Back to Front Page


Share This Article!
Share
ሕቶ ዋንነት ስራሕ ባንኪ ክልላዊ መንግስታት፡- ሕገ መንግስታዊ መሰል ዓርሰ ውሳነ ልምዓት? ወይስ ሓለፋ?

 

ሕቶ ዋንነት ስራሕ ባንኪ ክልላዊ መንግስታት፡- ሕገ መንግስታዊ መሰል ዓርሰ ውሳነ ልምዓት? ወይስ ሓለፋ?

ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ገብረሚካኤል

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቤት ትምህርቲ ሕጊ

 

(Email: atakilti.haileselassie@gmail.com)

ሕዳር 2011 ዓመተ ምሕረት

 

ብልምዓታዊ መንግስቲ ስርዓተ ኢኮኖሚ ዝምራሕ መንግስቲ ኢህወዳግ ብብሕትኡን (Monopoly) ንውልቀ ዘፈር ኣብ ዝተፈቐደን ካብ ዝሓዞምን ዘንቀሳቕሶምን ቀንዱ ዘፈራት ኢኮኖሚ ፋይናንስ እቲ ወሳናይ ግዴ ዝፃወት ክፍለ ኢኮኖሚ እዩ። ኣብዚ መዳይ ዴማ ዘፈር ስራሕ ባንኪ ዝርከቦ እንትኸውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕዳጋ ዘፈር ስራሕ ባንኪ ብባንኪ ንግዱ ኢትዮጵያ ጥራሕ ልዕሊ 65 ሚኢታዊ ዝለዓለ ብፅሒት ዕዳጋ ፌደራል መንግስቲ በይኑ ወኒንዎ ዝርከብ እዩ። እዚ ተታሒዙ ዘሎ መንግስታዊ ዋንነት ስራሕ ባንኪ ብፌደራል መንግስቲ ጥራሕ ኮይኑ ብክልላዊ መንግስታት ዝውነን ስራሕቲ ባንኪ የለን ተባሂሉ ክዴምደም ይከኣል እዩ። ኣብዞም መንግስቲ ፌደራል ዝውንኖም ትካላት ፋይናንስ ይኹኑ ካልኦት ትካላት ንግዱ መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ብፅሒት ኣክስዮን የብሎምን። ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ትግራይ ናይ ባዕላ ክልላዊ መንግስቲ ዝውንኖም ባንኪታት [ባንኪ ልምዓት ወይ ባንኪ ንግዱ ወይ ኣብ ኣታዊ ወፃኢን ንግዱ ዝነጥፍ ባንኪ (ImportExport Bank- Exim Bank)] ስለ ዘይብላ ኣብ ክልልና ንዝስርሑ ወሰንቲ ልምዓታት ፋይናንስ ንምቕራብ ዝተፈላለየ መልክዓት ዘለዎም ዕንቅፋታት ይገጥሙን ካብቶም መንግስቲ ፌደራል ዝውንኖም ልምዓትን ንግዴን ባንኪታት ዴማ ቅሉዕ ዝኾነ ዳልዋ ይበፅሕ ከም ዘሎ ብምግንዛብ ሕቶ ምጥያሽ ክልላዊ ባንኪ ትግራይ ብግደሳት ተጋሩ እናተልዓለ ኣብ ዝተፈላለዩ መዴረኻት እናተዘተየሉን ሓውሲ ጎስጓስ እውን እናተገበረሉን ፀኒሑ እዩ። ብሓፂሩ ንልምዓትና ብርኪ ክኸውን ዝኽእል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብብሕቱ ወይ ብክፋል ዝውንኖ ክልላዊ ስራሕ ባንኪ ዘካይዴ ትካል የሃልወና ዝብል ሕቶ እዩ። ብወገነይ ካብቶም ንስትራቴጂያዊ ልምዓት ትግራይ ዝሓንቁ መሕልኻታት ዝኾነ ሕፅረት ቀረብ ፋይናንስ ዘቃልል ስራሕ ባንኪ ክህልወና ዝደልዩ ተጋሩ ሓደ እየ። ካብቲ ሐዚ ገጢሙና ዝኒሀ ፖሊቲካዊን ዘርኣዊን ተኮር ዝኾነ ፀቕጢታት ወፃኢ ዝኾነ ብመስርሕ ሕጊ ምሕደራ ፋይናንስን ባንኪን ተሞርኪሱ ስትራቴጂያዊ ጠመተ ገይሩ ብፍትሓውነት ንልምዓት ትግራይ ፋይናንስ ዘቕርብ መንግስቲ ትግራይ ዝውንኖ ትካል ባንኪ ትግራይ የዴሊ እዩ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ኣለኒ። ካብዚ ሓሳብ ብምብጋስ ነዚ ገዚፍ ዕላማ እንነጥፍ ኣብ ዝተፈላለየ መደረኽ እንነጥፍ ወገናት ኣብ ባይታ ዘሎ ሕጋዊን ፖለቲካውን ሓቂ ብጭቡጥ ተረዱእና ምእንታን ክንወፍር ዋንነት ስራሕ ባንኪ ሐዚ ይስረሐሎም ብዘለዉ ሕጋዊን ፖለቲካዊን መስርሓት ኣመልኪቱ እንታይ ከም ዝመስል ንምርኣይ እዛ ትስዕብ መብርሂ ኣቕሪበ ኣለኹ። ብቐፃሊ ዴማ ፋይናንስን ስነ ቁጠባን ሰብ ሞያ ሓዊስና ስፍሕ ብዝበለ መዴረኽ ናይ ኩሉና ዛዕባ ገይርና ክንዛተየሉን ብዝርዝር ፅንዓት ኣማዕቢልና ናብ ዓወት ንክነሰጋግሮን እዛ ሓፃር ፅሑፍቲ መበገሲ ክትከውን ተስፋ ይገብር።

