Back to Front Page

ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ምዃን እዋናዊ ድዩ?

ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ምዃን እዋናዊ ድዩ?

ዮሐንስ አብርሃ (jhoniabraha@gmail.com)

6-20-19

 “ትግራይ ሃገር ምዃን ዝግባኣን ዘዋጽኣን ብሄር እያ” ብዝብል ርእሲ ብግርማይ በርሀ (ዓርከይን መማህርተይን) አብ ውራይና ዝቐረበ ጽሑፍ አንቢበዮ። ብፍላይ ህወሓት ንትግራይ ሓራ ምስ አውጸአት አብ ከባቢ 80ታትን ሕዚ ድማ ምስዚ አብ ሃገርና ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ተአሳሲሩ አብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ብዝተበታተነ መልክዕ ክዝረብ ዝጸንሐ  ሓሳባት እርኑብ ብዝኾነ መልክዕ ናይ መካትዒ ዓምድታት ሓዊሱ ብምቕራቡ ይበል ክብል ይደሊ። ከምዙይ ዓይነት ዝርዝር ዝበለ ናይ መካትዒ ጽሑፋትውን አብ ዝተፈላለዩ ርዕሰ ጉዳያት ብቐጻልነት ክቐርቡ አለዎም ዝብል እምነት አለኒ።

እዙይ ምስበልኩ አብቲ ብግርማይ ዝቐረበ ጽሑፍን ሓልሓሊፉውን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝቐርቡን ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ነጻ ሃገር ክትከውን አለዋ ዝብሉ ሓሳባት ዘይስማዕመዐሎም መበገስታትን መካትዒ ነጥብታትን ስለዘለዉ ሓሳበይ ከምዝሰዕብ ከቕርብ። ናብ ዝርዝር ሓሳባት ቅድሚ ምእታወይ ግን አንባቢ ክርድአለይ ዝደልዮም ቁም ነገራት አለዉ። ፈለማ አነ ብፌዴራሊዝም ዝአምን ሰብ እየ። ናይ ፌዴራሊዝም መስርሕ ድማ ክሻብ ዝወሃሃድ ንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝወስድን ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ እንተኾነውን ብተደጋጋሚ ጸገማትን ውጥጥን ዘጋጥምዎን መስርሕ እዩ። እቲ ካልአይ ዋላኳ አብ አመሰራርታ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ሕመቓት እንተሃለዉ እዚ ሐዚ እንርእዮ ዘለና ጸገማት ናይ መሪሕነት ጸገም እምበር ከምቲ ብሰፊሑ ዝግለጽ ዘሎ ኢትዮጵያ ትባሃል ሃገር ብባህሪኣ ከም ሃገር ንኹለን መንነታት ሒዛ ክትቅጽል ዘይትኽእል ፍጥረት እያ ዝብል እምነት የብለይን። ሳልሳይ አብ ምስረታ ፌዴራሊዝም ክሕለፉ ዝግብኦም ደረጃታት ምስሓለፍናን ህዝቢ ትግራይውን ከም አካል እቲ ፌዴራሊዝምን ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገር ከም ሃገር ክትቅጽል ዕዙዝ እጃም ከም ዝነበሮ ህዝብን ኮይኑ እንተብቅዕ ትግራይ አካል ኢትዮጵያ ኮይና ክትቅጽል ዘየኽእሉዋ ግሉጻት ዝኾኑ ብሔራዊ ወጽዓታት እንተተፈጢሮም ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ንምዃን አድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክትወስድ ይግባእ ዝብል እምነት አለኒ።

Videos From Around The World

እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ አብ ክልተ ክፍሊ ዝተኸፈለት እንትትኮን አብቲ ቐዳማይ ክፋል ትግራይ አብዚ ሐዚ እዋን ሃገር ክትኮን አለዋ ብዝብል አብ ዝቐረቡ ሓሳባት ዘለኒ አፋላላይ ብምቕራብ፣ አብቲ ካልአይ ክፋል ድማ አብ ዘለናዮ ምጽናሕ ዝህልዎ ረብሓታት ክድህስስ ክፍትን እየ።  

1.  ሃገር እናሃለወና ንምንታይ ሃገር ንምስርት?

ግርማይ አብ ጽሑፉ አድላይነት ምቛም ሃገር ትግራይ አብ ዝብል ርእሲ ሰለስተ ምኽንያታት አቕሪቡ አሎ። ንሳተን ድማ ግዝአታዊ ሓድነት ትግራይ ንምሕላው፣ ትግራዋይ ሙሉእ ዓርሰ ውሳነ ሃልይዎ ዕድላቱ ባዕሉ ክውስን ምግባርን፣ አብ ሓጺር ጊዜ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ምንጋፍን ዝብላ እየን።

እዘን ነጥብታት እዚአን አብ ትግራይና ክውናት ክኾና አነውን ሙሉእ ድልየት አለኒ። ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር እንተዘይኮይና ተግባራዊ አይኾናን አብ ዝብል ድምዳመ ምብጻሕ ግን ትኽክል አይመስለንን። ምኽንያታተይ ከብርህ። ነዙይ ክሕግዘኒ’ውን እዘን ዝቐረባ ዛዕባታት አብ ትግራይ ጥራሕ ድየን ዝለዓላስ አብቲ ዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያ’ውን ይግለጻ እየን? ናይ ትግራይ ግዝአታዊ ሓድነት ከይሕሎ ዝገብር ዘሎ እቲ ብዝተፈላለየ አጋጣምታት ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሓይሊ (ኤሊት) ድዩ ወይስ ብሓፈሻ እታ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘላ ኢትዮጵያን ህዝባን እዮም? ተጋሩ ባዕልትናኸ እዘን ማህሰይትታት እዚአን አብ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ከይበጽሓ አብ ምግባር ኢድና ጽሩይ ድዩ ነይሩ? ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ምምስራትከ እዘን ዝተጠቕሳ ዛዕባታት ብርግጸኝነት ክነውሕሰን ንኽእል ዲና? ዝብላ ሕቶታት ከቕርብ።

 እዘን ዝቐረባ ዛዕባታት አብ ትግራይ ጥራሕ ድየን ዝለዓላ ወይስ አብቲ ዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያውን ይግለጻ እየን?

