Back to Front Page


Share This Article!
Share
ክድገሙ ዘይብሎም ሕመቓት

ክድገሙ ዘይብሎም ሕመቓት

ብተክለሚካኤል ኪ/ማርያም 1-12-19

 

ትግራይ ቅድመ አኵስምን ድሕረ ኣኵሱምን ጀሚሩ ማእኸል ስልጣነብምዃና በላሕቲ መራሕቲ ዝፍጠሩላ ከባቢ ከም ዝኾነት ከም ሊቁ ቅዱስ ያሬድን ዘረአያእቆብን ዝበሉ ፈላሰፋታት ኣብነት ወሲድካ ምርግጋፅ ይከኣል፡፡ይኹን እምበር እዚ ዘመን ተሳጋሪ ዝኾነ ብልሕን ጥበብን ኣብ ረብሓና ኣብ ምውዓል ክንድ ዝደለ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ምኽንያቱ ካብ ቀደም ጀሚሩ ፀጋታትካ ብግቡእ ካብ ዘይምዕቃብ ብዝነቅል ፀገም ድሕሪ ዓበይቲ ፍፃመታት ዓንቀፍቀፍ ምባል ልሙድ እዩ፡፡

እዚ ዝተለመደ ዓንቀፍቀፍ እንትርአ ዘይምድምማፅ ፣ ህልኽ ፣ ቅንኢ ፣ ሰብ ከከም ፍልጠቱ ክብርን ቦታን ክረክብ ዘይምፍቃድ ወዘተ እንትኾኑ ጌጋ ኣለዎም ካብ ዝበሃሉ  ሕሉፍ ፍፃመታት ዝስዕቡ ውሑዳት ኣብነታት ብምርኣይ ሕዚውን ጌጋታት ከይድገሙ ክንመሃረሎም ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

Videos From Around The World

1. ኲናት ደጃዝማች ሰባጋዲስን ራእሲ ማርዬን

ኣብ እዋን ዘመነ መሳፍንት ገዛኢ ጎንደር ዝነበሩ ራእሲ ማርዬ ትግራይ ጠቕሊሎም ክገዝኡ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ደጃዝማች ሰባጋዲስን ኲናት ኣውጆም ኣብ ፀለምትን ተከዘን ዝርከቡ ቦታታት ተቖፃፀሩ፡፡ደጃዝማች ሰባጋዲስ መኳንንቶም ኣኪቦም ብዛዕባ እቲ ኩነታት መግለፂ ምስገበሩ ወዶም ደጃዝማች ሐጎስ /መይዳ ፀበቦ/ ፀላኢ ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ንዓና ስለይምችወና ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ዓሪድና ብምፅናሕ ነጥቅዓዮ ዝብል ሓሳብ ኣቕረቡ፡፡ይኹን እምበር  መኳንንቲ ትግራይ ስለዘይተቐበልዎም ናብ ከባቢ ደብረ ኣባይ ከይዶም ምስ ገጠሙ ደጃዝማች ሓጎስ ከም ዝፈርሕዎ ሰራዊት ትግራይ ተስዒሩ ደጃዝማች ሰባጋዲስን ጅግና ደጃዝማች ሓጎስን ዝርከብዎም መኳንንቲ ትግራይ ሃለቑ፡፡

ራእሲ ማርዬ ብጅግና ደጃዝማች ሐጎስ ክሳዶም ተሰይፎም ይሙቱ እምበር ደጃዝማች ውቤ ንራእሲ ማርዬ ተኪኦም ትግራይ ብምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ትግራይን ብኣንደበት ወድሰብ ተነጊሩ ዘይውዳእ ግፍዕን መከራን ኣውረዱ፡፡እዙይ ሰኣን ምድምማፅን ምልዛብን ዝተፈጠረ ፀገም ነይሩ፡፡

2. ወፍሪ ኣንፃር ድርቡሽን መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ምድኻም ትግራይ