Videos From Around The World

ብመሰረቱ ናይ ክልልን ፌደራልን መንግስታት ዝተፋላለዩ ትካላት ንግዱ (Public Enterprises) ብምጥያሽ ኣብ ስራሕቲ ንግዱ ክዋፈሩ ከም ዝኽእሉ ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊ ዳሞክራሲያ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ (ፌዳሪኢ) ዝፈቅዴ እንትኸውን እዚ እንትገብሩ ሕዴሕድም ክህልውዎም ብዛዕባ ዘለዎም ስልጣን ታክስ ኣመልኪቱ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 97-100 ኣብ ዘለዉ ዓንቀፃት ተደንጊጉ ይርከብ። መንግስቲ ፌደራል ትካላት ንግዱ ብምጥያሽ ዝሰርሐሉ ዝርዝር መስርሕ ሕጊ ቁፅሪ ኣዋጅ 25/1984 ዓ/ም ትካላት ንግዱ መንግስቲ (Proclamation No. 25/1992) ብዝእዝዞ መስርሕ ተመስሪቱ እዩ። መንግስቲ ዝውንኖም ትካላት ንግዱ ዝጣየሽሉ፣ ዝሰርሑሉን ዝመሓዳደሩሉን መስርሕ ብዝርዝር ዘቐምጥ እንትኸውን በቢዘፈሩ ዝወፁ ሕጊታት ዘቐምጥዎም መገደዴቲ ቅዴመ ኩነታት ዴማ ኣማሊኦም ክርከቡ ይግደደ። እዚ ኣዋጅ ቅዴሚ ምውፃእ ፌዳሪኢ ሕገ መንግስቲ ዝወፀ ኮይኑ ክሳዕ ሐዚ ምንም ዓይነት ምምሕያሽ ከይተገበረሉ ብሙሉእነት ዝፍፀም ዘሎ ሕጊ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ባንኪ ንምክያዴ ዝፍቀደሉን ቁፅፅር ዝግበረሉን መስርሕ ዝጥምት ሕጊ (Regulatory Legal Framework) ዴማ ስራሕ ባንኪ ኣዋጅ ቁፅሪ 592/2000 ዓ/ም (Banking Business Proclamation No. 592/2008) ምስ መጣየሺ ኣዋጅ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 591/2000 ዓ/ም (National Bank of Ethiopia Establishment Proclamation No. 591/2008) ብሓባር እዩ። እዚ መስርሕ ሕጊ ውልቀ ሰባት ይኹኑ መንግስቲ ስራሕ ባንኪ ንምውናንን ንምስራሕን ዝፍቀደሉን ቁፅፅር ዝግበረሉን ዝርዝር መስርሕ ዘቐምጥን እዚ ንምቁፅፃር ስልጣንን ሓላፍነትን ዝተውሃቦም ተቖፃፀርቲ ኣካላት መንግስቲ እውን ዘቐምጥን እዩ።

 

ብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተሓበሩ ኣብ ተፈፃምነት ዘለዉ መስርሕ ሕጊታት ዋንነትን ገደብ ትሕዝቶ ኣክስዮንን ስራሕ ባንኪ ብዝምልከት ብሓፈሻ ዝተመቐመጠ ዴንጋገ ሕጊ እንታይ ይመስል? መሰል ክልላዊ መንግስታት ዋንነት ስራሕ ባንኪ ኸ እንታይ ዓይነት ሕጋዊ መሰረት ኣለዎ? ንዝብል ሕቶ ቀፂሉ ብዝርዝር ንምብራህ ክፍትን እየ። ስራሕ ባንኪ ዓብዪ መጠን ካፒታል ዝጠልብ፣ ኣብቲ ኢኮኖሚ ብዘለዎ ወሳናይ ግደን መንግስቲ ንዘሰጉሞ ፖለቲካ ስርዓተ ኢኮኖሚ ብዝጥዕሞ ንምዝዋርን ተሓሳቢ ተገይሩ ብዘይካ መንግስቲ ብውሑዳት ውልቀ ሰባትን ብናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ወይ ባንኪታት ክውነንን ክስራሕን ኣይፍቀዴን። ኢትዮጵያዊ ዜግነት ዘይብሎም ትውልደ ኢትዮጵያውያን ወገናት እውን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ባንኪታት ኣክስዮን ክውንኑ ኣይኽእሉን። ካብ መንግስቲ ጀሚሩ ክሳብ ውልቀሰባትን ኣዝማዴን መን ክንደይ መጠን ዘለዎ ብፅሒት ኣክስዮን ባንኪ ክውንን ይኽእል ዝብል ብሕጊ ተዘርዚሩ እዩ። ወፃእተኛታት፣ ብኽፋል ወይ ብሙሉእነት ኣብ ትሕቲ ዋንነት ወፃእተኛታት ዘለዉ ኩባንያታት ወይ ናይ ካልኦት ሃገራት ባንኪታት ኣብ ኢትዮጵያ ባንኪታት ወይ ጨንፈራት መስሪቶም ክሰርሑ ኣይኽእሉን። ካብዚ ሓሊፉ ወፃእተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጣየሹ ባንኪታት ኣክስዮን ክውንኑ ኣይኽእሉን። እዚ ግን ኣብቲ ሕጊ ዝተቐመጠ ስርዓት እምበር ኣብ ባይታ ብጭቡጥ እንታይ ከምዘሎ ዝተፀነዏ መደምደምታ ከም ዘይኮነ ርደእ ይገበር።

