Back to Front Page


Share This Article!
Share
ምድሓን ኢትዮዽያ

ምድሓን ኢትዮዽያ

ኣታክልቲ ሓጎስ  3-14-19

ናዕቢ ተምሃሮ ኢትዮዽያ 1966ዓም ብደርጊ ተጨውዩ ምስፈሸለ ኢትዮዽያ ኣብ ማንታ ቦታ ደው በለት። ገለ ገሊኦም ሕቶታት ተምሃሮ ኢትዮዽያ ከምዝምልሶም ደርጊ እንተጨረሐኳ ካብ ሃታ ሃታ ይበሃልያ ኣሎን ነቲ ተምሃራይ መትሐዚ ደኾን ይኾነኒ እምበር ሕትኡ ኣይነበረን። ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ 1967 ዓም ብዝኣወጆም ኣወጃትን ተግባራዊ ምንቅስቓሳቱን ደርጊ ፋሽሽትነቱ ኣረጋጊፁ።

እቱ መድረኽ ቀንዲ ፀገምን ትሕዝቶ ሕቶታት ህዝብታት ኢትዮዽያ ነፂሩ ብምፅናዕ ጠንካራ ፖለቲካዊ ስትራቴጂ ዝሓንፀፀ መሪሕ ዝሓትት ኮነ። ብዙሓት እዙ ሕቶ እዙይ ዝተረድኡ፤ ኣፅኒዖም ይኸውን ኢሎም ዝሓሰብዎ ፖለቲካዊ መስመር ሒዞም ወፁ።

ኣፍቱ ገዘ እቱይ (ናዕቢ 1966) ሓደ ከም ፋሽን ዘበናይነት ዝርአ ናይ ምብራቕ ኣይዲዮሎጂ ወሪሩና ነይሩ። ብዜካ ናይ ኢትዮዽያ ዴሞክራቲክ ሕብረት (ኢድሕ) ኩሎም ሽዑ ዝተቀላቐሉ ውድባት ማርክስ ሌኒናዊ ኣተሓሳስባ ንቕበል ኢና ዝብሉ ነይሮም። ኣፍቱ ሽዑ ዝነበረ መድረኽ ፖለቲካ ናይ ገስጋሳይን ዘይገስጋሳይን መዕቀኒ ኣብ መናእሰይ ነይሩ።

ኣብ ናዕቢ 1966 ዓም ኢትዮዽያ ናይ ስርዓት ለውጢ ከምዘድልያ ኩሉ መንእሰይ ዝኣምነሉ ነይሩ። እንታይ ዓይነት መንግስቲ ግና ቡዙሕ ዘጨቓጭቕ ነይሩ። እዙይ ድማ ኣቐዲሙ እቱ ወሳናይ ነዛ ዓዲ ሓሊኹ ሒዙ ሓድነታ ሓልያ ንከይትቕፅል ዝዕንቅፍ ሕቶ ካብ ብሄራዊ ጭቆና ከምዝብገስ ዘይምንፃር ኢዩ ነይሩ።

Videos From Around The World

ኣብ ናዕቢ 1967 ዓም ንጉዕዞ ኢትዮዽያ ሓሊኹ ሒዙ ዘሎ ፖለቲካዊ ጎነፅ ብግቡእ ነፂሩ ፖለቲካዊ ስትራቴጂኡ ሓንፂፁ ዝወፀ ፖለቲካዊ ውድብ፤ ትግራዋይ ውድብ ህወሓት ነይሩ። ብሄራዊ ጭቆና ኣብ ኢትዮዽያ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ብብሄሮም ሒዞም ኣብ ውሽጦም ዘሎ መሳርሒ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ነቒሉ፤ መሬት ንህዝቢ ብምክፍፋል ሕቶ መሬት መሊሱ ነናይ ባዕሉ ነናይ ብሄሩ ህዝቢ ካብ ጭቆና ኣውፂኡ መሰሉ ኣረጋጊፁ ናተይ ዝብላ ሃለዋት ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ከም ፅባቐኣ ዝተቐበለት ሓድነታ ብድሌት ህዝብታት ዘረጋገፀት ስጉምቲ ናብ ቁልጡፍ ልምዓት እትውንጨፍ ሃገር ምፍጣር ዋና ስትራቴጂኡ ዝሓንፀፀ ሓይሊ ነይሩ።

ነዚ ፖለቲካዊ ስትራቴጂ ቀዲሙ ዝሓንፀፀን ቀልጢፉ ናብ ህዝቢ ዘውረደ ፖለቲካዊ ውድብ ህውሓት ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ትግራይ መበገሲ ብሄራዊ ጭቆንኡ ገይሩ ዝቖፅሮ ዘበነ ሸ ብዝብል ዝፅውዖ ብ1882 ዓም ምኒልክ ፅባሕ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ትግራይ ንምግባር ኢሉ ካብ ዝገበሮ ዘመቻ ይጅምር። እዙ በደል እዙይ ቀፂሉ ድሕሪ ኲናት ዓድዋ ኣፍቱ ባዕሉ ትግራዋይ ተዋጊኡ ዝተዓወተሉ ዓወት ዓድዋ ትግራይ መረብ ሰጊሩ ተረፍ መረፍ ዝሃደመን ዝቐረየን ክንቅርሞ ንስገር ኢሉ እንትሓትት ዓሪፍካ ከፍ በል ኢሉ ንመራሕቱ ንቱ ሰራሒ እቲ ዓወት ኣሉላ ኣባነጋ ፣ ደጃት ሰንጋል ሓጎስ ፣ ደጃት ኣብርሃን ከልኪሉ ሑቐ ተጋሩ ኣብ ክልተ መቒሉ መረብ ምላሽ ንጣልያን ምሃቡ። ጠቕላላ ትግራይ ሕምስምስ ኣትዩዋ ድኽምቲ ዓዲ ሸፋቱ ክትኾን ምግባሩ። ኣብኡ እንተሎ እታ ትግራይ ዝብል ሱም ሒዛ ዝተረፈት ዓዲ ተጋሩ ኣብ ሰለስተ መቒሉ ብዝንሓንሑ መሳፍንቲ ክትርገፅ ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ወልቃይት ፀገዴ ፀለምቲን ቆሪሱ ኣብ ጎንደር ንዝነበረ ሓው እቴጌ ጣይቱ ከሕጉስ ትግራይ ክትዳከም ምግባሩ ይጅምር።

ንስልጣን ምኒልክ ብዝወረሱ ስርዓታትውን ብተመሳሳሊ ሃይለስላሴ ራየታይ ትግራዋይ ጣልያን ኣብ መወዳእታ ንኢትዮዽያ እንትወራ ክሃድሙ ሪኡ ኣይትህደም ክንምልሶ ኢና ምርሓና ተዋጋእ ንጉስ ኣይሃድምን ስለዝበልዎ፣ ድሕሪ 5 ዓመት ህድማ ተመሊሱ መሬት ራያ ከምዘሎ ወሪሱ፣ ንኹሉ ህዝቢ ጦሰኛ ገይሩ እቱ መሬቱ ንመሳፍንቱ ስለዝመቐሎን ፀኒሑውን ክሳብ ሩባ ኣልውሃ ዝነበረ ግዝኣት ካብ ቆቦ ቆሪሱ ናብ ወሎ ምሕዋሱ ምኽንያት ዝተለዓለ መበገሲ ብሄራዊ ጭቆናን ጭፍለቓን ገይሩ ይርአ ነይሩ።

ካሊእ ህዝቢ ትግራይ ከም መግለፂ ብሄራዊ ጭቆና ገይሩ ዝሪኦ ታሪከይ ተዓቢጡ ዝብልዩ። ኣብ ዓወት ኲናት ዓድዋ ህዝቢ ትግራይን ኩሎም ህዝብታት ኢትዮዽያን ከም ዝሰርሑዎ እንተይኮነስ ከም ምኒሊክ ብተኣምራቱ ባዕሉ ዝሰርሖ ገይሮም እዮም ዘቕርብዎ። ናይ ራእሲ ኣሉላ ወታደራዊ ክእለትን ናይ ሰለልቱ ጥበብን ከምቶም ተንተንቲ ወታደራዊ ስርሒታት ኣውሮፖ ዝፀሓፍዎም ይትረፍ ከምተራ  ተዋጋእቲውን ኣየልዕሉዎምን። ንቶም ትግራዎትሞ ይትረፍ ንታ ኣገዲዳ ንክብሪ ሃገርና ክንዋጋእ ኣለና ኢላ ዘምፀአቶ እቴጌ ጣይቱ ኳ ክብሪ ኣይሃብዋን።

ተጋሩ ታሪኽና ተዓቢጡ ዝብሉ ግን ብዙይ ኣይኮነን። ተጋሩ ፀረ ባዕዳዊ ግዝኣት ተዋጊእና ኣብ ዓድዋ ካብ ዝተገበረ ስርሒት ንላዕሊ ፀላእቲ ኣሕፊሮም ዝመለስሉ ግዘ ብዙሕ እዩ። ብሃፀይ ዮሃንስ ንግስነት ብራእሲ ኣሉላ ዝምራሕ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ከዓቲት ፣ ኣብ ጉንደት ፣ ኣብ ዝተሓፈሱ ዓወታት ዝኹርዑ እዮም። እዚ ኩሉ ተዓቢጡ ነታ ምኒሊክ ብጭቆና ዝፈጠራ ናይ ሓሳብ ልዕልነት ንምሕላው ኩሉ ተዓቢጡ ከይረአ ተገይሩ፡ ሕዚውን ወረስቲ ስርዓት ምኒሊክ ክለዓል ኣየደልይዎን።

