ቅልዕቲ ደብዳበ
ንኣቶ ስብሓት ነጋ
ፍትሒ መሓሪ
8 ሰነ 2007
መልእኽተይ ንኣቶ ስብሓት ነጋ ዝቐንዔ ይኹን እምበር ንእግረ መንገዱ ንዅሎም ደለይቲ ሰላምን ርግኣትን ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ነቶም ምእንቲ ሰላምን ርግኣትን ክልቲኡ ኣህዛብ ኤርትራን ትግራይን ዝሰርሑን ዝቃለሱን ዘለዉ ንኽበጽሓለይ እናትኣማመንኩ ኢየ።
ክቡር ኣቶ ስብሓት፡
ኣቐዲመ ሰላምታይን ኣኽብሮተይን እገልጸልኩም። ንጕዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት ብሳላ ቃልስን ጅግንነትን ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዝተባዕለ ብዓል ነጻነት ምኽንያት ብምግባር ዝሃብኩሞ ቃለ መጠይቕ ብጽሞና ሰሚዔዮ። ኣነ ሓደ ካብቶም ሕውነትን ፍቕርን ሰላምን ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝምነዩን ምእንታኡ ክጽሕፉን ክሰርሑን ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሓደ ኢየ። ይኹን እምበር እቲ ኣነ ኮነ ገለ ከማይ ዝኣምሰሉ ኤርትራውያን ከምኡውን ኢትዮጵያውያን ኣምሓሩ ኮነ ተጋሩ ንደልዮን ንሓልሞን ድሌት ዕርቅን ሰላምን ክልቲኡ ኣህዛብ መሪሕነት ስርዓት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ መሪሕነት ወያኔ ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ ዓው ኢሉ ዘይዛረበሉን ብግልጺ ዘይሰርሓሉን ክወቕሶን ክትንክፎን ምጽንሔይ እውን ኣይሓብኦን ኢየ።
እዚ ኣነ ኮነ ገለ ከማይ ዝኣመሰሉ ሰላምን ርግኣትን ክልቲኡ ኣህዛብ ሃገራት ክንዛረበሉን ክንሰርሓሉን ዝጸናሕና ጕዳይ ግን ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኮነ ኤርትራውያን ተቐባልነት ክረክብ ዘይኮነስ ተቓውሞን ዓው ኢልካ ወቐሳታትን ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ሰላምን ፍቕርን ክልቲኡ ኣህዛብ ዘይፈትዉ ካብ ድምጺ ሰላምን ፍቕርን ድምጺ ውግእን ጽልእን ክሰምዑ ብዝያዳ ዝሕጐሱ ከም ኢሳያስን ቅንጅትን ዝኣመሰሉ ምህላዎም ግን ንዅሉ ብሩህ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ኣምለኽትን ተኸተልትን ስርዓት ኢሳያስ ዝዀኑ ኤርትራውያን ብዛዕባ ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝያዳ ከኣ ብዛዕባ ታሪኽን ሕውነትን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ምዝራብ ዓቢ ገበን ክቝጸር ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ግን ብዘይ ምኽንያት ዘይኮነ በቲ ስርዓት ኢሳያስ ንውልቀ ስልጣኑ ክብል ኣንጻር ስርዓት እሂኣደግ ብፍላይ ከኣ ኣንጻር ወያኔ ሓርነት ትግራይ ለይትን መዓልትን ከየዕረፈ ብዝልፍልፎ ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኰነን።
ዝሃብኩሞ ቃለመጠይቕ ነቶም ወያኔ ክወረኩም ይዳሎ ኣሎ፡ ተቐረቡ፡ ተዳለዉ፡ እናበለ ብፍርሕን ብራዕድን ሒዙዎም ዝነብር ዘሎ ወትሃደራትን ህዝብን ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ንዝቐረበልኩም ሕቶታት ዝሃብኩሞ መልሲ ነቶም እምበርዶ እዚ ስርዓት ኢትዮጵያ (ወያኔ)ስ ኣብ ኤርትራ ርጉእን ድልዱልን ዲሞክራስያውን ዝዀነ ስርዓት ክትከል ይደሊ እዩ? ኢልና ክንጠራጠር ዝጸናሕና ተቓወምቲ ስርዓት ኢሳያስ ኢና ንብል እንተዀነ እውን ቀጥ ዘብል ዘትኣማምን መብርሂ ምዃኑ ክገልጽ ዘሰክፈኒ ኣይኰነን።
እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ዝነበሮን ዘለዎን ዓላማን መርገጽን ካብ ብርሃን ጽሓይ ብዝደመቐ ፍትፍት ኣቢልኩም ምትንታንኩም ከኣ ንኢሳያስን ትሓባበርቱ ዝዀኑ ክሓድትን ጠለምትን መስዋእትን ሞያን ተጋደልቲ ወያኔ ምኽሓዶም ዓቢ መውቃዕቲ ከም ዝዀነ ንተወላወልትን ኣስቀጥትን ኤርትራውያን ከኣ ዓቢ መጠንቀቕታ ምዃኑ ከኣ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ኣገላልጻኹም ከምቲ ወትሩ ኢሳያስ ወይ ልኡኻቱ ዝብሉዎ ንሕና ገርናሎም ሓጊዝናዮም ጥራሕ ዘይኮነ ብሻዕብያ ንዝተገብረልኩም ምትሕብባርን ንመስዋእቲ ኤርትራውያን ኣብ ትግራይን ምግልጺ ምጥቃስኩም ከኣ ንቃለ መጠይቕኩም ብዝያዳ የርዝኖን ትኣማናይ ይገብሮን።
ኣብ ናይ መጻኢ ፖለቲካዊ ኵነታት እንታይ ከም ዝኸውንን ዘጋጥምንኳ ከረጋግጽ እንተዘይከኣልኩ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚርኩም ብዛዕባ ኵነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ንዅነታትን ርክብን ውድባት ኤርትራን ወያኔን ከምኡውን ኣብ ታሪኽን ሓቅን ዝተመርኰሰ ንክልቲኡ ኣህዛብ ታሪኽ ብዝምልከት ዝሃብኩሞ ገለጻ ግን ምንም ፖለቲካዊ ቀመማት ዘይብሉ ንጹህን ሓቅን ትንተናን መልስታትን ምንባሩ እቶም ብቐረባ ክንፈልጦን ክንከታተሎን ዝጸናሕና ተቓለስቲ ምስክር ኢና። እቲ ስርዓት ኢሳያስ ኮነ ቅንጅት ክሓኮን ከጥፍኦን ዘይክእል ታሪኽን ሕውነትን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ኤርትራን ትግራይን ብግልጽን ብዘይ ቀልዓለምን ከተረጋግጹዎ ምኽኣልኩም ከኣ እንቋዕ ኣሓጎሰኩም እናበልኩ ኣድናቖተይን ኣኽብሮተይን ኣረጋግጸልኩም።
ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዙሓት ነቲ ንስኹም ኣብ ቃለመጠይቕ ዝሃብኩሞ መልስታት ብፍላይ ከኣ እቲ ብታሪኽ ዝተሰነደ ሓቂ ንምልዋጥ ክዕለብጡ ይርኣዩ ኣለዉ። ኢሳያስ ኮነ ቅንጅት እሞ ከኣ ከይሓሙን ከይጽለሉን እውን ዘስግእ ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን ተሓቢእካ ኣይሕባእን ኢዩ። ኢትዮጵያ ብዙሕ ታሪኽን ጅግንነትን ዘለዋ ሃገር ምዃና ዝከሓድ ኣይኰነን። ብእምነተይ ካብቲ ኣውራ ንታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዘፍልጣን ዘድንቓን ታሪኻት ግን ቀደም ኮነ ሎሚ እዋን ብተጋሩን ኤርትራውያንን ዝተፈጸመ ታሪኻት ኢዩ በሃላይ ኢየ። ኣብ መተማ ብሓደ ምክልኻልን ምስዋእን ዝተራእየ ፍቕሪ ኤርትራውያንን ተጋሩን ኣብ ዶግዓሊ ዝተገብረ ጅግንነታዊ ምክልኻል ሃገርን ኣብ ዓድዋ ዝተፈጸመ ጅግንነትን ዳርጋ ኵሉ ብኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝተፈጸመ ምዃኑስ ክከሓድ ኣይግባእን።