ስራሕ ባንኪ ኣዋጅ ቁፅሪ 592 / 2000 ዓንቀፅ 11 ገደብ ትሕዝቶ ኣክስዮን ኩባንያ ባንኪ ብዝምልከት እዚ ዝስዕብ ዴንጋገ የቐምጥ ። ብዘይካ መንግስቲ ፌደራል ዝኾነ ሰብ 1 (no person other than the Federal Government of Ethiopia) ብውልቅኡ ይኹን ምስ በዓልቲ ቤቱ ወይ ዴማ ዕዴመኦም ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ዝኾኖም ብቀዳማይ ብርኪ ዝዛመድም ሰባት ብሓባር ብምዃን ናይ ዝኾነ ይኹን ባንኪ ካፒታል ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢታዊ ብፅሒት ኣክስዮን ክህልዎ ኣይኽእልን ብምባል መገደዱ ብዝኾነ ቋንቋ የቐምጥ። መሰል ክልላዊ መንግስታት ኣመልኪቱ ዴማ ምስ ኣናእሽተይ ትካላት ፋይናንስ ኣተኣሳሲሩ እዚ ዝስዕብ ዴንጋገ የቐምጥ። ካብ ንእሽተ ይ ትካል ፋይናንስ ናብ ባንኪ ኣብ ዝዓበየ ኩባንያ ዝኾነ ክልላዊ መንግስቲ ክህልዎ ዝኽእል ብፅሒት ኣክስዮን ብሄራዊ ባንኪ ብዘውፀኦ መምርሒ ይውሰን ብምባል እዩ ዝዓፅዎ። ፌደራል መንግስቲ ብብሕትኡ ዝውንኖ ሙሉእ ካፒታል ባንኪ ናይ ምጥያሽን ምስራሕን ዘይተገደበ ፍፁማዊ መሰል ኣለዎ እዩ ብገቢር ዴማ ናይታ ሃገር ዝለዓለ ዓቕሚ ፋይናንስ ዘንቀሳቕሱ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን ባንኪ ንግዱ ኢትዮጵያን ብብሕታዊ ዋንነት መንግስቲ ፌደራል ሒዝዎም ይርከብ። ክልላዊ መንግስታት ከም መንግስቲ ፌደራል ብቐጥታ ባንኪ ኣጣይሾም ናይ ምውናን መሰል ክህልዎም ከምዘይኽእል ብተዘዋዋሪ መንገዱ ኣብዚ ኣዋጅ ከልኪልዎም እዩ። ንፌደራል መንግስቲ ጥራሕ ፈልዩ ብምፍቃዴ ንክልላዊ መንግስታት ካብዚ ተመሳሳሊ መሰል ወፃኢ ከም ዝገበሮም ካብቲ ዴንጋገ ብግልፂ ምርዳእ ይከኣል እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ናትና ሕቶ ዋንነት ባንኪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብመንፅር ሐዚ ዘሎ ጭቡጥ መስርሕ ሕግን ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ከመይ ይምለስ ዝብል ምርኣይ ዴማ ኣገዳሲ እዩ። ክልላዊ መንግስታት ኣብ ምውናን ስራሕ ባንኪ ዝተረፈቶም መሰል ካብ ንኡሽተይ ትካል ፋይናንስ ናብ ባንኪ ኣብ ዝዓበየ ኩባንያ ብፅሒት ኣክስዮን ንክህልዎም ብብሄራዊ ባንኪ ክፍቀደሎም እንትኽእል ጥራሕ እዩ። ብሄራዊ ባንኪ ዴማ እዚ ጉዳይ ዝምልከት ክሳዕ ሐዚ ዘውፀኦ መምርሒ የለን። ካብተን ናብ ባንኪ ዝዓብያ ኣናእሽተይ ትካላት ፋይናንስ ዝፍጠር ኩባንያ ኸ ክንደይ ዝኣክል ብፅሒት ኣክስዮን ይህልዎም ዝብል ሕቶ ግን ዘይተመለሰ እንትኸውን እቲ ኣዋጅ እዚ ናይ ምውሳን ሙሉእ ስልጣን ናይ ብሄራዊ ባንኪ ገይርዎ እዩ። እተን ኣናእሸተይ ትካላት ፋይናንስ ናብ ባንኪ ብርኪ እንትዓብያ ኸ እንታይ ዓይነት ባንኪ እየን ዝኾና ዝብል መሰረታዊ ሕቶ እውን ዘይተመለሰ እዩ። ንኣብነት ናይ መንግስቲ ትግራይ ዋንነት ዝኾነ ንእሽተይ ትካል ፋይናንስ ብዴሌት መንግስቲ ትግራይ ናብ ብርኪ ልምዓት ባንኪ ከዕብዮ ይኽእል ድ ኣይኽእልን ዝብል ሕቶ ዝምልስ ብግልፂ ዝተቐመጠ እኳ እንተዘይሃለወ ሙሉእ ባንኪ ናይ ምውናን መሰል ንክልላዊ መንግስታት ዕፁው ስለ ዝኾነ ናብ ባንኪ ልምዓት ወይ ባንኪ ንግዱ ምዕባይ ፍፁም ኣይከኣልን እኳ እንተዘይተብሃለ ምስቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለታት ፖለቲካ እንትምዘን ግን እቲ ዕዴል ዝፀበበ ኮይኑ ይረአ። እንተተኻኢሉ ትግራይ ኣዳኺምካ ናብ ዴሕሪት ንክትምለስ ፅዕፁዕ ዘመተታት ብማእኸላይ መንግስቲን ተሓባበርቱን ኣብ ዝስረሐሉ እዋን ንመንግስቲ ትግራይ ፋይናንሳዊ ቅልፅሙ ዘዏንትረሉ ዋንነት ስራሕ ባንኪ ክፍቀዴ ይከኣል እዩ ምባል ዕሽነት እንተዘይኮይኑ ኣብ ባይታ ዝዓርፍ ጭቡጥነት ዝህልዎ ዴሌት ኣይኸውንን። ካብዚ ብምብጋስ ቃልስና እነዏውተሉ ሓፃርን ነዊሕን ስትራትጂ ምሕንፃፅ ጊዘ ዘይወሃቦ ውራይ እዩ።