ሃፀይ ዮሃንስ ጅግንነትን ብቕዓትን ራእሲ ኣሉላ ብምግንዛብ ዝለዓለ ስልጣን ምሃቦም ግቡእ እነሃለወ ራእሲ ሓጎስ ግና ብመሰረት መስፍንነት ሓረግ ትውልዲ ነኣይ ይግበአኒ ብምባል ምስ ራእሲ ኣሉላ ምርእኣይ ነይርዎም ይበሃል፡፡ሃፀይ ዮሃንስ ስምዒት ራእሲ ሓጎስ ንብዙሕ ጊዜ ኣይቀበልዎ እምበር እናውዓለ እናሓደረ ኣብ ራእሲ አሉላ ዝነበሮም ሚዛን ስለዝነከየ ናብ መተማ ኣንፃር ድርቡሽ እንትወፍሩ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰራዊት ንኻልእ ስለዝሃብዎ ራእሲ ኣሉላ ሕጉስ ከም ዘይነበሩይንገር፡፡ሰራዊት ሃፀይ ዮሃንስ ከም ናይ ራእሲ ኣሉላ ጥበብ ዝተላበሰ ኣመራርሓ ብዘይ ምርካቡሃፀይ ዮሃንስ እንትስውኡ ትግራይን ተጋሩን  ታሪካዊ ውድቀት ኣተኣናገዱ፡፡

3. ጉዕዞ ራአሲ ኣሉላ ናብ ሽዋ

ድሕሪ መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራእሲ ኣሉላ ናብ ስራሕ ቦተኦም ኤርትራ ከይዶም ስራሕ ይጀምሩ እምበር ራአሲ ሓጎስ ኣብ ልዕሊ ራእሲ ኣሉላ ዝነበሮም ቂርታ ብምቕፃል ካብ ራእሲ መንገሻ ከርሕቕዎም ይፍትኑ ነይሮም ይበሃል፡፡

ቅድም ክብል ራአሲ ኣሉላ ካብ ስራሕ ቦተኦም ናብ ቤተ መንግስቲ እንትመፁ ሃፀይ ዮሃንስ ብዋዛ ፈዛዛ እንተይኮነስ ኣብ ዙፋኖም ኮይኖም ብኽብሪ ይቕበልዎም ከም ዝነበሩ ይትረክ፡፡መንግስትነት ትግራይ ብሃፀይ ሚንሊክ ምስ ተወሰደውን ራአሲ መንገሻ ዮሃንስ መራሒ ትግራይ ስለዝነበሩ ራእሲ ኣሉላ ንጉዳይ ሰራሕካብ ኤርትራ ናብ መቐለ ምምፃእ ግድን ነይሩ፡፡

ብመሰረት እዚ ሓደ መዓልቲ ራእሲ ኣሉላ ናብ መቐለ መፂኦም ናብ ቤተ መንግስቲ ክኣትዉ እንትብሉራአሲ መንገሻ ምስ ራእሲ ሓጎስን ካልኦት መኳንንትን ኮይኖም ዘተ ሒዝና ኢና ይፅንሑ ዝብል መልእኽቲ ብኣጋፋሪኣቢሉ ንራእሲ ኣሉላ ክበፅሖም ገበሩ፡፡

ብዙይ ዝተናደዱ ራእሲ ኣሉላ ናብ ሃፀይ ሚንሊክ ኢድ ክነስኡ ሰራዊቶም ሒዞም ናብ ሸዋ ገፆም ኣምርሑ፡፡እዙይ ዝሰምዓ ኢቴጌ ፀሃይቱ መኳንንት ሸዋ ኣኪበን ኣሉላ ምምፃእ ማለት ዓብይ ዓወት ከም ዝኾነ ብምግላፅ ብፍሉይ ክብሪ ተቐቢሎም ክእንግድዎም መምርሒ ኣተሓላሊፈን፡፡ብመሰረት መርሃ ግበሪ ኢቴጌ ፀሃይቱ መኳንንቲ ሸዋ መን መኣዘ ከም ዘዳሉ ተዛራረቦም ንራእሲ ኣሉላን ሰራዊቶምን ናይ 60 መዓልቲ እንግዶት ኣዳለውሎም፡፡