እታ ካብ ሃጸይ ምኒሊክ ጀሚራ “ሙሉእ” ቅርጺ ዝሓዘት ኢትዮጵያ አብ ዝተፈላለዩ ጊዜታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ‘ግዛት፣ ራስ ገዝ፣ ክፍለ ሃገር፣ ክልል’ ወዘተ ብዝብል መጸውዒ ምስቲ ኩነታት ፖለቲካ ተአሳሲሩ ክረአ ዝኽእል ኮይኑ አብ ትግራይ ጥራሕ ዘይተወሰነ ሓደ ክፋል ኢትዮጵያ ናብ ካልእ ክፋል ክሕወስን ክቕነስን ጸኒሑ እዩ። ኢህወደግ ስልጣን ምስ ሓዘ’ውን ነታ ዓዲ ክጠቅም ይኽእል እዩ ኢሉ ዝሓሰቦ አብ “ስፍሕ ዝበለ ናይ ሓባራዊ ባህሊ ወይ ተመሳሳሊ ልምዲ፣ ዝረዳድኡሉ ናይ ሓባር ቋንቋ፣ ናይ ሓባር ወይ ድማ ዝተዛመደ ህልውና አለና ኢሎም ዝአምኑ ከምኡውን ናይ ስነ-ልቦና ሓድነት ዘለዎምን አብ ተመሳሳሊ ከባቢ ዝነብሩን” ዝተመርኮሰ ፌዴራላዊ መስርሕ መንግስቲ አታአታትዩ መንግስቲ ካብ ዝምስርት ንደሓር ድማ ብደረጃ ክልል ዘይነበረ ሓዱሽ ክልል (አብነት ዓፋር) ብምሕዋስ ብዙሓት ከባብታት ኢትዮጵያ ካብታ ቅድሚ ኢህወደግ ዝነበረት ኢትዮጵያ ዝመሓደሩሉ ዝነበሩ ናይ ምምሕዳር ወሰን ናብ ካልእ ወይ ድማ ናብ ከምብሓዱሽ ዝተጣየሸ ከባቢ ክጽንበሩ ተገይሩ እዩ። እተን አብ ትግራይና ብተደጋጋሚ ዝለዓላ ከባብታት’ውን በዚ መስርሕ እዚ ዝሓለፋ እየን ነይረን። ብድሕሪ ምስረታ ስርዓት ፌዴራል ዳርጋ አብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ብመጠኑ ዝተፈላለየ ይኹን’ምበር ምስ ግዝአት መሬት ዝተተሓሓዘ ግርጭት ዘይነበረለን ከባብታት አይነበራን። ናይቲ ሓዱሽ መስርሕ አካል ተገይሩ ስለዝተወሰደ ግን ንገሊኡ እናለመንካ ንገሊኡ እናፈራራሕካ ንገሊኡ ድማ እናለዘብካ ክኸየድ ጸኒሑ’ዩ። አብ ዝሓለፈ ዓመት ኢህወደግ ናይ አመራርሓ ለውጢ ካብ ዝገብር ንደሓር’ውን እንተኾነ እተን ጸገማት ንታ ናይ ፌዴራል ዋና ከተማ አዲስ አበባ ሓዊሱ አብ ኩለን አባላት እቲ ፌዴሬሽን እዩ ተራእዩ። ካብዚ ብምብጋስ እቲ ሕቶ ናይ ግዝአታዊ ሓድነት አብ ትግራይ ጥራሕ ዘነጻጸረ ዘይኮነስ አብቲ ሃገር አብ ኩሉ ከባቢ ዝነበረን ዘሎን ጉዳይ እዩ ምባል ይከአል እዩ። እሞ ደኣ ታይ ኮይንና ንበይንና ንገንጸል ንብል አለና? አብዚ ናይ ካልኦት ታይ ገዲሹና ናይ ባዕልና ንግበር፣ ንትግራይ አይተመቸዋን ማለት ንኻልኦት አይተመቸዎምን ማለት አይኮነን ስለዚ ናይ ባዕልና ንስራሕ ዝብል መካትዒ ሓሳብ ክለዓል ይኽእል እዩ። ርግጽ እዩ ካልኦት ከባብታት/ክልላት ኢትዮጵያ ሕቶ ሃገር ምዃን ስለዘየልዓላ ትግራይ ክተልዕል የብላን ዝብል መካትዒ ምናልባሽ ነዊሕ ዘይከኽይድ ይኽእል እዩ። ይኹንምበር ምስቶም አብ ታሕቲ እዚ ጽሑፍ እነልዕሎም ዛዕባታት ሓዊስና እንትንምዝኖ እሞ ድማ አብ በይንና ብዘይበጽሐ ጸገም ተደፋፊእና ንቕድሚት ክንርብሐሉ እንኽእለሉ መስርሕ ምብታንን ንነዊሕ ጊዜ ዝኸፈልናዮ ማእለያ ዘይብሉ ዋጋ ብላሽ ክተርፍ ምግባርን ተመራጺ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። እቲ ባዕልና (ተጋሩ) ግንባር ቀደም ኮይንና ዝመስረትናዮ ሥርዓተ-መንግስቲ እውን ኢና ባዕልና ንቃወሞ ዘለና።

 

ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ክትኮን አለዋ ንዝብል ክትዕ ከም መርትዖ ዝቐረበት እታ ካልአይቲ ምኽንያት “ትግራዋይ ሙሉእ ዓርሰ ውሳነ ሃልይዎ ዕድላቱ ባዕሉ ክውስን ንምግባር” ዝብል እዩ። ትግራዋይ ሙሉእ ዓርሰ ውሳነ ሃልይዎ፣ ዕድላቱ ባዕሉ ይወስን ዝብል ሓሳብ’ውን ብውነ እየ ዝቕበሎ። አብዚ ዘለኒ አፋላላይ ትግራዋይ ዕድላቱ ባዕሉ ክውስን ንምግባር ግድን ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ክንምስት’ዶ ንግደድ ዝብል እዩ። እዛ ሐዚ ዘላ ኢትዮጵያ (አብ ቀረባ ጊዜ ዝመጸ “አባ ኾወርያ” ከይሓወስና ማለት’ዩ) ፍልፍል ናይ ፌዴራል ስልጣን ክልላት (ብሔር ብሔረሰባት) ምዃነን፣ ብክልል ደረጃ ይኹን ብደረጃ ብሔር ክግንጸል እየ ዝበለ ሓይሊ ድማ መሰሉ ሕልው ምዃኑ አብቲ ሕገ መንግስቲ ተገሊጹ አሎ። አብዚ ክልተ ዋኒናት ፈሊና ክንርኢ ይግባእ ዝብል እምነት አለኒ። እቲ ሓደ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ ዝተውሃበ መሰል ብደረጃ ትግራይ ከመይ ንትግብሮ ኔርና ዝብል እዩ። እቲ ካልአይ ድማ ብደረጃ ፌዴራል ንትግራይ ግቡኣ ንኽፍጸመላ ተወከልትና ተራኦም ከመይ ይጻወቱ ነይሮም ዝብል እዩ።