ካሊእ መግለፂ ብሄራዊ ጭቆናኡ ግልጋሎት ፍትሒ ንምርካብ ዝነበሮ ፀገም እዩ። ንኩሎም ድምፅታት ዝውክል ብናቱ ልሳን ዝተቐረፀ ፊደል እናሃለወ ብቋንቁኡ ክሰርሕ ክዳነ፣ ክግልገል ዝተከልከለ ነይሩ።

ትግራዋይ ትግራዋይ ብምዃኑ ጥራሕ ዝበፅሖ ዝነበረ ኣድልዎ ብኹሉ መዳይ ዝረአ ነይሩ። ኣብ ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነት ኣብ ትምህርቲ ጠቕላላ ኩሉ ናብርኡ ኣብ ድሌትን ፍቓድን እቱ መንግስቲ ኮይኑ እቱ ስርዓት ዝድርብየሉ መጠን ጥራሕ ክፅበ ዝተገበረ ነይሩ። ስለዚ ትግራዋይ ኢትዮዽያዊ መንነቱ ተኸቢሩሉ ኣብ ኩሉ ጉዳያትን ወራያትን ሃገሩ ናይ ምውሳንን ሓሳቡ  ኣቕሪቡ ብኣግባቡ ክፍፅም ዝኽእለሉን ዕድል ምፍጣር ጠሊቡ።

ካብዚ ተበጊሱ ህወሓት ናይ ኩሉ ጭቆናታት ዓርሞ ዝነበረ ስርዓት ደምሲሱ ኩሎም ሰብኣዊን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝተኸበሩላ ኣብ ፍቶትን ምፍቕቓድን ኩሎም ህዝብታት ዝተመስረተ ፅኑዕ ሓድነት እናሃነፀት እትምዕብልን እትለምዕን ሃገር ንምምስራት ተበጊሱ። ቀልጢፉ ድማ ናብ ህዝቢ ወሪዱ። ምስ ህዝቡ ማይን ፀባን ኮይኑ። ህወሓት ቀልጢፉ ብህዝቡ ተቐባልነት ዝረኸበሉ ምኽንያት ዘልዐሎ ሕቶ ትኽክለኛ መድሓኒ እዛ ሃገር ስለዝነበረ እዩ።

                    

ጉዳይ ኤርትራኸ?

ኤርትራ እተባሃለት ሃገር ልዕል ኢሉ ከምዝተገለፀ ንጉስ ምኒልክ ንተጋሩ ከም ህዝቢ ንምድኻም ኢሉ ፅባሕ ዓወት ኲናት ዓድዋ ካብ መረብ ምላሽ ምስ ኣሸለጎ ንዓመቱ ብ1889 ዓምፈ ኤርትራ ከም ሓዱሽ ቦኽሪ ግዝእቲ ጣልያን ኮይና ኣብ ፓርላማ ጣልያን ሱማ ፀዲቑ። እዙይ ነቶም ካብ ተጋሩ ኣሕዋቶም ተመቒሎም ናብ ባርነት ኣትዮም ኤርትራ ዝብል መስገንደል ዝተፀዓኑን ፣ ነቶም ድሕሪ መረብ ሕቖኦም ተቖሪፆም ዝተረፉን ልዕሊ ኩሉ ዓይነት ሞት ዝኸበደ ሓዘን ነይሩ። እዙይ ንእንዳ ንጉስ ምኒሊክን ሰዓብቱን ግና ምንም ማለት ኣይኮነን።

ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ንኢትዮዽያ 5 ዓመት ቸቸ ኢሉዋ ብሓይሊ እንግሊዝ ተሓባሒጉ ምስወፀን ጠቕላላ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝነበሩ ባዕዳዊ ግዝኣታት ጥልያን ከመይ ክመሓደሩ ከምዝግባእ ሕቡራት መንግስታት እንትዛተ ኢትዮዽያ ናተይ ኢያ ንዓይ ትውሃበኒ ኢላ ሓተተት። ብዙሕ ክትዕ ነይሩ ኢትዮዽያ ክትመሓድራ አይትኽእልን ዝብሉ ነይሮም። ኤርትራውያን ባዕሎምውን ኣይንደልን ዝብሉ ነይሮም። ኩሉ ገዲፍና ናብ ጥንትና ናብ ሃገርና ንተሓወስ ዝብሉዉን ነይሮም።

ሕቡራት መንግስታት ብፌደሬሽን ምስ ኢትዮዽያ ትፅናሕ ኢሉ ምስ ወሰነ ገና ሽፍትነት ዝጅመሩ ነይሮም። ግና ጥቓ 10 ዓመት ምስ ፀንሑ ብወገን ኢትዮዽያ እቱ ኣብ ኤርትራ ዝጣየሽ ዝነበረ ምስ ኢትዮዽያ ብፌደሬሽን ዝራኸብ ነፃ መንግስቲ ብቕርፁን ብትሕዝትኡን ካብ ኣብ ኢትዮዽያ ዝነበረ መስፍናዊ መንግስቲ ብዝተፈለየ ዲሞክራሲያዊ ስለዝነበረ ሃይለስላሰ ቀልጢፉ ክፈርስን ሓንቲ ኤርትራ እትበሃል ጠቕላይ ግዛት ክትኾን ገበረ። ኣይፀንሐን ብፅባሒታ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝበሃል ውድብ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተፈጠረ።

ኣብዚ ጉዳይ ኤርትራ ብፍላይ ጠመተ ጌርካ ክርአ ዝግበኦ ነገር ኣሎ። ትምክሕተኛ ሓይልታት ኢትዮዽያ ኤርትራ ናትና ኢያ ኢሎም መሊኦም እናተዛረቡ ኣብኣ ናብኣ ይኽድዋ። ኢትዮዽያ ዘይተገዘአት ነፃነታ ኣኽቢራ ዝነበረት ሃገር ይብሉ። ጠቕሊሎም ንኤርትራ ይርስዕዋ። 60 ዓመት ሙሉእ ዝተገዘአ ክፋል ሃገር እናሃለወካ ከምኡ ኢልካ ምዝራብን ምፍካርን ኣይመድለየን። ኢትዮዽያ ብባዕዲ ተገዚኣ ኣይትፈልጥን እናበልካ ምፍካር ዝከኣል ኤርትራ ናትና ኣይነበረትን እንተኢልካ ጥራሕ እዩ።

ኤርትራውያን ንናፅነት ኢና እንቃለስ ኢሎም እንትወፍሩ ንኢትዮዽያውን ከም ባዕዳዊ ገዛኢት ስለዝሪኢዎ ኢዩ። እዙይ ኩሉ ከስተውዕሎ ኣለዎ።

እዛ ቅድሚ ምኒልክ ቆሪሱ መረብ ምላሽ ንጣልያን ምሽላጉ ዝነበረት ኢትዮዽያ ከም ሓደ ሰብ ንርአያሞ ሽዑ ምስ ሙሉእ ዓይነ ብርካ ዝተማለአ ሰብ ነይራ። መረብ ምላሽ ምስተቖረፀ ገለ ኣካላ ጎዲሉ ስለዘሎ ገለ ኣካላ ከምዝጎደለ ክግለፅ ብዝኽእል ኢዩ ክግለፅ ዘለዎ እምበር ትርጉም አይህልዎን። ብዚ ምኽንያት ኢዩ ተጋደልቲ ኤርትራ ገዛእቲ ኢትዮዽያ ንኤርትራ ባሕራ እምበር መሬታን ህዝባን አይደየናን ዝብሉ።

ሓይሊ ትምክሕቲ ኢትዮዽያ ብትዕቢት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘፍሰሱዎ ጃህራ ኣብ ርክብ ህዝብታት ሕማቕ በሰላ እናፈጠረ መፂኡ እዩ። ናይ ኤርትራውያን ቃልሲ ድሕሪ ምፍራስ ፌደሬሽን ተጀሚሩ ናብ ኢትዮዽያውን ከቢድ ፅልዋ እናፈጠረ መፂኡ እዩ። ኣብ ናዕቢ 1967 ዓም ፅልዋ ቃልሲ ኤርትራ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ነይሩ። ዝፍጠሩ ዝነበሩ ውድባትውን ከም መበገሲ ይወስድዋ ነይሮም።

ህወሓት ቃልሲ ኤርትራ ከም ሓደ ንመሰል ዝግበር ቃልሲ እዩ ዝሪኦ። ብህወሓት ዝምራሕ ቃልሲ ንብሄራዊ መሰል ብሄረ ትግራይ ኮይኑ ኩሉ ንናይ ባዕሉ መሰል ጠው ክብል ከምዘለዎ ይኣምን። ኩሉ ንመሰል ዝቃለስ፣ ነቲ ንመሰሉ ዓቢጡ ዝሓዘ ሓይሊ ኣብ ምውቃዕ ክተሓጋገዝ ከምዘሎዎ ይኣምን። እዙይ ድማ ተገይሩ።

 

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህውሓት ዘይምልከቶ ስራሕ ኣይሰረሐን ብጣዕሚ ጥንቁቕ ነይሩ። ንኣብነት ተቓለስቲ ኤርትራ ሓለዋ ዶብ ብዝበሃሉ ክፍልታቶም ብዛዕባ ዶብን ክፋላት ግዝኣታትን ንምዝርራብ ይፍትኑ ነይሮም። ህወሓት እዙይ ኣይምልከተኒን ኢሉ ይገድፎ ነይሩ። ከም ናይ ቃልሲ ሓይሊ ይሰርሕ ነይሩ።