ራአሲ ኣሉላ ኣብ ሸዋ ምስ በፅሑ ኣቀባብላ እንትግበረሎም ኣብ ቅድሚ ሃፀይ ሚንሊክ ጠጠው ኢሎም ጠረፍ ካብ ምሕላው ሓሊፉዝፈፀምክዎ በደል የለን፡፡ነገር ግን እንትፍክር «የምፅዋ ዳኛ የሽዋ ወደረኛ» ኢለ ይለዓል ስለዝነበርኩ ይቕረታ ይግበሩለይ ኢሎም ኢድ እንትነስኡ ምሉእ ምሕረት ሂቦም ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሸምዎም፡፡

ኣብዙይ ስኣን ምድምማፅ ሓይሊ ትግራይ ምድኻሙን መገሻ ራአሲ ኣሉላን ዝፈለጠ ጣሊያን ሓይሉ ኣጠናኺሩ እናደፍአ ስለዝመፀ ብራእሲ መንገሻ ዝምራሕ ሰራዊት ትግራይ ብጅግንነትኳ እንተተዋግአ ብተኻታታሊ ኲናት ተዳኸሙ ጣሊያን ክሳብ ማይጨው ምስ በፅሐ ኲናት ዓድዋ ክካየድ ግድን ኮነ፡፡

4. ኣብ መንጎ ራእሲ ሓጎስን ራእሲ ኣሉላን ዝተኻየደ ኲናት

ሃፀይ ሚንሊክ ድሕሪ ኲናት ዓድዋ ብሓደ ሰብ እትምራሕ ዝነበረት ትግራይ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ራእሲ መንገሻ ኣልውሃ ምላሽ ወርዒ ምላሽ ፣ ራእሲ ኣሉላ ወርዒ ምላሽ መረብ ምላሽ ከምሓድሩ ንኽልቲኦም ሸይሞም ከዱ፡፡

ሕዚውን እቲ ምውሳን ራእሲ ኣሉላ ቀፂሉ ራእሲ መንገሻ ግዝኣት ራእሲ ኣሉላ ኣብ ዘኾነ ምዕራብ ትግራይ ንራእሲ ሓጎስ ሸምዎም፡፡ራእሲ ኣሉላ ንራእሲ ሓጎስ ኣብ ግዝኣተይ የእቱን ብምባል ኣብ ዓቃብ ሰዓት ብዝተገበረ ኲናት ራእሲ ኣሉላን ራእሲ ሓጎስን ከንቱ መስዋእትነት ከፈሉ፡፡ናይዞም ክልተ መራሕቲ ትግራይ ሞት ንመንግስትነት ሸዋ መሰረት ዘደላደለ እንትኾን ንሓይሊ ትግራይ ናብ ግብኣተ መሬት ዘብፅሐ ነይሩ፡፡እዙይ ስኣን ጉዳይካ ብሰላም ምፍታሕን ዘይምልዛብን ዝተፈጠረ ግብዝነት ነይሩ፡፡

5. ኣብ መንጎ ደጃዝማች ገ/ስላሴን ራእሲ ስብሓትን ዝተኻየደ ኲናት

ኣብ ኣከባቢ መወዳእታ መንግስቲ ሃፀይ ሚንሊከ ትግራይ ብራእሲ ስዩም ፣ ብራእሲ ስብሓትን ብደጃዝማች ገ/ስላሴን ትመሓደር ከም ዝነበረት ይንገር፡፡ኣብቲ እዋን በቶም ዝተጠቐሱ ሰለስተ መራሕቲ ኣተሓባባርነት መኳንንቲ ትግራይ መንግስትነት ትግራይ ንምምላስ ክዳለዉን ንሃፀይ ሚንሊክ ኣይንገብርን ክብሉን ወሰኑ፡፡

