Back to Front Page

ህዝቢ ትግራይ ተዳሎ።መሬት ትግራይ ንፀላእትኻ ግበራ ርስንቲ መቕሎ።

ህዝቢ ትግራይ ተዳሎ።መሬት ትግራይ ንፀላእትኻ ግበራ ርስንቲ መቕሎ።

ብታጁ ሙሓመድያሲን 5-12-19

muhamedyassintaju@gmail.com

 

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝተዳዕነነ ሰፍ ዘይብል ብሄራዊ ዕብላላን ደርባዊ መግዛእትን ካብ ሱሩ ምሒኻ ንምድብራይ ብዝገብርካዮ መሪር ተጋድሎን ንምእማኑ ዘፅግም ብዝኸፈልካዮ መስዋእትን ፈደራል ስርዓት ክምስረትን ኣብ እዛ ሃገር ብንፅፅር ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፈቲ ንክህሉን ዘኽእል ዓወት ንምምዝጋብ ክኢልካ ኢኻ።እዚ ምስ ኩሎም ውፅዓት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይንካ ብዘካየድካዮ ቃልሲ ንኣስታት 27 ዓመታት ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ዓወት እናመዝገበ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ውሽጢ ኢህወድግ ዝቦቖለ ናይ ምብስባስ ሓይሊ ልዕልና ረኺቡ ናይ ስልጣን ዝፋኑ ብምጭባጥ ዓዲ ናብ ፍፁም ምትርማስ ንክታቱ ብስፍሓት ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እዚ ናይ ምብስባስ ሓይሊ ንባዕሉ ናብ ገዛኢ ደርቢ ብምስግጋር ነዚ ናይ ገዛኢ ደርቢ ሽውሃቱ ንምርዋይ ብቓልስኻ ዝሰዓርካዮም ሓይልታት ቂሞም ዘይረስዑ ስዑራትን ደቂ ስዑራትን ብምትእኽኻብ ዝምስረትካያ ፈደራላዊ ስርዓት እትኽተል ኢትዮጵያ ብምፍራስ ኣብ ክንዲኣ ብኣሃዳዊ ስርዓት እትምራሕ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሳባትን ህዝብታትንን እሱርቤት ዝኾነት ኢትዮጵያ ዳግም ንምምስራት ሕጊጥ ይብል ኣሎ።

Videos From Around The World

እዛ ብኣሃዳዊ ስርዓት እትምራሕ ኢትዮጵያ ዕንቅፋት ክኾኑ እዮም ኢሉ ዘነፀሮም ድማ ነቲ ኣሃዳዊ ስርዓት ኣፍሪሶም ኣብ ክንዲኡ ን27 ዓመት ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ሃኒፆም ዝመፁ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓፈሽን ብፍላይ ድማ ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ክትህነፅ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ንዝኸፈለ ህዝብ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን እዩ።

እዚ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብብቕዓት ምምራሕ ዝተሰኣኖ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መጀመርታ እዋን ህዝቢ ትግራይ ከም ሌባን ቀጣፍን ክረአ ክሰርሕ ፀኒሑ።ብምቕፃል እዚ ስልቲ ከየዐዎቶ ምስቀረየ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ኣይኮኑን ዝብል መርዛም ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ ከም ዘመነ ሚኒሊክ ክልተ ጀጋኑ ራእስታት ማለት እውን ራእሲ ኣሉላን ራእሲ ሓጎስን ክዋግኡ ብምግባር ትግራይ ክልተ ጀጋኑ ደቃ ክትስእን ብምግባር ክትዳኸም ዝገብረ ኣብዪ ዝመርሖ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ እውን ህዝቢ ትግራይ ምስ መሪሕ ውድቡ ተጓኒፁ ክዳኸም መርዙ ብዘይ ምቁራፅ ምንዝሑ ቀፀለ።

 መሪሕ ውድብ ምስኣን ክሳብ ክንደይናይ ከም ዝጎድአካን ናብ መግዛእቲ ከም ዘእትወካን ካብ ቀዳማይ ወያነ ዝተመሃርካ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ምጥንኻር ብዝለዓለ ወነ ተንቀሳቒሰካ ኢኻ።

ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ተጠናኺርኩም ምህላውኩም ዝተገንዘበ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ብኤርትራ፣ብኣምሓራ፣ሱዳን መስመር ጅቡትን ወዘተ ኣብ መስመር ጅቡትን ሱዳን ህውከት ክለዓል ብወገን ኣምሓራን ኤርትራን ድማ ናይ ኩናት ምቅርራብ ክህሉ ብምግባር ናይ ንኽበብ ኣለና ዝብል ስነልቦና ክትፈጥርን ከም ህዝቢ እትሕዞን እትጭብጦን ስኢንካ ዕንይንይ ክትብልን ኣብ መሪሕ ውድብካ ህወሓት እምነት ክትስእንን ብስፍሓት ሰሪሑ።እዚ ስልቲ ተኸቲሉ እውን ኣይቀነዖን።

ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብስጡም ሓድነት ድሕንነትካ ክሕሎ ብዝገበርክሙዎ ስጡም ቃልሲ በርዒኑ እዩ።

ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን እንተይኣምበርከኸ ህራስ ዘይወስዶ መራሒ ኣሃዱ ስርዓት መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ስልቲ ክኽተል ኣገደዶ።ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ምክፍፋል ከም ዘሎ፤ህዝቢ ትግራይ ብከባቢነት ፈላሊኻ ብምጉናፅ ሓድነቱ ክልልሕ ንምግባር ብስፍሓት ተንቀሳቐሰ።ይኹን እምበር ብኣምሓርኛ የስኒ ማዕበል ከም ዝብልዎ ናይ ማንካ ማዕበል እውን ክፈጥር ኣይከኣለን።በዚ ዝሓረቐ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ንያትካን ንያት ህወሓትን ከሰብረለይ ይኽእል እዩ ዝበሎ ታህዲድ ጀሚሩ ኣሎ።ኣብ እዋን ኩናት ዓድዋ ንባሻይ ኣውዓሎም ከም መርዓት ዓይኖም ከም ዝርኢዎ ኩሉ ኣብዚ ዘመን ዘለና ተጋሩ ከም መርዓት ዓይንና እንሪኦን እንሕልዎን ጌታቸው ኣሰፋ  ኣሲሩ ክወስድን ከሳቕን ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ።ካልኦት ኣርባዕተ ኣብ ድሕንነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ብተውሳኺ ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መከላኸሊ ሃገርን ሲቪል ሰበ ስልጣናትን ትግራይ ኣሲሩ ክወስድ ሃሰው ይብል ኣሎ።ብናይ ነውፂ ኣግባብ ቃልሲ ናይ ስልጣን ዝፋኑ ዝተቖፃፀረ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ ምሉእ ዕድሚኦም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘገልገሉ ደቂ ህዝቢ ክኣስርን ከሳቕን እንትንቀሳቐስ እንኮሎ ዝፈፀምዎ ውንጀል ሃልዩ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ንምድኻም ብምዕላም እዩ።ወንጀለኛ ንምሓዝ ተዝኸውን መን ድዩ ክተሓዝ ዝግበኦ?ንዲሞክራስያዊ ሓርነት ኢትዮጵያ ዝደኸሙ ዝረሃፁ ዘደመዩ ኣካሎም ዝጎደሉን ዝተሰውኡ ተጋሩ ድዩ ክኾን ዝግባእ?እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግፍዒ ዝፈፀሙን ክፍፀም ዝገብሩን ኣብ ሑቕፊ እቲ ናይ ነውፂ ሓይሊ እዮም ዘለው።

ሓላፊ ድሕንነት ክገብሮ ዝግባእ መፅናዕቱ ንጠቅላይ ሚኒስተር የቕርብ።ጠቅላይ ሚኒስተር ድማ ክውሰድ ዝግብኦ ውሳነ ወሲኑ ንፖሊስ ኮሚሽነር ይህብ ፖሊስ ኮሚሽነር ድማ ዝተሓዝ ሒዙ ንቤት ህንፀት ይህብ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቤት ህንፀት ዝፍፀሙ ተግባራት ይከታተል።በዚ መስርሕ ተኺቲልና ነፅሪ ተተባሂሉ ጠቅላይ ሚኒስተር ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ።ፖሊስ ኮሚሽን ዝነበረ ወርቅነህ ገብዮህ።ናይቲ ቤት ህንፀት(ማእከላይ ምርምራ)ሓላፊ ዝነበረ ረታ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ምተገበአ።ዝገርም ነገር ግን እቲ ናይ ማእከላይ ምርመራ ሓላፊ ዝነበረ ረታ ንወፃእ ክጠፍእ እዩ ተጌይሩ ዘሎ።