 

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ

ህወሓት ብሄራዊ ቃልሲ ኢሉ ቃልሲ እንትጅምር ከቢድ ነይሩ። ካልኦት ቀልጢፎም ዓበይቲ ዝመስሉ ውድባት ነቲ ኩነታት ዓብሊሎም ምዕባለ ኢትዮዽያ ዓጊቱ ሓሊኹ ሒዙ ዝኒሀ ጎነፅ ደርባዊ ጎነፅዩ ብደርባዊ ቃልሲ እዩ ዝፍታሕ እናበሉ ከተማታት ኣብ ዝዝምርሉ ዝነበረ ግዘ ወሳናይ ጎነፅ ብሄራዊ ጎነፅ ኢልካ ምጅማር ዓብዩ ድፍረት ዝሓትት ነይሩ። ህወሓት ደፊሩ ኣትዩዎ ሓቂ ስለዝነበረ ድማ ቀልጢፉ ህዝቢ ተቐቢሉዎ።

ሕቶ ተቓለስቲ ኤርትራ ነፃነት ካብ ባዕዳዊ ገዛእቲ ኢትዮዽያ ኢዩ ዝብል ነይሩ። ኢትዮዽያ ባዕዳዊ ገዛኢት ኮይና ኣይትፈልጥን። ንቃልሲ ኤርትራ ክትድግፍ እንተኾንካ ደፊርካ ኣብዛ ሕሶቶም ቅዋም ክትወስድ ይግባእ። ህወሓት ንሕቶ ኤርትራ ብግቡእ ዘርዚሩ እንትትንትን ባዕዳዊ ይበሃል ብሄራዊ ሓደ ናይ መሰል ሕቶ እዩ። ብቅዋም መሰል ህወሓት ኩሉ ብድምፂ ህዝቢ ዝውሰን እዩ። እዙይ ድማ ዝውሰን ኣብ መወዳእታ ብህዝባዊ ሪፈረንደም እዩ። በዚ መሰረት ኣብ መወዳእታ ብረፈረንደም ዝውሰን ኮይኑ ሕትኦም ዝድገፍ እዩ ኢላ ተቐበለቶ። በዚይ ድማ ብዙሕ ደብዳብ ይበፅሓ ነይሩ።

ካልኦት ቅዋም ክወስደሎም ዝግባእ ሕቶታት ብግቡእ ዝተንተነን ኣገባብ ዝሓዘ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ናይ ዶብን ወሰንን ጉዳይ ዝኾነ ምስ ልኣላዊ ክብሪ ዝተተሓዘ ነገር ብተራ ፀላኢ ፀላእየይ ፋታዊየይ ናብ ዝብል ከይኸድ ብጥንቃቐ ዝረአ ነይሩ። ንኣብነት ወራር ሶማሊያ ተቓዊማቶ። ሶማልያ ሓይላ ሉኣላዊ ሃለዋት ኢትዮዽያ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ መሲሉ እንተተራእዩ ምስ ሰራዊት ደርጊ ተሰሊፍካ ንሃገርካ ነፃነት ምውጋእ ቅዋም ተጋደልቲ ህወሓት ነይሩ። ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ንዲሞክራሲያዊ መሰሎም ዝቃለሱ ሓቢርካ ንደርጊ ምውጋእ ግና ከም ሓደ ንደርጊ ኣቀላጢፍካ ንምግላል ዝጠቅም ሰልቲ ይርአ ነይሩ።

ህወሓት ዝተኸተሎ ስልቲ ግና ብኹሎም ንደርጊ ዝቃወሙ ሐይልታት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ ንዕቐት ዝተመስረተ እዛ ካብዛ ንእሽተይ ድኻ ከባቢ ዝተፈጠረት ንእሽተይ ውድብ እንታይ ለውጢ ክተምፅእ እያ ይብሉ ነይሮም። ትሕዝቶ ሓሳብ እንተይኮነስ ብኣካላዊ ግጅፍን በዓል መን ዝበሃሉ ፍሉጣት ሰብ ኣለውዎ ዝብል እዩ መዐቀኒኦም ዝነበረ።

ውድባት ኤርትራውን ካብዙይ ዝረሓቐ ኣረኣእያ ኣይነበሮምን። ኩሎም ንህወሓት ኣናኢሶም ብምርኣይ እታ ሕቶ ብሄራዊ ቃልሲ ምስ ምንፃል ጥራሕ እናተሓሓዙ ይንዕቕዋ ነይሮም። በዚ ምኸንያት ግምባር ፈጢርካ ማዕረ ኮይንካ ንደርጊ ምውጋእ ዝሓስብዎ ኣይነበሩን።

ህወሓት ስርዓት ምልዋጥ ምበር ምግንፃል ዕላምኡ ከምዘይነበረ ዘርኢ ካሊእ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ዝነበሮ ቅዋም እዩ። ዝኾነ ወታደር ብሓይሊ እናተዋገአ ፀኒሑ ተሳዒሩ ብረቱ ደርቢዩ ኢዱ እንተሂቡ ብክብሪ ይተሓዝ ጥራሕ ዘይኮነ “ስለዘየፈለጥካና ተዋጊእኻና ምበር ኣሕዋትካ ኢና” ኢልካ ብምምሃር ነፃ ይግበር ነይሩ። እናማረኽካ ዕላማኻ ኣረዲእኻ ኣእሚንካ ብምስዳድን ናብ ዝነብርሉ ከባቢ ክሳብ ዝኣቱ ስንቂ ሂብካ ምፍናውን ሓደ ኣገባብ መስረፂ ዕላማ ናብ ማእኸል ሃገር ገይሩ ተጠቒሙሉ እዩ። በዚ ኣገባብ ጉዕዞ ህወሓትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ብግቡእ እንተዝትንተን፣ ህወሓት ኣቐዲሙ ግምባር ዝፈጠረ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት እንተይኮነ ምስ ህዝብታት ኢትዮዽያ እዩ። ብምሩኻት ኣቢሉ ምስ ኩሎም ህዝብታት ተፈሊጡ ነይሩ።

ተጋደልቲ ህወሓት ኲናት ፎትዮም ብድሌት ዝኣተውዎ ነገር አይነበረን። ሓዊ ንምጥፋእ ሓዊ ተጠቐም ከምዝበሃል እንተይተወቐዐ ዘይገልስ ኣፍሉጓሙ መቑሕ ኣሲሩ ዝገዝእ ስርዓት ብዘይ ብረት ዘይገልስ ብምዃኑ ጥራሕ እዩ። በዚ ምኽንያት ኩሉ ብተጋደልቲ ህወሓት ዝካየድ ውግእ ብዘይ ኣገባብ ሂወት ሰብ ዝበልዕ ከይኮን ጥንቃቐ ይግበር ነይሩ። ሂወት ሰራዊቱ ብምቑጣብ ዝግለፅ ኣይኮነን። ሰራዊቱ ብሸለልትነት ወይ ብጌጋ ናይ ሰላማዊ ሰብ ከይትትንክፍ ጥንቃቐ ምግባር ጥራሕውን ኣይኮነን። ምስ ደርጊ ኣብ ዝግበር ውግእ ብዝትኸኣለ መራሕቲ ወይ ነቲ ውግእ ወሳኒ ዝኾነ ነገር ብምሓዝ ብዙሕ ሂወት ሰብ እንተይጠፍአ ወዳቢኡ ተበታቲኑ ካብ ሰንሰለት እዝ ወፂኡ ተበታቲኑ ዝብንጨረሉ ኩነታት ዝፈጥር ኣገባብ ብምፍጣር ይፅዕር ነይሩ።

ነዚ ኣገባብ እዙይ ኣጋ መወዳእታ ብፅሑፍ መፅናዕቲ ተሰንዩ ከምሓደ ኣተዓጣጥቓን ተግባርን ዘመናዊ ህዝባዊ ሰራዊት ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ነፂሩ ወፂኡ።

ኲናትን ናብራ ህዝብን ብዝምልከት ብወነ ትኩረት ተዋሂብዎ ይስራሕ ነይሩ። ናብራ ህዝቢ ኣብ ሰላም ጥራሕ እዩ ጠመተ ዝግበረሉ ኢሉ ሸለል እንተይበለ ቅድሚኡ ዝነበሩ ስርዓታት ገይሮምዎ ዘይፈልጡ ምሩፃት ልምድታት ኣተሓራርሳን ኣተሓሕዛን መሬት እናፅናዕኻ ሓረስቶት ነንባዕሎም ተሞክሮ ዝለዋወጥሉ ኣገባባት ብምስፋሕ፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብልምዲ ዝተፈለጡ ምሩፅ ዘርእታት ዝስፋፍሕሉ ኩነታት ይሰርሕ ነይሩ። ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዳግመ ግረባን ኣብዙ ግዘ እዙይ ኢዩ ዝተጀመረ።