 

እተን ንክልል ዝተውሃባ መሰላት ንአብነት ብደረጃ ክልል ትግራዋይ ዝመስሎ ክመርጽ፣ ዝመስሎ ክዛረብ፣ ዝመስሎ ምትእኽኻብ ከጣይሽን አባል ክኾንን፣ ኮታስ ኩለን ናይ ሰብአዊ፣ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰላቱ ብደረጃ ትግራይ ክሕሎ አብ ምግባር ብናይ ባዕልና ሕመቕ ዝተረፋ እንተዘይኮይነን ባዕልና ዝኸአልና ሃገር ስለዘይኮንና፣ ስርዓት ፌዴራል አተዓናቒፉና ዝብል ክትዕ ማይ ክቛጽር አይኽእልን።  ብተመሳሳሊ ብደረጃ ፌዴራል ንትግራይ ዝግብኣ መሰል አብ ምሕላው ብመሰረት መስርሕ ፌዴራል ብተወከልትና አቢልና ኢና እተን መሰላት ክሕለዋ ክንጽበየን። እቶም ዝውክሉና ዝነበሩ፣ ዘለውን ንቕድሚትውን ዝውክሉናን ተጋሩ እተን ዝግብኣና መሳላት አብ ምሕላው ዘቕረቡዎ ናይ ፖሊሲ ሓሳባት፣ ክትዓት፣ መማረጽታት፣ ቅዋማት፣ እንታይ ይመስል ነይሩ? አቕሪቦምከ ንትግራይ ንምህሳይ ተባሂሉ ዶ ተቐባልነት ስኢኖም? ተቐባልነት ምስ ሰአኑኸ ታይ ዓይነት መማረጽታት ሒዞም መጽዮም? እዚኦምን ተመሳሰልትን ሕቶታት ክሕተቱ ይግባእ ኢለ ይአምን። አብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዝነበራ ኩነታት ሓዲግና ቅድሚኡ ዝነበሩ መድረኻት ተወከልትና ዝተሳተፉሎም፣ በቲ ዝነበረ መስርሕ ድማ ነቶም ዝውሰኑ ውሳነታት ተቐቢሎም እናተግበሩ እዮም ጸኒሖም። እሞኸደአ ባዓልትና ፎቲና እንምርሐሉ እንምርሐሉ ብዝነበርና ሥርዓት ዝተረፈና ግቡእ ናይ ባዕልና ዓዲ እንተዘየጣይሽና አይንረኽቦን ምባል ክንድምታይ መእመኒ ይኾን?

 

ብሓፈሻ ብደረጃ ክልል ኮነ ብደረጃ ፌዴራል ተጋሩ ክንረኽበን ዝግበኣና እሞ ዝሰአንናየን መሰላት ብአውርኡ ብሕመቕና’ምበር ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ስለዘይኮነት እዩ ኢለ ንምውሳድ አይክእልን። አብ ክልቲኡ ደረጃታት ክንሰርሖም ዝግብኡና ስራሕቲ ብግቡእ ምስፈጸምና ደሓር አብቲ ክንበጽሖ ዝግበኣና ደረጃ ከይንበጽሕ ርኡይ ዝኾነ ደጋዊ (ብደረጃ ኢትዮጵያ) ጽዕንቶ እንትበጽሐና አብቲ ጊዜቲ ሃገር ናይ ምዃን አማራጺ ክረአ ይኽእል።

 

እቲ ሳልሳይ ዝቐረበ ምኽንያት ንትግራይ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ንምንጋፍ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ክትኮን አለዋ ዝብል እዩ። ትግራይ ወናኒት ሃፍታም ታሪኽን ንስራሕ ዝነጥፍ ህርኩት ህዝብን ዝሓዘት ክልል ከም መጠን ምዃና እቲ አብ ትግራይና ዝረአ ድሕረትን ብፍላይ ድማ ብርክት ዝበለ ክፋል ህዝብና አብ ትሕቲ ድኽነት ዝርከብ ምዃኑ ዓብዪ ጓሂ ዝፈጥር ጉዳይ እዩ። ብዝኾነ ይኹን መልክኡ ነዚ አብ ትግራይና ዘሎ ናይ ድኽነት ኩነታት ንምቕራፍ አብ ዝግበር ምንቅስቓስ’ውን ኩሉ ትግራዋይ ክረባረብን እጃሙ ከወፍን ይግባእ። እዚ ምስ በልኩ ግን ነቲ ትግራይ አብዚ ሓዚ እዋን ዘላቶ ኩነታት ኢኮኖሚ ዋና ተሓታቲ መን እዩ? ትግራይ ካብተን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ብዝተፈለየ ድያ ክትደኪ ተገይራ? መፍትሒኡኸ ታይ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ ይግባእ። ንዘን ሕቶታት ንምምላስ እውን እቲ ኩነታት ቅድምን ድሕርን ኢህወደግ ብዝብል ንርአዮ።

 

ካብ ሃጸይ ሚኒሊክ ጊዜ ጀሚሩ ክሳብ ደርጊ ትግራይ ብኢኮኖሚ ድኽምቲ ክትኮን ብስርዓት (systemic) ብዝኾነ አካይዳ ይስራሕ ከምዝነበረ አብዚ ዛዕባ’ዚ አቶኲሮም ዝተጽሓፉ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ገሊጾም እዮም። ስለዚ ድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮሐንስ ክሳብ 1984 ዋላኳ እቲ ምኽንያታቱ ዝተፈላለየ እንተኾነ ብደረጃ ሃገር ንትግራይ ንምድካይ ሽርሕታት ተሰሪሖም እዮም ዝብል ሓሳብ ይቕበሎ እየ። ኢህወደግ ድሕሪ ስልጣን ምሓዙ ግን እዚ ኩነታት አዝዩ ተለዊጡ እዩ። ዋላኳ ትግራይ ነቲ ማህሰይታ ክፍውስ ዝኽእል ሓለፋ እንተዘይተገበረላ ምስተን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ማዕረ ኢኮኖሚኣ ክተማዕብል ዘኽእል ኩነታት ተፈጢሩላ እዩ። ብናተይ እምነት ዋላኳ ምስቲ ዝነበረ ዕቱብ ድኽነት ንህዝቢ ትግራይ ናብቲ ላዕለዋይ ናይ ሃፍቲ ደረጃ ምብጻሕ ከቢድ እንተነበረ አብ 27 ዓመታት አብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብር ትግራዋይ ምንጋፍ ግን አይከአልን ነይሩ ዝብል እምነት የብለይን።