ድሕነት ዝነበሩ ምትሓዝ ዝዕላምኡ እዩ እንተዝብሃል ድማ ኣብ ሑቕፊ ኣብዩ ዘሎ ለማ መገርሳ ምሓዝ ምቐለለ።ኣብ ኬንያ ኮይኑ ኦነግ እዮም እናበለ ዘእስር ዝነበረ ደሓር ድማ እንጅነር ስመኝ እንትቕተል ፖሊስ ኮመሽነር ኮይኑ ዝሰርሐ ዝነበረ ጀማል ዜኑ ናብ ሕጊ ክቐርብ ምተገበረ።

ብዘመነ ኢህወደግን ጌታቸው ኣሰፋን ሃገር ሰላማ ተሓልዩ ኣብ ሱሉጥ ልምዓትን ሕንፀት ዲሞክራስን ትስጉም ነይራ።ኣብ ዘመነ ኣብዩ ድማ ሃገር ብሃገራ ናብ ፍፁም ቅልውላው ኣትያ።ዘጥፈአ ይተሓተት እንተዝባሃል ክእሰር ዝግበኦ ጌታቸው ኣሰፋ ዘይኮነስ መላእ ሃገር ናብ ሕምስምስ ክትኣቱ ዝገብረ፣ንእንጅነር ስመኝ ዝቐተለ፣ቅማንትን ጉሙዝን ብጀምላ ክጭፍጨፉ ዝገበረ ናብ ሓደ ሚልዮን ዝፅግዑ ህዝቢ ገድኦ ብጥምየት ክሳቐዩ ዝገበረ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ስቅላት ክብይነሉ ምተገበአ።ዘመን ግሪምቢጥ ኮይኑ ዓዲ ዘቕንዑ ተሃደንቲ ዓዲ ዘፍረሱ ሃደንቲ ዝኾኑሉ ፀረ ወያናይ ኩንታት ንርከብ።

ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝተዳለው ሰራም ተንኮላት እቶም ልዕል ክብሉ ዝተገለፁ ኮይኖም ንመኸትኡ እንታይ ክግበር ይግባእ ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ መሬት ትግራይ ንፀላእቲ ርስንቲ መቕሎ ክትገብራ ክትንቀሳቐስ ይግባእ።ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ደርግ ሓራ መሬት ትግራይ ንምብስባስን ኣብቃልሲ ተስፋ ክቖርፅ ምእንቲ ባንዳታትን ሰለልትን ይስድድ ነይሩ።ብባንዳታትን ሰለልቱን ኣቢሉ እውን መስካሕኪሒ ግፍዕታት ይፍፅም ነይሩ።ኣብቲ ሽዑ እዋን ህዝቢ ትግራይ በቢ ውዳብኡ ስጡም ሓለዋ ብምክያድ እዩ ዘዝምፁ ባንዳታትን ሰለልትን ኣብታ ርስንቲ ሓራ መሬየት እናተሰኽተቱ ኣብኣ ክሓሩ ይገብር ኔይሩ ።ሐዝ እውን ካብ ብረታዊ ተጋድሎ ብምምሃር መሬት ትግራይ ንፀላእቲ ርስንቲ መቕሎ ክትገብራ ይግባእ።መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ፣መንግስቲ ኣምሓራን መንግስቲ ህግደፍን ዝልእኽዎም ዓፈንቲ፣ሰለልትን ባንዳታትን ኣብ መሬት ትግራይ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን በታ ርስንቲ መሬት ዝሓርሉን ብዘይ ሰዳዲ ወረ ዝተርፍሉን ኩነታት ክትፈጥር ይግባእ።ህዝቢ ትግራይ ክትክተሎም ዝግቡኡኻ ስልትታት ብሓፂሩ ንምግላፅ:-

1.ሓድነት ተጋሩ ክስጥም ኣለዎ።ሓድነት ተጋሩ እንተሰጢሙ መሬት ልዕል ሰማይ ትሕት እንተትብል ንህዝቢ ትግራይ ዘምብርክኽ ሓይሊ ኣይህሉን።