ፍትሒ ብዝምልከት ሰላም ክሳብ ዝርከብ ተፀባይ ዝበሃል ኣይነበረን። የግዳስ ንዝቕፅል ከም ሰረት’ዩ ተባሂሉ ንዝሕሰብ ስርዓት መንግስቲ መለማመዲ ተሞክሮ ክርከበሉ ብዝኽእል ኣገባብ ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ከምሓድረሉ ዝኽእል ኣገባብ እናተመቻቸዉ ይስራሕ ነይሩ። ንመጀመሪያ ኣብ በቢ ቁሸቱ ካድረ ዝበሃል ንተጋደልቲ እንጀራ ንምትእክኻብ (ምውፃእ) ህዝቢ ይምረፅ ነይሩ። ዝፈርድ ወይ ዝሰራራዕ ኣይነበረን።

ህዝቢ ስሩዕ ምሕደራ ዝጀመረ ብህዝባዊ ባይቶታት ኣቢሉ እዩ። ህዝባዊ ባይቶ ማለት ናይታ ጣብያ መንግስቲ ኢዩ። ህዝቢ ንቐደም ነዚ ባይቶ ዝምስርቱሉ ብቑዓት ዝብሎም ሰባት ይመርፅ። እዚ ተመራፂ ኣባል ተኣኪቡ መራሕቱ ይመርፅ። ዝተመረፁ ባይቶ መራሕቲ ኩሉ ስርዓት ምሕደራ ግልጋሎትን ይመርሑ። ባይቶ ኩሉ መዓልቲ ክቐርብ ዝግባእ መዓልታዊ ግልጋሎታት ክህብ ዘኽእል ኣወዳድባ ዘማልአ ነይሩ።

ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ኲናት ክቕፅል ይግበር ነይሩ። ካብ በብዕለቱ ዝፍፀም ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ ደርጊ ዝኽወል ቦታ እናተመረፀ ኣብ ዱር ፈቖዶ ሽንጥሮ ዳሳት እናተሰርሐ ደፍተርን እርሳስን ካብ ደገ እናተገዝአ ህፃውንቲ ይመሃሩ ነይሮም።

ግልጋሎት ጥዕና ብተመሳሳሊ ብዝተኸኣለ መጠን በብቁሸቱ በብጣቢይኡ ጨንፈር ጥዕና ጣብያታት ይጣየሻ ነይረን። ህዝቢ ትግራይ ዋላ ብጣዕሚ ብዝነኣሰ ኣገባብ ይኹን ግልጋሎት ጥዕናን ትምህርቲን ምርካብ መሰሉ ከምዝኾነ ዝፈለጠ ኣብዚ ግዘ እዙይ ኢዩ።

ልክዕ ከምቲ ግልጋሎት ጥዕናን ትምህርቲን ዕዳጋውን ካብ ነፈርተ ደርጊ ብዝከላኸል መገዲ ይካየድ ነይሩ። ሰለልቲ ደርጊ ክፈልጥዎ ብዘይኽእል መዓልቲ ዕዳጋ እናቀያየርካ፣ መራኸቢ ቦታ ዕዳጋ እናቀያየርካ ዝካየደሉ ኩነታት ነይሩ። ዝበዝሕ ግና ማሾታትን ኩራዝን እናተጠቐምካ ዕዳጋ ብለይቲ ዝግበረሉ ኩነታት ነይሩ። ነዚ ንምዕንቃፍ ደርጊ ብለይቲ ኣንቴኖቭ ብዝበሃላ ነፈርቲ ምድብዳብ ስለዝጀመረ ብርሑቕ ድምፂ ነፋሪት እንትሰምዕ መብራህቲ ኣጥፍኡ ዝብል ምልክት ዝህብ ዋርድያ ኣብ ገዛኢ መሬት ኣቐሚጥካ ዝካየደሉ ኩነታት ነይሩ።

ኣብ ድርቂ ኣብ ካሊእ ዝኾነ ሽግር ህወሓት ዝኾነ ሽግር ህወሓት ካብ ህዝቡ እንተይተፈለየ ኢዩ ቃልሲ ኣካይዱ።

ደርጊ ተሳዒሩ

ህወሓት ክሳብ ምድምሳስ ስልጣን ደርጊ ብፅኑዕ ህዝባዊነቱ ዝፍለጥ ጀግና መራሒ ውድብ ኢዩ ነይሩ። ህዝብን መሪሕነት ህወሓትን ፣ ህወሓትን ሰራዊት ህወሓትን፣ ህዝብን ሰራዊት ህወሓትን ዝነበረ ርክብ ኣብ መትከል ዝተመስረተ ብጣዕሚ ፅኑዕ ርክብ ነይሩዋ ክበሃል ዝከኣል ኢዩ ነይሩ። ሙሉእ ድጋፍ ናይ ህዝቢ ብፍላይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሒዙ ኢዩ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ።

ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ኩሎም ብዝለቆም ዝነበረ ምሩዃትን ገለገሊኦም ውን ሕቶና ዝምልስ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ኣሎ ዝብል ተስፋ ዘሕድር ወረ ይዝርጋሕ ስለዝነበረ ይስማዕ ነይሩ እዩ። ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ኣብ ደርጊ ይርአ ዝነበረ ዓፅረ ሞታዊ ዓገርገር እናደፍአ ህወሓት ዝሓዞ ዕላማ ኣብ ከባቢኦም ዝኣትወሉ ኩነታት ይፍጠር ስለዝነበረ ዓቢይ ድጋፍ ነይሩዎ።

ምስ ህወሓት ግምባር ፈጢሮም ኣብ መወዳእታ ምቅባፅ ስርዓት ደርጊ ዝተሰታፉ ኢህደን (የኢትዮዽያ ህዝቦች ዲሞክራሲያዊ ንቅናቄ) ፣ ኦህዴድ (የኦሮሞ ህዝብ ዲሞክራሲያዊ ውድብ)፣ ኢደመኣን (የኢትዮዽያ ዲሞክራሲያዊ መኮንናት ንቅናቄ) ኢዮም። ኢህደን ዝተባህለ ውድብ ኢህኣፓ ዝተባህለ ውድብ ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ፀገም ምስፈረሰ ክንቃለስ ኣለና ኢሎም ዝተወደቡ ተቓለስቲ ዝተጣየሸን ካብ 1973 ዓም ጀሚሩ ኣብ ቃልሲ ዝፀንሐን ኢዩ። ኦህዴድ ብዝተፈለየ ንቃልሲ እንትዳለው ውልቀ ሰባትን ፣ ህወሓት ካብ ሰራዊት ደርጊ ማሪኹ ብዛዕባ ዝቃለሰሉ ዘሎ ዕላማን መፃኢ ዕድል ኢትዮዽያ ከመይ ክኾን ከም ዝግባእ ኣምሂሩን ኣእሚኑን ንዓዶም ክፍንዎም እንትብል ምርጭኦም ምግዳል ኮይኑ ምስ ህወሓት ዝተረፉ ውልቀ ሰባት ተኣኻኺቦም ዝፈጠሩዎ ውድብ እዩ። ኢደመኣን ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ውግኣት ዝተማረኹ መራሕቲ ሰራዊት ደርጊ ልክዕ ከምቲ ንቲ ተራ ወታደር ዝወሃብ ዝነበረ ስልጠና ብዝዓሞቐን ብዝምጥኖም ደረጃን ተማሂሮም  ምስ ወድኡ ናብ ዝደለይዎ ንምፍናው እንትሕተቱ ናብ ደርጊ ምምላስ ኣይንደልን ተቐቢሉ ክቐትለና እዩ፣ ንወፃኢ ከይድና ኣብ ስደት ምንባርውን ኣይንቕበሎን ብዛዕባ ዓድን ህዝብን ምቅላስ ንዓኹም ጥራሕ ዝተፈረደ ዕጫ አይኮነን ንሕናውን ምሳኹም ተሓዊስና ክንቃለስ ኢና ንደሊ ኢሎም ዝተመስረተ እዩ።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ርሕቐት መጥቃዕቲ መድፍዕ ምስ ኣተወት ኢህኣዴግ ዝተኸተሎ ውሕሉል ኣገባብ ነይሩ። ቅድም ኢሉ ኣብ ምፍጣር ግምባር ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮዽያ ኮለ ንደርጊ ዝሓወሰ ክፍጠር ሓቲቱ ነይሩ እዩ። ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ዝኸልኸሎ ነገር ከምዘየለ ዝናረኣየውን ምስ ሰበ ስልጣን ደርጊ ኣብ ኢጣልያ ንዘተ ልኡኻቱ ተቐሚጦም ነይሮም። እቱ ዘተ ስዕረት ደርጊ ቅቡል ጌርካ ብኸመይ ኣዲስ ኣበባ እንተይተበላሸወት ናይ ስልጣን ስግግር ከምዝግበር ምምችቻው ኢዩ ዝዓበየ ኣጀንድኡ ክኾን ዝግብኦ ነይሩ። ልኡኻት ደርጊ ነቲ ኣኼባ ረጊፆሞ ከይዶም። ሰራዊት ኢህወዴግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርዓተ ኣልበኝነት እንተይነገሰ ኣትዩ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ጀመረ።

ኮንትራት ስግግር

ኢትዮዽያ ኣብ ኢድ ኢህኣዴግ ግንቦት 20 1983 ዓም ምስኣተወት ኩሉ ሰብ ነናይ ባዕሉ መነፅር ሒዙ ኢዩ ተቐቢሉዎ። ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ እቱ ዝዓበየ ብዛዕባ ህወሓት ኮነ ጠቕላላ ኢህወዴግ ዝተደናገረ ስምዒት ሒዙ ዝፀነሐ ህዝቢ እዩ። ዝበዝሕ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ፅልኢት ደርጊ እንተነበሮውን እንታይ ዓይነት ስርዓት ከምዝመፆ ስለዘይፈልጥ ዝበዝሕ ፈቖዶ ኣብያተ ክርስትያኑ በቢ መስጊዱ ተኣኪቡ ፀሎት ዝገብረሉ ዝነበረሉ ኩነታት ነይሩ። ደብርታት ኣዲስ ኣበባ ብምህለላ ተዋሒጠን ነይረን።