እቲ መጀመርያ መልእኽተይ እምበኣር ንኢትዮጵያውያን ብፍላይ ክኣ ንኣምሓሩ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ኢጣልያ ብፋሽስቲ መራሕቲ ኮነ ኣብ ጀርመን ብናዚ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ ሎሚ ደቃቶም ዘሕፍሮምን ዘሰክፎምን ዘሎ ብዝሓለፉ ገዛእትን መራሕቲን ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝተፈጸመ ግፍዕን ጭፍጨፋን ስቓይን ከኣ ናይ ሎሚ ውሉዳቶም ከጕህዮምን ከጣዕሶምን እሞ ንፍቕርን ሕውነትን ምዕባሌን ክሰርሑ ይግባእ። ትዕቢትን ትምክሕትን የውድቕ እምበር ኣየማዕብልን ኢዩ። ዘማዕብል እንተዝኸውን ከኣ ንሂትለርን ንሞሶሊንን ንናይ ሎሚ እዋን ሳዳምን ኢሳያስን መሰልቶምን ምጠቐመ እሞ ብፍላይ ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን ኣምሓሩ ሎሚ ንዕቀትን ትዕቢትን መን ከማናን ገዲፎም ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ምዕባሌን ሕድገትን ፍቕርን ሃገር እንትዝጥምቱን ምስ ኣሕዋቶም ተጋሩ ኮነ ኤርትራውያን ክቀራረቡ እንተዝመርጹ ምሓሸ እብሎም።
ቀጺለ ‘’ኣዲኣ ጸሊኣስ ሓትኖኣ ትናፍቕ’’ ከም ዝበሃል ኢሳያስ ንኤርትራን ንህዝባን ዘይሓለየን ዘየቕሰነን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኣምሓራን ክሓሊ ማለት ቅኑዕ ኣረዳድኣ ኣይመስለንን። ንሕና ኤርትራውያን ኮነ ትግራዎት እንተዀይኑ ቀዳሞት ገዛእቲ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝፈጸሙዎ ገበናት ውሉዳቶም ትሓተትቲ ኢዮም ዝብል ቅርሕንቲ ወይ ጽልኢ ኣየርኣናን። ዝሓለፉ ገዛእትን መራሕትን ኣምሓራ ዝነበሩ ዝፈጸሙዎ ገበናት ንታሪኽ ገዲፍና ብሕውነትን ፍቕርን ብሓደ ትሓቛቝፍና ንቐጽል ኢና ዝበልና። እዚ ከም ንዕቀትን ስንፍናን ዝቝጸር እንተዀይኑ ግን ድሕሪ ደጊም ብዓሌትን ብትዕቢትን ናይ ቀደም መግዛእትን ጭቆናን ንኽመልስ ንዝፍትን ኵሉ ብናይ ሓባር ቅልጽም ክንምክቶን ክንከላኸሎን ከም ንኽእል ብግብሪ ስለዝፈጡዎ ካብ ዳግማይ ጌጋ እንተዝቝጠቡ መጸበቐሎም።
ብካልኣይ ደረጃ ዝልግሶ ምኽሪ ከኣ ንኤርትራውያን ኣሕዋተይ ኢዩ። ኢሳያስ ብትዕቢት ምስ ተበገሰ ብትዕቢት ከኣ ይቕጽል ኣሎ። ክሳብ ዝጠፍእን ኣብ ጕድጓድ ዝኣቱን ከኣ ትዕቢቱ ኣይክገድፍን ኢዩ። መዕለብን መከላኸልን እንተዘይተገሩሉ ከኣ ሃገር ለኪሙዋ ክጠፍእ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ቅድሚ ውግእ ክልቲኤን ሃገራት ንባዱመ ብሓይሊ ምስ ወረረ ነቲ ብሓይሊ ዝሓዞ ቦታ ክለቅቕ ዓለም ብምልእታ ለሚናቶ ብወርሕን ጽሓይን ምሒሉ። ነቲ ብሓደ ክሰርሕን ተሓጋጊዙ ንልምዓት ክሰርሕን ጀሚሩ ዝነበረ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ኣዋጊኡን