2.ዘብዒ ሰላም ውዳበታትካ ኣጠናኽር።ዘብዒ ሰላም ውድበታት ካብ እንብለን ውዳበታት እቲ ሓደ ውዳበ መናእሰይ እዩ።መንእሰይ ትግራይ ትግራይ ሰላም ኮይና ክትዘልቕ ወሳኒ ተራ እትፃወት ዘለኻ ሓይሊ ኢኻ።ትግራይን ህዝቢ ትግራይን እንትህሉዉ እዮም ዘላቒ ረብሓይ ዝረጋገፅ ብዝብል ፅኑዕ እምነት ጥንኩር ሓለዋ እናገበርካ ፀኒሕኻ ኢኻ።ሐዚ እውን ነዚ ተግባር ኣጠናኺርካ ምቕፃል ይግባእ።ክሳውዲ ክትሕሉ፣ኣብ መዛናጊዒ፣ትካላት ልምዓት፣መደቀሲ ሆቴላት ዝረአዩ ናይ ጭጉሪ ለወጥ ምቅስቓሳ ብንቕሓት ክክታተልን ምስ ፀጥታ ሓይልታት ብጥብቂ ክትሰርሕን ይግባእ።ካብዚ ብተወሳኺ ፀሊም እስቲከር ዝለጠፋ መካይን ልዑል ክትትል ክትገብረለን ይግባእ።

3.ደቂ ኣንስትዮ ሰላም ትግራይ ንምሕላው ዝተፃወትክንኦ ግደ ወደር የብሉን።ደቅኽን ብገንዘብ ከይታለሉ ብምምካር ካብዚ ሓሊፎም እውን ጮጉሪ ለወጥ ክከታተሉን ምስ ሓይሊ ፀጥታ ሓቢሮም ክሰርሑ ዘካይድክነኦ ንጥፈት ታሪኽ ንዘላኣለም እናዘክሮ ክነብር እዩ።ብቐጥታ ባዕልኽን እውን ምስ ፀጥታ ሓይልታት ሓቢርክን ሰሪሕኽን ተዓዊትክን ኢኽን።ሐዝ እውን ነዚ ተግባር ኣጠናኺርክን ክትቅፅላሉ ይግባእ።

4.ምልሻ/ወያናይ ትግራይ ሳላኻን ሳላ ጅግና ህዝቢ ትግራይን ንትግራይ ፀላእቲ ንምጥቃዕ እንትሓስቡ ክልተ ሰለስተ ግዘ ክሓስቡ ዝገበርካዮም ሳላ ምዕሩይ ምድላው ዝገበርካ እዪ።ሐዚ እውን ምስ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት ካልኦት ነበርትን ብምትሕብባር ሓለዋኻ ኣጠናኽር።

5.ነባሪ ከተማ ብፍላይ ነጋዳይ/ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ሰላማ ዝተሓለወት ንልምዓት እትሰርሕ ትግራይ ክትከውን ዘበርከትኩሙዎ ግደ መተካእታ የብሉን።ሐዝ እውን ንፀጥታ ሓይሊ ክልል ትግራይ ብገንዘብን ብንዋትን ንምጥንኻር እትገብርዎ ዘለኹም ምንቅስቓስ ዘሕብን እዩ።ብፍላይ ከተማ መቐለ ሰብ ሃፍቲ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ክተጠናኽሩ ጀሚርኩሙዎ ዘለኹም ምንቅስቓስ ካብ እሙን ምንጪ ምስ ሰማዕና ብተግባርኩም ኮሪዕና ኢና፡፡ካልኦት ከተማታት እውን ኽስዕበኦ ይግባእ።

6.መንግስቲ ትግራይ ነዚ ልምዓትን ሰላምን ድሕንነትን ትግራይ ልዑል ምድላው ከም ዝገበረ ደጋጊሙ ንህዝቢ ዝገለፀ እንትኾን እዚ ምድላዉ ውፂኢታዊ ዝኾን ህዝቢ ትግራይ ብዘይምንም ኣፋላላይ ብስጡም ሓድነት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ትግራይ እንትስለፍ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ደጀን ልምዓታዊ መንግስቲ ትግራይ ኮይንካ ቃልስኻ ኣጠናኽር።

ሙሉእ ኣቕልቦና ንድሕነት ሕዝቢ ትግራይ ይውዓል!!

ኩናት ዓኾራ ኣብ ዘመነ ህወሓት ኣይድገምን!!

Back to Front Page