ካብ ንእሽተይ ትካል ፋይናንስ ናብ ባንኪ ኣብ ዝዓቢ ኩባንያ ናይ ሓደ ክልላዊ መንግስቲ ብፅሒት ኣክስዮን በቲ ኣዋጅ ከይተወሰነ ተሓሊፉ ብብሄራዊ ባንኪ ንክውሰን ምግባሩ እቱ ካልእ ዘተሓሳስብ ጎኑ እዩ። እዚ ጉዳይ ብናይ ሓደ ተቖፃፃሪ ቤት ዕዮ (Regulatory Body) ብዘውፀኦ መምርሒ ብርኪ ክረአ ዝግበኦ ተራ ናይ ኣፈፃፅማ (operational) ባህሪ ዘለዎ ዋኒን ዘይኮነስ ብዝለዓለ ብርኪ ዝርከብ መስርሕ ሕጊ ክውሰን ዝግበኦ ናይ ዓሰርተታት ሚልዮናት ህዝቢ ጥቕሚ ዝውክል ዓብዪ ዋኒን ምኽላእን ምፍቃዴን ሕገ መንግስታዊ መሰል ዓርሰ ውሳነ ልምዓት ዝምልከት እዩ። ስለዝኾነ ዴማ በቲ ስራሕ ባንኪ ኣዋጅ ክኽልከል እንተይኮነስ ክፍቀዴ ዝግበኦ ዝነበረ እዩ። እቲ መሰል ክልላዊ መንግስታት ዋንነት ስራሕ ባንኪ ዝግዴብ ሕጊ ብመሰረቱ ኣብ ሕገመንግስትና ዝተቐመጡ መትከላትን ኣተሓሳስባታትን ፌደራላዊ ስርዓት ዝጥሕስን መሰል ዓርሰ ውሳነ ልምዓት ብሄራትን ህዝቢታትን እታ ሃገር ዝዓግትን እዩ። እዚ ዓይነት ክልከላ ዓቕሚ ፋይናንስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ናይ ምዴኻም ውዕኢት ዘለዎ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ንግዳዊ ትካላት ፋይናንስ መንግስቲ ፌደራል ጥራሕ ንክውንን ንብሕትኡ ዝፈቕደሉ ብኣንፃሩ ከዓ ክልላዊ መንግስታት እዞም ትካላት ፋይናንስ ንከይውንኑ ዝኽልክሎም ሕገ መንግስታዊ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ምርዳእ ኣዴላዪ እዩ። ቢዚ መስርሕ ተረባሕቲ ዝኾኑ ብቑፅሪ ህዝቦም ተመስሪቶም ዓበይቲ ኢና ኢሎም ዝሓስቡ ክልላት እንትኾኑ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ዴማ ብተነፃሪ ቁፅሪ ውሕዴ ዝበሉ ብሄራት እንትኾኑ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለ ዴማ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብፍላይ ናይ መጨቆኒ መሳሪሒ እናኾነ ክገሃዴ እዩ።