ሰራዊት ንኢህኣዴግ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ትግራይ ዝተወለደ ትግራዋይ ጋኔን ይመፀካ ኣሎ ተባሂሉ ከቢድ ጎስጓስ ተገይሩሉ። ህዝቢ ናብ ከቢድ ራዕድን ፍርሒን ኣትዩ ዝግበር ዝነበረ ምዃኑ ኣይርድኦን ነይሩ ኢለ ምሕሳብ ኣይከኣልን። የግዳስ ካብ ወልድያ ጀሚሩ ዳርጋ ኣብ ኩለን ኣብ ደርጊ ዝፀንሓ ከተማታት ካድረታት ደርጊ ወዲቦም ብዘፅንሕዎም ተቓውሞ የጋጥም ነይሩ እዩ። ሰራዊት ኢህኣዴግ ነቲ ተቓውሞ ብትዕግስቲ እናተኣናገደን ተጋደልቲ ብእምኒ ተደርቢዩ እናተወቕዑ ሽግርኩም እንታይ ኢዩ ንረዳዳእ እናበሉ ይፈትሕዎ ከምዝነበሩ ይዝከርዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠሞ ምሒር ፍርሒ ግና ንኢህኣደግ ዘደንገፆ ይመስለኒ።

ኢህኣደግ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ንሓደ ወርሒ ጥራሕ ኢዩ በይኑ ኣመሓዲሩዋ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮዽያ ዝተረኸቡ ፖለቲካዊ ውድባት ኩሎም ተፀዊዖም ዝተሳተፉሉ ኮንፈረንስ ምስረታ ናይ ስግግር መንግስቲ ፀዊዑ። ተጋደልቲ ኤርትራ እንተይተረፉ ሽዑ ኣለዉ ዝበሃሉ ፖለቲካዊ ውድባትን ጉጅለታትን ተፀዊዖም ኣቦ መምበር ኢህኣደግ ዝነበረ መለስ ዜናዊ እናመረሐ ተካየደ።

እዙ ተግባር እዙይ ንዓለም ተገይሩ ዘይፈልጥ ብብረታዊ ሓይሊ ስዒሩ ስልጣን ዝሓዘ ተኻፊልና ነመሓድር ወይ ሃገርና ከመይ ክትቕፅል ከምዘለዋ ንዛተ ዝብል ሓይሊ ተራኢዩ ኣይፈልጥን። እዙይ ፅቡቕ ኢዩ።

ኮንፈረንስ ምስረታ ስግግር መንግስቲ ንስግግር ዘቖም መንግስቲን ፖርላማን ከም ሓደ ክግበር ዝከኣል ነገር ወሲድካ እቲ ስግግር ከመይ ክጠቓለል ከምዝግባእ ዘቐመጦ ኣገባብ ዝበለፀ ፅቡቕ ስራሕ ነይሩ። ኮሚሽን መርቀቒ ሕጊ ኣጣይሹ ንሱ ስርሑ ወዲኡ እቱ ዘርቀቖ ረቂቕ ሕጊ ናብ ህዝቢ ክሳብ ቀበሌ ወሪዱ ብዝርዝር ዘተ ክግበረሉን ህዝቢ ድምፂ ክህበሉ ምግባር ዓብዩ ስራሕ ነይሩ። እዙይ ኩሉ ብዝርዝር ተገይሩ። ረቂቕ ሕገ መንግስቲ ብክኢላታት ረቂቑ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ምስተዛተይሉ ነቲ ህዝቢ በቢቀበሊኡ ተዛትዩ ዘፅደቖ ብሃገር ደረጃ ንክኾን ከካብ ከባቢኡ ንምፅዳቕ ሕገ መንግስቲ ጥራሕ ወከልቲ ተመሪፆም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕዳር 29 1987 ዓም ኣፅዲቖምዎ።እዙይ ብምንም ኩነታት ክልወጥ ዘይግባእ እዛ ሃገር ብድሌትን ምፍቕቓድን ህዝብታት ክትመሓደር ዝተወሰነሉ ወሳኒ ሰነድ ነይሩ። እዙይ እቱ ዝዓበየን መዕረጊን ኩሎም ፅቡቓት ስራሕቱ ኮይኑ ብቁኑዓት ኢትዮዽያውያን እናተቖፀረ ዝነብር ነገር እዩ።

ኣብ ግዘ ስግግር መንግስቲ ኢትዮዽያ ህወሓት ኢህኣደግ ዝገበሮ ነገር ነይሩ። ህወሓት ኢትዮዽያ ዲሞክራስያዊት ተባሂላ ናይ ፅሑፋት ሳንሱር ዘይግበረላ ነፃ ሃገር ክትበሃል ይሃርፍ ነይሩ። ካብዙ ሃንቃ እዙይ ዝተበገሰ ከመይ ክቆፃፀሮ ከምዝግባእ ሕጊ እንተይ ኣውፀአ ናይ ፕረስ ነፃነት ኣዊጁ። እዙ ኣብ ሰናይ ድሌት ጥራሕ ዝተመስረተ ኣዋጅ ነፃ ፕረስ ተኣዊጁ እቱ ጭቁን ዝጥቀመሉ ክኾን ኣይከኣለን። ተረፍ መረፍ ደርጊን ኢሰፓን ሓይሊ ትምክሕትን ግና ንሶም ከልኪሎምዎ ዝፀንሑ መሰል ተኸፊትሎም ንኣሉታዊ ዕላምኦም መጥቀሚ ገበሩዎ። ኣብዙይ ተጠቃዒ ኮይኑ ዝወፀ ትግራዋይ ኢዩ። ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ጥጡሕ ንምዕባለ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት መንገዲ ስለዝኸፈተ ከም ድሌቶም ዝኾኑሉ ስርዓት ስልዝሰበረ ነቲ መሪሕ ውድብ እንተይኮነ ማለት ነቲ ፖለቲካዊ ሓይሊ ፈልዮም እንተይኮነ ብቐጥታ ኣንፃር ሃለዋት ትግራዋይ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ፈጢሮም ሰፊሕ ወፍሪ ጀመሩ።

መንግስቲ ነዚ በዘን መፅሄታት  ዝግበር ዝነበረ ዘርኣዊ ፕሮፓጋንዳ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣይነበረን። ንመጀመሪያ ሓይሊ ትምክሕቲ ኢትዮዽያን ሓይሊ ፀበብቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ተሓባቢሮም ኣንፃር ትግራዋይ ሓደ ዝኾኑሉ ኩነታት ነይሩ። ነዙይ ዘስውዓሉ ተጋደልቲ ህወሓት ሓደ መፍትሒ ወይ ኣገባብ ቃልሲ ይነፀረሉ ኢሎም ዘቕረቡ ተቐባልነት ዝስኣነሉ ኩነታት ተፈጢሩ።

ቅድም ኢሉ ዝተጀመረ ምጥርጣራትኳ ነይሩ ኢዩዋ ኣብዙ ገዘ እዙይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን ፡ እቱ ዋና በዓል ዋና ዕላማ ህወሓት ሂወቱ ኩሉ ንህወሓት ዘረከበ ተጋዳላይ ናብ ከቢድ ምጥርጣር ዘእተወ ነይሩ። እቶም ደፋራትን ኣባላት ህወሓት ብምዃኖም ምንጪ ስልጣን መራሕቲ ህወሓት ምዃኖም ብግቡእ ዝፈልጡ ተጋደልቲ እቱ ሽግር ሪኦም ንዘቕረቡዎ ሕቶ ካባና ዝበለፀ ኣይትፈልጥን ዓሪፍካ ስቕ በል ምስተበሃሉ መራሕቶም ፈሪሖም ከምዘለዉ ወይ ኣብ ዕላማኦም ናብ ምድርዳር ይኣትዉ ኣለዉ ናብ ዝብል ነጥቢ ዘዘንበልሉ ኩነታት ነይሩ።

ኢህደን ኣባላት ኢህኣፓ ዝነበሩ መተኣኻኸቢ ኢሉ ፎረም 8 ዝብል መፀውዒ ገይሩ ምንቅስቓስ እንትጅምር ኢህደን ይልወጥ ከምዘሎ ዝተዓዘቡ ተጋደልቲ ንመራሕቶም ኢህደን ትፍልየና ኣላ፡ ናብ ናይ ትምክሕቲ ደምበ ትሕወስ ኣላ ኢሎምውን ኣብ ክንዲ ዘገም ኢልካ ነቲ ሕቶ ምርኣይ ናብ መሪሕነት ስለዝተመረፁስ ፈላጣት ዝኾኑ ስለዝመሰሎም ክሰምዕዎ ኣይደለዩን። መወዳእትኡ ሪኦም እንተተናስሑ ትርጉም ኣይህልዎን።