 

እዙይ ማለት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ባዓልናይ አብ ትግራይ ዝካየድ ኢኮኖሚያዊ ስራሕቲ ስለዝኾነ ምስቲ ካብ ፌዴራል ዝግበረሉ ድጎማ ሓዊሱ ዝሓሸ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል ነይሩ ዝብል እምነት አለኒ። ግርማይ አብ ጽሑፉ ብግልጺ ከምዝጠቐሶ፣ “ዓቕሚ ዘለዎ ሃብቲ ሰብ እንተዘይተሓዊሲዎ ዝሃለወ ጸጋታት እንተሃለወ ዝድለ ውጽኢት ክመጽእ አይኽእልን”። ብመሰረትዚ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እተን አብ ትግራይ ዘለዋ ዩኒቨርስትታት ምስቲ እቲ ክልል ዝጠልቦ ሓይሊ ሰብ ዝተማእኸለ ስልጠናታትን ናይ ፈጠራ ስራሕትን ክሰርሓ እንታይ ገይሩ? እቲ ካብ ትግራይ ኮነ ካብ ካልኦት ከባብታት ብዝተፈላለዩ ሞያታት ዝሰልጠነን ዝተምሃረን ትግራዋይ ንጸገም ትግራይ አብ ዝፈትሑ ዘፈራት ክዋፈርን እጃሙ ከወፍን እንታይ ዓይነት ምችው ኩነታት ፈጢሩ? አብ ትግራይ ቢዝነስ ናይ ምስራሕ ሃዋህው እንታይ ይመስል ነይሩ ወዘተ. ዝብሉ ሕቶታት እንትንሓትት አብዚ መዳይ’ዚ ክንድቲ ዝግብኦ እንተዝስራሕ ነይሩ ኩነታት ኢኮኖሚ ትግራይ ካብቲ ሐዚ ዘለዎ አዝዩ ዝበለጸ ክኸውን ከምዝኽእል ምዕዛብ ይከአል እዩ። ስሉዙይ ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ትኹን ዝብል ሕቶ ቅድሚ 1984 አብ ዝነበረት ኢትዮጵያ ናይ ኢኮኖሚ ማህሰይቲ ከም ሓደ ምክንያት ክውሰድ ይከአል ይኸውን። ድሕሪ 1984 አብ ዘላ ኢትዮጵያ ግን ብዞም አብ ላዕሊ ዘልዓልኩዎም ዛዕባታት ምኸንያት ማህሰይቲ ኢኮኖሚ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ከምሃገር ጠጠው ትበል ንዝብል ክትዕ ከም ተሪር መርትዖ ጌርካ ምውሳድ መእመኒ አይኾንን።       

  

1.1.         ናይ ትግራይ ግዝአታዊ ሓድነት ከይሕሎ ዝገብር ዘሎ እቲ ብዝተፈላለየ አጋጣምታት ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሓይሊ (ኤሊት) ድዩ ወይስ ብሓፈሻ እታ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘላ ኢትዮጵያን ህዝባን እዮም?

እዚ ሕቶ’ዚ አገዳሲ ሕቶ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ኮይና ትመስረት ንዝብል ክትዕ መሰረት ክኾን ስለዝኽእል። ድሕሪ 1984 ዘላ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ናይ ትግራይ ግዝአታዊ ሓድነት ከይሕሎ ትገብር አላ ዝብል ርኢቶ የብለይን (አብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ተጓንፎ ገዲፍና)። እቶም ምስ ግዝአት ትግራይ ተአሳሲሮም ዝለዓሉ ዘለዉ ዛዕባታት ጥቕልል አቢልካ እንትርአዩ ብአውርኡ ከም ክልል ካብ ክልል አምሓራ፣ ከም ሃገር ድማ ካብ አራት ኪሎ ዝለዓላ ጉዳያት እየን። እዞም ክልተ አካላት እዚኦም አብ ልዕሊ ትግራይ ዘውርድዎ ጽዕንቶን ዘብጽሕዎ ማህሰይትን ግን ኢትዮጵያ አብ ትግራይ አብጺሓቶ ኢልካ ምውሳድ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተጋነን ጌጋን እዩ። ንምንታይ እዩ ጌጋ ዝኾን ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ። ፈለማ እቲ አብ አራት ኪሎ ዘሎ መሪሕነት ብናይ ህዝቢ ቀጥታዊ ድምጺ ዝተመረጸ መሪሕነት አይኮነን። አመጻጽእኡ’ውን “ዘይስሩዕ”፣ ዘይልሙድን ብዙሕ ደርበሽበሽ ዝነበሮን እዩ። አብዝሓ ህዝቢ ኢትዮጵ ብቀጥታዊ ድምጺ ዝመረጾ መሪሕነት እንተዝኾን ምናልባሽ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ናይ ትግራይ ግዝአታዊ ሓድነት ከይሕሎ ይገብሩ አለዉ ዝብል ክሲ ክቐርብ ምኸአለ። ግን አይኮነን።

