Back to Front Page

Residents of Chila and Rama towns of Merebeleke woreda raised over 470 thousand birr during the telethons held

Residents of Chila and Rama towns of Merebeleke woreda raised over 470 thousand birr during the telethons held

Mekelle: 26 September 2012 E.C

In support of TDA’s continuous effort in terms of improving access, equity and quality of education and health services and its public mobilization activities, residents of Chila and Rama towns of Merebleke woreda conducted fund-raising activities on 21 and 25 September 2012 E.C, respectively.

While the participants in Chila town raised 100,485, those in Rama contributed 369,700 birr, which aggregates 470,186.

Being present during the event held at Rama town, Mr. Hailemariam Haftu director of membership mobilization and fund raising directorate of TDA gave a compliment on behalf of TDA and its beneficiaries to the residents of Chila and Rama towns of Merebeleke woreda for organizing telethons to support TDA’s endeavors in converting makeshift/‘dass’ classes into buildings.

Having mentioned the 30 years’ remarkable works of TDA on the improvement of coverage, equity and quality of education and health services along with its members and supporters in order to create a prosperous Tigrai free from poverty and backwardness, Mr. Fitsum Legesse, administrator of Merebleke woreda on his part reminded that TDA also did similar education projects in the area.

Videos From Around The World

After explaining that the fund-raising events held at both Chila and Rama towns were part and parcel of the efforts the government is doing to getting rid of poverty and backwardness, Mr. Fitsum also committed that similar activities would be done in the other tabias and kushets of Merebeleke woreda to continue strengthening the supports bestowed to TDA through carrying out public mobilization activities. 

Eritreans, who settle in Rama town, were taking part in the fund-raising event held and financially contributed to express their solidarity to the development activities being undertaken in Tigrai.

It is to be recalled that TDA, in cooperation with members and supporters in and out of Tigrai, has been doing fund-raising activities making use of different mechanisms (such as membership fees, SMS 6831, TDA bank accounts, money raised from beer consumers via beer wholesalers, GoFundMe) to implement education and health projects since the announcement of the three years’ strategic plan (2011-2013 E.C) last year on the 10th of February 2011 E.C.

 

 

ነበርቲ ወረዳ መረብለኸ ከተማታት ጭላን ራማን ኣብ ዘሳለጥዎ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ልዕሊ 470 ሽሕ ብር ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣወፍዮም

 

መቐለ፤ 26 መስከረም 2012 ዓ.ም

ነበርቲ ወረዳ መረብለኸ ከተማታት ጭላን ራማን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ምምሕያሽ ዝርግሐን፣ ፍትሓውነትን ፅርየትን ትምህርትን ጥዕናን እትገብሮ ዘላ ዘይተሓለለ ፃዕርን ሰፊሕ ህዝባዊ ምዕዓልን ብምድጋፍ 21 መስከረም ኣብ ከተማ ጭላ ከምኡ‘ውን 25 መስከረም 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ ራማ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ኣሳሊጦም ‘ዮም።

ኣብ ከተማ ጭላ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ 100,485 ሽሕ ብር ብቓልን ብጥረ ገንዘብን ንምውፋይ ዝወሰኑ እንትኾኑ ኣብ ከተማ ራማ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ድማ ብቃል 300,850 ብጥረ ገንዘብ 68,850 ድምር 470,186 ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምድጋፍ ወሲኖም።  

ኣብ ከተማ ራማ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ሃይለማርያም ሃፍቱ ማሕበረሰብ ወረዳ መረብለኸ ነበርቲ ጣብያ የጭላን ከተማ ራማን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብብርኪ ክልል ንዘለዋ ልዕሊ 3 ሽሕ ዳስ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ምዕሩይ ህንፃ ንምልዋጥ ንትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ዝድግፍ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ብምክያዶም ብሽም ማሕበር ልምዓት ትግራይን ተጠቀምትን ኣመስጊኖም።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ መረብለኸ ኣይተ ፍፁም ተስፋይ ብወገኖም፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝተናገፈት ምዕብልቲ ትግራይ ንምህናፅ ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት መላእ ኣባላን ደጋፊኣን ብምትሕብባር ኣብ ምምሕያሽ ዝርግሐ፣ ፍትሓውትን ፅሬትን ትምህርትን ጥዕናን ብምንጣፍ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ሕብረተሰብ ርኡይ ለውጢ ተመዝግብ ምህላዋ ብምግላፅ ኣብ ወረዳ መረብለኸ ‘ውን ተመሳሳሊ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝወገነት ኣረዲኦም።

ኣይተ ፍፁም ወሲኾም እንትገልፁ ነበርቲ ከተማ ራማን ጭላን ዘካየድዎ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ድማ ኣካል ምጥፋእ ድኽነትን ድሕረትን ስለዝኾነ ህዝቢ ምምሕዳር ወረዳ መረብለኸ ብምልዕዓልን ብምውዳብን ኣቢሉ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝገብሮ ደገፍ ንምጥንኻር ኣብ ካልኦት ጣብያታትን ቁሸታትን ተመሳሳሊ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ክሳለጥ እዩ ኢሎም።

ኣብ ከተማ ራማ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኤርትራውያን ‘ውን ምዕባለ ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ብምስላፍ ኣካል እቲ ሓገዝ ብምዃን ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮም ‘ዮም።

ማሕበርኩም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት (2011-2013 ዓ.ም) ብምህንፃፅ 10 ለካቲት 2011 ዓ.ም ንህዝቢ ትግራይ ዕላዊ ካብ ዝገበረቶ ግዘ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ብምትሕብባር ሃፍቲ ብምትእኽካብ ስራሕቲ ህንፀት ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ንምውጋን ዘኽእሉ መድረኻት ህዝቢ ተሳልጥ ኣላ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ኣባልን ደጋፍን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብ6831 ሓፂር መእልኽቲ ብምጥቃም፣ ዓመታዊ ክፍሊት ኣባልነት ብምፍፃም፣ ወለንታውያን ናብ ሒሳብ ቁፅሪ ባንክታት ማልት ዝህብዎ ዘለው ሓገዝ፣ ካብ ተጠቀምቲ ቢራ ካብ ሓንቲ ቢራ 25 ሳንቲም ደገፎም ብምውፋይ ሓገዝ ዝገብሩ ዘለው ኮይኖም ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዘለው ኣባላታን ደገፍታን ድማ ብክፍሊት ኣባልነትን ጎፈንድ ሚን ኣቢሎም ዝርካቦም ሓገዝ ዝገብሩ ዘለው ኮይኖም።

 


Back to Front Page