Back to Front Page

ማሕበረሰብ ንግዲ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ምስ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ብምትሕብባር ኣብ ዘሳለጥዎ ቴሌቶን ልዕሊ 178 ሽሕ ብር ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣወፍዮም

ማሕበረሰብ ንግዲ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ምስ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ብምትሕብባር ኣብ ዘሳለጥዎ ቴሌቶን ልዕሊ 178 ሽሕ ብር ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣወፍዮም

(ማልት) 9-18-19 - ማሕበር ልምዓት ትግራይ መንግስቲ ክሽፍኖም ዘይክኣሉ ክፍተታት መሰረተ ልምዓት ትምህርትን ጥዕናን ንምምላእ ተካይዶ ሰፊሕ ህዝባዊ ምልዕዓል ብምድጋፍ ምንቅስቓስ ከካይዱ ዝፀንሑ ማሕበረሰብ ንግዲ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ንሰናይ ተግባር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምድጋፍ 6 መስከረም 2012 ዓ/ም መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ኣሳሊጦም እዮም።

ኣብቲ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ዝተሳተፉ ማሕበረሰብ ንግዲ እታ ወረዳ ልዕሊ 106 ሽሕ ብር ብጥረ ገንዘብ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ዘወፈዩ እንትኾኑ እቲ ልዕሊ 72 ሽሕ ብር ክሳብ 30 መስከረም 2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ኣታዊ ንምግባር ቃል ኣትዮም።    

ኣብ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ዝተረኽቡ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ኣይተ ሃይለማርያም ሃፍቱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ማሕበረሰብ ንግዲ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብብርኪ ክልል ዘለዋ ልዕሊ 3 ሽሕ ዳስ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ምዕሩይ መምሃሪ ክፍሊ ንምልዋጥ ንትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ብምድጋፍ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ምክያዶም ብሽም ማሕበር ልምዓት ትግራይን ተጠቀምትን ኣመስጊኖም።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ኣይተ ተኽላይ ተኽለማርያም ብወገኖም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝተናገፈት ምዕብልቲ ትግራይ ንምህናፅ  ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ መላእ ኣባላን ደጋፊኣን ብምትሕብባር ኣብ ምምሕያሽ ዝርግሐ፣ ፍትሓውትን ፅሬትን ትምህርትን ጥዕናን ብምንጣፍ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ሕብረተሰብ ርኡይ ለውጢ ተመዝግብ ምህላዋ ብምግላፅ ማሕበረሰብ ንግዲ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ዘካየድዎ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ድማ ኣካል ምጥፋእ ድኽነትን ድሕረትን ስለዝኾነ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ፀዊዖም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ 2011 ክሳብ 2013 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ክትፍፅሞ ዝሓንፀፀቶ ስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ንምዕዋት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ብምትሕብባር ሃፍቲ ብምትእኽካብ ስራሕቲ ህንፀት ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ንምውጋን ዘኽእሉ መድረኻት ህዝቢ ተሳልጥ ኣላ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ኣባልን ደጋፍን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብ6831 ን 8160ን ሓፂር መእልኽቲ ብምጥቃም፣ ዓመታዊ ክፍሊት ኣባልነት ብምፍፃም፣ ወለንታውያን ናብ ሒሳብ ቁፅሪ ባንክታት ማልት ዝህብዎ ዘለው ሓገዝ፣ ካብ ተጠቀምቲ ቢራ ካብ ሓንቲ ቢራ 25 ሳንቲም ደገፎም ብምውፋይ ሓገዝ ዝገብሩ ዘለው ኮይኖም ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዘለው ኣባላታን ደገፍታን ድማ ብክፍሊት ኣባልነትን ጎፈንድ ሚን ኣቢሎም ዝርካቦም ሓገዝ ይገብሩላ ኣለው።

 

 

 

 

 

 


Back to Front Page