ስራሕ ባንኪ ሕጋዊ ባይታን መስርሕን ጥራሕ ተኸቲልካ ኣብ ንግዳዊ ሓሳብ ተመስሪቱ ዝፍቀዴን ዝስራሕን ዘይምኻኑ ርዴኢት እንተጨቢጥና ሐዚ ብዘሎ ጭቡጥ መስርሕ ሕግን ፀረ ትግራይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ኣብ ዘለሉ ባይታ ኮይንካ ትግራይ መንግስታዊ ባንኪ ንምውናን ዘላታ ዕዴል እንታይ እያ ኢልካ ምምርማር ወሳኒ እዩ። ሐዚ ብዘሎ ፖለቲካዊ ለውጥን ኣሰላልፋን ናብ ኣሃዳውነት (unitarist) ዘዘምበለ ምስ ምዃኑን ትግራይ መበገሲኡ (መበቆሉ) ዝኾነ ፍልይ ዝበለ ተርእዮ ከም ሓደጋ ስለ ዝውሰዴን እንተይገበለ ዝጭፍለቐሉ ዕዴል ሰፊሕ እዩ። ከም ዕዴል ክንሪኣን ተዋፅእ እንተኾይናን ግን ደደቢት ትካል ማይክሮ ፋይናንስ ናብ ባንኪ ምዕባይ እንትትከውን ኣብቲ ናብ ባንኪ ዝዓበየ ኩባንያ ክህልዎ ዝኽእል ዝለዓለ መጠን ብፅሒት ኣክስዮን ግን ገና ብብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ውሳነ ጥራይ ዝፍለጥ ይኸውን። እዚ ዴማ እንታይ ከይተምፅኡ ብምባል ከምቲ ንውልቀሰባት ዝተፈቐደት ዝለዓለት ብፅሒት ኣክስዮን 5 ሚኢታዊ ጥራሕ እኽልቲ ክትበሃል ትኽእል እያ። ንምንታይ እንተይልና ኣሰላልፋ ኣመራርሓ ብሄራዊ ባንኪ ናይቲ ትግራይ ንምጉዳእ ዝነጥፍ ዘሎ ጉጅለ መንግስቲ ፌደራልን ትምክሕተኛ ሓይሊታት ዓዱ ሰለስተን ብዕላማ ዝተወደበ ጉጅለ ብምዃኑን ንትግራይ ዝጎዴእ ውሳነ ዘሕልፍሉ ዕዴል ዝሰፈሐ ብምዃኑን ምርዳእ ይከኣል እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዋንነትን ስራሕን ትካላት ፋይናንስ ብፍላይ ዴማ ባንኪታት ዝፍቀደሉ ጭቡጥ ባይታ እቲ ስራሕ ብዝጠልቦ ዝለዓለ ካፒታል ናይ ምውፃእ ዓቕምን ኣብ ዕዳጋ ኣቲኻ ዝህልወካ መትረፋይነትን ተወዳዳራይነትን ዝተመስረተ ጥራሕ እንተይኮነስ ብዘርእን ፖለቲካን ዝተመስረተ ኣጠማምታን ምትእስሳርን ተመስሪቱ ዝውደበሉን ዝመሓደረሉን ተርእዮ እዩ ኣዚዩ ማዕቢሉ ዘሎ። ሐዚ ኣብ ዕዳጋ ዝርከባ ኩባንያታት ስራሕ ባንኪ ብብሄር፣ ፖለቲካን ካልኦት ካባቢያዊ መለክዑታትን መሰረት ገይሮም ዝተወደቡ ውልቀሰባትን ኣካላትን ዝውነናን ዝመሓደራን ኮይነን ብሄራዊ ባንኪ እውን ኣብቶም ምትእስሳራት ዘተኮረ ምምሕዳራዊ ዝንባለታት ከም ዝገብር ተርእዮታት ኣለዉ እዮም። ነቲ ዘፈር ብሒቶምዎ ካብ ዘለዉ ናይ ዝተወሰኑ ብሄርን ከባቢን ኣካላት ምትስሳር ወፃኢ ብፍላይ ናይ ተጋሩ ፀብለልታ ዘለዎም ሓደሽቲ ባንኪታት ናብቲ ዕዳጋ ከየኣትዉ ብዙሓት ውዱታት ይፍፀሙ እዮም። ብሓፂሩ ኩሉ ቅዴመ ኩነት ኣማሊኦም እንትቐረቡኳላ ንከይጣሹ ፍቓዴ ይኽልከሉ እዮም። ኣብዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ባይታ ኮይንካ ዝለዓል ሕቶ ዋንነት ክልላዊ ባንኪ ትግራይ ናይ ኩሎም ክልላት ሕቶን ልዐል ዴልየትን እንተኾይኑን ሓይሊ ሚዛን ናይ ምልዋጥ ዓቕሚ እንትህልዎን ጥራሕ እዩ ፖለቲካዊ ውሳነ ብምሕላፍ ብፌደራል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ክወፅእ ገይርካ ንኹሉ ወገን ፍቑዴ መሰል ክግበር ዝኽእል። ከም ርዴኢተይ እንተኾይኑ ግን ሓዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘለዎ ናህሪ ተፃብኦ እኳ ናይ ምቕፃል ዕዴል እንተሃልዩዎ ካብቲ ብሒትዎ ዘሎ ሃፍቲ ፌደራል ንፖለቲካዊ ዕላማታቱ ዕዙዝ ተጠቃማይነቱ ስለ ዘረጋግፀሉ መሰል ዋንነት ባንኪ ንክልላዊ መንግስታት ብፍላይ ንትግራይ ዝፈቕደሉ ምኽንያት ኣይህልዎን። ካብዚ ዝተገለፀ ወፃኢ መንግስቲ ትግራይ ወናኒ ልምዓትን ንግዳዊን ባንኪታት ዝኾነሉ ዕዴል ንክፍጠር ኣብቲ ኣዴላይነቱ ኩላትና እንሰማመዏሉ ርእሲ እንዴሕር ኮይኑ ብዘይምቁራፅ ውራይና ብምግባር ክንወፍረሉ ይግባእ። እዚ ኣርእስቲ ናይ ኩለን ኣሓት ክልላት ሕቶ ገይርና እውን መቓልስቲ መሓዙት ንምፍራይ ንውፈረሉ። ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ንዘሓለፉ 28 ዓመታት ንሕቶ ስትራቴጂያዊ ልምዓት ትግራይ ዝተደፈነ መስምዑኦም ክኸፍቱ ብዝከኣለና መጠን ቃልሲ ክንገብር ይግበአና። ሐዚ ዝሓልከና ዘሎ ሕጊ ህወሓት ፖለቲካዊን መንግስታውን ላዕለዋይነት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበራ እዋን ዝወፀ ኮይኑ ከም ብሄራዊ ሃፍትና እንጥምታ ትካል ማይክሮ ፋይናንስ ናብ ባንኪ ንምዕባይ ቅዴሚ ሸውዓተ ዓመታት ተበጊሱ ዝነበረ ምንቅስቓስ ብዕሽነት መራሕቲ ህወሓት እንተዘይኹለፍ ሐዚ እንጠዓሰሉ ጊዜ ኣይምነበረን ኢለ የኣምን።