ኣዳምዩን። ብውግእ ምስ ተሳዕረ ከኣ ብቐትሪ ዘይኮነስ ብለይቲ ገዛ ገዛ እናኸደ ኣድሕኑኒ እናበለ ክልምን ተሰሚዑ። ሎሚ እውን ንህዝቡ መግቢ ዝኸውን ባኒ ክረክብ ዘይከኣለ ናይ ኣፍሪቃ ገባርን ሓዳግን ክመስል ሓንሳብ ብናይ ሶማል ሓንሳብውን ብናይ ዳርፉር (ሱዳን) ክዓርቕን ከባእስን ይውዕል ኣሎ። ካብዚ ገለ ምኽንያት ከኣ ናትና ሕመቕ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከኣ ብዘይካ ምጥቓዕን ንሱ ዝደረፎ ምድራፍን ኤርትራ ሰብኡት ከም ዘይወለደት መኻን ኰይና ህዝብና ክቕጥቀጥን ክጸንትን ትዓዘብቲ ኰንና ስቕ ኢልና ንርእን ንሰምዕን ኣሎና።
ናይ ኢሳያስ ዕሽነትን ድንቍርናን ዲክታቶርነትን ንሕና ኤርትራውያን ብታሪኽ ዘይኮነ ኣብ ሂወትና ኮነ ስድራ ቤትና መዓልቲ መዓልቲ ክፍጸም ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና ስለዝዀነ ካብ ኵሉ ሰብ ንላዕሊ ክንፈልጦን ክንርሕቀሉን ይግባእ። ነዚ ከኣ ንፍቶ ንጽላእ ንበይንና ክንገብሮን ክንበጽሖን ንኽእል ዓወት ስለዘየልቦ ሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ኣረሜናዊ ዲክታቶር ኢሳያስ ከነድሕን እንተዀይኑ ናይ ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ከኣ ተጋሩ ሓገዝ ብግልጺ ክንሓትት ይግባእ። ኣይኰነንዶ ህዝቢ ዝደኸመን ዝተጸገመን መንግስቲ እውን እንተዀነ ናይ ፈተውቱን ኣሕዋቱን ሓገዝን ረድኤትን ምሕታት ከኣ ከምቲ ኢሳያስ ካብ ኣሕዋትናን ጐረባብትናን ክንጽለና ስለዝደሊ ዝብሎ ንሃገርካን ህዝብኻን ምኽሓድ ማለት ኣይኰነን።
ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ናይ ብሪጣንያ መራሒ ዝነበረ ቸርችል ንሶቬት ሕብረት ከይዱ ንመንግስቲ ስታሊን ንሂትለር ንምክልኻል ናይ ሓባር ምክልኻል ክገብሩ ክሓትት ከሎ ንዓላማ ኮሞኒዝም ስለዝተቐበለ ወይ ንሃገሩ ስለዝኸሓደ ኣይነበረን። ስለዚ ከምቲ ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝበሉዎን ዘረጋገጹዎን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ንጊዜኡኳ ኢሳያስ እንተዋግኦን እንተፈላለዮን፡ ታሪኹን ሕውነቱን ኣመጻጽኣኡን ባህሉን ስለዘይፈቕዶ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ንቡር ሕውነቱን ፍቕሩን ከም ዝምለስን ማንም ሰብ ክፈልዮን ከርሓሕቖን ከባትኾን ከም ዘይክእል ክንፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ረብሓናን ጠቕምናን ጥራሕ ዘይኮነ ረብሓ ስርዓት ወያኔን ረብሓ ህዝቢ ትግራይን እውን ካብ ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ፈሊና ክንርእዮ ስለዘይግባእ ብዓቕምና ንጸላኢኦም ክንጸልእ ንፈታዊኦም እውን ክንፈቱ ከም ዝግባእ ክንርዳእ እላቦ።
ዓወት ንኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን
ሕውነትን ፍቕርን ኤርትራውያንን ትግራዎትን
ውድቀት ንፈላለይትን ትዕቢተኛታትን