|
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ኳታር ስትራጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ንምዕዋት ዓሊማ እትገብሮም ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተገሊፁ።
ኣብ ኳታር ዘሎ ተወላዲ ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ልምዓት ዓዱ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ከሐይል እትሰርሕ ዘላ እዛ ማሕበር ቅድም ክብል ብብርኪ ክልልን ሃገርን ይሳለጡ ዝነበሩ ልምዓታዊ ስራሕቲ ብምድጋፍ ኣብነታዊ ተርኣ ክትፃወት ዝፀንሐት ኮይና 4 ጳጉሜን 2011 ዓ/ም ካብ ኣባላት ማልት ጨንፈር ኳታር ዝተኣከበ 5,800 ዶላርን ቅድሚ 6 ዓመት ካብ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ብሽም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተዓደገ ናይ 1,800 ዶላር ቦንድን ብድምር 7,600 ዶላር ኣሜሪካ ንዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣረኪባ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ኳታር ኣይተ ኣንዋር ዓብዱ ከምዝገለፅዎ ኣብ ኳታር ልዕሊ 3ሽሕ ትግራዋይ ከምዝርከብን ካብዚ እቲ 339 ተወላዲ ትግራይ ኣባል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ኳታር ብምዃን ደገፉ ይገልፅ ከም ዘሎ ኣረዲኦም። ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህልው ኩነታት ጠለብ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ብምድህሳስ ኣብ ዘፈራት ትምህርትን ጥዕናን ዘሎ ፀገም ብምቕላል ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝተናገፈት ምዕብልቲ ትግራይ ንምርኣይ ዓሊሙ ዝተዳለወ ስትራጂክ ትልሚ ሰለሰተ ዓመት (2011-2013 ዓ/ም) ንምዕዋት ቁፅሪ ኣባላት ማልት ጨንፈር ኳታር ብምስሳሳን ኣብ መዓልቲ ሓደ ሪያል ብምእካብ ከምኡ‘ውን ዝተፈላለዩ ብዓላት ብምድላው ዝርከብ እቶት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣታዊ ንምግባር ከምዝስራሕ ወሲኾም ዝገለፁ ኣይተ ኣንዋር ዓብዱ ኩሉ ዓይነት ስራሕቲ ንምስላጥ ኣብ ጎኖም ኮይኑ ይድግፎም ንዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም። ኣብዚ ዓመት ካብ ዓመታዊ ክፍሊት ኣባልነት ማልት ዝተኣከበ 5,800 ዶላርን ብሽም ማልት ዝተዓደገ ናይ 1,800 ዶላር ቦንድን ናብ ማልት ኣታዊ ዝገበሩ ኣይተ ኣንዋር ኣብዚ ሰናይ ተግባር ንዝተሳተፉ ኣባላት ማልት ጨንፈር ኳታር ብምምስጋን ካልኦት ‘ውን ኣሰሮም ክስዕቡ ፀዊዖም።
ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ኳታር ዝተበርከተ ውህብቶ ዝተረከቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ፣ እዛ ማሕበር እትገብሮ ዘላ ኣብነታዊ ተግባር ብሽም ማሕበር ልምዓት ትግራይን ተጠቓማይ ሕረተሰብን ኣመስጊኖም ‘ዮም። ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ኳታር ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ንዝነበራ ኣብነታዊ ምንቅስቓስ ካብ 24-25 ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ዝተበርከተላ ፅዋዕን ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐትን ዘበርከቱ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ፤ ኣብዚ እዋን ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ተዳሊዩ ይትግበር ዘሎ ስትራጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ሸትኡ ዝወቅዕ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ብዘካይዶ ውሁድ ምንቅስቓስ ስለዝኾነ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጨናፍር ማልት ኣሰር ማልት ጨንፈር ኳታርን ካልኦት ኣብነታውያን ማሕበራትን ብምስዓብ ህዝበን ከተሓባብራ ፀዊዖም። ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ! Back to Front Page |