሽም ቐሺ ወፂዎ፥ ወግሐ ፀብሓ ጨብጥናካ ዶ ኾልስናካ ዶ ዝብል ፈኸራ ኣብ ልዕሊኡ ተፈኺርሉ፥ እት ዝኸፈዐ ድማ እዝ ኩሉ ኣብ ልዕሊዑ እንዳተፈፀመ ሪኡ ከምዘይረኣየ ትም ዝመረፀ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ዝሓለወሉ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ብኣግዑ መልሲ ክረኽብ ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳነይ ብድምፀይ ከረጋግፅ እንትብል ኣብ ልዕሊ ካሎዖት ብሄር ብሄረሰባት ፅልዒ ስለዝሕደረ ኣይኾነን። ብኻልዖት ስለተጎደዐን ንመሰሉን ብሄራዊ ኽብሩን ጠጠው ዝበለ ፌዴራል መንግስቲ ስለዝሰዓነን እዩ። ከምቲ ሐዚ ዘለዎ እንተቐፂሉ ድማ ዛይዳ ክጉዳዕ እዩ፥ መጉዳዕቲ እንተብዚሕዎ ድማ ምጉድዳዕ ከስዕብ እዩ። ምጉድዳዕ ድማ ሰላም ይዘርግ፥ ምዝራግ ሰላም ድማ ንኹሉ ይትንክፍ። እንዳተጎዳዕዳዕኻ ምንባር ፈፂሙ ክምረፅ የብሉን። በቲ ካልዕ ገፅ ድማ መሰል ዓርሰ ዉሳነ ህዝቢ ምርግጋፅ ፀቢብነት ኣይኾነን፥ ፀረ-ዴሞክራሲ ኣይኾነን፥ ፀረ- ብሄር ብሄረሰባት`ውን ኣይኾነን። ናይ ህዝቢ መሰል ዓርሰ ውሳነ ምርግጋፅ ኣካል ዴሞክራሲያዊ መስርሕን መረጋገፂ ናይ ህዝቢ ውሳነን ጥራሕ ማለት እዩ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክገለፆ ዝፈተንኹ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ናብቲ ሰንሰን ዘበሎ ናይ ባርነት፥ ናይ ኣድልዎን ግፍዕን ኣሃዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዶ ተመሊሱ ከርፋሕ ናብር ይንበር ወይስ ከምታ ኽቡር መስዋኣቲ ከፊሉ ብሄራዊ ኽብሩ ዘረጋገፀ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ብሪፈረንደም ኣቢሉ ሃገረ ትግራይ ይመስርት ዝብል ክልተ መማረጺ እዩ ኣብ ዒድና ዝነሐ።

ከም ከማይ መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ምስረታ ዴሞክራስያዊት ሃገረ ትግራይ እምበር ከምቶም ሓደ ሓደ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝብልዎ መስረቲ ኢትዮጵያ ንሕና ኢና፥ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኮይና ክትቕፅል ርኡይ ተራ ተፃዊትና ኢና፥ እቲ ሐዚ ዝረዐ ዘሎ ወደኽደኽ ክዛሪ እዩ ዝብሉ ሕልው ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘገናዘበ ስለዘይኾነ ትክክል ኣይመስለንን። ጀማሪ ምዃን ካልዕ መስዋእቲ ዝኾንካላ ሃገር ሓሰረ-መከራ እንዳረኸብካ ምንባር ካልዕ። ደጊም ኢትዮጵያ ናብ መዋፅእ ዘየብሉ ፖለቲካዊ ረግረግ ኣትያ እያ። ትግራዋይ ዓይኑ እንዳረዓየ ካልዖት ናብ ዘብኹዕዎ ረግረግ ክዓቱ የብሉን። ብስሩ እባ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይን ትግራይን ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒን መከራን እንድሕር ሐዚ ዘይተሰቑሪና ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ኣንትበፅሖ እንተሎ ኢና ይኣኽል ክንብል? ስለዝኾነ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ኣስተንቲኑ ኣብ ሓደ መደምደምታ ክበፅሕ ኣለዎ። እንተ ኣነ ብጀጋኑ ኣሕዋተይን ኣሓተይን መስዋኣቲ ዝተረጋገፀ ብሄራዊ ክብረይ ክሕስሮን ኣብ ትሕቲ ኣሃዳዊ ስርዓት ተቖርንየ ክነብር ኣይመርፅን ኣይፈቕድን። ህዝቢ ትግራይ`ውን ዳግም ከም ከበሮ ቐሺ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ክውቓዕ የብሉን ። ክፈቕድ`ውን የብሉን።

