ክረምታዊ ወፍሪ መናእሰይ ተኮር ከባቢያዊ ልምዓት ምስ ኣከባብራ በዓል ሚለኔም ኢትዮጵያ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ!
ኣከባብራ በዓል ሚለኔም ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብፕሮጀክት ክልተ ተኽሊ ንኽልተ ሽሕ ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ኣሎ፡፡ እቲ ቐንዲ በዓልና እነኽብረሉ ድማ ብሰሙናት ዝቑፀር ግዘ ተሪፍዎ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ቀንዲ ተዋሳእቲ ሓይሊ መንእሰይ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን፡፡ ግደ መናእሰይ ኣብ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ዝዓዘዘ ምዃኑ ካብቲ ሓፈሻዊ ከይዲ ንጥፈት ምዕዛብ ይከኣል፡፡
መናእሰይ ክልልና ብዓርሰ ተበግሶ ምልዕዓል ይኹን በቲ ከባቢያዊ ምምሕዳር ዝግበር ደገፍን ምትሕብባርን ኣብቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ዝረኣዩ ዓበይቲ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ፀገማት ንምፍታሕ ምስቲ ከባቢያዊ ምምሕዳርን ነባሪ ሕብረተሰብን ተዋዲዶም ኣብዝተፈላለዩ ልምዓታዊ ምንቅስቓሳት ተዋፊሮም ዜግነታዊ ግብኦም እንትፍፅሙ ይረኣዩ ኣለዉ፡፡ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት መናእሰይ ተወዲቦም ኣብ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝናኣድ ስራሕቲ ፈፂሞምዮም፡፡
ንኣብነት: ኣብክንክን ሓለዋ ከባቢ ከም ስራሕቲ ዳግመ ግረባ፣ ክንክን ሓለዋ ኣግራብ፣ መራኸቢ መንገዲታት ምፅጋን፣ ብሓይሊ ዝናብ ዝፍጠሩ ጉህሚታት ምክልኻል
· ኣብ ከባቢያዊ ፅርየት ኣብ ምድላው መቕበሪ ዝበስበሰ ጎሓፍ፣ምፅራግን ምድፋንን ጀቕጀቕ፣ ምእላይ ዝዓቁር ማይን ዘየድልቱ ፃህያያትን
· ዕድመ ንዝደፍኡ ኣረጋውያንን ዓቕመ ደካመታትን ዝኮኑ ወገናት ምሕጋዝን ምሕብሓብን፣ ብፍላይ ዝፈራረሱ መንበሪ ኣባይቲ ምፅጋን፣ ንመራሕቲ ስድራ ደቂ ኣነስትዮ ደገፍ ንዋትን ጉልበትን ምግባር፣ ኣብ ቦታ ሕርሻ ተረኺቦም ብፃህያይ ምፅሃይ ምድጋፍ፣ ውሕጅ ንዝኣትዎም ከባቢታት ካብ ሓደጋ ውሕጅ ምክልኻል፡፡
· ስእነት ምግቢ ንዘጋጠሞም ዓቕመ ደካማ ዝኾኑ ኣረጋውያን፣ ጉድኣት ኣካልን ጠዋሪ ዘይብሎም ህፃውንትን ነቲ ከባቢ ህዝቢ እናልዓዓልካ ሕሰብረተሰብ ደገፍ ክገብረሎም ምንቅስቓስ
· ማንዛ ንማንዛ ትምህርቲ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ትምህርቲ ኮለጃትን ዩኒቨርስቲታትን ዝመፁ ተምሃሮ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ግዚኦም በቢባህተኦምን ክእለቶምን ተወዲቦም ካብ ዝተሓተ እስካብ ዝለዓለ ብርኪ ትምህርቲ ክረምታዊ ትምህርቲ ማንዛ ንማንዛ እናሃቡ ይርከቡ፡፡ ምስ እዚ ጎኒንጎኒ ኣብ ምክልኻል ተላበድቲ ሕማማት፣ ስነ ተወልዶ ኣስተምህሮ እናሀቡ ይርከቡ፡፡
እዚ መደብ እዚ ኣብ ሓድሽ ሚለኔም ብዝትጠናኸረ ኩነት እንቕፅለሉን ኣስፊሕና እንዓመሉን እዩ፡፡ መናእሰይ ኣብ ሓድሽ ሚለኔም ኣብ ኩለ መዳያዊ ንጥፈት ዝለዓለ ናህሪ ምትሕግጋዝ ከርእዩ ይግባእ፡፡
ኢኮኖሚያ ፀገም ዘለዎም መናእሰይ ተምህርቶም ንኸየቋርፁ ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ መናእሰይ ንመናእሰይ ብዝብል እቶት ብምትእኽኻብ ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዝ ምግባር፡፡
· ኣብ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር -ምምሕዳር ከባቢ መድረኽ ዘተ መናእሰይ ክፈጥሩ ብምግባር በቲ ሕብረተሰብ ዝለዓሉ ሕቶታት ወድዓውነቶም ክረአዩን ክፍትሑን ምግባር፣ ኣብቲ ከባቢኦም ዝፍፀሙ መደባት ልምዓት ብምሉእነት ክሳተፉን ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ከወፍዩን ትፅቢት ይግበር፡፡
ዕቑር ፍልጠት፣ ክእለትን ጉልበትን መንእሰይ ንኹሉ ብዘሳትፍ መልክዑ ኣብ ምምራሕን ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ ዝብል ተግባር ክሳተፍን ምግባር ጠቓምን ይውዓል ዘይበሃልን ዋኒን ስለዝኾነ ኣብ ሓድሽ ሚለኔም ክጠናኸርን ክምዕብልን ዝግበኦ’ዩ፡፡ ኣብ ሓድሽ ሚለኔም ሕብረተሰብና ሓባራዊ ኣረዳድኣ ዝሕዘሉ ድኽነት ኣብ ሃገርና ታሪኽ ዝኾነሉ ፣ ንቡር ባህሉን ማሕበረ ቁጠባዊ ፀጋታቱ ዘማዕብለሉ፣ ብምሉእ ተወፋይነት ናብ ልምዓት ዝኣትወሉን ሰላምን ዲመክራስን ዘረጋግፀሉን እዩ፡፡ ስለዚ ብምኽንያት ኣከባብራ በዓል ሚለኔም ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ክረምታዊ ወፍሪ ከባቢያዊ ልምዓት ተዋፊሮም ዘለዎም ክእለትን ፍልጠትን ብግቡእ ኣብ ተግባር ብምውዓል ተረከብቲ ሕድሪ ምዃኖም ከመስክሩ ይግባእ፡፡
ኮሚቲ ዴስክ ኣከባብራ በዓል ሚለኔም ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