ብተመሳሳሊ እቲ ካብ ክልል አምሓራ ዝህቀን ዘሎ ፈተነታት ብናተይ እምነት ብውልቀ ቂም ተለዓዒሎም ሕነ ንምፍዳይ ብዝህደዱ ውልቀ መሪሕነታት እምበር ካብ ህዝቢ አምሓራ ዝተበገሰ እዩ ኢለ ክወስድ አይክእልን። ነዚ ከም መርትዖ ጌርና ክንውስዶ እንኽእል አብ ክልል አምሓራ አብ ዝተፈላለዩ ጊዜታት ምስ ነጋዶ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ምስቲ እቲ ተራ ህዝቢ ዝተገበሩ አኼባታት ነቶም መራሕቲ ትኽኽል ከምዘይኮኑ፣ ምስ ትግራይ ናብ ቅርሕንትን ግርጭትን ክአትዉ ከምዘይደልዩ ካብ ውሽጢ ይቃለሶም አሎ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ህዝቢ አምሓራ ሙሉእ ብሙሉእ ደላዪ ሰላም እዩ አይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ንብሙሉኡ ከም ጸላኢ ጌርካ ምፍራጅ ግን ድማ ጌጋ እዩ እየ ዝብል ዘለኹ። ብአንጻሩ ግን እቲ ዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያ ናበይ ገጽ ኢና ንምድቦ ዘለና? እቲ ዓፋረታይ እንታይ እዩ ገይሩ፣ እቲ ሶማልከ? እቲ አብ ደቡብ ዘሎ ወላይታ ኮነ ሲዳማ? ብሱሩኸ እቲ ሓረስታይ ኦሮሞታይ እቲ አብ ጎንደር ንተጋሩ ከይውቅዑ ሓቢኡ ዝሓዘ አምሓራይ ናበይ ጌርና ኢና ነቲ ሕመቕ ዘርአየ ውሱን ሰብ ግብረ መልሲ ያውም መሊሱ ነቶም ገበርቲ ሕመቕ ከሰውድ ዝኽእል ስጉምቲ  ንውሰድ ንብል ዘለና? ሓንቲ ስኒ ብዝሐመመትስ አፍ ምሕታም ወይ መንጋጋ ከምዘሎ ቆሪጽካ ምድርባይ ከም ማለት እየ ዝቖጽሮ አነ። እታ ዝሓመመት ስኒ እንተተሳኺዑ ክትጥዒ ምፍታን፣ እንተአብያ ድማ ፈሊኻ ምቡንቋር እምበር ዘይአበሰ አፍን መንጋጋን እተን ዝተረፋ ጥዑያት አስናንን ሓዊስካ ምድርባይ ቅኑዕ ፍትሒ አይመስለንን።

ካብ አምሓራ ንዝህቀን ፈተነታት መልሲ ንምሃብ ኢልና ካብ ኢትዮጵያ ተፈሊና ሃገር ንመስርት ንብል እንተሃሊና ነቲ ካብ አምሓራ ዝመጽእ ሓደጋ’ውን ምናልባሽ ዘየድልን ካብ ዝግብኦ ንላዕልን ነጋንኖ ከይንህሉ ምጥንቓቕ ከድሊ እዩ። ዋላ እቲ ብደረጃ ፌዴራል ከጋጥመና ዝኽእል ብድሆ’ውን ካብ መጋቢት 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ዝነበረ ናይ መጀመርታ 6 ወርሒን ብድሕሪኡ ዘሎ ጊዜን ዓብዪ አፋላላይ ከምዘለዎ ምዕዛብ ይከአል እዩ። እዚ ዘርእየና ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተረድኣ እንድሕር ከይዱ እቲ ጭቡጥ ኩነታት ሒዙ ዘዋጽኦ/ትኽክለኛ  (Rational) ውሳነ ክውስን ይኽእል እዩ። ትግራይ አይተገንጸለት፣ ናብ ስሩዕ ውግእ አይአተና ኢና ነዚ ውጽኢት ርኢናዮ። ቁሩብ አትርር አቢልና እንተሰሪሕና ድማ ዝሓሸ ውጽኢት ነምጽእ። ዝሐሸ ውጽኢት ንምርካብ ግን ካብ ቃልሲ ዘይምውጻእ፣ ንረብሓ ህዝቢ ደው ምባል፣ ምስ ኩነታት ምትዕጽጻፍ ከድሊ እዩ።

 

  1. ንምንታይ አብ ኢትዮጵያ ንጸንሕ?

ትግራይ ናይ ባዕላ ሃገር ምምስራት ዝብል አጀንዳ ሐዚ ጊዜኡ አይኮነን ዝብል ክትዕ ንምድጋፍ ዝተወሰኑ ምኽንያታት ከቕርብ።

2.1.         አብዚ ሐዚ እዋን ካብቲ ቅድሚ ሐዚ አብ ልዕሊ ትግራይ ዝበጽሕ ዝነበረ ጸገም ዝገደደ ኩነታት የለን።

አብ ላዕሊ ከምዝጠቐስኩዎ ብድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮሃንስ ክሳብ ደርጊ አብ ትግራይን ተጋሩን ዝበጽሕ ዝነበረ ማህሰይቲ ማእለያ ከምዘይነበሮ አብ ዝተፈላለዩ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ተሰኒዱ ይርከብ እዩ። አብቲ እዋን’ቲ ዝበጽሐና ማህሰይቲ ምስቲ ድሕሪ ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ዝበጽሐ ጸገም እንትወዳደር’ውን ብዓይነትን ብመጠንን ዘይወዳደርን አዝዩ ትሑትን እዩ። አብዚ ሓደ ግልጺ ክገብሮ ዝደልዮ ዋኒን ትግራይን ትግራዋይን ዋላ ሓንቲ ጸገምን ማህሰይትን ከይረኽቦም ጻዕርታት ክግበር ይግባእ ንዝብል ሓሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ይቕበል እየ። ትግራይ እትበሃል ሃገር ስለዝመስረትና ትግራይን ተጋሩን ዋላ ሓንቲ ጸገም አየጋጥሞምን ዝብል ሓሳብ ግን አይቅበሎን። ነዙይ’ውንዩ እቲ አብ ትግራይን ተጋሩን ዝወርድ ዝነበረ ጸገም እናቐነሰ እንተኸይዱ ንምንታይ ዳኣ ካብ ኢትዮጵያ ክንፍለ ደሊና ዝብል ሕቶ ዘለኒ። ምናልባት አብዚኣ ምስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሓዱሽ ናይ ኢህወደግ አመራርሓ ምምጻእ ተአሳሲሩ ዝተፈጠሩ ኩነታት ብምጥቃስ አብ ትግራይ ዝበጽሕ ጸቕጥን ጸገምን መአዝ ቀኒሱ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ። ብናተይ እምነት እዚ ሓዚ ዘሎ መልክዑ ዘይፍለጥ ኩነታት ጊዜያዊ እምበር ከምኡ ኢሉ ንውሕ ንዝበለ ጊዜ ክቕጽል እዩ ዝብል ርኢቶ የብለይን። ስለዝኾነውን ነዚ ሐዚ ዘሎ ኩነታት መሰረት ጌርና ትግራይ ናይ ባዕላ ሃገር ተጣይሽ አብ ዝብል ውሳኔ ምብጻሕ ትኽክለኛ አይኾንን።  