ኣብዚ ሓደ ነገር ከይገለፅኽዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ኣሎ። ህወሓትን ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት ኣድማሳዊ ኣተሓሳስበዖም እርንብ ኣቢሎም ኣብ ትግራይ ስሉጥን ፍትሓውን ልምዓት፥ ናይ ሕጊ ልዕልነተን ተጠያቕነትን ኣራጋጊፆም እንተዝነብሩ ነይሮም እቲ ሐዚ ገጢሙና ዝነሐ ፈተና ኣብ ዝሓሸ ኹነታት ኾይና ንገጠምናዮ ኔርና። ግን ኣይኾነን። ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ብሪፈረንደም ዓቢሉ መሰል ዓርሰ ውሳነ ከረጋግፅ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብፍላይ ህወሓት ትዘዓበየ ሓላፍነት ኣለዎ።

እዚ ካበልኹ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዘረ ተግባራዊ ንምግባር ከም መበገሲ መስርሕ ዝኸውን ሓደን ክልተን ክብል።

1 - ነዚ ዝመርሕን ሓላፊነት ወሲዱ ገፋሕቲ መድረኻት እንዳማዓራረየ ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃዕን ዘሎ ትግራዋይ ፅንዓታዊ ፅሑፍ ዘቕረበሉ መድረኽ ዘመቻቹ ኣብ ትሕቲ መድረኽ ንምስረታ ሃገረ ትግራይ ብዝብል ቴማ ሓደ ኣድሆክ (ad hoc) ምምስራት የድሊ፥

2 - ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይን ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይን ብሪፈረንደም ኣቢልካ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ዘለዎም ቕዋም ንህዝቢ ግልፂ ክገብሩ ዝጉስጉስ፥

3 - ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ዋኒና እዩ ኢለን ዝተወደባ ፖለቲካዊ ውድባት ጉዳይ መሰል ዕርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ከምዝሪኤኦ ንህዝቢ ግልፂ ክገብራ ዝሓትት፥

4 - ሲቭክ ማሕበራት፥ ማሕበር ተጋደልቲ ኣካለ ጉድዓት ትግራይ፤ ማሕበር ሓረስቶት፥ ማሕበር መናእሰይ፥ ማሕበር ደቒ ተነስትዮ፥ ማሕበር ነጋዶ፥ ማሕበር ሰብ ሞያ ኮታስ ኩሉ ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ዘለዋ ማሕበራት እንዳረኸበካ ቕዋመን ግልፂ ንኽገብራ ቐሪቡ ምርድዳእ ዝፈጥር፥

5 - ናይ ሕጊ ሰብ ሞያን ናይ ታሪኽ ተመራመርትን፥ ሚድያታት ትግራይ፥ ዝተፈላለዩ ፎሮማት ትግራይ፥ ኣሰሰይቲ ዌብ ሳይታት፥ ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝነጥፉ ውልቐ ሰባትን ፅዕንቶ ፈጠርትን ኣድላይነት ምስረታ ዴሚክራሲያዊት ሃገረ ትግራይ ከመይ ከምዝሪእዎ ንህዝቢ ግልፂ ክገብሩ ዘተባብዕ፥

6 - ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ እምነት መራሕቲን ናይ እምነት ቕዋማትን ኣብዝ መስርሕ ሃናፃይ ግደ ስለዝፃወቱ ቐሪብ ዘርድእን መሓውሮም ኣብ ጥቕሚ እዝ ተልዕኾ ኽውእል ዝገብር፥

7 - ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃን ዘለዉ ሰብ ሓፍቲ ተረኦም እዙዝ ስለዝኾነ ዘስክፎም ነገር ከይሕሉ ግልፂ ዝገብርን ብቐረባ ዝሰርሕን፥

ቐድም ቐዳድም ኣድላይነት ሪፈረንደም ክንተኣማመን ባይታ ዝሓዘ ገፊሕ ምይይጥ ምክያድን ፅኑዕ ርዲዒት ምፍጣርን የድሊ። ድሕሪ ፅኑዕ ርዲዒት ምሓዝ ከመይ ኢሉ ተግባራዊ ይኸውን ናብ ዝብል ቐፃላይ ምዕራፍ ምስግጋር። ነዚ ኣብ ተግባር ዘውዕል ድማ ውዳበ የድሊ። እንትኾነ ህወሓት ትመርሖ እቱይ ምንታይ ሀ ኢላ ቓልሲ ክትጅምር እንተላ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ኣሽሓት መስዋእቲ ስለዝኸፈለትሉ እንተዘየለ ድማ እቲ እንዳሳሰየን እንዳነጠፈን ዝመፀ መሳለጢ መድረኽ ንምስረታ ዴሞክራሲያዊት ትግራይ ኣድሆክ (ad hoc) ሕጋዊ ውሕስነት ረኺቡ ክመርሖ ምግባር ይካዓል። ቀፃላይ ተልእኹዑን ስራሕትን ሓላፍነቱን ጥቕልል ብዝበለ መልኽዑ ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳነኡ ንምርግጋፅ ብሪፈረንደም ኣቢሉ ከድምፅ ምግባር ይኸውን።

ንሃናፃይ ሪኢቶኹም

rubakaza@gmail.com

 

 

 

Back to Front Page