እቱ ብጣዕሚ ዝኸበደን መራሕቲ ህወሓት ብሰራዊትን ህዝብን ክፅልኡ ዝገበሮም ክልተ ፍፃመታት ፈፀሙ። ኣብ 1985 ዓም ዘቕረቡዎ ገምጋም መዓት ኮራፕት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንፁህ ኢዩ እቱ ተራ ተጋዳላይን ታሕተዋይ ካድረባ ኢዩ ተበላሽዩ ዝኒሀ ዝብል ገምጋም ኣውሪዶም። እዙ ዓይነት ኣገማግማ ቅድሚኡ ኣብ ጠቕላላ ታሪኽ ህወሓት ተገይሩ ዘይፈልጥ ኢዩ። እዙ ገምጋም እዙይ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ህወሓትን መራሕቱን ዓብዩ ቅርሕንቲ ፈጢሩ።

ካብዙይ ዝበኣሰ ግና ኣፍቱ ዓወት ዝሰርሐ ጀግና ሰራዊት ትግራይ ሰራዊት ህወሓት ዝወሰኑዎ ውሳነ እዩ። እቱ ሓዊ እናነደደን ኩምራ ኣፅዋር ዕጥቂ ስርሓት ራሽያ ዝዓጠቐ ሰራዊት ዝሰዓረ ብዘይ ስክፍታ ክብሪ ዘይብሉ ንዓድኻ ተመለስ ሓረስታይ ወዲ ሓረስታይ ዝነበርካ ናብ ሕርሻኻ ተመለስ ምባሉ ንሰራዊት ጥራሕ ዘይኮነ፣ ንጠቕላላ ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ዘቐየመ ነይሩ። በዚ ተግባር እዙይ ብጣዕሚ ሓሪቖም ነቱ ውድብ ገዲፎም ስደት ዝኸዱ ተጋደልቲ ኣለዉ።

ጠቕላላ ኣብ እዋን ስግግር ህወሓትን መራሕቱን ፤ ህወሓትን ሰራዊቱን ምጥዕዓም ዝሰኣኑሉ ኩነታት ዝዓብለሎ ነይሩ። ኩሉ ተጋዳላይ ናብ ውልቀ ናብርኡ ዝኣተውሉ እቱ ናብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ዝኣተወ ተጋዳላይ ደመወዙ ከይትንከዮ ብፍርሒ ዝተወሓጠሉ ግዘ ነይሩ።

መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም ናብ ናይ ውልቆም ናብራ ሃተምተም ዘብዝሑሉ ስለዝነበረ ከምቲ ኣብ ሜዳ ሓንቲ ቃልሲ ጥራሕ ዝነበረት ጠመትኦም ናይ ውልቀ ናብረኦም እውን ተወሲኹ ሓሳቦም ተኸፋፊሉ።

ኣብ ስርሖም ብጣዕሚ ዝሕቱላት በቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘርኣዊ ፕሮፓጋንዳ ወገን ብጣዕሚ ዝተሰከፉ ጥር እትብል ገንዘብ ዋላ ዝብፀሓ እናሃለወ ናብ ትግራይ ከይትኸድ ዝኹሪዩ ከይህሊዩ ገለ ከይብሉና ስክፍታ ዝተዋሓጡ ነይሮም።

ድሕሪ ምፅዳቕ ሕገ መንግስቲ

ደርጊ ኣቃቢፅካ ንምፅራግ ዝተፈጠረ ግምባር ኢህወደግ ኣብ ስግግር ብዛዕባ ኣወዳድብኡ ከመይ ክኾን ከምዝግባእ ዝሓስቦ ነገር ዝነበረ ኣይመስልን። ኣብ ውሽጢ ኣባል ውድባት ዝምዕብል ዝነበረ ስምዒትውን ጠመተ ተገይሩሉ ናብ ኣባላት ኮነ ኣብ ውሽጡ ዝፍለጥ ዝተባህለ ነገር ኣይነበረን።

ኢህወደግ እንትምስረት ብኣባላት ዝግመት ዝነበረ ድሕሪ ምቅባፅ ደርጊ ሓደ ሃገራዊ ፓርቲ ተመሰሪቱ ንብሄር ብሄረሰባት ዘሳትፍ ዝኾነ ኣሰራርሓ ክንፀረሉ ተስፋ ይግበር ነይሩ። እዙይ ተሪፉ በባዕሎም ብኣባላት እቶም ግምባር ዝፈጠሩ ውድባት ንቱ ብኢህኣደግ ዝተፈጠረ መንግስቲ ምሕማይ ተጀሚሩ። ተመስሪቱ ዘሎ መንግስቲ ናይ ትግራይ መንግስቲ ኢዩ ምባል ተጀሚሩ። ኣቐዲሞም ብፕሮፓንዳ ፀበብቲን ሓይሊ ትምክሕቲ ተዳናጊፆም ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት ናብ ዝበኣሰ ወጥሪ ኣተዉ።

መራሕቲ ህወሓት ካብ ደገ ዝፀዓኖም ዝነበረ ፀቕጢ ጥራሕ ኣይኮነን ዘጨንቖም ዝነበረ ኣብ ውሕጦምውን ጥዑያት ኣይነበሩን። ኣብ ውሽጦም ርኡይ ናይ ምጉጅጃልን ነናትካ መስመር ሒዝካ ምጉንታል ጀመሩ። እዙ ፀገም ምስ እቱ ውድብ ነናይ ባዕልኻ ሰብ ብስም ኣባልነት እናተኣኻኸብካ ምስጓድ እዩ ዝጀመረ። እዙ ምጉጅጃል ዓብዩ ማእከላይ ኮሚቴ ኣብ ክልተ ክበታተን ገበሮ።

ተጎጂሎም እንተለዉን ብሓደ ድምፂ ናይ ምውሳን ዓቕሞም ምስተዳኸመ ወራር ሻዕቢያ ኣጋጢሙ መወዳእትኡ ከምዝፍለጥ ኮይኑ። ኣፈታትሓ ጎነፅ ምስ ሻዕቢያ ክኾኖ ዝግባእ ክኾን ዘይከኣለ በዚ ምኽንያት ነይሩ።

ድሕሪ ምብትታን ማኮሚቴ ህወሓት ሓይሊ ህወሓት ተዳኸመ። ካብዙ ግዘ ንደሓር ግና ህዳሰ ኢትዮዽያ ጎሊሁ ክርአ ጀመረ። ሕገ መንግስቲ ዝጠሓሰሉ ኩነታትውን እናተንፀባረቐ መፂኡ። በቢግዚኡ ንዝርኣዩ ዝነበሩ ምጥሓስ ብዘየዳግም ዝእረመሉ ግዘ ኣይተረኣየን። ንኣብነት ሓደ ሰብ ክተጥቅዕ ኢልካ ብፓርላማ ዘይነበረ ሕጊ ብትእዛዝ ክፀድቕ ምግባር፡ ከቢድ ሽግር ናብ ውልቀ መላኽነት ዘሸጋግር ተግባር ኢዩ።

ብኣጠቓላሊ ድሕሪ ምምቕቓል ማኮሚቴ ህወሓት ብወሳናይነቱ ብኢኮኖሚ ፖለቲካን ዲፖሎማሲን ኢትዮዽያ ኣብ ዓለም ደሚቓ ዝተርኣየትሉ ደማቕ ግዘ ተፈጢሩ። ኢትዮዽያ ናፍተን ማእኸላይ እቶት ዘለወን ደረጃ ከብፀሓ ዝኽእል ትኽክለኛ ጎደና ከምዝሓዘት ዘርኢ ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት ዝጀመረሉ ግዘ ነይሩ። እዙይ ክትንከፍ ዘይግበኦ ዓብዩ ተሰፋ እዛ ሃገር ነይሩ።

ካብዙ ኢትዮዽያ ካብ ዝነበረቶ ዓዘቕቲ ንምውፃእ ዝተገበሩ ስራሕታት ትግራይ ክንደይ ኢዩ ናብኣ ዝበፅሐ ኢሉ ይረአ። ኩለን እተን መሰረታዊ ለውጢ ከምፅኣ ተባሂለን ዝተጀመራ ሜጋ ፕሮጀክትታት በኣና ብተጋሩ ንዙ ክፋል ህዝቢ እዙይ ተባሂለን ዝተተኸላ ኢየን ኢልና ኣይተዛረብናለንን። በዚ ኢህኣደግ ወይ ዝመርሖ ዝነበረ ጠቕላይ ሚኒስተር ትግራዋይ ስለዝነበረ ንትግራይ ኣድልዩ ወይ ንካሊእ ፍሉይ ዝረኣዩ ብሄር ብሄረሰብ ኢልና ኣይንሓሰብን ፤ ትግራይ ክትረኽቦ ዝግባኣ ኣይረኸበትን እንብሎ ግን ነይሩ።

17 ዓመት ሙሉእ ብታንኪ ብመዳፍዕ ብነፈርቲ ብከቢድ ቦምባታትን ነታጉን ተቓፂላ ፤ ሳዕርን እፅዋትን ተቓፂሉ። ብኡ ከይኣክል ልዕሊ 60,000 ሂወቶም ዝኸፈሉ ልዕሊ ሚእቲ ሺሕ ደቃ ተጎዲኦም፤ ኣኽሱም-ዓድዋ እኳ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቀረባ ጊዜ እዩ ብኣስፋልት ዝተራኸባ። እዙ ኩሉ ኣድሉዎ እናበፀሓ ብትዕግስቲ ትቕፅል ነይራ። ኣብ ልዕሊ እቱ ኣብ ካሊእ በፂሑ ዝበሃል ጉድለት ፍትሒ ኣብ ትግራይ ይኸፍእ።