እዚ ሓዚ ዘጋጥመና ዘሎ ጸገም ካብቲ ባዕልና መሪሕ ኮይንና ዘጣየሽናዮ ሥርዓት ዝብገስ ከም ምዃኑ መጠን፣ እቲ ናይ ፌዴራል ስርዓት ብምጽፋፍን ብግቡእ ክፍጸምን ብምግባር ዝምለስ’ምበር ናይ ግድን ነጻ ሃገር ንመስርት ዘብል አይኮነን። እዙይ ንምግባር’ውን አብ ዓበይቲ ናይ ፖሊሲ ዛዕባታት ቀጸልትን ገፋሕትን ክትዓት ክግበሩ ይግባእ። ብተመሳሳሊ ምስ ግዝአታዊ ሓድነት፣ መሰል ዓርሰ ውሳነታትን ጉዳያት ኢኮኖሚ ሓዊሱ ዝለዓሉ ተዛመድቲ ጸገማት እቲ አብ ባይታ ዘሎ ሕጊ ብግቡእ ክንትግብር ስለዘይከአልና እምበር ቡሱሩ እታ ኢትዮጵያ ትባሃል ሃገር ጽግምቲ ስለዝኾነት አይመስለንን። ምናልባሽ አብዚ ናይ ቤልጅየም አብነት ምጥቃስ አገዳሲ ይኾን።  አብ ቤልጅየም ስርዓት ፌዴራል ዝጀመረ ቤልጅየም ነጻ ካብትወጽእ 1830ታት ጀሚሩ እዩ። እታ ዓዲ ሐዚ ሃፍታማት ካብ ዝበሃላ ሃገራት ዓለማት ተራ እትስለፍ እያ። ይኹንም’በር ብፍላይ አብ ሞንጎ ፍላሚሽን ዋሎንን ዝኸፍኣ ብሔር ተኮር ውጥጥ እናሃለወ አይተፈላለዩን። የግዳስ ንፈለ ዝብል አኽራሪ ሓይሊ ናብ መሪሕነት ከይመጽእ ዝኽልክል Cordon sanitaire ዝብል መስርሕ አቐሚጦም ብሓባር ይነብሩ አለዉ።

ብሓፈሻ አብ ዝሓለፉ ሥርኣታት ካብዚ ሐዚ በጺሑና ዘሎ ጸገምን ጸበባን ዝገደደ ጸገም ዋላ እንተበጽሐና ፈቲሕናዮ’ምበር ንፈለ ናብ ዝብል ውሳነ አይከድናን።

 

2.2.         ካብ ታሪኽና ክንሃድም የብልናን?

ናይ ኢትዮጵያ መሰረት መንግስትን ስልጣነን ብአውርኡ አኽሱም (የሓ) እዩ ኢለ እየ ዝአምን። ብድሕሪ አኽሱም’ውን ንኢትዮጵያ ካብ ባዕዳዊ ወራር ብአውርኡ ተኸላኺሉ ዘጽንሓ ህዝቢ ትግራይ እዩ ኢለ ይወስድ።  “ዘበናዊት” ኢትዮጵያ አብ ምህናጽን ናይታ ሃገር ናይ ድሕረትን ድኽነትን ታሪኽ አዝዩ ንኽቕየር አብ ምግባርን እቲ ትግራዋይ ዕዙዝ ግደ ነይሩዎ ኢለ ይአምን። እቲ ሐዚ ከም ሐዱሽ እንጥቀመሉ ዘለና ስርዓት ፌዴራሊዝም እንተኾነውን ዋላኳ ከምቲ ሐዚ ዘሎ ብተነጻጻሪ ንጹር አይንበር እምበር ሃጸይ ዮሃንስ እዮም ፈሊመሙዎ ዝብል አረአእያ አለኒ። ንናይ ጎጃም ንጉስ ተክለሃይማኖት ማሪኾም ናብ ሚኒሊክ ገጾም ምስ ገበሩ ዕርቂ ይገበር ተባሂሉ አብቲ ዕርቂ ዘቐመጡዋ እታ ዋና ዋኒን ሃጸይ ሚኒሊክ ናይ ሃጸይ ዮሃንስ መሪሕነት (ንጉሰ ነገስትነት) ክቕበሉን ዝግብኦም ግብሪ ክኸፍሉን፣ አብታ ግዝአቶም (ሸዋ) ግን ንጉስ ኮይኖም ከመሓድሩ ዝብል እዩ ነይሩ (Federalism in Practice!) ። ብደረጃ ሃይማኖት’ውን እኒ ኢዛና ሳይዛና (አብርሃ አጽብሃ) ካብ ትግራይ እናተበገሱ ቤተ ክርስቲያን ዘይሰሩሑሉ ከባብታት ኢትዮጵያ ዳርጋ የለን። ብሃይማኖት ምስልምና ቅዱስ ቦታ ተባሂሉ ዝፍለጥ አልነጃሺ’ውን ከምኡ። ስለዝኾነ ካብታ ኮስኲስና ዘዕበናያ ኢትዮጵያ ዘይተስማዕምዖ እንተሃልዩ ይፈለ’ምበር ብአውርኡ ብናይ ባዕልና ሕመቕ ብዝተፈጠሩ ውሱናት ጸገማት ካብቲ ናይ ባዕልና ታሪኽ እንሃድመሉ ምኽንያት አይህሉን።

2.3.         ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ስለዘቖምና ጥራይ እተን ዝተለዓላ ጸገማት ከምዝፍታሓ ምንም መረጋገጺ የብልናን፣

ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ክትኮን ይግባኣ ንዝብል ክትዕ ከም ምኽንያት ንዝቐረባ ሰለስተ ዋና ዋና ነጥብታት በመገሲኣን ሃገር ናይ ምዃንን ዘይሙዃንን ዘይኮነስ ብአውርኡ ነቲ ዘሎ መስርሕ ብዝግባእ ክንትግብር ብዘይምኽአልና ከምዝኾነ አብ ላዕሊ ጠቒሰ አለኹ። ሐዚ ድማ ትግራይ ከም ሃገር ትቑም እንተበልናውን ናይ ትግራይ ከም ሃገር ምቛም ጥራሕ መፍትሒ ክኾን ከምዘይኽእል አሕጽር አቢለ ከቕርብ። አብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ አብ ሞንጎ ደገፍቲ ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ምፍሕፋሕ ኩልና ንዝክሮ እዩ። አብቲ ጊዜቲ አብታ ዋና ከተማና መቐለ ተፈጢሩ ዝነበረ ተጓንፎ’ውን አይርሳዕን። ንኒ እገለ ውጹልና ምባል ተጀሚሩ ነይሩ። ካብ ማእኸል ዓዲ ናብ ዓድግራት ዝሓልፉ ተጻወትቲ’ውን ብመቐለ ገይሮም ክሓልፉ ስለዘይከአሉ ብአኽሱም-ዓድዋ ገይሮም ናብ ዓድግራት ክአትዉ ተገይሩ ነይሩ። እዛ ሓጻር ተጓንፎ እዚኣ ምስቲ አብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ተጋሩ ይውጽኡልና ብዝብል ዝጀመረ ምስጓጉን ምምዝባልን ብዝተወሰነ መልክዓ ተመሳሳሊት እያ ነይራ። የግዳስ ወዮ ጽልኢ ዝደለየ ምኸንያት ስለዘይስእን እምበር አብ ሞንጎ ተጋሩ ንጽልኢ ዘብጽሕ ፍልልይ ዘየለ እናሃለወ ከምዚ ዓይነት ተጓንፎ ምፍጣሩ መስደመም እዩ ነይሩ። በቲ ኻልእ ገጽ ግን እቲ አብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ተጓንፎ ከይቕጽልን ከምዚ ዝአመሰለ ነውራም አተሓሳስባን ተግባርን ብዕሸሉ ክቕህምን አብ ምግባር ናይቲ ህዝቢ እጃም ከምዘሎ ኮይኑ እቲ መሪሕነት ርኡይ ተራ እዩ ተጻዊቱ።

ብአንጻሩ አብተን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵ ተፈጢረን ዝነበራን ዝቐጸላን ተግባራት አብ ክንዲ ምዝሓል ተጓሃሂረን ክቕጽላ ናይተን ከባብታት መራሕቲ ርኡይ ተራ ይጻወቱ ነይሮም። ከበድቲ ክሳራታት’ውን በጺሖምን ይበጽሑ አለዉን። እዙይ ዘርእየና ዓይነት፣ ክእለትን መንነትን መሪሕነት ዝህልዎ ተራ ክንድምታይ ወሳኒ ምዃኑ እዩ።  ብደረጃ ፌዴራል ዝለዓሉ ተመሳሰልቲ ዋኒናት’ውን ምስቲ አብ መሪሕነት ዝቕመጥ አካል ጥንካረ፣ ብስለትን ክእለትን ዝምዘን እምበር አብ ትግራይ ምስ ዝህሉ ጽልኢት ጥራሕ ምትሕሓዝ ግጉይ ይመስለኒ። ስለዝኾነ ንሕመቕን ጽንፈኛ አተሓሳስባን ዘይሓቁፍ መሪሕነት እንተዘይሃልዩ፣ ትግራይ ከም ሃገር ምጥያሽ ጥራይ እተን እንፈርሐን ዛዕባታት አብ ትግራይና ከይመጻ መረጋገጺ ክኾን አይኽእልን። ነዚ ናይ ሕመቕ አተሓሳስባ ክሓቁፍ ዘይኽእል አመራርሓ ብደረጃ ሃገር ክመጽእ እንተጌርና ድማ እቲ ብሃገር ደረጃ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ክንቅንስ ንኽእል ማለት’ዩ። ሕመቕን ህውከትን ዝሓቁፍ አመራርሓ አብ ውሱናት ክፋላት እታ ሃገር ዋላ እንተሃለዉ’ውን ውሑዳት (minority) ስለዝኾኑ ብደረጃ ሃገር እዙይ እዩ ዝበሃል በደል ዘይከብጽሑ ይኽእሉ እዮም።

ምስዚ ተአሳሲሩ ክለዓል ዝግብኦ አገዳሲ ዛዕባ ዝመስለኒ ብፍላይ እዚ ሐዚ ካብ ክልል አምሓራ ዝረኣ ዘሎ ምውጥዋጥ ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ምስ ኮነት ብኸመይ እዩ ክውገድ ዝኽእል ዝብል እዩ። (ብደረጃ ፌዴራል ዘሎ ዘይምዕሩይ ዕርክነትን አካይዳን ብዙሕ ዕድመ አይህልዎን ዝብል እምነት ስለዘለንን፣ ከም ሓደጋ ክንቆጽር እንድሕር ኮይንና ዋላኳ ፍሉይ ኩነታት ዝፈጠሮ እንተኾነ ካብ አምሓራ ክመጽእ ዝኽእል እዩ ዝኾን)። ምናልባሽ ብኢኮኖሚ፣ ወታሃደራውን ናይ ቴክኖሎጂ ጸብለልታ ምሓዝ ዝብል መልሲ ክመጽእ ይኽእል እዩ። እዚ መልሲ’ዚ ንሕና (ትግራይ) ብኹለመዳይ ንቕድሚት እናተሃንፈጽና ካልኦት ኢዶምን እግሮምን አጣሚሮም ኮፍ ክብሉ እዮም ዝብል (Naοve) ዝኾነ ሓሳብ ዝሓዘ እንትኾን፣ ዋላ ብብዙሕ መልክዑ ጸብለልታ እንተሃለወናውን ምስ ጎረቤት ዝህሉ ኩነታት ሰላም ኩሉ ጊዜ ብጉልበት ክመጽእ ስለዘይኽእል ዘይሩ ዘይሩ ናብ ክልቴአዊ ዝርርብ ምምጻእ አይተርፍን። እዙይ እንተዘይኮይኑ ትግራይ ድሕሪ ሃገር ምዃና ኢትዮጵያ ስጋብ ቀረባ እዋን አብ ሱማልን ኤርትራን ትኽተሎ ዝነበረት ፖሊሲ ዓይነት አካይዳ ክንክተል ክንግደድ ኢና ማለት’ዩ። ረብሑኡ ግን ክንድቲ ዝድለ ዝኾን አይመስለንን። ስለዚ ዳሓር ክንዘራረብ እንተኾይንና ንምንታይ ሐዚ ዘይንገብሮ?

