|
ተጋሩ ኣብ መኸተ ኣንበጣ ነርእዮ ዘለና ምንቅስቓስ ከምዘለዎ ከይተዘሓሓለ ኣብ መኸተ¸ትምክሕቲ ክንቅፅሎ ይግባእ!! ጥቅምቲ 19፣ 2012 ዓ.ም. ብሉፃት ፖለቲከኛታት ክልልና ከምዝኣመትዎ እንተደኣ ኮይኑ፣ ዓመተ 2012 ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፈተናን ሒዛ ትመፅእ ብምዃና ከም ዓመተ 2011 ሓድነቱ ኣስጢሙ ነቓዕ ከይፈጠረ ክምክቶ ከምዘለዎ ይዛረቡ፡፡ ውዲት ትምክሕቲ ዝኾነ ኦሮማራ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝሓሰቦ ናይ ጥፍኣት ስጉምቲ ብሰፊሑ ኣጠናኺሩ ምውሳዱ ይፍለጥ፣ ኮይኑ ግና ሳላ ትግራዋይ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ክፍተት ከይፈጠረ ዝተቓለሰን ነቓዕ ንክፈጥሩ ዝተንቀሳቐሱ ባንዳታት ሳላ ዝመከተን ውዲት ትምክሕቲ ዕድሚኡ ኣኺሉ ፈረኽረኽ ክብል ገይርዎ እዩ፡፡ ኣብ 2011 ዓ.ም. ንትግራይ ብሰሜንን ብደቡብን ኣብ መንቀራቕሮ ኣእቲኻ ንምጭፍላቕ ዝተሓሰበ ውዲት ትምክሕቲ ትግራዋይ በቢዝተዋፈረሉ ብውዳበን ብውልቀን ብምምካት ታሪክ ኣያታቱ ደጊሙ እዩ፡፡
ሳላ ጥንኩር ቃልሲ ትግራዋይ እቲ ውዲት ትምክሕቲ ተመሊሱ ንኦሮማራ ነኒባዕሉ ከባልዕ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ኣብ 2010 ዓ.ም. ቀንዲ ሓይሊ ተደመርቲ ዝነበሩ ናይ ኣምሓራ ክልል ሊሂቃን ኣብ መወዳእታ 2011 ዓ.ም. ተቐነስቲ ኮይኖም እዮም፡፡ ናይ ቲ ምድማር ካልኩሌተር ወይ ከዓ ማሽን ፈጠርትን ሰብ ዋናን ንሕና ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ናይ ኦሮሞ ሊህቃን ኣብዚ 2012 ዓ.ም. ናይ መጀመሪያ ተቐነስቲ ኮይኖም ኣለዉ፡፡ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሲዳማ ካሊእ ድራማ ንክረአ ምድላዋት ይገብሩ ኣለዉ፡፡ ብሓፂሩ ዓመተ 2012 ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ተርእዮታት ዝፍጠረሉ ዓመት እያ ትኸውን፡፡ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ካብ ባህሪኡ ተበጊስካ እንትረአ ብምንም ተኣምር ህዝባዊን ዴሞክራሲያዊን ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ እዚ ሓይሊ እዚ ገና ናብ ስልጣን እንትመፅእ ጀሚሩ ብሓሶትን ብተንኮልን ብምጭብርባርን ስልጣን ዝሓዘ እንትኸውን፣ ንስልጣነይ ፀገም ክኾኑኒ እዮም ዝበሎም ነገራት እናጥፈአ፣ ሰባት እናቐንፀለን እናኣሰረን፣ ብሄር ተኮር ጥቕዓት ዘጎሃህሩ ዘረባታት ብሚድያ እናፈነወ፣ ህዝቢ ኣደዳ ዕግርግርን ምፍንቓልን ብምግባር ክሳቐ እናገበረ መፂኡ እዩ፡፡ ናይዚ ሓይሊ ናይ ቅንፀላ ይኹን ናይ ዕግርግር ውዲት፣ ምእንቲ መረፃ ከይካየድ ኣብ 2012 እውን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ይግመት፡፡ ናይዚ ምልክት ሓደ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ኣብ ኦሮሚያ ዝተፈፀሙ ናይ 69 ሰባት ቅትለት ሓደ እዩ፡፡ ብፍላይ ነቲ ቀንዲ ድፋዕ ሕገመንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ክብትን ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት ከምዝገብርን ይገብር ከምዘሎን ክፍለጥ ይግበኦ፡፡ ብፍላይ እቲ ቅልውላው ፖለቲካ ኣብ ኣምሓራን ኣብ ኦሮሞን እናተጎሃሃረ ይቕፅል ምህላዉ ነዚ ምእላይ እንትኣብዮ ናይ ዓቕሊ ፅበት ዓወፅወፅን ናይ ዓምፅ ዓምፆን ስጉምቲታት ንምውሳድ ምፍታኑ ኣይቐርን፡፡ ነዚ ንምምካት ሐዚውን ከም ዓሚ ሓድነትና ኣጠናኺርና ኣንፃር ትምክሕቲ ቃልስና ምሕያል እዩ፡፡ ትግራይ ኣብ ትምክሕትን ተስፈኛታትን መፃውድ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፤ ትግራዋይ ተቓሊሱ ነፃ ብዘውፀኦምን ናብ ስልጣን ብዘምፀኦምን ኣካላት ኣብ ዝተኽሓደሉን እዋን፤ ናይ 1951 ፀሊም ናይ ብርሰት ታሪክ ክደግም፤ ሕልሚ ትምክሕቲ ሓይሊታትያ ግሁድ ክገብር ካብ ባሕሪ ሰጊሩ ካብ የመን ብአንፈት ዓፋርን አምሓራን ዕስለ አንበጣ ምእታዉ ይፍለጥ፡፡ እዚ ናይ ተፈጥሮ ናይ ጥፍኣት ዕስለ ህዝቢ ትግራይ ከም ናይ ሓደ ገዛ ቤተሰብ ኮይኑ ሰሚሩ ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ጥፍኣት ዕስለ ብምዝማት ክሳብ ሐዚ ዘሕብን ዓዎት ኣመዝጊቡ ይርከብ፡፡ እዚ ዓዎት ንድሕሪት ከይምለስ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉን ካብ ኣንበጣ ሓራ ዘውፃእናዮም ከባቢታት ድማ፣ ካብ ክመፅእ ዝኽእል ካሊእ ዕስለ ብንቕሓት ክንከታተሎ ይግባእ፡፡ ኣብዚ ዓመት ነዚ ዕስለ ኣንበጣ ተኸቲሉ ትምክሕቲ ከም ኣንበጣ ኣብ ልዕሌና ኣብ ልዕሊ መንነትናን ከምዝዘምትን ፍሉጥ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ መኸተ ኣንበጣ ዘርኣናዮ ምንቅስቓስ ከምዘለዎ ከይተዘሓሓለ ናብ መኸተ¸ትምክሕቲ ክነዙሮ ይግባእ፡፡ ትምክሕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንክዘምት ከም ኣያታቱ መጀመሪያ ሰለልቱን ዕሱባቱን እዩ ዘዋፍር፡፡ እዞም ሰለልትን ዕሱባትን ድማ ካብ ቅንፀላ ጀሚሩ ክገብርዎ ዝኽእሉ ይዕበ ይንኣስ ኩሉ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይብሉን፡፡ ናይዞም ሰለልትን ዕሱባትን ዕላማ ብዝተፈላለዩ መንገዲታትን ውዲታትን ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን መንግስቱን ቅርሕንቲ ክፍጠር፣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ንባዕሉ ከባቢ ምስ ከባቢ እናፈላለዩ ነቓዕ ክፍጠር፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብን ውድቡ ህወሓትን ቅርሕንቲ ክፍጠር ብምግባር ደሓር ከልቢ ብዝኸፈቶ ዝብኢ ይኣትዎ ከምዝበሃል እዞም ነቓዓት ምስተፈጠሩ ትምክሕቲ ሰተት ኢሉ ብምእታው ዳግማይ ናብ ናይ ሚእቲ ዓመት ግፍዕን ወፅዓን ንምእታው እዩ፡፡ ባንዳታትን ዕሱባትን ትግራዋይነት ዝርድኦም ኣይኮኑን፡፡ ወፅዓ ህዝብን ወፅዓ ትግራዋይን ፈፂሙ ኣይንታዮምን፡፡ ገንዘብን ስልጣንን ክሳብ ዝረኸቡ ብህዝቢ ትግራይ ከምዝጣልዑ ጥርጥር የብሉን፡፡ እዚ ንምግባር ድማ ሓለይቲ ህዝቢ፣ ፉሉይ ተሓለቕቲ ንትግራዋይነት ብምምሳል ኣብ ውሽጢ ዝረኣዩ ገለ ገለ ግድፈታት እናልዓሉ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ውድብን ነቓዕ ክፈጥሩ ድቃስ ዘይብሎም ይሓድሩ፡፡ ባንዳታትን ዑሱባትን እቲ ዝኽፈሎም ዓስቢ፣ እቲ ዝወሃቦም ተስፋ ጥራሕ እምበር ትግራዋይ እንተተበቲኑ እንታይ ይኸውን ዝብል ኣይንታዮምን፡፡ እቲ ዝረኽብዎ ዓስቢን እቲ ዝትስፍይዎ ስልጣንን ክረኽብዎ ዝኽእሉ ድማ ትግራዋይ እንተተበቲኑ ጥራሕ ብምዃኑ ልእኾም ንምፍፃም ዘይፍንቅልዎ እምኒ ኣይህሉን፡፡ ነዚውን እዩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቆልዓ ምስ ዓበይቲ፣ ሰብኣይ ምስሰበይቲ ኮታስ ትግራዋይ ከም ትግረዋይ ብዘይምንም ፕሮፖጋንዳ ነቲ ኩነታት ኣንቢቡ ሓድነቱ ኣብ ዘስጠመሉ እዋን እዞም ባንዳታትን ዑሱባትን ግን ብማሕበራዊ ሚድያ ዘሎን ዘየለን ፀገማት እናፋሕጠሩ፣ ንዝተመለሱን ዘይተመለሱን ሰላማዊ ሰልፊ እናፀወዐ፣ ነቓዕ ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን እንትብሉ ንዕዘብ ኣለና፡፡ እዚኦም ካብ ፀላኢ ተፈልዮም ዝረኣዩ ዘይኮኑስ ቀንደኛ ፀላእቲ ተገይሮም ክውሰዱ ይግባእ፡፡ ስለዚ ኣንፃር ትምክሕቲ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ቅድም ቀዳድም ናይ ውሽጥና ነቐዛት ክፈጥርዎም ዝኽእሉ ኖዃላት ተኸታቲልና ክንዓብስን ዝብኢ ከይኣትወና ብንቕሓት ክንሕሉን ይግባእ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራዋይ ሓድነቱ ንምብታን ሰፊሕ ተንኮል ኣብ ዝፈሓሰሉ እዋን፣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ መንጎ ትግራዋይ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን፣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህወሓትን ነቓዕ ንምፍጣር ዝግበር ምንቅስቓስ ካብ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ካብ ውዲት ትምክሕቲ ተፈልዩ ኣይረአን፡፡ ጥቅምቲ 19፣ 2012 ዓ.ም. ርኢቶ ዘለዎ ብ hidaseethiopia@yahoo.com ወይከዓ hidaseethiopiaa@gmail.com ምብፃሕ ይከኣል
Back to Front Page |