ካልእ ክንግንዘቦ ዝግባእ ዓብዪ ጉዳይ ኣብ ትግራይና ዝውህለል ዓቕሚ ፋይናንስን ኣወዓዕልኡን ዝምልከት እዩ። ኣብ ትግራይ በዝሒ ዘለወን ጨንፈራት ከፊቶም ስራሕ ባንኪ ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ባንኪ ካብ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝውህለል ዕቋር ኣብ ትግራይ ተመሊሱ ዝውዕል እንተበዘሐ 25 ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ። እቲ ዝተረፈ 75 ሚኢታዊ ኸ ደኣ ኣበይ ይውዕል? ካብ ትግራዋይ ጁባ ተዋህሊሉ ኣብ ኣዱሳባ ወይ ኦሮሞ ወይ ኣምሓራ ከም ዝውዕል ጥርጥር የብሉን። እቲ ዓቕሚ ፋይናንስ ትግራይና ዝኾነ ወርቅና ዘእትዎ ዓሰርተታት ሚልዮናት ድላር ከ ናብ መን ረብሓ ይውዕል? ሃፍቲ ሰሊጥና ኸ? ካብዚኦም ገዘፍቲ ፍልፍላት ፋይናንስ ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ጥቕሚ ትግራይ ከም ዘይውዕል ፈሊጥና ናብ ረብሓና ዝውዕለሉ ስትራተጂ ሓንፂፅና ነተግብር። ትግራይ ገዚፍ ዝኾነ ፍልፍል ዓቕሚ ፋይናንስ እንተሃለዋ እኳ ነዚ ናብ ረብሓና እንልውጠሎም ናይ ባዕልና ትካላት ፋይናንስ ኣብቲ ዕዳጋ ስለ ዘየውፈርና ሽሻይ ዓዱሃገር ኮይንና ንርከብ። ትግራይ ፀጋታት ፋይናንሳ ካብ ምጥቃም ሓሊፉ ማእኸል ዕዳጋ ፋይናንስ ክትከውን ምተገበኣ። ክትከውን ዴማ ኣለዋ።

ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኢዴና ዘለዉ ካልኦት ዕዴላት ንፈትሽ ክህልዉና ንደልዮም ትካላት ፋይናንስ ግዴን መንግስታዊ ጥራሕ ክኾኑ የብሎምን። እንታይ ክበር ይከኣል? ካብ ቀሊል እንትንጅምር ናይ ተጋሩ ተባሂሎም ዝፍለጡ ባንኪታትን ትካላት ፋይናንስን ብገቢር ናይ ትግራይ ንክኾኑ ኣዴላዪ ስራሕቲ ምስራሕ። ተጋሩ ኣብ ናይ ካልኦት ብሄራት ባንኪታት ኣክስዮን ካብ ዝገዝኡ ኣብዘን ባንኪታት ንክገዝኡ ምስራሕ፣ ኣብ ትግራይ ዝዕቆርን ዝንቀሳቐስን ገንዝብ በተን ናትና ዝኾና ባንኪታት ኣቢሉ ንክኸውን ስልታዊ ብዝኾነ መንገዱ ህዝብና ምንቃሕ፣ እተን ባንኪታት ዴማ እዚ ተረዱአን ሕጊ እንተይጠሓሳ ኣዴላዪ ምትዕርራያት ክገብራን ክሰርሓን ፖለቲካውን ሞያውን ሓገዝ ምግባር ኣዴላዪ እዩ። እዚ ዕዮ ናይ ኩሉ ወገን ክኸውን ምስ ኣካላት መንግስቲ ትግራይ፣ ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዴን ማሕበራትን ፋይናንስ ትካላትን ብሓባር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና። ኣብ ካልኦት ብሄራት ዘሎ ተሞክሮ ዴማ ምውሳዴ። ንኣብነት Cooperative Bank of Oromia (Bank of Oromia) ከም ናይ ውልቀ ሰባት ኩባንያ እንተይኮነስ ከም ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ባንኪ ተገይሩ ኩሉ ኦሮሞታይ ብናተይነት ሓለፋ ተመልኪቱ ብሄራዊ ጥሪቱን ኩርዓቱን ገይሩ ይሪኦን ይዴግፎን። በዚ ምኽንያት