2.4.         ዓለማዊ ኩነታት፣

ባዕላ ዝኸአለት ሃገረ ትግራይ ምምስራት ሐዚ ግዚኡ አይኮነን ኢለ ዝካትዓሉ እቲ ካልእ ዛዕባ ህልዊ ኩነታት ዓለም (Global Trend) እዩ። ዓለምና ከመይ እያ ትኸድ ዘላ? አብ ዝቕጽሉ 20-30 ዓመታት ናይ ዓለምና ዋና ዋና ተዋነይቲ በብዝሒ ህዝቢ፣ ኢኮኖሚን ቴክኖሎጂን ባዕልቶም ናብ ዓበይቲ መንግስታት (Empires) እናቐየሩ ዝኸዱ ዘለዉ ከምኒ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ፣ ቻይና፣ ህንዲ ከምኡውን ሕብረት አውሮፓ ዝአመሰሉ አካላት ከምዝኾኑ አብ ዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕቲ ዘፈራት ዝወጹ ጽሑፋት የረድኡ። እተን ዝተረፋ ሃገራት እጃም አይህልወንን ማለት አይኮነን። የግዳስ ከምቲ ሐዚ ዘለወን ጉልበት አይህልወንን ማለት እዩ። እዘን ኢምፓየርስ እዚአተን አብ ዝጻወታሉ መይዳ አቲና ኢና ክንጻወት ክንፍትን፣ አይኮነንዶ ናብ ደረጃ ትግራይ ወሪድናስ ብደረጃ ኢትዮጵያ እኳ ጋዶ። አብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ንእሽተይ እንተኾይንኻ ንእሽቶይ ኢኻ። ብኢኮኖሚ እንድሕር ዓቢና ዕዙዝ እጃም ክህልወና ይኽእል እዩ ዝብል ክትዕ ክላዓል ይኽእል እዩ። እዙይውን ግን መትሓጃ ክኾን አይኽእልን። ዓለም ናብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንትትከድ እተን ናእሽቱ ዓድታት ዝህልወን ናይ ኢኮኖሚ ዕብየት ብዘየገድስ ብደረጃ ዓለም አብ ዝህልዉ አጀንዳታት ዝህልወና እጃም አዝዩ ትሑትን ውሱንን እዩ ዝኾን።  

  1. መደምደምታ፣

አብዛ ሐዚ ዘላ ኢትዮጵያ ትግራይን ተጋሩን ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እቲ አብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ጸገም ዋላኳ አብ ተጋሩ ጥራይ ዘተኮረ እንተዘይኮነ፣ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ጸገም ብኸመይ ንፍትሓዮ ንዝብል ሕቶ ከም ሓደ መፍትሒ ተገይሩ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ናይ ባዕላ ሃገር ተቑም ዝብል እዩ። እዚ ከም መፍትሒ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ’ዚ ግን ግልጺ ዘይገበሮም ዛዕባታት አለዉ። መጀመጀርያ እቲ ጸገም ዝፈጥረልና ዘሎ እቲ ኢትዮጵያ አብዚ ሐዚ እዋን እትኽተሎ ዘላ ሥርዓት ፌዴራሊዝም ድዩስ ብሱሩ እታ ኢትዮጵያ ትባሃል ሃገር እያ ዝብል እዩ። እቲ ጸገም ዘምጽእ ዘሎ ሥርዓት ፌዴራሊዝም እዩ ዝብል እንተኾይኑ፣ እዚ አብ ኢትዮጵያ ተተኺሉ ዘሎ ሥርዓት ፌዴራሊዝም ባዕልና (ተጋሩ) ቅድመ ግንባር ኮይንና ዝተኸልናዮ ሥርዓት እንድዩ ንኢትዮጵያ ታይ ግበሪ ንብላ አለና ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ብኻልእ ገጽ ዋላኳ ትግራይ ባዕላ ዝኸአለት ሃገር ትኹን እንተተባህለ አብ ውሽጢ ትግራይ ዝተፈላለዩ መንነታት ስለዘለዉ ዘይሩ ዘይሩ ሥርዓት ፌዴራሊዝም ምትካልና አይተርፍን ዝብል ሞጎት ዘስዕብ እዩ። ስለዝኾነ ስርዓት ፌዴራሊዝም ጸገም ፈጢሩልና ዝብል ክትዕ መእመኒ አይኾንን።

ሥርዓት ፌዴራሊዝም ዘይኮነስ እታ ኢትዮጵያ ከም ሃገር እያ ጸገም ፈጢራትልና ከይንብል ድማ ኢትዮጵያ ናይ ልዕሊ 80 ዝተፈላለዩ መንነታት ሃገር ከም መጠን ምዃና እዞም 80 መንነታት አብምንታይና ውዒሎም ንዝብል ሕቶ አዕጋቢ መልሲ ዝህሉ አይመስለንን።  ኬድና ኬድና ብዝተወሰነ መልክዕ ኦሮሞ፣ ብአውርኡ ድማ አምሓሩ ጸገም ይፈጥሩልና አለዉ ናብ ዝብል መደምደምታ ኢና ክንበጽሕ። ምስ አምሓሩ ታሪኻዊ ዝኾነ ንሕንሕ ዘለና ምዃኑ ግልጺ እዩ። ይኹንምበር ካብዚ ኩሉ ኢትዮጵያ ሓደ ብሔር ጸገም ይፈጥረለይ አሎ ኢልካ ካብታ ክፋል ታሪኽና ዝኾነት ሃገር ንገንጸል ምባል ከም ተጋሩ ነቲ ዘጋጥመና ዘሎ ጸገም ትኽክለኛ ዘይኮነ መበገሲን ግጉይ ዝኾነ መፍትሕን ከም ምቕማጥ እየ ዝርእዮ።

ስለዝኾነ እቲ ዘጋጥመና ዘሎ ጸገም ብአውርኡ ንሕና ተጋሩ ባዕልትና ክንሰርሖም ዝግቡኡና ሥራሕቲ ብግቡእ ብዘይምስራሕና ዝመጹ ጸገማት ምዃኖም አሚንና፣ ታሪኽ ኢትዮጵያ ታሪኽ ትግራይ ምዃኑ ወሲድና፣ እቲ ሐዚ ዘሎ ዓለማዊ ኩነታት ዓብይን ጥንኩርን እምበር ንኡሽተይ ምዃን ከምዘየዋጽእ ተገንዚብና፣ እቲ ከም መፍትሒ እንኽተሎ አንፈት ድማ ብርግጽ ነቶም ጸገማትና ክፈትሕ ከምዝኽእል አረጋጊጽና ብፍላይ አብ ምልዋጥ መነባብሮ ተጋሩ ዘተኮሩ ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳራዊ ስራሕትን አተኲርና ክንትግብር ይግባእ።   

Back to Front Page