እቲ ውሳነ ደጃዝማች ገ/ስላሴ ከም ዘተሓባበርዎ ብምስጢር ናብ ሃፀይ ሚንሊክ ቤተ መንግስቲ ተላኢኹ ንደጃዝማች ገ/ስላሴ ንምውጋእ ምድላዋት እናተገበሩ ከም ዝኾኑ ድማ ፈተውቶም ካብ ቤተ መንግስቲ ሓበሩሎም፡፡ እዙይ ብዝወለዶ ጎንፂ  ደጃዝማች ገ/ስላሴ ምስ ራእሲ ስብሓት ኣብ ዓኾራ ኲናት ገጢሞም ራአሲ ስብሓት ምስ ክልተ ደቆም /ደጃዝማች ኣስገዶምን …./ ዘየድሊ መስዋእትነት ከፈሉ፡፡

ብተወሳኺ ራእሲ ስዩም ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ብፅጌረዳ ኣቢሎም ብምኻድ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ምስ ደጃዝማች ገ/ስላሴ ውሱን ኲናት ምስ ገበሩ ደጃዝማች ገ/ስላሴ ናይ መኳንንቶም ደገፍ ስለ ዝሰኣኑ ኤርትራ ናብ ዝርከብ ጣልያን ብምኸድ ብዕርቂ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘይሮም ኣተዉ፡፡ከም ዝተለመደ ንሰንሳትካ ብምንኻስ ሓይሊ ትግራይ ተመናመነ፡፡

6. ጎንፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ 1993 ዓ/ም

እዙይ ናይ ትማሊ ታሪክ ብምዃኑናብ ዝርዝር ምእታው ኣድላዪ ኣይኹን እምበር እቲ ፀገም ናይ መን ነይሩ ብዘየግድስ ኣፈታትሕኡን መቐፀልትኡን ትኽክል ስለዘይነበረ ክሳብ ሎሚ ዋጋ ዘኽፍለና ዘሎ ምዃኑ ፈሊጡ ኵሉ ትግራዋይ ብፍላይ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ክመሃረሉ ትፅቢት ይግበር፡፡

እዞም ዝተጠቐሱ ኣብነታት ተጋሩ ካብ ቀደም ጀሚሩ እናወደቕና እናተሳእና ዝመፀናሉ ታሪክ ንሕዚ ትምህርቲ ክኾነና እንተዘይክኢሉ ኣብ ዝእዋን ተፈጢሮም ዘለዉ ፈተና ህልውና ተጋሩ ብግቡእ ምምካት ከፅግም ከም ዝኽእል የማላኽቱና እዮም ዝብል ተስፋ ኣለኒ፡፡ብፍላይ አዞም ዘይምድምማፅ ፣ ህልኽ ፣ ቃለይ የዓቢ ወይ ዝበልክዎ ይኹን ፣ ህፀፅን ቅንእን ዝበሃሉ ጠንቅታት ትግራይ ክውገዱ ይግባእ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ኣፈላላዩ ብምውዛፍ ኣብ ሓደ ዓሲሉ ኣብ ዝርከበሉ መሪሕነት ህወሓት ንዚ ፀጋ እዙይ ኣማእኺሉ ሓድነቱ ብምጥንኻር ክመርሕ እዩ ተባሂሉ ይእመን፡፡ነገር ግን ኣብዚ ሰሙን ብኢሳት ዝናፈስ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ይኸውን አዩ ኢልካ ምድምዳም ዘፅግምኳ እንተኾነ ምስ ሕሉፍ ታሪክና እንትረአ ግና ንኸይኸውን ውሕስና ዘለና ኣይመስለን፡፡

ብተወሳኺ ህልው ኵነታት ህዝቢ ትግራይ እንትግምገም ብብቕዓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ሕጉስ ኮይኑ ብኻልእ ወገን ብቑዕ መራሒ ካብ ብቑዕ መርሒነት ከም ዝውለድ ርዱእ ብምግባር ብቕዓት ዶ/ር ደብረፅዮን ካብ ብቑዕ ኣመራርሓ ህወሓት ዝፈልፈለ እዩዝብል እምነት ህዝቢ ዓቂቡ ህወሓት ውሕስና ሓድነቱ ከረጋግፅ ትፅቢት ይግበር፡፡

Back to Front Page