 

ዴሒረን ካብ ዝተጣየሻ ባንኪታት እንተነበረ እኳ ሐዚ ካብተን ቀዳመዎት ብምዃን ብዓመት ልዕሊ ቢልዮን ቅርሺ ትርፊ የመዝግብ ኣሎ። ንባንኪ ኣዋሽ እዋን ከምኡ ይውግንሉ። ጎረበትና ኣምሓራ እውን ምስ ባንኪ ኣቢሲኒያን ኣባይን ተዛሚደ ተመሳሳሊ ስምዑትን ናተይነትን ኣማዕቢሎም ብግሁዴ ካብ ዝፍለጥ እኳ ካብ (1997) ዓ/ም ጀሚሮም እናሰርሕሉ መፂኦም እዮም። ዘፈር ባንኪ ብዝተፈላለየ መንገዱ ዝተቖፃፀርዎ እውን ንሳቶም ኮይኖም ኣብቲ ምሕደራ ስርዓት ፖለቲካ ኢኮኖሚ ዕዙዝ ፅልዋ እናሕደሩ ይርከቡ።

ስለዚ ኣብቲ ኢንዳስትሪ ዘለዉ ናትና ንብሎም ባንኪታትን ካልኦት ኣናእሽቲ ትካላት ፋይናንስን ምኽርን ሓገዝን ብመሃብ ሃፍቲ ፋይናንስ ትግራይ ንትግራይ ንክውዕል ንምስራሕ ጊዜ ከይሃብና ክንወፍረሉ ይግባእ። ትካል ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ናይ ትግራይ ዓቕሚ ፋይናንስ ኣብ ምውህላልን ምዴንፋዕን ስትራቴጂ ሓንፂፃ ንክትሰርሕን ብሄራዊ ቦኽራ ሃፍቲ ፋይናንስ ትግራይና ንክትኸውንን ምልዕዓል ብምግባርን ብምሕጋዝን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ነሰጋግራ። ምስ ምልቃሕን ኣመላልሳን ዕዳ ተኣሳሲሩ ኣብ ገባራት ትግራይ ፈጢራቶ ዝፀነሐት ቅርሕንቲ ብሓደሽ ስያመን ልኡኽን ንትግራይ ክትክሕስ ይግባኣ። ኣብዚ መፃብብ እዋን ኮይንና ናይ ግዴን ባንኪ ክትከውን ኣገዳሲ እንተይኮነ ካልኦት ውሽጣዊ ሜላታት ተጠቒምና ነቲ ንደልዮ ልኡኽ ትግራይ ክትበቅዕ ብዘኽእላ ኣግባብ ምትዕርራይ ብምግባር ብጭቡጥ ነዕብያ።

ኣብ መውዳእታ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀረ ህልውንኣ ዝኾነ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ምዕባለ ብግቡእ ተረዱኣ ህልውነኣ ንምውሓስን ቁጠባዊ ዕብየታ ንምርግጋፅን ኣገደስቲ ዝኾኑ ትካላት ፋይናንስ ክተጣይሽ ይግባእ። ሐዚ ዘለዉና ትካላት ፋይናንስ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጢን መፃኢ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ኣሚትካ ዘዴሊ ትካላዊ ምትዕርራያት ክግበረሎም ይግባእ። ዝርዝሩ ብውሽጥና ብግቡእ ንስረሐሉ። ትግራይ ናይ ንኩለመዳያዊ ዕብየታ ወሰንቲ ዝኾኑ ትካላት ፋይናንስ ወናኒትን ተረባሒትን ትኾነሉ ባይታ ንምፍጣር ቃልስና ነሐይል፣ ግሁዴ ዝኾነሉ እዋን ዴማ ርሑቕ ኣይኸውንን።

ትግራይና ብቓልስና ትኽበር! ሰላም!!!

 

1 ሰብ ዝብል ኣገላልፃ ወዳ ሰብን ብሕጊ መሰል ሰብነት ዝረኸቡ ውልቀን መንግስታውን ኣካላት ዘሓውስ እዩ። ክላላዊ መንግሰታት እውን ኣብ ውሽጢ እዚ ኣገላልፃ ይጠቓለሉ እዮም።

Back to Front Page