ናይ ፍትሒ ጉድለት ኣብ ካሊእ በፂሑ ካብ ዝበሃል ንላዕሊ ኣብ ትግራይ ይበፅሕ ስለዝነበረ ህዝቢ ትግራይ እቲ ኣብ ስርዓት ዝነበረ ሕፅረት ዝቕረፍ ለውጢ ከምዘድልዮ ይኣምን ነይሩ። ብሙሉእ እቲ ሽግር ህወሓት ፈፂሙዎ ዝብል ጠቕሊሉ ዘምባዕ ገምጋም ኢዩ። ብፅሒት ኣይብሉን ክበሃል ግን ኣይኮነን።

ኩሉ ሽግር ብህወሓት ዝመፁ ጌርካ ምርኣይ ኮነ ህወሓት ናይ ትግራይ ውድብ ስለዝኾነ ትግራዋይ ከም ሽግር ፈጣራይ ገይሮም ዘቕርቡ ካሊእ ተልእኾ ከምዘለዎም ክፍለጥ ኣለዎ።

መፍትሒ

ኣብ ኢትዮዽያ ዝኒሀ ዕግርግርን ሰኣኖ መንነትን ብምኽንያት ለውጢ ዝመፀ ዝመስሎም ቡዝሓት ኢዮም። ቶም ለውጢ መምፃእቲ ገይሮም ዝቖፅሩ ሰባት’ውን ለውጢ ዘይቕበሉ ሰባት ዘልዕልዎ ዘለዉ ዕግርግር ኢዩ ይብሉ። እዙይ ኮነ ኢልካ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ብትኽክለኛ መልክዑ ከይርአ ኢልካ ምጭብርባር ኢዩ።

ንለውጢ ተባሂሉ ኢህወደግ ገምጋም እንትገብር ቅሉዕ ነይሩ። ጠቕሊልካ ካብ ድኽመታትካ ንምውፃእ ብዝብል ብቅንዕና ይግበር ከምዝነበረ ብሚድያታት ኩሉ ብኣግባቡ ዝከታተሎ ዝነበረ እዩ። ኣብ መወዳእታ ዝፀንሑ ጠቅላይ ሚኒስተር ባዕሎም ስልጣነይ ከረክብ እንትብሉ ዝነበረ ኩነታትውን ይዝከርዩ። ብውሽጢ ዝኸፍአ ካሊእ ተንኮል ወይ ካብ ደገ ዝተላኣኸ ሓደጋ ከምዘሎ ዘመላኽት ነይሩ። ንሱውን ቀፂሉ ፣ ህዝቢ ንህዝቢ ዘጋጩ ሓድነት ህዝብታት ብሄር ብሄረሰባት ዝትንክፍ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ተጀሚሩ። መንግስቲ ነዚ ዘርኣዊ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ኣብ ክንዲ ብሕጊ ጠጠው ዘብሎ ዘጋድድ ሕገ መንግስታዊ ምጥሓስ እናካየደ የጋድዶ ኣሎ።

እዙ እናተላበዐ ዝኸድ ዘሎ ዘርኣዊን ብሄር ተኮር መጥቃዕቲን ፈፀምቱ ካብ ደገ ስፖንሰር ዘለዎም ተቓወምቲ መንግስቲ ኢና ኢሎም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብሱም ለውጢ ከኣትዉ ዝፍቐደ መንግስቲን ብሓደ ገፅ፤ ኣብ ውሽጢ ውን ደገፍቲ መሲሎም ነቲ ኩነታት ተበሊፆም ዝርብሑሉ ኩነታት ንምስፋሕ የጋድዱዎ ኣለዉ።

እዙ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ክሳብ ኣፀቢቑ ዝባራዕ ህዝቢ ዓቢይ ናይ ለውጢ ድሌት ስለዝነበሮ ኢዩ ተታሊሉ’ምበር ባዕሉ ምተቖፃፀሮ ነይሩ። ከምዚ ንምዃኑን ለውጢ ኢሎም ዓዲ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቱኽቱኽ ኣትዮ ምፍሕሓም ጀሚሩ ዝነበረ ቁጠባኣን ጉዕዞ ልምዓታን ደው ዘበሉ ብሕጊ ህዝቢ ከምዝሓቶም ቅቡል ጌርካ ንግዚኡ ግና ሰላም ከምፅኡ እቱ ንድሌቶም መሳርሒ ኢሎም ሰላም ካብ ምኽባርን ሕገ መንግስቲ ካብ ምሕላውን ዘምከኑዎ ሰራዊት ክሰርሕን ሰላም ህዝቡን ሕገ መንግስቱ ክኽብር ክገብሩን ይግባእ። ጉጅለ ለውጢ ኢየ ዝበለ ብሓፈሻ ጠቅላይ ሚኒስተር ብፍላይ ተሓታቲ ኢዮም።

ፀላእቲ ኢትዮዽያ፤ ኢትዮዽያ ንምድኻም ካብ ቀደም ጀሚሮም ዝኽተልዎ ሜላ ንቐደም ተጋሩ ምድኻም ኢዩ።ለውጢ ኢሎም እከይ ብሄር ተኮር ዝገበረ ምጥቃዕቶ ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ምጥቃዕ ምጅማሮም ትግራዋይ  ጥቕዓት ስለዘይፃወር ኣብ ጥቕኡ ኣብ ጎንደር እንተተንኪፍናዮ ስጉምቲ ክወስድን ዜጋታቱ ከድሕን ኢሉ ንጎንደር ከጥቅዕ ኢዩ፤ ድሕሪኡ ኣብ መላእ ኢትዮዽያ ክትቀፃፀልያ ዝብል ሓደ ስልቶም ነይሩ።

እቱ ካልኣይ ስልቶም ምኒሊክ ንትግራይ ቆራሪሱ ኣዳኺሙዋ ስለዝነበረ ሕዚ ዋላ ሙሉእ እንተዘይኮነን እታ መጀመሪያ ካብ ትግራይ ቆሪሱ ዝሸጣን ኢጣልያ ኤርትራ ዝብል ስመ ጥምቀት ዘውፀአላ ሃገረ ኤርትራ እንተተረፈት፤ ወልቃይትን ፀለምትን ናብ ንቡር ምምሕዳሩ ስለዝኣተወ ፣ ንምንታይ ውሳነ ምኒልክ ዝስዓር ኢሎም ዝሓሰብዎ ኣካል ምምላስ ስርዓት ስርዓት ምንልክን ሃይለስላሰን ኢዩ።

ብምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝምራሕ ኣብ ትግራይ ዘትኮረ ጎስጓስን ተደጋጋሚ ፈኸራን ፈተነ ወራርን ብጠቕላላ ምስ ጉጅለ ለውጢ ዝተሓሓዝ ኮይኑ ብዝኾነ መንገዲ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ኣይተሓሓዝን። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ተጠራጢሩ ኣይፈልጥን ቂም ኣይብሉን። እቶም ነቲ ጨፍጫፍ ዝመርሑ ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ግን ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ይእመን።

እዙ ከምዚ ዝበለ ካሊእ ሕቶ ለቢሱ ዝለዓል ናይ ሚእቲ ዓመት ቂም ዝደፍኦ ምዕግርጋር ዝተርፍ ንተበዳላይ ፀቒጥካ ኣይመፅእን። እዚ ሕዚ ብሱም ለውጢ ኢትዮዽያ ካብ ጀሚራቶ ዝነበረት ፍሕሕታ ልምዓትን ሰላምን ጠጠው ኣቢልካ ንድሕሪት ናብ ናይ ምኒልክን ወራሲኡን ስርዓት ሃይለስላሰን ንምምላስ ዝገብሩዎ ዘለዉ ፃዕሪ ጠጠው ክብል ኣለዎ።

ሓደ ቋንቋ ሓደ ሃይማኖት ዝብል ሕልሚ ሓይሊ ትምክሕቲ ኢትዮዽያ ነይራትሉ ዝነበረት መሃሙቕ ኣእቲዋ ዝነበረ ጥራሕ ኢዩ። ኢትዮዽያ ዓዲ ቡዙሓት ኢያ። ኩሎም ብሄር ብሄረሳባትን ህዝብታትን ብዘይ ኣፈላላይ ኣሚኖም ናትና ኢሎም ተሓቛቑይፎም ፅኑዕ ሓባራዊ ድሌቶምን እምነቶም መጥመሪ ገይሮም ዝጠመሩዎ ሓድነት ክፈጥሩ የድሊ። እዙይ ድማ ተጀሚሩ ዝነበረ ስለዝኾነ እቱ ዘጋጠመ ዕንቅፋት ክፍታሕ ኣለዎ።

ፌደራሊዝም ብሕታዊ መንግስታዊ ጥበብ ስርዓት ኢትዮዽያ ኢዩ። ብሓደ ግዘ ሓደ ኣካል ብዝወሰኖ ፅፉፍ ክኾን ትፅቢት ኣይግበርን። ኣብ ተፈጢሩ ዘሎ ፌደራሊዝም መዓት ድኽመታት ከምዘሎ ይፍለጥ ኢዩ። ለውጢ ኢሉ ዝተበገሰ ጉጅለ ነዙይ መምዩ ዝእርም ስለዝመሰሎ ህዝቢ ትግራይ ብታሕጓስ ተቐቢሉዎ ነይሩ። ፅንሕ እናበለ ንድሕሪት ዝምለስ ኣሃዳዊ ጭርሖ ዝለበሰ ምስኮነ ኢዩ ኣርሒቑ ዝተፈኦ። ነዙይ ብሕጊ ተኣልዩ ለውጢ ብድሌት ህዝቢ ምበር ብዉሑዳት ኣብ ፒያሳ ዋዕዋዕ ዝብሉን ሚድያ ብብሕትን ዝግበር ስለዘይኮነ ደው ኢልካ መሬት ምርኣይ የድሊ።

ኣፈቀላጤታት ሃፀይ ሚኒሊክ ሚድያታት ተቖፃፂሮም ንዕድመና ሙሉእ ዘፅመመና ፈኸራ ትምክሕትን ጃህራን የስሙዑና ኣለዉ። እዙይ ተቛሪፁ ሃለዋትን ክብሪን ቡዙሓት ብሄር ብሄረሰባት ተቐቢሎም፣ ታሪክን ጃህራን ኣባሓጎታቶም ንክንሪአሎም ኣብ መዝየም እንተደልዮም ኣብ ህድምኦም ኣቐሚጦም ምስ ህዝቦም ብማዕረ ንምንባር ይነገሩ።

ሃገራዊ ቋንቋ ኢትዮዽያ ኩሉ ህዝብታት ዝዛረቡሉን ዝረዳድኡሉን ቋንቋታት ኢዩ። ኩሉ ሰብ ብዝደለዮ ቋንቋ ይዛረብ። ብዝጠዓሞ ቋንቋ ይፅሕፍ። ኩሉ ሰብ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስዝረኸቦን ዘዘራርቦን ሰብ ዝረዳድአሉ ቋንቋ ይመርፅ።

ቋንቋ ተቐባልነት ዝነበሮ ብዙሕ ሰብ ከረዳድኣኒ ኢዩ ኢሉ እንትመርፆ እዩ። ኣብ ኢትዮዽያ ብዙሕ ተዘራባይ (ተጠቃማይ) ዘለዎ ቋንቋ ኦሮምኛ ኢዩ ይብሉታ። እቱ ዝበለፀ ሳላ ናይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ኮይኑ ዝፀንሐ ኣምሓርኛ ኢዩ።ኣምሓርኛ ኣብ ቡዙሕ ሰብ ይስማዕ ኢዩ ኢልካ ግና ንሱ ይኹን ኢልካ ምውሳነ ዲሞክራሲያዊ ኣይኮነን። ዲሞክራሲ ማዕርነት እምበር ሓቂ ማለት አይኮነን። ሓቂ ዝኾን ባዕሉ ብዘለዎ ፅቡቕ ዕድል ባዕሉ ኣብ ዕዳጋ ተቐባልነት ረኺቡ ናይ ዕዳጋ ናይ ቢዝነስ ሰራሕ ክኾን ምስከኣለ ኢዩ። ብሕጊ ደንጊግካ መስርሒ ምግባር ኣይግባእን።

ታሪክ ኢትዮዽያ ታሪክ ኩሎም ህዝብታትን ብሄር ብሄረሰባትን ብማዕረ ኢዩ። ክሳብ ሕዚ ታሪክ ተጋሩን ኣምሓሩን ኢዩ ታሪክ ኢትዮዽያ ተባሂሉ ዝዝረብ። ንሱውን ታሪክ መሳፍንቲ ኢትዮዽያ ታሪክ ነገስታት ጥራሕ ኢዩ። እቱ ሓደ ዓብዩ ዕንቅፋትን ቆስቋሲ ጎነፅ ካብ መሳፍንቲ ነገስታት ዝተወረሰ ታሪክ እዩ። እዙይ ብፍላይ እቱ መስፍናዊ ጃህራ ብፍላይ ምስ ሉኣላዊነት ተዛሚዶም ብሓይልታት ትምክሕቲ ዝዝርግሑ ሓሶታት እናበኣሱ ዝነብሩ ኢዮም። ናይዙ ሚእቲ ዓመት ታሪክ ብሃልቲ ሓቁ ወፂኡ ኣብ መድረኽ ክዝረብ ኣለዎ።

ኣብ መድረኽ ዝቐርብ ሓዊ ብድፍረት ንምቕባል ኩሉ ድልዉ ክኾን ኣለዎ። ትግራዎት ኣብዚ ሚእቲ ዓመት ካብ ሚኒልክ ጀሚሩ ዝወረዶም በደል ዘርዚሮም ምቕራብ ይኽእሉ ኢዮም። ሓይሊ ትምክሕቲ ነዚ ንምቕባል ቆራፅ ኮይኑ ይቕረብ። ብሓይሊ ትምክሕቲ ትግራዎት ፈፂሞምዎ ዝብሉዎ በደል ምስ ጭቡጥ መረዳእትኡ የቕርቡ ሓቂ ተቐቢልካ ንምውሓጥ ንድሕሪት ኣይንብልን። እዙይ እንተዘይገይሩ ኩሉ ግዘ እናተቛሰልካ ምቕፃል ኣፀጋሚ ኢዩ።

ኢህወደግ ንደርጊ ስዒሩ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ ዝነበረ ፖለቲካውን ወታደራዊን ትሕዝቶ ዘለዎ ምብሽሻቕ ኢዩ ነይሩ። ሕዚ ታሪክ ንምብልሻው ዝዓለመ ወፍሪ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ታሪክ ቁዱስ ያሬድ ኣብ ታሪክ ፈላስፋ ዘርኣያቆብ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ካብ ትግራዎት ፈላጥ ከመይ ኢሉ ይፍጠር ዝዓይነቱ ኣብዙይ እቶ ዘይበሃል ወንጃዕጃዕ ኢዩ።

 

 

ኣፈፃፅማ

ዘረዳድእ መድረኽ  ምፍጣር

ተቐሚጡ ዘሎ ሓሳብ ንምቕባሉ ዝኸብዶም ሰባት ከምዝህልዉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብፀቕጢ ወይ ብሓይሊ ተቐቢሎም ምባል  ድማ ኣይከኣልን። በዚ መሰረት ንምርድዳእ ዘኽእል፦

1.   ኣብ ዝተወረሰ ታሪኽ ፅፉፍ መፅናዕቲ ብተመራመርቲ ተዳልዩ ክቕርብ ምግባር / ቴዎድሮስญญญญญ–ዮሃንስ–ምኒልክ – ሃይለስላሴ

 

1.1.      ጠቐምቲ ክዉረሱ ዝግበኦም ፍፃመታት  ኣርባዕቲኦም ነገስታት

1.2.      ክዉረሱ ዘይግበኦም ስራሕቲ ኣርባዕተኦም ነገስታት

2.   ኣብ ዘበን እዞም ነገስታት ዝተረኣዩ ምሁራት

2.1.      ዘመናዊነት ንምትእታዉ ዝነበሮም ራእይ፣ ዝነበሮም ተቐባልነትን

2.2.      ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘቀሓሕር ስራሕ ዝሰርሑ መነመን ነይሮም ምስ መመኽነይትኡ ። /ብፍላይ ብትምክሕቲ ዝነኣዱ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ ገብረየሱስ ዘርኣዊያን ፀሓፍቲ ታሪኽ/

3.   ብነገስታትን ዉልቀሰባትን ዝተረኣዩ ሃገራዊ ክድዓት

3.1.      ብፖሊሲ ደረጃ

3.2.      ብመሸጣ ቦታ ወይ ብሰላልነት

3.3.      ብኻሊእ ክለዓል ዝኽእል ደረጃ

4.   ዉግኣትን ጦርነታትን

4.1.      ፀረ ባዕዳዊ ግዝኣት /ኮሎኒያሊዝም/ ዝተኻየዱ ናይ ምክልኻል ጦርነታት ምስ ቱርኪ፣ ምስ ግብፂ፣ ምስ ጣልያን ዝርዝር ቦታታትን ግዘን

4.2.      ዉሽጣዊ ዉግኣት ሕድሕድ

 

እዞም ዝተገለፁን ካሎት ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ መሰሓሓቢ ኮይኑ ናብ ጎነፅ ይጎትት ነይሩ ዝበሃል ኩሉ ናብ መድረኽ ብፅፉፍ መፅናዕቲ ተሰንዩ ክወፅእ እንተዝኽእል ምጠቐመ ይብል። ድሕሪ እዙ ምርድዳእ ኩሉ ዝሓለፈ ታሪኽ ናብ ሙዝየም ገዲፍካ ዝኾነ ድሕሪ እዙይ ዝለዓለ ሰብ ብናይ ሕዚ ዝነብረሉ ዘሎ ኩነታት ተበጊሱ’ምበር ብዝሓለፈ ታሪኽ ኣሳቢቡ ሕቶ ዝፅየፍ ክኾን ምግባር ይከኣል።ዝሓለፈ ታሪኽ ብዝርዝር እንተይፈለጠ ዝፍክርን ንካልኦት ብጌጋ ምውንጃልን ይቋረፅ።

ካብዙይ ሓሊፉ መሰልን ማዕርነትን ህዝብታት ኢትዮጲያ ዘኸበረ ሃገር ካብዘላቶ ድኽነት ብቕልጡፍ ነፃ ዘዉፅእ ምስ ዝኾነ ኣለኹልኩም ክብል ዝደሊ ባዕዳዊ ሓይሊ ምትሕሓዝ ዘይብሉ ዲሞክራሲያዊ  መንግስቲ ኢፍድሪ ምምስራት ፀገም ኣይኾነን።

 

Back to Front Page